‘ኤርትራውነት’
1ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይሳነደጓሕን ልኡምን ከም ወርሕን ጸሓይንትነብረሉ ስፍራ ኣብ ኣንጻር ዝቖመንፋሱ ዘይራኸብ ዝሑልን ውዑይን።ልቕብቃብ ናይ ላኻ ምንጻፍካ ተንኮበትጨንገርን እሾኽን ምንባርካ ኣብ ኣግነት፡ብጨዋም ትረዊ፡ ቅዳሕካ ማይ ባሕሪኣብ ሽያኽ ናይ ሑጻ ባርካዊ ነባሪ፡ማእከል ዘየብልካ እንትርፎ ፈጣሪ፡ […]
Read More ‘ኤርትራውነት’1ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይሳነደጓሕን ልኡምን ከም ወርሕን ጸሓይንትነብረሉ ስፍራ ኣብ ኣንጻር ዝቖመንፋሱ ዘይራኸብ ዝሑልን ውዑይን።ልቕብቃብ ናይ ላኻ ምንጻፍካ ተንኮበትጨንገርን እሾኽን ምንባርካ ኣብ ኣግነት፡ብጨዋም ትረዊ፡ ቅዳሕካ ማይ ባሕሪኣብ ሽያኽ ናይ ሑጻ ባርካዊ ነባሪ፡ማእከል ዘየብልካ እንትርፎ ፈጣሪ፡ […]
Read More ‘ኤርትራውነት’መስለኒ፡ ሕሰም ጽምዋኻ ዝፈጠሮ ፍርሒ ዝሓደረ ጭንቀት ዝዘርኣልካ ቀዝሒ ምጻሩ ስኢንካስ ብሂግካ መጸግዒ፡ ከም እኖኣ ዝሰኣነት ዕየት ብባህጊ ዕንጋሎን ሕቚፍን እተሕገብግብ፡ ከተምሰውስው ከተማስው ተሸጒጥካ ንኽትመውቕ ካብ ማእከል ሞሊቕካ ናብ ‘ማእከል’ ክትድቕደቕ፡ ቀው! ኢለ ርእየካስ፡ ከብደይ በሊዕካኒ ወሪሩኒ ድንጋጽ። ከም ነቢ ድሕነት ኣብ ዝኸበርካሉ ከም ሸዊት ሓጋይ ኣብ ዝተብሃግካሉ ከም ቆልዓ መብጽዓ ኣብ ዝተረረኻሉ ቃልካ ከም […]
Read More ሰብኣውነትዕጹፍ መጽሓፍ ከይተገንጸለ ዕጹው ማዕጾ ከይተራሕወ ኣሎ ድዩ ተኽእሎ ክነብብ ‘ዝደሊ ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ይከኣል ድዩ ክትለሊ? እቲ መጽሓፍ ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ መሸጐር ውሽጥኻ እምቢ ረጊጥካዮ ምሳኻ ንዘሎስ ካብ ካልእ ትደልዮ ውሽጥኻ ሰፈሩስ ማዕዶ ትደሃዮ! ንቡር እኮ’ዩ! ንቡር እኮ እዩ ንድሕሪት ምምላስ ናብ መንቀሊኻ ምርኣይ ምጥማት ምቕባል ስዕረት ሕሉፍ ምፍታሽ ተረጋጊእካ ዳግማይ ንምብጋስ ምንጻህ እኮ’ዩ […]
Read More ንቡር እኮ’ዩነቓዓት ውሽጠይ ቃለ-ጠቢባን ከምዚብሎ ንብድሆታት ህይወት መመሰሊ ዝገብሮ፡ ‘ዳይሞንድ’ እቲ ክቡር እምኒ መንቅቡ’ዩ ጽባቔኡ፡ ዝገብሮ ደማቒ ነቓዓት ውሽጡ’ዮም ዝገብርዎ ምሒር መብለጭለጪ ምብልጭላጩ ድማ’ዩ ሓይሉ ዝውስኾ’ውን ክብሪ፡፡ ነዚ ኣሚነ ህይወተይ ንምድማቕ ሓይሊ ወሲኸ ብድሆታት ንምግጣም ባዕለይ ንባዕለይ ኣብ ዘተ ጸሚደ በሰላታት ውሽጠይ ክጽብጽብ ጀሚረ፡፡ እዋን ነይሩ ሓይለይ ዝደኽመኒ ነዛ ጸሓይ’ኳ ዘይኣምና ተስፋ ዝጠልመኒ እዋን ነይሩ ሞራል […]
Read More ነቓዓት ውሽጠይሓንቲ መዓልቲ! ኣነ ንጒስ ንስኺ ንግስቲ ይዂን ከኣ ደሓን ኣብ ልዕሌኺ ኣነ፡ ንስኺ ብታሕቲ፡ ሓንቲ መዓልቲ! ኣብ ኣደራሽ ሳዕሲዒት ሕቑፈይ ተነጺፍኪ ብወንን ባህታን ክትቆጻጸዪ፡ ሓደ መዓልቲ! ኰይንና ከዋኽብቲ ኣብ ሰማያት ፍቕሪ ብድምቀት ክንዝምቢ ሓንቲ መዓልቲ! ንስኺ መርከብ ኣነ ዘዋሪ ከነንሳፍፍ ኣብ ውቅያኖስ ፍቕሪ ሓንቲ መዓልቲ! ኣብ ጽሙው ደሴት ኣብ ትሕቲ ጽላል በዓቲ ኣብ ፍሱህ ዕረፍቲ […]
Read More ንዓኺ’የ (2)ርቀት ብርሃን ዘይድህሰስ ጽባቐ ክብደት ጸላም ዘይድፈር ውቃበ፡ ትርኢትኪ’ዩ ኣብ ‘ዒንተይ ዘሎ። ኣዒንቲኺ መኽመስመስቲ ከም ማግኔት ካብ ርሑቕ ሰሓብቲ ምስ ቀረበካዮም ተዋጋእቲ! ከናፍርኪ ፍንጥሕ! ኢሎም ከም ፍዮሪ ተፈንሺሮም ዘመንዩ ክትዓልበሎም ንህቢ ኰይንካ ክትመጽዮም! ሴፍ ዝዓተረ ቃል ግና ከይድፈሩ ሓላዊኦም! ኣፍልብኺ ሰፊሕ ናሕሲ ዝሓዘለ ክልተ ጥፍሒ እንተጠመትካዮ ዝነጽገልካ ተዝዝታዊ ሕንዚ! ዋርድያኡ ዕትበት ገጽኪ በየን ሓሊፍካ ክርከብ […]
Read More ንዓኺ’የፈጣሪ ተቐሚጡ ኣብ ላዕሊ ንወዱ ሰዲዱ ሕሰም ምድሪ ክኣሊ። ወዱ፣ ኣይከኣለን ኣይኮነን ንምድሪ፣ ንወዲ ሰብ ካብ ባዕሉ፣ ንነብሱ ኣየድሓነን። ተገሪፉ፣ ተሰቒሉ ተገኒዙ፣ ተቐቢሩ፣ ዝርኣዮ’ኳ የልቦን ይብሃል ግና ተንሲኡስ ዓሪጉ። ቅድሚ ምትሓዙ፣ ምእሳሩ እቲ ንሱ ዘይከኣሎ ሰብ ቆጺሩሉ፣ ‘ሃዋርያት’ ሸይሙ፣ ‘ኪዱ ንምድሪ ዙሩ ቃለይ ኣበስሩ ብሽመይ ምሒልኲም ሓቅነት ኣእምኑ’ ኢሉና ይብሉ። […]
Read More እምነት ዶ ዕሽነት፧ነውጺ ጠፈር ዝፈጠሮ ወጥሪ ዝናብ ኮይኑ ይፈስስ ንምድሪ ምድሪ ኣይጸሮን፣ ተኣኪቡ ዕቚባ ደልዩ ንባሕሪ ውሒዙ። ኣይነቐለን ካብ ነብሱ ኣይነበረን ንነብሱ ተኸሊሱ ተሓፊሱ ንኻልእ’ዩ ኣንጊሱ። ስደተኛ! ምስኪናይ! ነውጺ ዓዱ ዝፈጠሮ ወጥሪ ተነቒሉ ይፈልስ ንባዕዲ ኣብ ዓዲ ፈሊሑስ ይግንፍል ንወጻኢ ናብ ውሽጢ ኣህዛብ ጽኑሓት ሰብ ርስቲ። የዕርቕዎ የዕቊርዎ ይዘርእዎ የፋይርዎ ዘርኢ […]
Read More ግብሪዘይተምውቕ ጸሓይ፣ እንተበረቐት እንተደመቐት እሞ ምስ ተወቕሰት፣ ደበና ኣመኽንያ ‘ኣይኣነን’ እንተበለት፣ ብርሃና ኣበይ ከደ፧ እቲ ብደበና ዘይዕገት። (ድምጺ እንጽርጽሮተይ እዩ በጨቕታ ዓቕሊ ጽበተይ) ምስ ረኣዂዂም ቅንአይ ዘንቀሎ ከይደ ንዓደይ ናብራዂም ክነብሮ። (ኣይብተግባርን ብሓሳብ ደኣ) በብውልቂ በብጽምዲ ሰሊምኲሞ ‘ቲ መንገዲ ምኻድኲም ብዘብዘብ ምምላስኲም ዘገምታ ትማሊ ኣብ ዝባንኲም ሎሚ ተሰቒልኲም ርግጽ ወሲድኲሞ ንጽባሕ ምብጻሕኲም፣ ኣብ ጽላል ናጽነት […]
Read More ዕርቃንኣብ ግራት ሃንቀውታ ሕልሚ ዝዘርኣሉ ኣብ ቃጸሎ ሕልሚ ኣትየ ዝበስለለኡ ጽራይ ህንጡይ ዕድመይ ፍቕሪ ዝረውየሉ ንእስነተይ ዝረኣየ፧! ንእስነት ዝፈልጥ ሕልሙ ዘይተጨውየ፧ ካብ ሰማያት ዓደይ ኮኾብ ዘውርደሉ ንውርሒ ኣብ ድምቀታ ‘የለኽን‘ ዝብለሉ መላጒም ኣፍልበይ ልጓም ዝበትከሉ ‘ሓለፈ‘ ዝቀናጠዋለይ ዳዕሮ ብኽንድኡ ዝመስለኒ ጸጒረይ፣ ንእስነተይ ዝረኣየ፧! ዝኽሪ ዝመልሰለይ […]
Read More ንእስነተይ ዝረኣየኣብ ዝግታ ‘ቲ ባሕሪ ህድኣት ማዕበላቱ ዳሕረዋይ ጫፍ ዕምሪ፣ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ ዋግዋጎ ጽላሎት ‘ዒንትኺ ምስ ደብዘዛ፣ ኣበይ ትጸንሒ እንድዒ ኣብ ዓራት ዶ ኣብ ኲርሲ ምስ ሰብ ዶ በይንኺ ኣብ ማእከል ዶ ኣብ ኣብ ጸግዒ ግን ክትዝክርኒ ኢኺ። ዝኽሪ ንእስነት ኣብ እርጋን ይደምቕ ጣዕሳን ሓዘንን ሽዑ ይዓሙቚ ፍቕሪ እንተነይሩ ከኣ […]
Read More ስእለይ ተማልኢዓደይ! ተወሊድኪ ጻንታ፡ ትህደኒ ብቓጻ ትወልዲ መማንታ፡ ዝዀኑኺ ቃንዛ። ዓደይ! እቶም ዝቃጸዩ ዘየናሕስዩ ክገብሩኺ ‘ነበረት’ ሐሕስሙ ይፍሕሱ፡ ቅዳሴ-ጸሎቶም ዝያሜታት ደርፎም ሽምኪ ዘማእከለ’ዩ። ደቂ ማህጸንኪ፡ ከም ክልተ ሹም ንህቢ ሕድሕድ ዝናቖሩ ክብሕቱ ቆፎኺ፡ ሓዲኦም ጨካን ከርሱ እቲ ካልእ ጸቢብ ርእሱ፡ ኣይንሓሰዩ ኣይተሓላለፉ፡ ክብርኺ ኣራኺሶም ኣካልኪ እናድመዩ ብሽምኪ ንሽምኪ ይምሕሉ። (ማሕላኦም ሓሶት ሓጢኣቶም’ኳ ይርእይሉ […]
Read More ‘ተስፋ ምሕረት’ደልየኪ ብዓይኒ ህጻን ኣብ ከብዲ ሰሌዳ ብወኒ ንእስነት ኣብ ጐደና ኣብ ሜዳ ኣብ ከርሲ መጻሕፍቲ ብፍልጠታዊ ሜላ፣ ደልየኪ ኣብ ግንባር ብዓረር ደም ከፊለ ደም ኣኽፊለ ‘መስዋእቲ’ ብምድራር፣ ደልየኪ ኣብ ‘ደራሻት ባይቶ ብልዝብ፣ ብምጒት ብሕቶ፣ ደልየኪ ብብርዒ ኣብ ወረቐት ምቚሕ ዘኽፈለኒ ዘእተወኒ ጸልማት፣ ደልየኪ ኣብ መዓስከራት ስደት ብናይ ትኳቦ ዕንጋለት፣ ደልየኪ ኣብ ሰሃራ ኑባ […]
Read More ኣበይ’የ ተጋግየንግርማ ደበና ም’ምራኸይ ምስ ንፋስ በናኒ ንእምባ በረድ ምጽግዐይ መኻኺ ብረስኒ፡ ፍርቁ ግርህነት ፍርቁ ዕሽነት። ድሕሪ ዝናብ ዝሓፍሶ ምህርቲ ድሕሪ ሓጋይ ዘሎ ሓምላይ ወቕቲ ርእየ ምትስፋወይ ንእምነት ኣሚነ ምጽባየይ፡ ፍርቁ ቅንዕና ፍርቁ ባህጊ፡፡ ደበና ተስፋ ኣብ ምህፋፉ ህንጡይ እምነት ቁልቁል ኣብ ምህታፉ፡ ዘሎ ህሞት፡ እንታይ ይስመ!? ፍቕረይ የማን 12/2016 […]
Read More ኣብ ቀብሪ ፍቕሪልክዕ! ህይወት ዝርእየሉ ነብሰይ ዝረኽበሉ እንከንብቦ፡ ጽን ኢሉ ሰማዒ ምስጢረይ ሰታሪ ቃንዛይ ተኻፋሊ ሓጎሰይ ጸንባሊ እንክጽሕፎ፡ ግጥሚ’የ ዝኣምን ናብ ደብሩ ዝነግድ ክጽሊ ክሰግድ፡ ግጥሚ ብርዒ ወላዲኡ ደብተር መሕደሪኡ ውነይ ዝጊላኡ፡ እንታይ ክጽሕፈሉ እንታይ ከንብበሉ ብህላወኺ ሃሲሱ መቐረቱ ‘ጒድሉ፡ ግጥሚ ከንብብ ሓይለይ […]
Read More ግጥመይ ኲኒ