ኣበይ ይተኣንገድ!
ዘነቓቕሓኒ መዓልተይ ክውዕሎ
ህድኣት ዝፈጥረለይ ልዋም ንኽሓድሮ፡
ወጅሂ ርግኣት ኣብ ገጸይ ክርአ
ቃና ተስፋ ኣብ ድምጽይ ክድሀ፡
ኣብ መንፈሰይ ንጽህና ክሰርጽ
ቀስተደመና ህይወት ኣባይ ክንጸባረቕ፡
ንስኺ ኢኺ ምኽንያት ፍቕርኺ’ዩ ሓይሊ
ከም ሓይሊ እቲ ሓያል መቓብር ተልዕሊ
ህላወ ኣልኣዛር ትንፋስ ተበስሪ፡
ዝተቐብጸ ፍቕሪ ዝተቐብጸ ህይወት
ትንፋስ እተልብሲ።
ከምዚ እናኾነ እቲ እትህብዮ
እቲ ምሳይ ዘሎ ከምቲ ትፈልጥዮ
ዘይትቐርቢ ደኣ ናበይ ተድሓርሕሪ
ዘይትሓቚፊ ዘይትሕቆፊ፡ እንታይ የፍርሓኪ
እንታይ ሲ የስግኣኪ?
ፍቕሪ ናብ ህይወተይ
ህይወት ናብ ምንባረይ
ምንባር ብዓቢኡ
ኣይፋል ትሕሰሚ “ኣይንዓይን” ትብሊ
ተቐበሊ ኸኣ እምበር ኣእዳውኪ ዘርግሒ
ፍቕሪ ንዓይ በሊ ልብኺ ኣርሕዊ ብምልኣት ርወዪ።
እቲ ንዓይ ዘለኒ፡ ባዕልኺ ትብልዮ፡
ዝዓዀዀ ሕልሚ፡ ዝፈልጥ ዝደልዮ
ዘይስንብር ልቢ፡ እምነት ዝጸፈዮ
ዘይ’ስንድል ቀልቢ፡ ሓልዮት ዝናብዮ፡
ተኣማሚነ ዝነግሮ፡ ብሓበን ዘድህዮ
ዝንከባኸቦ ከይሽረፍ፡ ከይጉረፍ ዝሕልዮ
ፍቕሪ’ዩ ዘለኒ ብዅርዓት ዝሰምዮ፡ ብትብዓት ዘርእዮ።
እቲ ኣነ ዝደልዮ፡ ኣባኺ ዝርእዮ፡
ክረኽቦ እንከለኹ እፈልጦ’የ
ከድህየኒ እንከሎ እሰምዖ’የ
ክደልየኒ እንከሎ ውነይ እህቦ’የ
ኣብ ነፍሰይ እንክሰርጽ ‘ጽንብሎ’የ
ንዕኡ ዝበቅዕ መሕደር እሃንጽ’የ
ቋንቋኡ እመልኮ ሃይማነቱ አምልኾ
ባህሩ ኣጽኒዐ ባህሉ ኣኽቢረ እሰማመዖ’የ።
እቲ ዝኸውን ከምዚ እናኾነ
ክልቴና ንፈልጦ ክልቴና ንነብሮ
ተቐሚሩ ዘይቅይር ውጽኢት ዝህቦ፡
መልሲ ኣልቦ ሕቶ፡ ኣብ ዝባንኪ
ድልያ ንዘይርከብ፡ ኣብ ሓሳብኪ
ኣብ መገዲ ኣርባዓ ትዛውኒ፡
ኣብ ባሕሪ ሰንፈላል ክሕምብስ’የ ትብሊ
እንታይ ንምርካብ ‘ዩ እንታይ ኢኺ ትደልዪ?
ኣብ መንጎ ሓሳብን ባህግን
ኣብ መንጎ ትደልይዮን ዘድልየክን፡
ኣብቲ በዓቲ ፍርሒ፡ ስግኣኪ ዘይፍለጥ
ኣብቲ ‘’ጸሊም-ነቚጣ’’፡ ህላወኡ ዘይርጉጽ
ሰፊሕ ጋግ’ዩ ዘሎ ሰሃራ ስፍሓቱ
ዓሚቚ ጥልቀት ኣሎ ባሕሪ ዝዕምቆቱ፡
ነቲ ንምሕላፉ ነቲ ንምስጋሩ
ኪኖ ትብዓትን ጥበብን ብዙሕ’ዩ ሓቲቱ፡፡
እቲ ምንታይ፡
ኪኖ ዓቕሚ ሰብ’ዩ ክፍለጥ ብልሓቱ።
ሰሃራ፡ ሓውን ህቦብላን ብሓደ ዝዘንቦ
ባሕሪ፡ ማዕበልን ስሕበትን ሓቢሩ ዝህቦ
ሓይሎም ዓርሞሾሽ እዩ ልዕሊ ዓቕሚ ኣዳም
ጥምየቶምን ጽምኦምን ዘይረዊ ኣበደን፡፡
ኣብ ውሽጥኺ ዘሎ ዘይከኣል ክብጻሕ
ከም ሰሃራን ባሕርን ብድርብ ዝጋናሕ፡
እተቋምትዮ ጸሓይ ንኽትበርቕ
ባእሲ ልብን ርእስን ከመይ ይተዓረቕ?
ቀልበይ ንኽረግእ ቀልብኺ ክረዲ፡
ንሕና ንሞቘሉ ፍቕሪ ዝበስለሉ
ዘጓህርህር መጋርያ ኣበይ ይተኣጐድ
ህድኣት እናቋሰና እንስሕኖ ውግዒ
ዘልዝበና ግብኣት ኣበይ ይተኣንገድ?
ፍቕረይ የማን
መዝገበ-ቃላት፥
ጸሊም-ነቚጣ፡ እቲ ብእንግሊዘኛ The black hole ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣብ ህዋ ዝርከብ ብልዑል ናይ ምስሓብ ሓይሉ ዝልለ ባእታ እዩ። ህላወኡን ዓይነቱን ገና ብተመራመርቲ ከረጋግጽ ዘይተኻእለ ካብ ትእንግርትታት ርኽበት ድማ እዩ።