ልዕሊ ዕስራ መጻሕፍቲ ዝደረሰን ኣዝዩ ብዙሕ ፍሩይ ኣህጉራዊ ንጥፈታት ተጸዋዒ ኮይኑ ዝተሰየመን፡ ብራዚላዊ ደራሲ ፓውሎ ኬልዮ፡ The Alchemist ንእትብል ብልዕሊ ሰብዓ ቋንቋታት ዓለም ዝተተርጐመት መጽሓፍ ዝጸሓፈ እዩ። The Alchemist ካልአይቲ መጽሓፍ ፓውሎ ኬልዮ ኮይና ካብቲ ዝተጻሕፈትሉ እዋን 1988 ክሳዕ 1993 ኣብ ብራዚል እውን እንተዀነ ብንኡስ መልክዕ ዝተዘርግሐትን ተፈላጥነት ዘይነበራን መጽሓፍ እያ። ፓውሎ ኬልዮ እውን ኣብ ከተማኡ እኳ ዘይፍልጥ ጸሓፊ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ኣብ 1993 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይኑ ዝተመርጸ ቢል ክሊንቶን ነታ መጽሓፍ እና’ንበበ ምስኣሉ ብዛዕባ ንእሽቶ ተምሳጡ ምግላጹን ግና፡ እታ መጽሓፍ ኣብ ዓለም ብዝበዝሐ ቋንቋታት ካብ ዝተተርጐማን ዝተሸጣን መጻሕፍቲ ሓንቲ ኮይና። ፓውሎ ኬልዮ እውን ልዕሊ ቢል ክሊንቶን ኣብ ቴልቪዥን ዝተራእየ ሰብ ኮይኑ።
ፓውሎ ኬልዮ ድሕሪ እዛ መጽሓፍ ልዕሊ 20 መጻሕፍቲ ይጽሓፍ እምበር ክንዲ ፍርቃ ዝተፈትወት፡ ዝተተርጐመትን ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዝረኸበትን መጽሓፍ ግና የብሉን። ድሕሪ እዛ መጽሓፍ ዝተጻሕፋ መጻሕፍቱ ቅልጡፍ ምትርጓም ናብ ካልእ ቋንቋታት ዝረኸባ ክኾና እንከለዋ ኣብ መሸጣ ግና፡ ደረጃ ብደረጃ እናነከያን ብዛዕባአን ዝጸሓፍ ህየሳን ምስትምቓርን እውን ዳርጋ ዘየለ እናዀነን ክመጽእ ተራእዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ግና መጻሕፍቲ ፓውሎ ኬልዮ ከም ሽጉርቲ ኮሚደረ ኣብ ዕዳጋ ኣሕምልቲ ዝሽየጥ ተራ ናይ ንግዲ ንብረት እምበር፡ ጽሩይ ስነ-ጥበባዊ (ስነ-ጽሑፋዊ) ፍርያት ተባሂሉ ኣብ ከብሕታት ቤተመጻሕፍቲ ብኽብሪ ዘይቅመጥ መጻሕፍቲ ኮይኑ። ገና ንህይወት ኣብ ምልላይ ዘለዉ ንኣሽቱ (ብዕደመን ተሞክሮን) ንፋንታዚ ዘንብብዎ መጽሓፍ እምበር፡ ስነጥበባዊ ፍርያት ብጽባቐኡ ዘስተማቕርዎ እኹላት ሰባት ዘንብብዎ መጽሓፍ ከምዘይኮነ እውን ተራእዩ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምንቁልቋል ተፈታውነትን ጠለብን ኬልዮ ምኽንያት ዝኾነ፡ ንሱ ሕማቕ ስርሓት እናፍረየ ስለዝመጸ ኣይኮነን። ንሱስ ካብ መጽሓፍ ናብ መጽሓፍ ክሰግር እንከሎ፡ ብቛንቋን ኣምራት ህይወትን እናወርጸጸ ክመጽእ ተራእዩ እዩ ወይ ክምጸእ ፈቲኑ እዩ። ስርሓቱ እውን ጽሩያትን እቲ ኣኣብቶም ዝቐደሙ መጻሕፍቱ ዝተንጸባረቐ ክእለትን ጽፈትን ዝተራእየሎምን እዮም። እንታይ ደኣ እዩ እቲ ጸገም፧
እቲ ጸገም ልክዕ እዚ እዩ። እቲ ኣኣብቶም ዝቐደሙ መጻሕፍቱ ዝተንጸባረቐ ክእለትን ጽፈትን ኣብቶም ዝሰዓቡ እውን ስለዝተደግመ። ዘገርም! ሓቀይ፧ ኣብ ኣእምሮ ወዲሰብ ግና ቅኑዕን ተራን መስርሕ እዩ። ነቲ ድሕሪ ብዙሕ ጥምየት ዝረኸብካዮ ጥዑም ዝብሃል መግቢ እውን ኣከታቲልካ እንተበሊዕካዮ ትመንዎን ትጸልኦን ኢኻ። ስእነት ኣማራጺ እንተዘይኮይኑ ድማ ክትበልዖ እውን ኣይትደልን። ኣብ መጻሕፍቲ ፓውሎ ኬልዮ ዝተራእየ እዚ እዩ። እቲ ሓንሳብ ብThe Alchemist ኣቢሉ ኣብ ልቢ ነበብቲ ዕዙዝ ቦታ ከምዝረኸበ ዝፈለጠ ኬልዮ ኣብቶም ኣኣብ ክልተ ዓመት ዘሕትሞም ዝነበረን ዘሎን መጻሕፍቲ መለሳ ከምጽእ ኣይከኣለን። ኣብ ኩሎም እቶም መጻሕፍቲ ሓደ ዓይነት ቃና፡ ሓደ ዓይነት ኣዘናትዋ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ይኹን እምበር ሓደ ዓይነት መልእኽቲን ተመሳሰልቲ ቃላትን ሓይሎምን እዩ ተጠቒሙ። ንሓደ ብሱል ነባቢ እምበኣር መጻሕፍቲ ኬልዮ ኩሎም ዳርጋ ሓንቲ ወይ ክልተ መጽሓፍ እዮም። ነባቢ ወይ ኣስተማቓሪ ስነጥበባዊ ስርሓት መለሳ የድልዮ እዩ። መለሳ ኣብ ብዙሕ ስነጥበባዊ ባእታታት ማለት እዩ። መለሳ ኣብ ቃና፡ መለሳ ኣብ ኣዘናትዋ፡ መለሳ ኣብ ኣጠማምታ ንህይወት፡ መለሳ ኣብ ቃላትን ኣጠቓቕማኦምን … ወዘተ ማለት እዩ። ፓውሎ ኬልዮ ነዚ ኣየስተብሃለሉን እኳ ክብሃል ኣይከኣልን ግን ኣይገበሮን። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ሓደ እዋን ቢል ክሊንቶን፡ ጁልያ ሮበርትስ፡ ማዶናን ካልኦት ጸለውቲ ሰባትን እጹብ ድንቂ ዝበልዎ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ደራሲ፡ ሎሚ ሽሙን ስእሉን ንሓደ ኣርታዒ ጽሑፋት ኣቕሪብካሉ እውን ክፈልጦ ዘይክእል ሃሳስ ኮይኑ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ኣብነት ናብ ኤርትራ ኣምጺእና እንተሪእናዮ፡ ሓደ ቀሊል ኣብነት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኢሰያስ ኣፈወርቂ። እቲ ሓደ እዋን ንሱ ኣብ ቴለቭዥን ክዛረብ እንከሎ፡ ኣብ ጎደናታት ኤርትራ ሰብ ክትርእየሉ ክሳዕ ዘይከኣል ዓይነት ሰብ ተኣጒሩን ኣፉ ከፊቱን ዝሰምዖ ዝነበረ መራሒ፡ ሎሚ ክሰምዖ ደልዩ ዝሰምዖ ሰብ ክትረክብ ሕልሚ ዝመስል ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ተርእዮ እዚ ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐን ደረጃ ብደረጃ ዝመጸን ተርእዮ እዩ። ህዝቢ ነቲ ሃገሩ ዝመርሕ ዘሎ ኣብ ኤርትራ ዝለዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ዘይሰምዖ፡ ጽልኢ ጥራይ ኣይኮነን። ንጸላኢኻ እውን ንዓኻ ዘገድስ ጉዳይ ይዛረብ እንተሎ ክትሰምዖ ትድረኽ ኢኻ። ኢሰያስ ድማ ንኤርትራውያን ክፋል ህይወቶም እዩ ኣብ ኢዱ ሒዙ ዘሎ። እቲ ክዛረብ እውን ብዛዕባ ህይወት ኤርትራውያን እዩ ዝዛረብ። እቶም ብዛዕኦም ዝዛረብ ዘሎ ሰባት ክሰምዕዎ ዘይደልይሉ ምኽንያት እምበኣር፡ ዝዛረቦ መለሳ ከምዘይብሉ ኣብ መደምደምታ ስለዝበጽሑ እዩ። ሰብ መለሳ ይደሊ እዩ፡ ዋላ ንእዝኑ ማለት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ተግባር ከምዘይውዕሉ እውን እናፈለጠ ንኢሰያስ ክሰምዖ ምኸኣለ፡ መለሳ ዘለዎ ዘረባን ኣዘራርባን እንተዝህልዎ። ኢሰያስ ግና የብሉን። ቃላቱ፡ ቃንኡ፡ ዋሕዚ ዘረባኡን ኣወሓሕዛኡን ሓንትን ኣሰልካይትን እያ። ሰብ መለሳ ይደሊ እዩ። ኣብ ኢሰያስ መለሳ ዝስማዕ እውን ክርከብ ከምዘይክእል ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መደምደምታ በጺሑ እዩ።
ከምዚ ገይርና እስኪ ነተሓሕዞ፥
ወዲሰብ ኩሉግዜ ኣብ ምንዳይ ጽቡቕ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ምንዳይ መለሳ ዘለዎ ለውጢ ዘስተማቕረሉን እዩ ዝነብር። ብብዙሕ መለክዓት መለሳ ዘለዎ ጽሑፍ ክነብብ ይደሊ፡ ብብዙሕ መልክዓት መለሳ ዘለዎ ዛንታ ክነብብን ክሰምዕን የድልዮ። ከም ደርፍታት የማነ ባርያ ልዕሊ 30 ዓመታት ሰሚዕዎም ዘይመንዎን መመሊሱ ከም ሓደስቲ ዝሰምዖም ደርፍታት ድማ የድልይዎ። ከም ጭራ ዋጣ ናይ እንዳ ስዋ ግጥሚ ጥራይ እናቐረየሩ ተመሳሳሊ ዜማን ቃናን ዘስምዕዎ ደረፍቲ የሰልክይዎ። ዋላ እቶም ጽቡቕ ደርፍታት ይደርፉ ዝብሃሉ ብዓል ወዲ ትካቦ ማለት እዩ።
ሽዱሽተ ደርፍታት ወዲ ትካቦ ኣከታቲሉ ዝሰምዐ ኣስተማቓሪ ደርፊ፡ ድሕሪ ነዊሕ እዋንን ነቶም ደርፍታት ከምዝሰምዖም ካብ ዝኽሩን ጦብላሕታኡን ምስ ሃሰሱን እዩ ክደግሞም እንተኸኣለ። እቲ ምኽንያት እቶም ደርፍታት ቀልጢፎም ዝምነዉ ዘይጽቡቓት ስለዝኾኑ ኣይኮነን። ወዲሰብ ግን መለሳ ይደሊ እዩ – መለሳ ድማ የድልዮ እዩ። ካብ ‘’ርግቢት ሞሮር’’ ክሳዕ ክሳዕ ‘’ንስመር እሞ ብሓባር ንዕየ’’ ሓደ ዓይነት ቃና ክሰምዕ የሰልክዮ እዩ። ካብ ‘’ይገርመና ኣሎ’’ ክሳዕ ‘’ንሕና ኢና ንሳ’’፡ ልዕሊ ዕስራ ዓመታት ክፈልዮ ዘጸግሞ ዜማን ቅኒትን ክሰምዕ ንምስትምቓሩ ምንእኣስ ገይሩ እውን እዩ ዝሓስቦ። ምኽንያቱ መለሳ የድልዮ እዩ። መለሳ ኣብ ግጥሚ፡ መለሳ ኣብ ቃላትን ኣሰዃኹዓኦምን ውህደቶምን እውን የድልዮ እዩ። ከም ዘረባ ኢሰያስ ዒቕ ኢሎሞ ምስማዖም ክሳዕ ዘቋርጽ ምድጋግሞም ሲ፡ ኣይግድን።
እዚ ጥራይ ግን ኣይኮነን። እቲ ዝሰፍሐ፡ ነጥቢ ብነጥቢ ዝዝርዝርን ዘራትዕን፡ ፈረስ ድዩ ወይስ ሰረገላ ብቕድሚት ዝመጽእ፡ መቓልሕ ምድጋም ድዩ ወይስ ፈጢርካ ምቅናይ ዝብል ጽሑፍ ብሕጂ ክቕጽል እዩ። ርግጽ! ኣብ ስራሕ ወዲ ትካቦ ዘተኮረ ማለት እዩ።
*****
ፍቕረይ የማን
Thanks so much.
Kind regards,Abeba Asfaha
LikeLike