ንቕሎ፣ ንምብታኽ ክሳድ፣ ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ(2)

  ክርስትያንሳንድ ህዝባዊ ቤት ንባብ፣ ክንድቲ ኣብ ሳዋ ብርጌድ ምሉእ ንመበሉ ሃንገር ኮይኑ፣ ኣብ ስለስተ ደርቢ ንጡፍ ኣገልግሎት ይህብ ። ብዘይካቲ ተገልገልቲ ዘይድይብዎ ራብዓይ ደርብን ከም መኽዘን ካልእ ንጥፈታት ቤት ንባብን ዘገልግል ትሕቲ መሬት ዘሎ ኣደራሽን ማለተይ እየ። እቲ ቤት ንባብ፣ ንዂሎም ደረጃታት ዕድመ ዘለዉ ሰባት በብናቶም መጻሕፍትን ቦታን ቀሪቡ የእንግድ። ንምንባብ፣ ምጽሓፍ ወይ ምጽናዕ […]

Read More ንቕሎ፣ ንምብታኽ ክሳድ፣ ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ(2)

​”ተረፍ ነጸብራቕ ጽበት ወደ’ስመራ”፥ ብኻልእ ኵርናዕ

“‘ተረፍ’ነጸብራቕ ጽበት ወደ’ስመራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ንመጽሓፍ “ተረፍ” እኵብ ሓጺር ዛንታታት (ናይ ኣኸድር ኣሕመዲን) ኣተኲሩ ብፍቕረይ የማን ዝተጻሕፈ፡ ከፊላዊ ዳህሳስ ኣብ ገጸ ባህሪያት ናይቲ ዛንታታትን ደራስን ዘተኰረ፣ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ኣመት ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቢበ ነይረ። እንተተደልዩ ኣብዚ ሊንክ ጠዊቕካ ምንባብ ይከኣል https://merebpoetry.wordpress.com/2016/10/26/%e1%89%b0%e1%88%a8%e1%8d%8d%e1%8d%a3-  ኣብ መጽሓፍ ተረፍ ዘለዉ ገጸ-ባህርያት ብፍላይ እኳ እቲ መሪሕ ጠባይ፡ መበገሲኡ ካብ […]

Read More ​”ተረፍ ነጸብራቕ ጽበት ወደ’ስመራ”፥ ብኻልእ ኵርናዕ

ንቕሎ፣ ንምብታኽ ክሳድ፡ ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ

እቲ መጽሓፍ ካብ ጀርመናዊት ከተማ ነቒሉ ኣብዛ ዝቕመጠላ ከተማ በጺሑ ከምዘሎ ዝሕብር ቆጽሊ ወረቐት፣ ኣብ ሳጹን ቡስጣይ ምስ ጸንሓኒ፣ ከምቲ ኩሉግዜ ዝገብሮ ‘ናበይ ክኸደኒ’ሉ ቀስ ኢለ አምጻኦ’ ኣይበልኩን። ገዛ ከይኣተኹ ናብቲ ዝተላእከኒ ንብረት ዘምጽኣሉ ድኳን ኮይኑ ኣገልግሎት ቡስጣ ከኣ ዝህብ ድኳን ኣቕኒዐ። ምኽንያቱ ዘይርደኣኒ ታህዋኽ ‘ውን ነይሩኒ።  ቀንጠ-መንጢ ዓዲገ፣ እቲ መጽሓፍ ዘዕቆበ ቡስጣ ‘ውን ተቐበልኩ። […]

Read More ንቕሎ፣ ንምብታኽ ክሳድ፡ ሓላዊ’ታ ወርቃዊት ገረብ

ተረፍ፣ ነጸብራቕ ጽበት “ወደ’ስመራ”

ኣብ መቕድማ «ስነ-ጽሑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዕደመን ደረጃን ንዝርከቡ ሰባት ውሽጦምን ደጊኦምን ቀሊዑ ብምርኣይ ንኽንስሑ፡ ክማጐቱ፡ ከስተንትኑን ንሂወት ክጽንብሉን ወዘተ፡ ይድርኾም። ብዛዕባ መንፈሳውን ነገራውን ባህግታቶም ብሓያል ስውጠት ክፍትሹን ክመራመሩን፣ ንድነታት ድንቁርና ከባህርሩ፣ ምእንቲ ሓድሽ ኩርናዕን ኣንፈትን ህይወት ክጥምቱ ሓይልን ብልሓትን ይፈጥር ወዘተ።  ብሓፈሻ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ሕብረተ-ሰባዊ ለውጢ ዘለዎ ግደ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ክኢላታት ኣጽናዕትን ሓሰብትን ብዙሕ […]

Read More ተረፍ፣ ነጸብራቕ ጽበት “ወደ’ስመራ”

ዛንታታት ግርህነት፡ ብግርህነት

ዓሰርተው ሓደ ዛንታታት ሓቚፋ ዘላ መጽሓፍ “ሓድሽ መናፈሻ” ብመለስ ንጉሰ ደጋጊመ ከንብባ ዝገብረኒ፣ ምስቶም ኣብተን ዛንታታት ንባዕሎም ዛንታታት ነገርቲ ዛንታታት ኮይኖም ዝዋስኡ፣ ግርህነት ዘርእዩ ግሩሃት ገጸ-ባህርያት ምዕላል ኬፍ ስለዝህበኒ እየ። ገሊኦም ብሰሓቕ የፍልሑኒ እዮም፣ ካልኦት ብድንጋጸ ከብደይ ይበልዑኒ፣ ኣለዉ ከኣ ሂወት ግርህነት እንታይ ከምዝመስል እናረኣኹ ከስተንትን ዝገብሩኒ። ፍልስፍናዊ ሂወት እንታይ ምዃኑ ዘትንብሁለይ ውን ብፍልስፍናዊ ሂወት […]

Read More ዛንታታት ግርህነት፡ ብግርህነት

ኣብ ግጥሚ እንታይ ነንብብ

“እዛ ግጥሚ ኣይተረድአትንን፣ ገጣሚ እንታይ ማለቱ እዩ? እዛ ቃል እዚኣ፣ እዛ ሓረግ እዚኣ ወዘተ” ካብቶም ኣብ ቦት ርእይቶ ግጥምታት ብብዝሒ ዝጸሓፉ ርእይቶታት እዮም። ካብዚ ንምግልጋል፣ ብዙሕ ኣብ ግጥሚ ክፍለጡን ክስትብሃለሎምን ዘለዎም ረቛሒታት ከምዘለዉ ምዝካር የድሊ። እዚ ማለት ገለ ብዘይካ ግጥሚ ብዛዕባ ግጥሚ ዝተጻሕፉ ውን ምንባብ የድሊ ማለት እዩ። ካብዚ ኩሉ ግን ንግጥሚ ብኹለንትንኡ ክንርድኦ ኣብ […]

Read More ኣብ ግጥሚ እንታይ ነንብብ

ግጥሚ ትግርኛ፡ ግዳይ ብርዑ ነናይ ዘውተረ ጸሓፊ

መእተዊ፥ መሓመድ ወርዲ ዝብሃል ሱዳናዊ  ኩለንትናዊ ደራፊ (በታ ትስዓተ ዓሸር ሰና ወይ ሰበርታ ትብል ደርፉ እዩ ዝያዳ ኣብ ኤርትራ ዝፍለጥ) ንግጥምን ነቲ ዘስቆርቁር ቅዲ ሙዚቃ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመልኪቱ፡ ኣብ ሓደ ካብ ቃለ-መጠየቓቱ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። ” ግጥምን ሙዚቃን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብፍላይ ከኣ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ባህላዊ ሂወት ናይቲ ተራ ህዝቢ ካብኡ […]

Read More ግጥሚ ትግርኛ፡ ግዳይ ብርዑ ነናይ ዘውተረ ጸሓፊ

ገምጋማዊ ጽሑፍ ንግጥሚ “ተዝካር”

ኣርእስቲ ግጥሚ፣ ተዝካር ገጣሚ፡ ቦኽረ ገብረየሱስ   ድራማዊ ትረኻ ተኸቲሎም ዝህነጹ ግጥምታት ዝፈጥርዎ ስእለ-ኣእምሮን ተምሳጥን ዝለዓለ ሓይሊ ኣለዎ ዝብል እምንቶ ኣለኒ። ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሜዳ (ሰውራ ኤርትራ) ፈርዮም፡ ብሙዚቃ ተሰንዮም ዝቐርቡ ግጥምታት ዝፈጠርዎ ስእለ-ኣእምሮ፡ ኣብ ዝሓለፍናዮ ኣጋጣሚታት ብዋዛን ቁምነገርን ክንደጋግሞም ምርኣይ ከኣ ሓደ ህያው ኣብነት እዩ።ምናልባት ብድምጽን ስእልን ተሰንዮም ስለዝቐርቡ ዝያዳ ተዘከርትን ጸለውትን ክኾኑ ጌርዎም […]

Read More ገምጋማዊ ጽሑፍ ንግጥሚ “ተዝካር”

ምስትምቓር ተዋሰብቲ ግጥምታት

ዳርጋ ኣብ ጫፍ ሰሜናዊ ዋልታ ኣብ ሓንቲ ካብ ሃብታማት ሃገራት ዓለምና ጥራይ ዘይኮነት ሲ ዓመት መጸ ምስ ቀዳሞት ክልተ ወዲ ሰብ ክነብረለን ዝመቸኣ ተባሂላ እትሰመ ሃገር ሰፊርካ፡ ምስ ኩሉ ሓለፋታት ንሂወት መቐረት ትስእነላ እሞ ትበሳጮ። እንታይ ከ ኣምጽኣኒ ናብዝስ ከኣ ትብል። መትሓዚ ስኢንካ እናዕነነኻ ተስፉ ሓጐስ ዝበሃል ገጣማይ ምስ ግጥሙ ህሩግ ይብለካ። “ውሽጥኻ ዝሃሲ ጸገምካ […]

Read More ምስትምቓር ተዋሰብቲ ግጥምታት

ሃንዛ’ዩ ውህትኪ

ዕላልኪ ርግኦ ውህደተ ዜማኡ መንፈሰይ ዝመልኦ፡ ልቦናኺ ብርቂ እናሻዕ ዝሕደስ ልክዕ ጸሓይ በርቂ፡ ራኢኺ ፍረ ጽባሕ ዝእረ፡ ጠባይኪ ‘ንደሞ ሰኣንኩሉ ወጅሂ በዓል ቆለ ኮይኑ ንዓቕለይ በዳሂ ፈታዊ ናጽነት፡ ዘይ’ንታዩ ፍቕሪ። ፍቕረይ የማን ሕዳር 2015

Read More ሃንዛ’ዩ ውህትኪ