ኣበይ ይተኣንገድ!

ኣበይ ይተኣንገድ! ዘነቓቕሓኒ መዓልተይ ክውዕሎህድኣት ዝፈጥረለይ ልዋም ንኽሓድሮ፡ወጅሂ ርግኣት ኣብ ገጸይ ክርአቃና ተስፋ ኣብ ድምጽይ ክድሀ፡ኣብ መንፈሰይ ንጽህና ክሰርጽቀስተደመና ህይወት ኣባይ ክንጸባረቕ፡ንስኺ ኢኺ ምኽንያት ፍቕርኺ’ዩ ሓይሊከም ሓይሊ እቲ ሓያል መቓብር ተልዕሊህላወ ኣልኣዛር ትንፋስ ተበስሪ፡ዝተቐብጸ ፍቕሪ ዝተቐብጸ ህይወትትንፋስ እተልብሲ። ከምዚ እናኾነ እቲ እትህብዮእቲ ምሳይ ዘሎ ከምቲ ትፈልጥዮዘይትቐርቢ ደኣ ናበይ ተድሓርሕሪዘይትሓቚፊ ዘይትሕቆፊ፡ እንታይ የፍርሓኪእንታይ ሲ የስግኣኪ?ፍቕሪ ናብ […]

Read More ኣበይ ይተኣንገድ!

ወዲ-ትካቦ ልዕሊ 20 ዓመታት ምስ ሓንቲ ቅኒት

ልዕሊ ዕስራ መጻሕፍቲ ዝደረሰን ኣዝዩ ብዙሕ ፍሩይ ኣህጉራዊ ንጥፈታት ተጸዋዒ ኮይኑ ዝተሰየመን፡ ብራዚላዊ ደራሲ ፓውሎ ኬልዮ፡ The Alchemist ንእትብል ብልዕሊ ሰብዓ ቋንቋታት ዓለም ዝተተርጐመት መጽሓፍ ዝጸሓፈ እዩ። The Alchemist ካልአይቲ መጽሓፍ ፓውሎ ኬልዮ ኮይና ካብቲ ዝተጻሕፈትሉ እዋን 1988 ክሳዕ 1993 ኣብ ብራዚል እውን እንተዀነ ብንኡስ መልክዕ ዝተዘርግሐትን ተፈላጥነት ዘይነበራን መጽሓፍ እያ። ፓውሎ ኬልዮ እውን ኣብ […]

Read More ወዲ-ትካቦ ልዕሊ 20 ዓመታት ምስ ሓንቲ ቅኒት

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ

ሕጂ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ተሃኑ ዘውጽአ ይመስል እሞ ቁሩብ ብዛዕባ”ትግራይ” ክንዛረብ፡፡ እንታይ ብዛዕባ ትግራይ? ብዛዕባ ትግራይ ዋላ ሓንቲ ክንዛረብ ኣይንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ዓቕሚ ስለዘይብልና። ብዛዕባ እቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከይዱ ብዝኾነ መለክዒ ኣብ ዘይብጽሖ ኲናት ዝሳተፍ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ግን ክዝረብ ይከኣል እዩ፡፡ እቲ ንባዕሉ እውን ግዳይ ናይ ብዙሓት ረቛሒታት ዝኾነ ሰራዊት ግና ብዛዕባኡ ክትዛረብ […]

Read More ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ

እንቶሽ፡ ከም ጠስሚ ኣብ ልዕሊ ሽሮ ንቛንቋን ባህልን ትግርኛ

ገጣሚ፡ ዮናስ ወልደሩፋኤል ኣሕታሚን ዘርጋሕን፡ ኣሕታሚ እምኵሉ ዓመተ-ሕትመት፡ 2019 መጽሓፍ እንቶሽ ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ ብቐሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝተጻሕፉ ግጥምታት ሒዛ ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝተሓትመት መጽሓፍ እያ፡፡ ኣብ መእተዊ ንብዙሕ ምርምርን ተገንዝቦን ስነ-ጽሑፍ ካብኡ ናብኡ ድማ ስነ-ግጥሚ ዝዕድም ጽሑፍ ብገጣሚት ይርግኣለም ፍስሃ ዝተጻሕፈላ ድማ እያ፡፡ ኣብ መጽሓፍ እንቶሽ ዘለዉ ግጥምታት ንምስትምቓር ይዅን ንምርዳእ መራትዕን መደግፍታን ዘየድሊ እኳ […]

Read More እንቶሽ፡ ከም ጠስሚ ኣብ ልዕሊ ሽሮ ንቛንቋን ባህልን ትግርኛ

መንነቶም ዘይግለጹ ተጻባእቲ ዶ ምኽንያቱ ዘይግለጽ መሕብኢ፧

‘’ብርግጽ ኣብዚ መገዲ ተጻባእቲ ኣሎዉ። ክንስዕሮም ኢና። ሕሱማት፡ ዘየናሕስዩ ጸላእቲ’ዮም፡ ከውድቑና ይዳፍኡ፡ ክሕንኩሉ ይፍትኑ፡ ሰንከልከል ንብል እምበር ኣይንወድቕን። እንተወደቕና እውን፡ ተሲእና ንጎዪ። ከሰምብዱና ከፈራርሁና ከጀጅዉና ይመጣጠሩ፡ ይፍክሩ፡ ይሕንሕኑ። ይደኽሙ’ምበር ንሕናስ ድምብርጽ ኣይብለናን፡ ናብቲ ሸቶና ንሸብብ። ንጌጋ ፈሪሕና ኣእዳውና ኣይነጣምርን፡ ዝያዳ እኳ ንጽዕት። ነቶም ብጸልማት ዝመላለሱ ኣብ ብርሃን ብሓቂ ንምክቶም፡ ንስዕር።’’ እዚ ሕጡበ-ጽሑፍ እዚ፡ ኣኽሊል ሃይሉ […]

Read More መንነቶም ዘይግለጹ ተጻባእቲ ዶ ምኽንያቱ ዘይግለጽ መሕብኢ፧

ርቀትካ ዕጣን፡ ኣብ መንጸፍ ሓቦ፡ ተስፋን ትዕግስትን ዝተሃናዘዩላ መጽሓፍ

መእተዊ ርቀትካ ዕጣን፡ ጋዜጠኛን ገጣምን ግርማይ ኣብርሃም ዝተገጥሙ ግጥሚታት ሒዛ፡ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓትመት መጽሓፍ እኵብ ግጥምታት እያ። እዛ 87 ግጥሚታት ሓቚፋ ኣብ 2018 ዝተሓትመት መጽሓፍ፡ ሓቚፋቶም ዘላ ግጥሚታት ኣብ መቓን ነዊሕ ግዜ ዝተጻሕፉ ምዃኖም ካብቲ ኣብ መእተዊ ብገጣሚ ተጻሒፉ ዘሎ “ንመዓስ ከይበልኩ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት በብሓደ ኽጽሕፎም ዝጀመርኩ ግጥሚታተይ እነሀዉ ባይቶ ኣቚሞም፡፡” ዝብል ምሉእ ሓሳብ […]

Read More ርቀትካ ዕጣን፡ ኣብ መንጸፍ ሓቦ፡ ተስፋን ትዕግስትን ዝተሃናዘዩላ መጽሓፍ

ብምንጽጻር

ብምንጽጻር! ንፕረዚደንት በሽር ብድምጹ ኣምጺኡ ብድምጹ ድማ ዝኣልዮ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን፡ ንትብዓቱ ዝበቅዕን ድሌታቱን ቀዳምነታቱን ኣለልዩ ዘተግብርን መንግስትን መርሒነትን የምጽኣሉ። ዝዀነ ደላይ ጽቡቕን ፈታው ህዝቢ ሱዳንን ዝዀነ ሰብ ክብሎ ዝኽእል እዚ ጥራይ እዩ። እቲ ካልእ ዕዮ ባዕሉ ህዝቢ ሱዳን ይፈልጦን ይኽእሎን እዩ። ምስ ምእላይ በሽር ተኣሳሲሩ ብብዙሓት ኤርትራውያን ዝስማዕ ዘሎ ዘረባታት ግን ሓቂ ዘይምፍላጥ ወይ […]

Read More ብምንጽጻር

ዝቕጽል ስጒምቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ እንታይ እዩ ክኸውን?

ፈለማ ንገብሮ ጠፊኡና ነዕወንውን ነይርና። ደሓር ነብስና ክንከላኸልን ሓቀኛታት ምዃንና ከነርእን ፈቲንና። ከምዚ እንከሎ ንሳቶም ከጥቅዑና ዝከኣሎም ገይሮም። ተኸላኺልና። ጸኒሕና ክንማጎት ጀሚርና፡ ዝምልሰልና እኳ እንተዘይረኸብና ግን ቀጺልናዮ። ልምምድና ንለውጢ ብውልቅን ብእኵብን ቀጻሊ ነይሩ። ሃንደበት ዘይኰነ ኣብ ነዊሕ መስርሕ፣ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝወሰደ መስርሕ ለውጢ ክመጽእ ጀሚሩ። ንሕና ከነጥቅዕ ንሳቶም ክከላኸሉ ጀሚሮም። እዚ መስርሕ እዚ […]

Read More ዝቕጽል ስጒምቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ እንታይ እዩ ክኸውን?

ይኣክል፡ ብዓይኒ ንስሪ እንክርአ

ብግዱሳት ሃገራውያን ኤርትራውያን ዝጀመረ፡ «ይኣክል» ዝተሰምየ ጐስጓስ ሕድሕድን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ጻውዒት ብድሆን ኤርትራውያን፡ ዝርጋሐኡ እናሰፍሐን ዘልዕሎም ኣርእስታትን እናዓበዩን እናሰፍሑን ይቕጽል ኣሎ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ንጥፈታት፣ ብዝተወሰኑ ኣዕሩኽን መፍልጥትን ጀሚሩ ብዘደንቕ ስንሰለታዊ መርበብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ምሉእ ዓለም ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ተባጺሑ ክላባዕ ምኽኣሉ፣ ዘመናዊ ቴክኖለጂ ብዝፈጠሮ ዕድል ማሕበራዊ […]

Read More ይኣክል፡ ብዓይኒ ንስሪ እንክርአ

ድሕሪ ንባብ …

ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ፡ ብእንግሊዛዊ ዲፕሎማት ጀራልድ ሀርበርት ፖርታል፡ ኣብ 1891 ተጻሒፉ፡ ኣብ 2017 ብነጋሽ ኣስፋሃ ዝተተርጐመ መዘክር እዩ። ጀራልድ ሀርበርት ፖርታል ኣብ መወዳእታ 18 ክፍለ-ዘመን ኣብ ኣፍሪቃ ዘገልገለ ዲፕሎማት ኮይኑ፡ ኣብ 1887 ካብ ንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ንጒስ ኣቢሲንያ ሃጸይ ዮውሃንስ ክበጽሕ ዝተደልየ መልእኽቲ ከብጽሕ ብልዑል ሓላፍነት ዝተመዘዘ ሰብ እዩ። ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ፡ እቲ ካብ […]

Read More ድሕሪ ንባብ …

‘ኤርትራውነት’

                        1ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይሳነደጓሕን ልኡምን ከም ወርሕን ጸሓይንትነብረሉ ስፍራ ኣብ ኣንጻር ዝቖመንፋሱ ዘይራኸብ ዝሑልን ውዑይን።ልቕብቃብ ናይ ላኻ ምንጻፍካ ተንኮበትጨንገርን እሾኽን ምንባርካ ኣብ ኣግነት፡ብጨዋም ትረዊ፡ ቅዳሕካ ማይ ባሕሪኣብ ሽያኽ ናይ ሑጻ ባርካዊ ነባሪ፡ማእከል ዘየብልካ እንትርፎ ፈጣሪ፡                  […]

Read More ‘ኤርትራውነት’

ክሕሸካ ምእንቲ

መን’ኳ ከይነግሮ መዓስ ምስ ተጻሕፈ ግና፡ ታሪኸይ ዘዘንቱ ጽሑፍ ‘ተተረኽበ ቀዳማይ ምዕራፉ፡ ክኸውን’ዩ ከምዚ ዚንበበ’። “ኣብ ዋልድቢ ዓፈን ዝተወልደ ጸሓዩ ዝዓረበት ቀትሪ ዘይረኣየ ክፈትዎን ክጸልኦን ንብርሃን ዘይፈልጦ ነበረ ኣብ በዓቲ ጽላለቱ ዘፍርሖ።” ወደይ! ኣንታ ናይ ጽባሕ መጻኢ ብህንጡይነት ‘ትዓቢ ብዓል ራኢ ሱርካ ንኽትፈልጥ ዝመጻእካሉ ምንጪ ዘይትርፍ’ዩ ምፍታሽካ ሓዲሩካ ባህጊ፡ በጃኻ! ንባብካ ግደፎ፡፡ እመነኒ፡፡ ንቓላተይ ምስክር […]

Read More ክሕሸካ ምእንቲ

ሰብኣውነት

መስለኒ፡ ሕሰም ጽምዋኻ ዝፈጠሮ ፍርሒ ዝሓደረ ጭንቀት ዝዘርኣልካ ቀዝሒ ምጻሩ ስኢንካስ ብሂግካ መጸግዒ፡ ከም እኖኣ ዝሰኣነት ዕየት ብባህጊ ዕንጋሎን ሕቚፍን እተሕገብግብ፡ ከተምሰውስው ከተማስው ተሸጒጥካ ንኽትመውቕ ካብ ማእከል ሞሊቕካ ናብ ‘ማእከል’ ክትድቕደቕ፡ ቀው! ኢለ ርእየካስ፡ ከብደይ በሊዕካኒ ወሪሩኒ ድንጋጽ። ከም ነቢ ድሕነት ኣብ ዝኸበርካሉ ከም ሸዊት ሓጋይ ኣብ ዝተብሃግካሉ ከም ቆልዓ መብጽዓ ኣብ ዝተረረኻሉ ቃልካ ከም […]

Read More ሰብኣውነት