እንቶሽ፡ ከም ጠስሚ ኣብ ልዕሊ ሽሮ ንቛንቋን ባህልን ትግርኛ

ገጣሚ፡ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣሕታሚን ዘርጋሕን፡ ኣሕታሚ እምኵሉ ዓመተ-ሕትመት፡ 2019 መጽሓፍ እንቶሽ ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ ብቐሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝተጻሕፉ ግጥምታት ሒዛ ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝተሓትመት መጽሓፍ እያ፡፡ ኣብ መእተዊ ንብዙሕ ምርምርን ተገንዝቦን ስነ-ጽሑፍ ካብኡ ናብኡ ድማ ስነ-ግጥሚ ዝዕድም ጽሑፍ ብገጣሚት ይርግኣለም ፍስሃ ዝተጻሕፈላ ድማ እያ፡፡ ኣብ መጽሓፍ እንቶሽ ዘለዉ ግጥምታት ንምስትምቓር ይዅን ንምርዳእ መራትዕን መደግፍታን ዘየድሊ እኳ […]

Read More እንቶሽ፡ ከም ጠስሚ ኣብ ልዕሊ ሽሮ ንቛንቋን ባህልን ትግርኛ

ርቀትካ ዕጣን፡ ኣብ መንጸፍ ሓቦ፡ ተስፋን ትዕግስትን ዝተሃናዘዩላ መጽሓፍ

መእተዊ ርቀትካ ዕጣን፡ ጋዜጠኛን ገጣምን ግርማይ ኣብርሃም ዝተገጥሙ ግጥሚታት ሒዛ፡ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓትመት መጽሓፍ እኵብ ግጥምታት እያ። እዛ 87 ግጥሚታት ሓቚፋ ኣብ 2018 ዝተሓትመት መጽሓፍ፡ ሓቚፋቶም ዘላ ግጥሚታት ኣብ መቓን ነዊሕ ግዜ ዝተጻሕፉ ምዃኖም ካብቲ ኣብ መእተዊ ብገጣሚ ተጻሒፉ ዘሎ “ንመዓስ ከይበልኩ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት በብሓደ ኽጽሕፎም ዝጀመርኩ ግጥሚታተይ እነሀዉ ባይቶ ኣቚሞም፡፡” ዝብል ምሉእ ሓሳብ […]

Read More ርቀትካ ዕጣን፡ ኣብ መንጸፍ ሓቦ፡ ተስፋን ትዕግስትን ዝተሃናዘዩላ መጽሓፍ

ምህናጽን ምዕናውን ሕብረተ-ሰብ ብመገዲ ስነ-ጥበብ

ኣብ The Lovers and the Despot እትብል ደኲመንታሪ ፊልም ዝርከቡ ክልተ ደቡብ ኮርያውያን ኣዘንተውቲ፡ ኣብ 1978 ብኣባላት ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ተጨውዮም ናብ ሰሜን ኮርያ ዝተወስዱ ኰይኖም፣ ኣብኡ ንኸባቢ 8 ዓመታት ብኣስገዳድ ፊልምታት ከፍርዩን ክሰርሑን ዝተቐሰቡ እዮም። እዞም ኣብ እዋኖም ኣብ ደቡብ ኮርያ ከዋኽብቲ ኢንዱስትሪ ፊልም ዝነበሩ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣስተይትን፣ ግዳያት መጭወይቲ ዝዀንሉ […]

Read More ምህናጽን ምዕናውን ሕብረተ-ሰብ ብመገዲ ስነ-ጥበብ

እዋናውያን ግጥምታት ኣብ ምስናድ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ሂወት ኤርትራውያን

    “ዘይቀበረት: ዘይቀበጸት ነብሲ ኣይትድቕስ ኣይተማሲ ምህሙን ተስፋ’ያ ‘ተቋሲ”     ተደጋጊሙ ከምዝግለጽን ዝርአን፣ ሓደ ካብ ዕማማት ግጥሚን ገጠምትን ንሂወት ሕብረተ ሰባትን ኣጋጣሚታቱን ዝድህስስ፣ ካብ ዳህሳሱ ነቒሉ ብዝተፈላለየ መልክዓትን መንጽራትን ጠሚቱ፣ ትዕዝብቱ፣ ተምሳጡ፣ መግናሕቱ፣ እህህታኡ፣ ሓጎሱ፣ መጠንቀቕታኡ ብቕኔ ዘቕርብ እዩ። ንምስሊ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ብዝተፈላለየ መልክዓቱ ከንጸባርቑ ዝተጻሕፉ ግጥምታት ናይ ዝተፈላለዩ ናይ እዋኑ […]

Read More እዋናውያን ግጥምታት ኣብ ምስናድ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ሂወት ኤርትራውያን

ግጥሚ፣ ኣብ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ያታ፣ ባህልን ታሪኽን

  “… ትብዓት‘ዶ ሪኢኻሎም ገለ ፈይታ ነጥሪ ባይታ ተለለወ ምስ ሓመዱ ክምጥምጡ ፍቕሪ፧“ “ኣብ ጥንታዊ ሂወት በደይዊንን ሓፈሻዊ ዓረባውን ምብራቓውን ዓለምን፣ ቀንዲ ንጥፈታት ስነ ግጥምን ገጠምትን፣ ንባህላውን ያታውን ንጥፈታት እቲ ሕብረተ-ሰብ ምሕላውን ምዕቃብን ኮይኑ፣ ከምኡ ድማ ከም ባሬላ ኮይኑ ታሪኽ ብምስናድ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ምትህልላፍ እዩ ነይሩ። ምጽሓፍን ምንባብን ዝኽእል ዳርጋ ገጣሚ ጥራይ እዩ ነይሩ […]

Read More ግጥሚ፣ ኣብ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ያታ፣ ባህልን ታሪኽን

ድምጺ ልቢ፣ ምስሊ ኤርትራዊ መንእሰይ

“ሰነድ፣ ናይቲ ግዳይ ዲክታተርያዊ ስርዓትን፣ ብሰንኩ ዝሰዓበ ስደትን ስነ ኣእምሮኣዊ ቀውስን ዝኾነ መንእሰይ”   ድምጺ ልቢ መጽሓፍ እኲብ ግጥምታት ብርሃነ ገብረህይወት ኮይና፣ ኣብ 2016 ንሕትመት በቒዓ፣ ኣብ ስደት ንዕዳጋ ዝተዘርግሐት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ 115 ግጥምታት ኣብ 187 ገጻት ተሓቚፎም ይርከቡ። ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሮም ዘለዉ ግጥምታት ኣብ ጒዕዞ 17 ዓመት ዝተጻሕፉ ምዃኖም በቲ ኣብ እግሮም […]

Read More ድምጺ ልቢ፣ ምስሊ ኤርትራዊ መንእሰይ

መባእታዊ ኣገባብ ልቢ ወለድ

  ልቢ ወለድ ትጽሕፍ ዲኻ? እንታይ ዓይነት ልቢ ወለድ? ንግዳዊ ስነ ጽሑፍ (Commericial fiction) ወይስ ስነ ጽሑፋዊ (Literary fiction)… ካበየናይ… ኣበየናይ… ኢኻ ተተኹር? እስከ ንገረኒ፡ ገበናዊ ልቢ ወለድ ( Mysteries Fiction): ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ (science fiction): ዘሰንብድ ወይ ዘርዕድ (Honor or Thrillers Fiction): ፍቕራዊ ልቢ ወለድ፡ ታሪኻዊ ልቢ ወለድ፡ ፋንታዝያዊ ልቢ ወለድ. . . ካብዚታት […]

Read More መባእታዊ ኣገባብ ልቢ ወለድ

ስነ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ?

  ትጽሕፍ ዲኻ?… እንታይ ትጽሕፍ?… እባ… ትደርስ ዲኻ? እንታይ ትደርስ? ክሲ ወይስ ቈይቊ. . . ‘ሓንጢጡኒ ጓጠዩኒ’ ዝዓይነቱ! ወይስ ማሃርኩ መኸርኩ ዝብል ምዕዶ ኣቦሓጎይ? እስከ ንገረኒ እንታይ ኢኻ ትጽሕፍ? ንትርጉምን እንታይነትን ስነ ጽሑፍ ካብቲ ሰፊሕ መዳዩ ብጽብብ ዝበለ መዳይ ንምርኣዩ ዘገድስ እመስል። መዚ መሰረት ድማ ‘ስነ ጽሑፍ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?’ ክንብል ግድን ኢዩ። “ስነ […]

Read More ስነ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ?

ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ግጥሚ

“ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ከም ስነ ጽሑፍ ብቃል ይዝረቡን ይግለጹን ኢዮም። እዞም ካብ ኣፍ ዝወጹ ቃላትን ፍጻሜኦምን ኣገደስቲ መልክዓት ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ እዚኣቶም፡ ከምቲ ሓደ ጸራባይ ብጥበቡ ዕንጸይቲ ሰንጢቑ፡ ጸሪቡ ቀሪጹ ዘደንቕ ኪነ ጥበናዊ ቅርጺ ዘውጽእ፡ ሓደ ኪኢላ ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ እውን ብጥበብ ቃሉ፡ ኣብ ህዋሳት ደቂ ሰብ ሰሪጹ ብምእታው ሰማዕቲ ካብ ምምሳጥን ምድናቕን ሓሊፉ፡ ኣብ […]

Read More ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ግጥሚ

ፈጠራ ኣብ ግጥሚ

ብሓፈሻ ግጥሚ ኩለንትናኡ ፈጠራ እኳ እንተኾነ፣ ጽቡቕ ፈጠራ ወይ ልዑል ፈጠራ ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ተንጸባሪቑ ክብሃል እንከሎ ግን ከመይ ዝበለ እዩ፧ ኢልካ ምሕታትን ምስትንታንን ግን፣ ንጸሓፊ ግጥሚ ፈጠራውነቱ ንጽቡቕ ግጥሚ፣ ንነባቢ ግጥሚ ድማ ዕምቆት ምስትምቓሩ ንግጥሚ ዘዐቢ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ፈጠራ ኣብ ግጥሚ ብብዙሕ ሸነኽ ክርአ ይኽእል እዩ። ንሕጂ ግን ኣብ ሰለስተ መሰረታውያን ኮይኖም […]

Read More ፈጠራ ኣብ ግጥሚ

ንኽጥምጠሞ ሽምጥኺ…ስጥሕ ክብል ኣብ ደረትኪ..

ሕደማ “ኣንጉዐይ ፍስስ” ልዕሊ ክልተ ዕቍድ ጌራ ክንሳ ንእዝኒ ሰማዒ ግን ወትሩ ናይ ሓዳሽ ስራሕ ኢያ። ኣንጉዐይ ፍስስ ኪንዮ “ምቕናይ፥ ሸው ከብለኒ’ሉ፥ ጉማየን ካልኦት ዕዮታቱን” ብዕምቆታን ብኢስተቲካዊ ጽባቐኣን ጸብለል ዝበለት ኣብ ርእሲ ምዃና፡ ከም ሕደማዊት ግጥሚ ድማ ፍጹም ክልቸ ዘይርኣያ ኢያ። “ኣንጉዐይ ፍስስ” ካብ ሃበስ-ቀደስ ብምግላል፡ ኣጠቃቕማ ቃላታ ብስነጽሑፋዊ ቍንቚኛ ዝተመልአት፡ ላዛን ወዝን ዘለዎ ኣሰራርዓ […]

Read More ንኽጥምጠሞ ሽምጥኺ…ስጥሕ ክብል ኣብ ደረትኪ..

ምኽሪ ፈለግ ኣዋሽ ንኤርትራውያን

ኣስተንትኖይ ምስ ግጥሚ “ኣዋሽ ኣብ መቕድምካ” ገጣሚ፣ ቦኽረ ገብረእየሱስ ኣብ ከባቢታት ቀላይ ጋራጎሪ ጀሚሩ፣ ኣብ ሰፊሕ ምብራቓዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተዃሊሉ፣ ዶብ ጅቡቲ ተንኪፉ፣ ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ብምምላስ፣ ኣብ ክልል ዓፋር፣ ቀላይ ኣብሐ(Abhe) ዘለኣለማዊ ዕረፍቱ ዘዕርፍ እዩ፣ ፈለግ ኣዋሽ። ሓደ ካብ ዝዓበዩ ፈለጋት ኢትዮጵያ። እዚ ፈለግ ሓደ ካብ ሒደት ኣፍላጋት  ናይ ዓለም ኣብ ውሽጡ ዓዱ ጀሚሩ […]

Read More ምኽሪ ፈለግ ኣዋሽ ንኤርትራውያን

ቅንጥብጣብ

  ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝኮነ ቤት መግቢ ኣቲካ፣ `ቅንጥብጣብ` ምስ ትእዝዝ ፡  ካብ  ዝተፈላለየ ዓይነት ስጋ ዝተሰርሐ ጸብሒ`ዩ  ዝመጻካ።  `ንተ ሎሚ ሰንኪ  ስደት ከም ናይ ሃገርና ንበልዖ  ቅንጥብጣብ  `ተስኣና ፣  ሳላ LYE.tv , Ella Records, Habesha Poetics, Halenga Eritrea , ATA Meda . . .   (ይቅሬታ! ሳሕቲ ከም`ዚ እንዳ ኩፖን `ድኳን  ሕድሪ`  ኮይነን`የን ዝስምዓኒ)ደው ይበላ […]

Read More ቅንጥብጣብ

ተረፍ፡ ነጽብራቕ ሓደ መንእሰይ

ካልኣይ ክፋል. . . ዓራዪ ሰዓት፡ ብስፍሓት ሓሳባታን ኣነዳድቃን በቲ ሓደ ወገን፡ ብወሓዚ ሓሳባታን በቲ ስዲ ንባባዊ ግጥማን ድማ በቲ  ካልእ፡ እትህቦ ወይ እተስምዖ ኣመት ዝያዳ ከም እትሓስብን እተስተንትንን ትገብር ዛንታ ኢያ። ዛንታ ዓራዪ ሰዓት፡ ብትሕዝቶን ቅድን ዝተፈልየት ኰይና፡ ብትልሚ-ኣልቦ (Plotless story) ዝተዓየት ስራሕ ኢያ። ንስእሊ’ዚ ወለዶ ድማ፡ ምስቲ ናይ ቀደም ወለዶ ብምዝማድ፡ ‘ሓወልቲ ንእስነት […]

Read More ተረፍ፡ ነጽብራቕ ሓደ መንእሰይ

ተረፍ፣ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ

መጽሓፍ፡ ተረፍ እኵብ ሓጸርቲ ዛንታታት ኣርታዒ፡ ሄኖክ ተስፋብሩክ ደራሲ፡ ኣኸደር ኣሕመዲን ቤት ማሕተም፡ ናለት ዕለተ ሕትመት፡2014 መጽሓፍ ተረፍ፡ እንክተንብብ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዛንታ ነናቱ ጦብላሓታን ዝኽርን ዝገድፍ ዕዮ ዝሓቆፈት ኰይና፡ ኣስካላ ህይወት ናይ ሓደ ኤርትራዊ መንእሰይ እና’ንጸባረኸት ተርኢ ኢያ። ነዛ መጽሓፍ ዝያዳ ተነባቢትን ተዘካሪትን ዘግብራ ድማ፡ ሓደ ደራሲ ብዝተፈላለየ ኣፈጻጽማ ቅዲታት ዛንታ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ […]

Read More ተረፍ፣ ነጸብራቕ ህይወት ሓደ መንእሰይ