‘ኤርትራውነት’

                        1ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይሳነደጓሕን ልኡምን ከም ወርሕን ጸሓይንትነብረሉ ስፍራ ኣብ ኣንጻር ዝቖመንፋሱ ዘይራኸብ ዝሑልን ውዑይን።ልቕብቃብ ናይ ላኻ ምንጻፍካ ተንኮበትጨንገርን እሾኽን ምንባርካ ኣብ ኣግነት፡ብጨዋም ትረዊ፡ ቅዳሕካ ማይ ባሕሪኣብ ሽያኽ ናይ ሑጻ ባርካዊ ነባሪ፡ማእከል ዘየብልካ እንትርፎ ፈጣሪ፡                  […]

Read More ‘ኤርትራውነት’

ዘራጊ ናፍቖት

ኣብቲ ዝናፍቖ ውሽጠይ ዝሕቆኖ ዳጌፋ ዘድልየኒ ፍቕሪ ኣቦ ፍቕሪ እኖ ኣብ ሓሳበይ ኣብቲ ባህገይ ዘድልየኒ ሓመድ ዓደይ ክኽይድ እሓስብ እነቅል እሞ ኣብ ፋንታዝያ ዓለም ኣትየ ክፍትኖ፣   ክጸውየሎም‘ቲ ውዕለተይ ጒዕዞ ስደት ‘ቲ መንገደይ ዝጸንሓኒ ዘይከም ትጽቢተይ፣ ህይወት ስደት ‘ቲ ምስሉ ወግዒ ኣልቦ እቲ ባህሉ ወይ ዘይፈልጦ እንድዕሉ፣ ክንጻወ ከከም ከምኡ ዘዘለና ብምልኡ ‘ታይ ምልኣቱ‘ኳ ከምቲ […]

Read More ዘራጊ ናፍቖት

ባህታ ቅንኢ

ድሕሪ‘ቲ ዝኾነ፡ ስዕረተይ ኣሚነ ቁስለይ ንዘይምርኻስ፡ ነድሩ ንምዕጋስ ገጽኪ ንዘይምርኣይ ካብ ወዝቢ ንምእላይ ፍቕሪ ከሲረ ካብ ቅንኢ ክሕባእ፥ ኣደራሽ ሓዲገ፡ ጎደና ቀይረ ኣርሒቐ ነጊደ።  (እንታይ ንግደቱ እኳ ግዳ ተሰዲደ)   ንግደት ኣካል ቀልበይ ድሕሪት ፈቲነዮ መቸም፡ ካብ ምሳኽስ ምስ ውሽጠይ ምቅላስ።   ምቁማት ኣይሓደግኩን ኣምሲለ ካብ ምሕታት ደሃይኪ ንምርካብ ዓዲ ኣይወዓልኩን። (እዚ ዛንታ እዩ ንዓኺ) […]

Read More ባህታ ቅንኢ

ኩሉ ግዜ’ባ ንሓምብስ!

ክትበቂ ሲ! ካብ እንላለ ብደገ ደጌና ዓራት ከይበጻሕናነዊሕ ተጓዒዝና። ብዝማእማኣኪ ፍቕረይ ክትምገቢ እቲ ዝሃርፎ ግን ፍጹም ዘይትህቢ፡ ነገር ባህርን ባህልን ክትከዋውልዮ ኣፍኢሙ ዝሓብእ ክዳን ትኸድንዮ፡ ክዳን ብግዲኡ፡ ንድሌትኪ ድዩ ተረዲኡ ወይስ ከርእየኒ ክእለት ሰፋይኡ የወናውነኒ ቀቀንዱ ሓቢኡ። ንሱ ‘ሓይሽ ድሓን ይእቶ ባሕሪ ጽባቔኡ ዘይብሉ መስፈሪ “ረኣያ” እምበር “ረኣየኒ” ኣይበለን ካብቲ ዝሃርፎ ቅንጣብ ኣይከወለን ጋቢዙኒ እቲ ዝጋበዝክዮ ሕቚፈይ ‘እትዩኪ […]

Read More ኩሉ ግዜ’ባ ንሓምብስ!

ስለኻ ንዘይምንባዕ

…… ምስ በጻሕኩ፡ መሲሉኒ ዝተወድአ ሻቕሎት ዘየሎ ስቓይ ውን ዘብቅዐ፡ ድሕሪት ንድሕረት ሂበ ዝረኣኹዎ ዝወዓልኩዎ ኣብ ታሪኽ ቀቢረ ሂወት እንታይ ‘ጥዕም ክርእዮስ ምንባሩ ጀሚረ። ቃንዛ ሕሉፈይ እቲ’ኳ ከምቲ ናትካ ዕድለይ ዝሰዓሮ ዕድልካ ዝኣበየካ ብመታወን ፍቕሪ ተዋስኦ ሂወት ወላዊለ ‘ረሳሲነ ክፍውሶ ፈቲነ። ምስታ ኸማይ በዓልቲ ትማሊ መቓኒቲ ሳህራ መዋዕልቲ ባሕሪ ብሓደ ኔርና ነኻፊ ዝኽሪ ዝኽሪ ትማሊ […]

Read More ስለኻ ንዘይምንባዕ

ንስኽን ‘ታ ወንበርን

እቲ ወንበር መደገፊ ማዕጾ ቀትሪ ዝዕጾ ምሸት ዝርሖ፡ ካልኣይ ዕማሙ ሸቐጥ ዝዝርግሖ ሸቐጥ ምሸት ምሸት፡ ኣብታ ጸባብ ጽቕጦ። እናሓለፍኩ ርእየዮ ማእከሉ ጠምቢቑ ገመዱ ደጊሉ ላሕሊሑ ረቒቑ ኣእኪለ ‘ይሉ በልዩ። (ኣብ ዕራርቦ’ዩ እዚ) ጸጉርኺ ተመሺጡ ሸፋሽፍቲ ቅርኒብ ብዂሕሊ ደቢኑ ሕብሪ ከናፍርኪ ካብ ማዕዶ ‘ረኣዩ፡ እንታይ’ኳ ዝረአ ኣለዎ ሰለፍኪ ጥራዩ፡ ኣብ ምላሸይ ኣብታ ወንበር ኔርኪ። ( ኣማሲኡ […]

Read More ንስኽን ‘ታ ወንበርን

ኣብ ጒዕዞ

ልበይ ‘ዚ ሃላሊ ምስ ፍቕሪ ኮብላሊ ኣበይ ዘይወዓሊ፡ ዝሕሾ ክደሊ። ንሳ፡ ማርያም ተነጺፋ ዓቐብ ማይጃሕጃሕ ኣቢላ ሃቲፋ። ተራኺብና ወዝቢ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ዝኽርና ‘ሓዲስና ኣብ ሽፋን ጥልቀቱ ተቛዲስና ፍቕሪ። ብዘይፋነዋ ከምቲ ኣመላ ጣዕሚ ቐቢራ ተዓዚራ ትነብር ግንኣላ ኣብ ዝኽረይ ሰፊራ። እንድዒ ዘላቶ እንድዒ ትኾኖ ግና፡ ኣበይ ከይትረግእ እፈልጦ ‘ንድየ ልባ፡ ብጽሕና ቀቢራ ብዝኽሪ ሕሉፍና ትብህርር […]

Read More ኣብ ጒዕዞ

ቅንኢ

ኣነ ምስ ‘ዓርከይ’ – ሳልሳይና ጽልኢ ንዓርከይ ጓናኡ – ኣብ ውሽጠይ ነባሪ፡ ሰለስተ ጸወታ – መን ሰዓረ ድራር ዝኸፍል – ጸወታ ጀመረ። ሰሓብ! ደርቢ! ደርቢ! ሰሓብ! ማታ ባይስ ኣላሂመዮ። — ሰሓብ! ደርቢ! ደርቢ! ሰሓብ! ሕራነይ ወሲኸ ማንካ ኡኖ! ……ሰበይቲ ዓርከይ ደዊላ ቴለፎን እንታይ ተባሃሂሎም ኣይሰማዕኩን፡ ባና ብርሃን ገጹ ግን ደጒሑኒ ሓይሉ መንፈሱ ክብርኽ ኣስተውዒለ ቀልበይ […]

Read More ቅንኢ

“ትጽቢት ጎዶት”

ግዜ እንታይ ኣለዎ ግዜ እዚ ጎያዪ ሓደ ዘመን ኮይኑ፡ ዘይረኣኽያ፡ ዘይትፈልጥያ ባቡር  ክትጽበዪ! ባቡር ፍትሒ ጽዕነታ ሓርነት ተበሃጊት! ተሓላሚት መዓስ ከምትበጽሕ ዘይትፍለጥ፡፡ ትጽቢት ካብ ተዀብቲ በሊዕዎ ሓዊ ድሕሪ ሓንቲ ለይቲ፡ ሃረርታ መጎትቲ ዘሪግዎ ንፋስ ኣይሰሙን ሳልስቲ፡ ንፋስ በዓል ሕማም ሓድጉ ዘራጊቶ ለኪሙ ንሰላም። ሃንቀው ንወፋሮ ‘ሎሚ መጻእና ጽባሕ ተጸበዩና፡’ ዕድመ ክርስቶስ ዝሰተየ ጉዕዞ “ምስጢረ ስላሴ” […]

Read More “ትጽቢት ጎዶት”

ሰዓት ሓደ

  ቅድሚ ዓሚ፡ ዓሚ እንሆ ድማ ሎሚ፡ ዕለት ከየብኰረ! ደቒቕ ከይደሓረ ልክዕ ሰዓት ሓደ ኣብኣ ይመጽእ’ሞ ተተኺሉ ይጽበ።   ብጸጋማይ ኢዱ ሓቚፉ ሰታሪት፣ ዝኣሰራ ሰዓት ጸጸኒሑ ይምልከት። ግና ንሰዓቱ ዘይኣምና ክመስል “ሰዓት ክንደይ ኣሎ?” ይሓቶም ነቶም ሽማግለ፡ ጫማ እናወልወሉ እንጀራ ክምእርሩ ኣብታ እግሪ ታ ሽባኻ፡ ተነጺፎም ዝውዕሉ።   “ሰዓት ሓደ” መሊሶም ብቐስታ ብትሕቲ መልሓሶም ይውስኹ […]

Read More ሰዓት ሓደ

ፈሪሐልኪ

ንደቡብ ‘ተበልኪ ሓምላይ  ምድሪ ኣብ ማእከል ደመና ንወርሒ ትመስሊ እንተርሓቕኪ ሰሜን ኣዝሒታዊ ሕብሪ ግርማ  ትኾንዮ  ንጣር ንጣር ቡቕሊ ንምብራቕ ‘ተበልኪ ናብቲ ስግር ባሕሪ ኣብ ማእከል ‘ቲ ሑጻ ዝዓለበት ተምሪ ንምዕራብ ‘ተበልኪ ናብቲ ጸሊም ከውሒ ኣብ ማእከሉ ዘላ ዑፍ መስቀል ንስኺ፡ ተስግሊ ትግለሊ፡ ዓይነት ዶ ኮይኑኪ!? ጓል ኣግኣዝያን፡ ኣዱሊስ ምሕንባስኪ ባሕረ-ነጋሽ ፡  ከስከሰ   ምንጻፍኪ ድሙቕ ኣርማ፡  […]

Read More ፈሪሐልኪ

ምስትምቓር ተዋሰብቲ ግጥምታት

ዳርጋ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ዋልታ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃብታማት ሃገራት ዓለምና ጥራይ ዘይኮነት ሲ ዓመት መጸ ምስ ቀዳሞት ክልተ ወዲ ሰብ ክነብረለን ዝመቸኣ ተባሂላ እትሰመ ሃገር ሰፊርካ፡ ምስ ኩሉ ሓለፋታት ንሂወት መቐረት ትስእነላ እሞ ትበሳጮ። እንታይ ከ ኣምጽኣኒ ናብዝስ ከኣ ትብል። መትሓዚ ስኢንካ እናዕነነኻ ተስፉ ሓጐስ ዝበሃል ገጣማይ ምስ ግጥሙ ህሩግ ይብለካ። “ውሽጥኻ ዝሃሲ ጸገምካ […]

Read More ምስትምቓር ተዋሰብቲ ግጥምታት