“ክምለስ’የ” ኢለያ ነደይ

ፈለማ፡ ኣብ ሻብዓይ ዕድመይ ምስ ህንጡይ ትርኢተይ ሃልሃል ዝብል ወነይ፡ ስርሓት ገዛና ኣደይ ዝሰፈየታ ካብ ኣረጊት ጨርቂ ለጋጊባ፡ ክልተ ጥራዝ ነናይ ዕስራ ገጻት በላሕ ርሳስ ብስሕለት ዝተጸርበት ዝሓቖፈት ሳንጣይ ተዀልኲለ ካብ ቀጽሪ ገዛና ትምህርቲ ነቒለ። ኣደይ ደድሕረይ ክሳብ’ቲ ኣፍደገ ተስፋን ሻቕሎትን ኣብ ገጻ ‘ናተነበ «ኣይትሕመቕ ዝወደይ ኣይትደንጒ ድሕሪ ፍዳሴ» ኣፋንያትኒ። እንድዒ! ድሕሪ ፍዳሴ ቀልጢፈ ድየ […]

Read More “ክምለስ’የ” ኢለያ ነደይ

ድርብ ዝኽሪ

  ኣጋግዜ፣ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ስቕታ ኣቚጽልቲ፣ ዝግታ ባሕሪ ህድኣት ተዓጂባ፣ ፈጢራትለይ ተምሳጥ ባህ ኢሉኒ፣ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ኣስተርሕየ ክቕመጥ።   ሻሕ ዝበለ ጻሕ ዝበለ ብሕብሪ ዕራርቦ ዝተዃሕለ ንዘይፈልጦስ ሓቂ መስሎ ስቕታኡ፣ ጸጥ! ዝበለ።   ኣዒንተይ ንግርማኡ ኣፍንጫይ ንሽታኡ ተመሊኾም፣ ተማሪኾም ሸሚሞሙኒ ኣብ ዝኽሪ ትማል!   ምስኣ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ገማግሙ ተሓቛቚፍና ኣብ ሕቚፊ […]

Read More ድርብ ዝኽሪ

ብምንጽጻር

  ዑፍ መስቀል ወቕቲ ሓልያ ተስፋ ከተበስር ብምብራቕ ትቕልቀል፣ ትፍቶ! ትብሃግ እምበር መዓስ ትህደን!   ታሕሳስ ምስ ጣሕሰሰ ድሮ ጾመ-ርብዓ ሓጋይ እናቐረበ፣ በዚ መጸት ዘይትብሃል ዋዕሮ ኣኽላባት ኣዕሲላ ገደናታት ትሓድሮ፣   እስኪ ሕሰቢ ሕጂ ነብስኺ መርምሪ ንዑፍ መስቀል ዶ ነታ ኸልቢ ትመስሊ፧!   ፍቕረይ የማን

Read More ብምንጽጻር

ደርፊ ዓድና

  ነፋሪት ዘብርር ሰማይ ኣብዘይብሉ ባቡር ትሓልፈሉ ሓዲድ ኣብዘይብሉ ኣንፈቱ ኣብዘይፍለጥ ጸሓይ ትበርቀሉ ወቕቲ ኣልቦ ህይወት፣ ዘይፍለጥ ምስሉ፣   ዝተኣከባ ኣንስቲ፣ ‘ዒንተን ዝቖርቆረ ማዳ ዝተነጸፎ ገጸን ዝሓሽከረ እህህታኡ ዝስማዕ ልበን ዝሰንበረ ልኻይ ኣልቦ ጸጒረን ብነድሪ ዝፈንተረ   ባይታ እናጠብጠባ እናተደጋገፋ ኣብ ባይታ ከይዓልባ ሳዕሲዒት ዝመስል ብቓንዛ እናዂደዳ ይደርፋ ኣለዋ ኣብ ዓዲ ንብዓት እናተሓልባ።   “ላዕሊ […]

Read More ደርፊ ዓድና

እምነት ዶ ዕሽነት፧

ፈጣሪ ተቐሚጡ ኣብ ላዕሊ ንወዱ ሰዲዱ ሕሰም ምድሪ                         ክኣሊ።   ወዱ፣ ኣይከኣለን ኣይኮነን ንምድሪ፣ ንወዲ ሰብ ካብ ባዕሉ፣ ንነብሱ ኣየድሓነን።   ተገሪፉ፣ ተሰቒሉ ተገኒዙ፣ ተቐቢሩ፣ ዝርኣዮ’ኳ የልቦን ይብሃል ግና ተንሲኡስ                         ዓሪጉ።   ቅድሚ ምትሓዙ፣ ምእሳሩ እቲ ንሱ ዘይከኣሎ ሰብ ቆጺሩሉ፣ ‘ሃዋርያት’ ሸይሙ፣ ‘ኪዱ ንምድሪ ዙሩ ቃለይ ኣበስሩ ብሽመይ ምሒልኲም ሓቅነት ኣእምኑ’ ኢሉና ይብሉ። […]

Read More እምነት ዶ ዕሽነት፧

ዘራጊ ናፍቖት

ኣብቲ ዝናፍቖ ውሽጠይ ዝሕቆኖ ዳጌፋ ዘድልየኒ ፍቕሪ ኣቦ ፍቕሪ እኖ ኣብ ሓሳበይ ኣብቲ ባህገይ ዘድልየኒ ሓመድ ዓደይ ክኽይድ እሓስብ እነቅል እሞ ኣብ ፋንታዝያ ዓለም ኣትየ ክፍትኖ፣   ክጸውየሎም‘ቲ ውዕለተይ ጒዕዞ ስደት ‘ቲ መንገደይ ዝጸንሓኒ ዘይከም ትጽቢተይ፣ ህይወት ስደት ‘ቲ ምስሉ ወግዒ ኣልቦ እቲ ባህሉ ወይ ዘይፈልጦ እንድዕሉ፣ ክንጻወ ከከም ከምኡ ዘዘለና ብምልኡ ‘ታይ ምልኣቱ‘ኳ ከምቲ […]

Read More ዘራጊ ናፍቖት

ግብሪ

    ነውጺ ጠፈር ዝፈጠሮ ወጥሪ ዝናብ ኮይኑ ይፈስስ ንምድሪ ምድሪ ኣይጸሮን፣ ተኣኪቡ ዕቚባ ደልዩ ንባሕሪ ውሒዙ።   ኣይነቐለን ካብ ነብሱ ኣይነበረን ንነብሱ ተኸሊሱ ተሓፊሱ ንኻልእ’ዩ ኣንጊሱ።   ስደተኛ! ምስኪናይ!   ነውጺ ዓዱ ዝፈጠሮ ወጥሪ ተነቒሉ ይፈልስ ንባዕዲ ኣብ ዓዲ ፈሊሑስ ይግንፍል ንወጻኢ ናብ ውሽጢ ኣህዛብ ጽኑሓት ሰብ ርስቲ።   የዕርቕዎ የዕቊርዎ ይዘርእዎ የፋይርዎ ዘርኢ […]

Read More ግብሪ

ናጽነት

  ኣብ ነብስኻ ኣብታ ናትካ ከም ድሌትካ መን ይኸልኣካ!   ዶብ ምስ ሰገርካ ርሑቕ ምስ ከድካ ሓቲትካ ተዓቚብካ ለሚንካ ተተዂቡልካ።   ሓበን ዘይብሉ ቃሕታኻ ዘይመልእ ዘየማልእ ናጽነት ኣለካ።   ይህቡኻ ይወስዱልካ እንተደለዩ ይግልገሉልካ ከይፈለጥካ ብገርህኻ።   ናቶም እምበር ናትካ ዶ ኮይንካ ሳልኦም እምበር ባዕልኻ ዶ ኮይንካ ‘ንስኻስ’ ኣብ ዓድኻ ኢኻ ‘ኣነ’ ትብል፣ ‘ንስኻ’ ዝብሉኻ።   […]

Read More ናጽነት

ዕርቃን

ዘይተምውቕ ጸሓይ፣ እንተበረቐት እንተደመቐት እሞ ምስ ተወቕሰት፣ ደበና ኣመኽንያ ‘ኣይኣነን’ እንተበለት፣ ብርሃና ኣበይ ከደ፧ እቲ ብደበና ዘይዕገት። (ድምጺ እንጽርጽሮተይ እዩ  በጨቕታ ዓቕሊ ጽበተይ) ምስ ረኣዂዂም ቅንአይ ዘንቀሎ ከይደ ንዓደይ ናብራዂም ክነብሮ። (ኣይብተግባርን ብሓሳብ ደኣ) በብውልቂ በብጽምዲ ሰሊምኲሞ ‘ቲ መንገዲ ምኻድኲም ብዘብዘብ ምምላስኲም ዘገምታ ትማሊ ኣብ ዝባንኲም ሎሚ ተሰቒልኲም ርግጽ ወሲድኲሞ ንጽባሕ ምብጻሕኲም፣ ኣብ ጽላል ናጽነት […]

Read More ዕርቃን

ጐደና ገዲፈ

    ፍቕሪ ዝእምነተይ ኣነ ‘ንታይ በሃሊ ኣብ መትከል ዝነብር ንቓለይ ተግባሪ ሒደት‘የ ዝዛረብ ዝኣምን ንግብሪ።   ክዛረብ! መዓት‘ዩ፣ እንድዕሉ ኣብ ሓቂ ብእዝና ልሒዂ ነቕኒቕዎ ፍቕሪ ‘ቲ ኣብ ልባ ኣፍሊሰ ዘብቆልኲዎ ተኽሊ፣   ዕንበባ ሓሪሩ እንተረገፈ ቆጽሊ ቃርፋ ተቐሊጡ እንተተቐልዐ ጒንዲ ሱር ዶ ክምሖ ኢሉ ብዘይ ሓያል ጻዕሪ                                  ብዘየለ ፍቕሪ።   (ኣየፍቀራን መስለኒ […]

Read More ጐደና ገዲፈ

ንእስነተይ ዝረኣየ

    ኣብ ግራት ሃንቀውታ ሕልሚ ዝዘርኣሉ ኣብ ቃጸሎ ሕልሚ ኣትየ ዝበስለለኡ ጽራይ ህንጡይ ዕድመይ ፍቕሪ ዝረውየሉ                            ንእስነተይ ዝረኣየ፧! ንእስነት ዝፈልጥ ሕልሙ ዘይተጨውየ፧     ካብ ሰማያት ዓደይ ኮኾብ ዘውርደሉ ንውርሒ ኣብ ድምቀታ ‘የለኽን‘ ዝብለሉ መላጒም ኣፍልበይ ልጓም ዝበትከሉ ‘ሓለፈ‘ ዝቀናጠዋለይ ዳዕሮ ብኽንድኡ ዝመስለኒ ጸጒረይ፣                             ንእስነተይ ዝረኣየ፧!                          ዝኽሪ ዝመልሰለይ                        […]

Read More ንእስነተይ ዝረኣየ

ስእሊ ‘ደይ፧!

ስእሊ ‘ደይ፧! ኣየናይ ስእላ …፧! ስእሊ ዛንታኣ ዶ ስእሊ ምስላ ስእሊ ጸሎታ ዶ ስእሊ ዝኽራ    ስእሊ ‘ደይ፧! ኣየናይ ስእላ …እ፧! ስእሊ ማህጸና ዶ ስእሊ ምስላ ስእሊ ኣዒንታ ዶ ስእሊ ልባ እቲ ደርዘን ፈርያ ትነብሮ ኣብ ጽምዋ ንብዓት እናኻፈየት ትንበሮ ሃለዋት፣   ስእሊ ‘ደይ … … … … ህ …! ስእሊ ‘ደይ የብለይን። ብምንታይ ‘ተሳእለቶ፧! […]

Read More ስእሊ ‘ደይ፧!

ስእለይ ተማልኢ

    ኣብ ዝግታ ‘ቲ ባሕሪ ህድኣት ማዕበላቱ ዳሕረዋይ ጫፍ ዕምሪ፣   ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ዋግዋጎ ጽላሎት ‘ዒንትኺ ምስ ደብዘዛ፣   ኣበይ ትጸንሒ እንድዒ ኣብ ዓራት ዶ ኣብ ኲርሲ ምስ ሰብ ዶ በይንኺ ኣብ ማእከል ዶ ኣብ ኣብ ጸግዒ ግን ክትዝክርኒ ኢኺ።   ዝኽሪ ንእስነት ኣብ እርጋን ይደምቕ ጣዕሳን ሓዘንን ሽዑ ይዓሙቚ ፍቕሪ እንተነይሩ ከኣ […]

Read More ስእለይ ተማልኢ

Pratet av kvelden

 Gjennom hasj og whisky “Jeg skal reise med dere” sa han. Han var ivrig da han snakket om reisen. Han vet mer enn oss om hvor stor og farlig er reisen er. Vi var alle overrasket om hvor ivrig han var til reisen. En kveld hadde jeg fått sjanse å prate med han. Vi hadde […]

Read More Pratet av kvelden

‘ተስፋ ምሕረት’

ዓደይ! ተወሊድኪ ጻንታ፡ ትህደኒ ብቓጻ ትወልዲ መማንታ፡ ዝዀኑኺ ቃንዛ።   ዓደይ! እቶም ዝቃጸዩ ዘየናሕስዩ ክገብሩኺ ‘ነበረት’ ሐሕስሙ ይፍሕሱ፡ ቅዳሴ-ጸሎቶም  ዝያሜታት ደርፎም ሽምኪ ዘማእከለ’ዩ።   ደቂ ማህጸንኪ፡ ከም ክልተ ሹም ንህቢ ሕድሕድ ዝናቖሩ ክብሕቱ ቆፎኺ፡ ሓዲኦም ጨካን ከርሱ እቲ ካልእ ጸቢብ ርእሱ፡ ኣይንሓሰዩ ኣይተሓላለፉ፡ ክብርኺ ኣራኺሶም ኣካልኪ እናድመዩ ብሽምኪ ንሽምኪ ይምሕሉ።   (ማሕላኦም ሓሶት ሓጢኣቶም’ኳ ይርእይሉ […]

Read More ‘ተስፋ ምሕረት’