About Me

ዝህቦ ትምህርቲ፣ ዝነግሮ ዛንታ ውን እንተዘይብለይ፣ ኣብ ሂወት ዘጋጠመኒ ተረኽቦታትን ዝፈጥረለይ ስምዒታትን ግን ሰማዒ እደልየሉ እየ። ግጥምታት፣ ልብወለዳትን ካልኦት ጽሑፋት ምንባብ፣ ካብ ባህታይስለዝዀነ፣ ምስ ነበብኩ ዝፈጥረለይ ጦብላሕታ ውን ብመልክዕ ምስትምቓርን ቅልል ዝበለ ገምጋምን ክጽሕፎ እደሊ እየ። ገጣማይ እየ፣ ንግጥምታተይ ከካፍል ውን ባህ እብለኒ እዩ።
ከምቲ እቲ ጸሓፊ ዝበሎ፣ ኣጋጣሚ ተረኽቦታትኩም ስምዒታትኩም ኣብዚ ጽሑፋተይ ትረኽብዎ ትኾኑ እሞ ንጋጠም ንኸውን። ሂወት ግጥምን ግጥሚን እንደኣላ።