“ቢራ ከስትየኪ”

እዋን ኣሎ ድቃስ ይኣብየካ እሞ፡ ኣብ ማዕበል ሓሳባት ብዘይ ርጉጽ ኣንፈት ስቕ ኢልካ ተንሳፍፍ። ሓንሳብ ትሓልም፣ ብትምኒት፡ ካልእ ሻዕ ናብ ሕሉፍ ብምምላስ ብዝኽሪ ከከም ኲነታቱን ስምዒቱን ትደግሞ …. ወዘተ። ክንደይ ክብሃል። ኣብ ድሮ ሳልሳይ ወራር ወያነ ለካቲት 2000 እመስለኒ፣ ኣብ ማይድማ ትሕቲ እቲ ሕክምና ዓይኒ ዘሎ ሩባ ሰፊርና ብሉኬቲ ንሰርሕ ነይርና። እቲ ብሉኬቲ ንገዛ ኣዛዚ […]

Read More “ቢራ ከስትየኪ”

ኣብ ስደት ዝነጥፋ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ተራአን እንታይ እዩ፧

ኣብዚ ቅንያት እዚ ብዝዝከር ዘሎ (ካብ ዝኽሪ ሓሊፍካ ካልእ ክግበር ዘይምኽኣል ዘሕዝን እዩ)፡ ምዕጻው እተን ዓይንን ድምጽን ዝዀና ነጻ ጋዜጣታትን ምእሳር እቶም ምዑታት ኣባላተን ዝዀነ ሓደ ታሪኻዊ ፍጻመ ህይወት ኤርትራውያን ምኽንያት ብምግባር፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ርእሰይ ዕንክሊል ዝብል ኣርእስቲ ከልዕል መሪጸ። ተራ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተፈላለየ ጒዳያት ሃገርን ሕብረተሰብን ኣብ ዝብል ኣምር፡ ተራ ናይ […]

Read More ኣብ ስደት ዝነጥፋ መራኸቢ ብዙሓን ኤርትራ ተራአን እንታይ እዩ፧

“‘ትወከል ዓለ’ላህ”

(“‘ትወከል ዓለ’ላህ” ሊብያውን ኣብ ዝበዝሐ ኣጋጣሚታት ክፋነዉኻ እንከለዉ ዘዘውትርዎ ኣበሃህላ ኮይኑ፣ ኣብ ኣምላኽ ተወከል ወይ’ኣምላኽ ምሳኻ ይዂን” ማለት እዩ።)     ወተሃደራት ድርዒ ሊብያ፣ ካብታ ክፍሊ ምስ ኣውጽኡኒ፣ ኣብ ክልተ ኣእዳወይ ፌሮ ገይሮም ቆለፉኒ። የማነይን ጸጋመይን ከኣ ክልተ ወተሃደራት ዓጀቡኒ። ካልኦት ክልተ ድማ ምሳና ነበሩ። ኣብቲ ኣማኢት ተገልገልቲ ዝነበርዎ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሆስፒታላት ሊብያ ዝኾነ […]

Read More “‘ትወከል ዓለ’ላህ”

ኣብ መገዲ

“ኣቦይ ሲ ምስ ዓብድ” “ዓብድ” ቋንቋ ዓረብ ኮይኑ ባርያ ማለት እዩ። ብምንታይ እየ ዘኪረዮ ደቀይ!፧ ኣብ ሕዳር 2012፣ ኣብ ሊብያ እየ ዝነበርኩ። እንተዀይኑለይ ሲ ሰሪሐ ንባሕሪ መስገሪ ዝዀነኒ ገንዘብ ኣዋህሊለ ክሰግር እዩ ዕላማይ። ቅድሚ ናብ ስራሕን ምውህላልን ምብጽሐይ ግዳ፣ ተኣሲረ ኣብ ሓደ ናይ ዕጡቓት መዓስከር ተዳጐንኩ። ምስ ኣማኢት ደቂ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ግብጺ፣ ሒደት ዓሰርተታት ሶማላውያን፣ […]

Read More ኣብ መገዲ

ብምንጽጻር

መንቀሊ ጽሑፈይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ፈይስቡክ ዘንብቦ ሓሳባት ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ርእይቶታትን ኮይኑ፣ ቀንዲ ድርኺተይ ግና እዛ ትስዕብ ርእይቶ ሓደ ሓው ኣብ ትሕቲ ፖስት ናይ ኻልድ ዓብዱ ዘንበብኲዋ እያ። ” እቲ መሰረታዊ ነገር እኮ ናይቶም ሳዕሳዕቲ ጸገም ኣይኮነን ፡ናይቶም ደረፍቲ ብሓፈሻ ስነጥበባውያን’ዩ፡፡ ስነጥበባውያን ኤርትራ ዓቢ ትምህርቲ የድልዮም ኣሎ ንመጻኢ ፡እንታይን ኣብ ከመይ ኩነታትን ይድረፍ ዝብል […]

Read More ብምንጽጻር

ንወለድና ነፍቅሮም ዶ፧ ንሕበነሎም ዶ ኸ፧

ኣብ ድሮ ናይታ ካብ ዓዲ ዝወጻእኲላ መዓልቲ ዝነበረ ቅንያት፣ እንታይ ምዃኑ ካብ ንቡር ንላዕሊ እዩ ዝን ዘብለኒ ዝነበረ እሞ፣ ምስ ኣደይ ቡን ምስታይ ከኣ አዘውትር ነበርኩ። ኣዕላላይ ስለዘይኮኑ ኣደይ ትብሎ እሰምዕ ወይ ኣሕጺረ መልሲ ብምሃብ ወይ ድማ ርእሰይ ብምንቕናቕ ድማ እየ እከታተላ ምህላወይ ዘመልክተላ ዝነበርኩ። ዳርጋ ኩሉ ግዜ ኣብ ምውዳእ ናይታ ቡን ከኣ ከምዚ ትብለኒ […]

Read More ንወለድና ነፍቅሮም ዶ፧ ንሕበነሎም ዶ ኸ፧

ምስ ተመሃርኩ

  “ፍቕረይ ወደይ ተማሂርካ ምስ ወዳእካ እንታይ ኢኻ ትገዝኣለይ?” ” ንዓኽን ጥራይ ድዩ ንዓይ ሲ ክገዝኣለይ እንድዩ ዝወደይ መዓረይ” ዓባየይን ኣደይ ለተድንግል ሰይቲ ሓወብኡ ነቦይ ትምህርቲ ክጅምር እንከለኹ ዝብላኒ ዝነበራ እዩ። ኣነ ኣይወዳእኩን ንሰን ውን ኣይተጸበያንን፡ ዓዲ እዝግሄረን ከይደን። ” ክመሃሩ እናደለዩ እዚ ትምህርቲ ዝኣብዮም እኮ ምሳኻ ትርእዮም ኣለኻ፡ ክፉት ርእሲ ሂቡካ እንከሎስ ዘይትመሃር ንዓኻ […]

Read More ምስ ተመሃርኩ