ምስ ጨነቐኒ

  ኣብ ልዕለይ ደበና ሓቂ           ዘነብኩ ዘነብኩ ኣብ ቅድመይ ዝሓለምኩዎ ባህጊ                    ቀረብኩ ቀረብኩ   ንምቕባሉ ከቢድ ሓቂ ትጽቢቱ ነዊሕ ባህጊ፣ ንሓቂ ከመይ ክውግኖ ንባህጊ ከመይ ከካውኖ፣   እቲ ዘይተርፍ እቲ ዘይሓልፍ ንድቃሰይ ገይሮምኒ ጓና ንመዓልተይ ይውዕሎ ጽሞና፣   ምስ ጨነቐኒ …! ንባህጊ ቀቲለዮ ኣብ ጉድጓድ ዝኽሪ ብቓንዛ ቐቢረዮ። ሓቂ  ምስ መጸ  ዝኽወን  እርእዮ። […]

Read More ምስ ጨነቐኒ

ዝኽሪ ሃገግታኺ

ምስ ተፋነኽኒ፣ ቁሩብ ንኸዕርፍ መንፈሰይ ከህድእ እናሻዕ ዝግንፍል ባህታ ውነይ ከርግእ ርስዕ! ከብለኪ ካብ ዝኽሪ ክሕባእ፣   ማይ ጨው ካብ ባሕሪ ሓቒቕ ፈለግ ዝጎርፍ ዝዛሪ፣ ብሳሙና ብሽብጢ፣ ብሑጻ ብስልኪ ፋሕፊሐ ለቓሊቐ፣ ጸላልየ ኣንቂጸ፣ ጨና ኣዳም ዕጣን ካብ ፍረታት ለሚን ካብ ፓሪስ ጨና ፈረንጂ ብልቃጥ ዕጣን ከርበ ካብ ቻይና ካብ ህንዲ                   ተለኽየዮ።   ገደደኒ ደኣ […]

Read More ዝኽሪ ሃገግታኺ

ሞሞና ብዘይ ግርማ

ካብ ምዕራብ ምብራቕ ሰጣሕ ሰንጢቑ ባሕሪ ሰጊሩ ህርፋን ሓዚሉ ቅንኢ ‘ከቲሉ ካብ መን ሰኒፈ ኒሕ ኣዐስኪሩ ዝመጸ ንፋስ ምዕራብ ሃገሩ ሞሞናና! ኣባኻ ዶ ‘ዕሪፉ ግዜ ተመዂልዩ እርጋንካ መዝሚዙ!   “ንስዑዲ ዲኻ ንፎሮ ኣማኽረኒ’ባ ዝገብሮ” ተባጭዩልካ መፋነዊ፣ ጐሲኻዮ ከምዘይሰማዒ “መሬት ጋዕቤን ተኣማኒ ሓምሊ ክህበኒ እዩ መኽረሚ ሓጋይ ክሓልፎ’የ ብጸሎተ-ዓቕሊ” ተስፋ ተቐኒትካ ኣጽሒኻዮ ደርቂ እምነትካ ኣሚንካ ምስ […]

Read More ሞሞና ብዘይ ግርማ

ምኽንያት ኲንኒ

  ኣንቲ ዑፍ መስቀል ወቕቲ መመሪጻ ናብ ልበይ ትቕልቀል ጭውነታ ሓዲጋ ሃንደበት ትስወር፡ ንባህገይ ነቢባ ብኡ ትከናወን፣ ከምቲ ሕሉፍ ብጋህዲ በቲ ልሙድ ማዕጾ ሓንሳብ ‘ባ ንዒ። እተዊ እሞ ኣይተሕለውልዊ ብደውኪ ደሓን ኮፍ ኣይትበሊ፣ ተቐመስለይ ምቕማስ፥ ግዳ ዓርዕሪ ኣተንክፍኒ’ሞ፥ ኣሽዂ ተዋግኢ ኣምዐ ኮይንኪ ቆርበተይ ለብልቢ፣ ኣሰምብድኒ ንሕጂ ‘ንተዘይረሳዕኲኺ፥ እጸልኣኪ ንምጽላእ ጸሊኤ እገድፈኪ ምኽንያት ሰሪሐ ኣብኡ እቐብረኪ። […]

Read More ምኽንያት ኲንኒ

ዝወሃብ ሃብኒ

ንቕድሚት ገቲርኪ፡ ዝዋግኡ ኣቕርንቲ ክዓልቡኻ መስታ ክትጠቕስዮም ወስታ መላሕቲ  ውነ፡       ተቐነይቲ ‘ዒንቲ፡ ሕስይስይ ግደፊ ክትሓልፊ ክት‘ተርፊ ጽምአይ  እናረኣኺ ዓይንኺ ኣይተዕግቢ ባህታኺ ክትረኽቢ ባህታይ ኣይተጽድፊ።   ውረዲ ኣብቲ ሩባ እንተለኪ ዘረባ ዘረባ እንካ–ሃባ ዝሕለቦ ጸባ፡ ጸባ እዚ ረጋኢ ዝህበና ቅብኢ ቅብኢ እዚ መኣዛ ንኣካልና ላዛ፡   ኣካልና እዚ ቅዱስ ወላህ ኢሉ ልስልስ ሕድሕድና ዘሕጒስ፡   ንለዋወጠሉ […]

Read More ዝወሃብ ሃብኒ

ገጹ ‘ከወል!

እታ ጸሓይ፡ ከይዳ! ኣንቆልቊላ                     ብርሃና ቀኒሱ እቲ ቬትሮ  ኸኣ  ር…ስሕ ኢሉ               ነጸብራቕ ኣህሲሱ ግን  እዂል‘ዩ፡ ጥራይ ቁሩብ…ቁ…ሩብ ምሽ ኣለኪ…… ኣብራኺ  ዕጽፍ!   ቁ…ሩብ  ንላዕሊ ቀምሽኪ ስብስብ! በቃ! ክምኣ‘ሞ በሊ ዕራርቦይ‘ዩ ሎምስ! ጽንሕኒ‘ሞ             […]

Read More ገጹ ‘ከወል!

ባህታ ቅንኢ

ድሕሪ‘ቲ ዝኾነ፡ ስዕረተይ ኣሚነ ቁስለይ ንዘይምርኻስ፡ ነድሩ ንምዕጋስ ገጽኪ ንዘይምርኣይ ካብ ወዝቢ ንምእላይ ፍቕሪ ከሲረ ካብ ቅንኢ ክሕባእ፥ ኣደራሽ ሓዲገ፡ ጎደና ቀይረ ኣርሒቐ ነጊደ።  (እንታይ ንግደቱ እኳ ግዳ ተሰዲደ)   ንግደት ኣካል ቀልበይ ድሕሪት ፈቲነዮ መቸም፡ ካብ ምሳኽስ ምስ ውሽጠይ ምቅላስ።   ምቁማት ኣይሓደግኩን ኣምሲለ ካብ ምሕታት ደሃይኪ ንምርካብ ዓዲ ኣይወዓልኩን። (እዚ ዛንታ እዩ ንዓኺ) […]

Read More ባህታ ቅንኢ

ኩሉ ግዜ’ባ ንሓምብስ!

ክትበቂ ሲ! ካብ እንላለ ብደገ ደጌና ዓራት ከይበጻሕናነዊሕ ተጓዒዝና። ብዝማእማኣኪ ፍቕረይ ክትምገቢ እቲ ዝሃርፎ ግን ፍጹም ዘይትህቢ፡ ነገር ባህርን ባህልን ክትከዋውልዮ ኣፍኢሙ ዝሓብእ ክዳን ትኸድንዮ፡ ክዳን ብግዲኡ፡ ንድሌትኪ ድዩ ተረዲኡ ወይስ ከርእየኒ ክእለት ሰፋይኡ የወናውነኒ ቀቀንዱ ሓቢኡ። ንሱ ‘ሓይሽ ድሓን ይእቶ ባሕሪ ጽባቔኡ ዘይብሉ መስፈሪ “ረኣያ” እምበር “ረኣየኒ” ኣይበለን ካብቲ ዝሃርፎ ቅንጣብ ኣይከወለን ጋቢዙኒ እቲ ዝጋበዝክዮ ሕቚፈይ ‘እትዩኪ […]

Read More ኩሉ ግዜ’ባ ንሓምብስ!

ስለኻ ንዘይምንባዕ

…… ምስ በጻሕኩ፡ መሲሉኒ ዝተወድአ ሻቕሎት ዘየሎ ስቓይ ውን ዘብቅዐ፡ ድሕሪት ንድሕረት ሂበ ዝረኣኹዎ ዝወዓልኩዎ ኣብ ታሪኽ ቀቢረ ሂወት እንታይ ‘ጥዕም ክርእዮስ ምንባሩ ጀሚረ። ቃንዛ ሕሉፈይ እቲ’ኳ ከምቲ ናትካ ዕድለይ ዝሰዓሮ ዕድልካ ዝኣበየካ ብመታወን ፍቕሪ ተዋስኦ ሂወት ወላዊለ ‘ረሳሲነ ክፍውሶ ፈቲነ። ምስታ ኸማይ በዓልቲ ትማሊ መቓኒቲ ሳህራ መዋዕልቲ ባሕሪ ብሓደ ኔርና ነኻፊ ዝኽሪ ዝኽሪ ትማሊ […]

Read More ስለኻ ንዘይምንባዕ

ቅንኢ

ኣነ ምስ ‘ዓርከይ’ – ሳልሳይና ጽልኢ ንዓርከይ ጓናኡ – ኣብ ውሽጠይ ነባሪ፡ ሰለስተ ጸወታ – መን ሰዓረ ድራር ዝኸፍል – ጸወታ ጀመረ። ሰሓብ! ደርቢ! ደርቢ! ሰሓብ! ማታ ባይስ ኣላሂመዮ። — ሰሓብ! ደርቢ! ደርቢ! ሰሓብ! ሕራነይ ወሲኸ ማንካ ኡኖ! ……ሰበይቲ ዓርከይ ደዊላ ቴለፎን እንታይ ተባሃሂሎም ኣይሰማዕኩን፡ ባና ብርሃን ገጹ ግን ደጒሑኒ ሓይሉ መንፈሱ ክብርኽ ኣስተውዒለ ቀልበይ […]

Read More ቅንኢ

“ትጽቢት ጎዶት”

ግዜ እንታይ ኣለዎ ግዜ እዚ ጎያዪ ሓደ ዘመን ኮይኑ፡ ዘይረኣኽያ፡ ዘይትፈልጥያ ባቡር  ክትጽበዪ! ባቡር ፍትሒ ጽዕነታ ሓርነት ተበሃጊት! ተሓላሚት መዓስ ከምትበጽሕ ዘይትፍለጥ፡፡ ትጽቢት ካብ ተዀብቲ በሊዕዎ ሓዊ ድሕሪ ሓንቲ ለይቲ፡ ሃረርታ መጎትቲ ዘሪግዎ ንፋስ ኣይሰሙን ሳልስቲ፡ ንፋስ በዓል ሕማም ሓድጉ ዘራጊቶ ለኪሙ ንሰላም። ሃንቀው ንወፋሮ ‘ሎሚ መጻእና ጽባሕ ተጸበዩና፡’ ዕድመ ክርስቶስ ዝሰተየ ጉዕዞ “ምስጢረ ስላሴ” […]

Read More “ትጽቢት ጎዶት”

ሰዓት ሓደ

  ቅድሚ ዓሚ፡ ዓሚ እንሆ ድማ ሎሚ፡ ዕለት ከየብኰረ! ደቒቕ ከይደሓረ ልክዕ ሰዓት ሓደ ኣብኣ ይመጽእ’ሞ ተተኺሉ ይጽበ።   ብጸጋማይ ኢዱ ሓቚፉ ሰታሪት፣ ዝኣሰራ ሰዓት ጸጸኒሑ ይምልከት። ግና ንሰዓቱ ዘይኣምና ክመስል “ሰዓት ክንደይ ኣሎ?” ይሓቶም ነቶም ሽማግለ፡ ጫማ እናወልወሉ እንጀራ ክምእርሩ ኣብታ እግሪ ታ ሽባኻ፡ ተነጺፎም ዝውዕሉ።   “ሰዓት ሓደ” መሊሶም ብቐስታ ብትሕቲ መልሓሶም ይውስኹ […]

Read More ሰዓት ሓደ

ፈሪሐልኪ

ንደቡብ ‘ተበልኪ ሓምላይ  ምድሪ ኣብ ማእከል ደመና ንወርሒ ትመስሊ እንተርሓቕኪ ሰሜን ኣዝሒታዊ ሕብሪ ግርማ  ትኾንዮ  ንጣር ንጣር ቡቕሊ ንምብራቕ ‘ተበልኪ ናብቲ ስግር ባሕሪ ኣብ ማእከል ‘ቲ ሑጻ ዝዓለበት ተምሪ ንምዕራብ ‘ተበልኪ ናብቲ ጸሊም ከውሒ ኣብ ማእከሉ ዘላ ዑፍ መስቀል ንስኺ፡ ተስግሊ ትግለሊ፡ ዓይነት ዶ ኮይኑኪ!? ጓል ኣግኣዝያን፡ ኣዱሊስ ምሕንባስኪ ባሕረ-ነጋሽ ፡  ከስከሰ   ምንጻፍኪ ድሙቕ ኣርማ፡  […]

Read More ፈሪሐልኪ

ሸላ ጽልኢ

ብጠቐና ብጥቆማ ተሃዲነ ብመድፈና ተኾብኲበ ንድጓ፡፡    (ወደቓ‘ዩ)   ጠቋምየይ ዓርከይ ኔሩ ዝሓልፈለይ ዝሓልፈሉ እንታይ ፈሊጠ እንድዕሉ ኣብቲ ፊተይ ኣብ ሸላ‘ዩ ኔሩ።      (ገረመኒ‘ኮ)   ሕማቕ ስማዕ ዳሕራይ ገድድ ዛንታ   ዓርከይ እዚ መሰንበድ፡ ፈጣር ምቚሕ  ኣሳሪ መንፈሱ ሰራሕ  ሸላ   ሓባሲ    ነብሱ “ተሪሩኒ”    ብቓንዛ   ግዒሩ ” ጸቢቡኒ”   ብጭቆና  ‘ማሪሩ ምሕረት  ነብሱ  ተሓሲሙ ክልክመኒ ተጣቢቡ።     (ወሪዱኒ) […]

Read More ሸላ ጽልኢ