ሕጂ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ተሃኑ ዘውጽአ ይመስል እሞ ቁሩብ ብዛዕባ”ትግራይ” ክንዛረብ፡፡ እንታይ ብዛዕባ ትግራይ?
ብዛዕባ ትግራይ ዋላ ሓንቲ ክንዛረብ ኣይንኽእል ኢና። ምኽንያቱ ዓቕሚ ስለዘይብልና። ብዛዕባ እቲ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ከይዱ ብዝኾነ መለክዒ ኣብ ዘይብጽሖ ኲናት ዝሳተፍ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ግን ክዝረብ ይከኣል እዩ፡፡ እቲ ንባዕሉ እውን ግዳይ ናይ ብዙሓት ረቛሒታት ዝኾነ ሰራዊት ግና ብዛዕባኡ ክትዛረብ እውን ዝከኣል ኣይኮነን። ስለዚ እምበኣር እቲ ዘረባ ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ዘይኮነ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ክኸውን ዘለዎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸውን ነገራት ስለምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን እናበልና ምሕሳብ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ጠንቂ ከይፈለጥና ብዛዕባ ሳዕቤንን ፍታሕን እንተተዛረብና ናብ ዋላ ሓደ ኣይወስደናን ወይ ኣየብጽሓናንን እዩ።
ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝኸውን ነገራት ከምኡ ዝኸውን?
ስለምታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ንዓለም ምሉእ ዘሰንበደ፡360 ደቁ ኣብ መንደበልዎ ዘህለቐ ጥፍኣት ከም ሓደ ታራ ንቡር ፍጻሜ ርእይዎ ጥራይ ሓሊፉ ሲ ዳርጋ ረሲዕዎ እኳ ዝነብር ዘሎ? ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ልዕሊ360 ደቁ ንቡር ቀብሪ እኳ ከይረኸቡ ኣብ ጋህሲ መንደበልዎ ተጸፍጺፎም እናነበሩ ዘይዝክሮም ዘሎ?
ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣማኢት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ደቁ፡ ካብ ቅድሚ ዓይኑ ተገፊጦም ክዕፈኑን ብበትሪ እናተደሰቑ፡ ኣብ ምድረበዳ ክእሰሩን ስቕ ኢሉ ዝርኣየ?
ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ፡ መራሕተይ ኢሉ ዝጸውዖም፡ ዝኣመኖምን ክመርሕዎ ብግብሪ ዝረኣዮምን ኣብ ዓሰርተታት ሰበሰልጣን ደቁ፡ ነበረያነበረ ብዝዓይነቱ ኣጠፋፍኣ ክጠፍኡ እንከለዉ፡ ዋላ ሓንቲ ሕቶ ዘይብሉ?
ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዓቕሚ ኣዳም ዘይበጽሑ ህጻናት ደቁ፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ክጠፍኡ እንከለዉ ሕቶ ዘይብሉ?
ስለምንታይ እዩ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ዓዱ ናበይ ክኸይድን ከይከይድን ክንገሮ እንከሎ ሕቶ ዘይብሉ?
እዞም ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮም ዘለኹ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ዝኾኑ ሕቶታት፡ ሓሲበ እየ ኣዝዮም ናብ ስድራቤት ዝቐረቡ ገይረዮም። ምኽንያቱ፡ ነቲ ሓበሬታ ዘይብሉ፡ ዘይተረድኦ ኮይኑ፡ ዘይፈለጠ ኮይኑ… ወዘተ ዝብል መመኽነይታታት ፈጺሞም ዕድል ዘይህቡን ውሽጠ-ውሻጠ ኣትዮም ዝስርስሩን እዮም። ኣይኮነን ታራ መዓልታዊ ህይወት ዝመርሕ ሰብ፡ ኣብ ደብሪ ዝቕመጥ ፈላስን ኣብ ዝጸበበ መሸጎራጉር ተሓይሩ ዝነብር ሰብን እውን ክርእዮምን ክፈልጦምን ዝኽእል ፍጻሜታት እዮም። ሓሓሊፎም ዘጋጠሙ እውን ኣይኮኑን ብቕድም ተኸተልን ብኣልማማ ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘነቓነቑን ፍጻሜታት ድማ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ግን ነቶም ኣብ ገዛእ ነብሱ ዝወረዱ ኣይሂታት ዘስተብሃለሎም ኣይመስልን። ስለምንታይ?
ንዘመናት እናተደጋገመ ዝነብር፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ዝፍጸም፡ ተሳተፍቱ እውን ዝኾንና ሓቅታት ካብ ምርኣይ ሓንጊድናን ደርሆ ጻሕቲራ ኣብ እትረኽቦ ከንቱ ምስሉይነት ተሓቢእናን ክንነብር ኣይንኽእል ኢና።
ንልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዓመታት፡ ኣብዛ ዘመናዊ ፖለቲካ ዘመሓድራ ዓለም ህዝቢ ኤርትራ ናይ ገዛእርእሱ ፖለቲካ የብሉን። ከምኡ ስለዝኾነ ድማ፡ ኩሉግዜ መጋበርያ ናይ ንጹር ጉዳይን ዕላማን ዘለዎም ሓይልታትን ወገናትን እዩ ህዝቢ ኤርትራ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ፈጺሙ ኣብዘይምልከቶ ኲናት ህይወቱ ዝኸፍል ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፡ ናይ ፈለማ መጋበርያ ንኻልኦት ኣይኮነን። ነቲ ንጥልያን ኣብ ሊብያን ኣብ ኤርትራን፡ ነቶም ድሕሪኡ ዝሰዓቡ ሓይልታትን ብጻዕዳ ኢዱ ገዲፉ ብጸሊም(ዝባን) ኢዱ ከም ሕሱም ዝተገዝአን ዝኸደመን ኤርትራዊ ገዲፍና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ20 ዓመታት ጥራይ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ ገይሩ ዝፈልጦ ነጥብታት ንጥቀስ።
ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ፡
እቶም ኣዝዮም ብዙሓት ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ክንዲምንታይ ሃብቲ ኤርትራ እዮም ኣህሊኾም፡ ዝጸባጸብ ኣካል ስለዘየለ ህዝቢ ኤርትራ ክፈልጦ እውን ዘይሕሰብ እዩ። ብገንዘቡ ዝምወሉ ከምዝኾኑ ግን ጸማምን ዕዉርን እንተዘይኮይኑ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ስለምንታይ ኢሉ ግን ክሕተት ከምዝከኣል እውን ሓሲብሉ ዝፈልጥ ኣይመስልን።
ሰራዊት ደምሒት ኣብ ኣስመራ ኣትዮም ኣብ ቦታ ሰራዊት ፖሊስ ኤርትራ(MP) ኮይኖም ክሰርሑ፡ ዝረኣየ ህዝቢ ኣስመራ፡ ኣብታ ርእሲ ከተማ ሃገሩ ከምኡ ዝበለ ብድዐ፡ ንዕቀትን ውርደትን ክግበር ርእዩ ከምዘይረኣየ እዩ ሓልፍዎ። ስለምንታይ ይኸውን?
ዳንኬራ ተቓለስቲ ሶማል፣ ኣብ ኣስመራ፡
ዝዓበያ ሆቴላት ኣስመራን ዝበለጸ ቪላታት እታ ኸተማን፡ ከም ሕሱም ብሓይልታት ሶማል ክርገጻ እንከለዋ፡ ህዝቢ እታ”ዓባይ ኣስመራ” ፊልም ዝቕረጽ ዘሎ መሲልዎ ዶ ይኸውን ብጎቦ ዓይኑ እናረኣዮም ጥራይ ዝሓልፍ ዝነበረ?
ቅትለት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የመን፡
ዓለም ምልእቲ ኤህ! ትብለሉ ዘላ ኲናት የመን ቀንዲ መደበሩ ወደብ ዓሰብ ኤርትራ እዩ። ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን፡ ዝሳቐዩ ዘለዉ የመናውያን ኣብ መሬት ኤርትራ እዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ። እቶም ኣብኡ ኣብ ዓሰብ ከባቢን ወተሃደራዊ ታዕሊም እናወሰዱ ናብ ዓዶም የመን ከይዶም ምስ ኣሕዋቶም ዝዋግኡ ዘለዉ እውን እንተቐቲሎም ይኹን እንተተቐቲሎም ኤርትራ እቲ ደም ኣብ ኢዳ እዩ።
እዚ ቐሊል እዩ፡፡ ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ዓሰብ እናነቐላን ናብ እናተመልሳን፡ ንየመን ዘዕንዋ ዘለዋ ነፈርቲ ኢመራት ዓረብ፡ ብህልቂት ህዝቢ የመን ንኤርትራ ተሓታቲት ዝገብር ገበን እየን ዝፍጽማ ዘለዋ፡፡ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉእ ውንኡ ይፈልጦ እዩ።
ስለምንታይ እዩ እቲ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ኤርትራ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ?
ሓያል ጸቓጢ መንግስቲ ስለዘሎ? ኣይፋሉን። ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ መንግስታት ዕድል እንተረኺቦም ንምጽቃጥ ድሕር ዝብሉ ኣይኮኑን።
ኣብ ኤርትራ ዝኸውን ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንኻልኦት ናይ ምግዛእ፡ ምኽዳም፡ ጎይታይ እምበይተይ እናበልካ ምግልጋል ሕዱር ባህሊ ስለዘለዎ እዩ፡፡ እንተድኣ ፖለቲካዊ ኣምር ገይርና ክንዛረብ ኮይንና ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናተይ ዝብሉ ፖለቲካዊ ባህሊ የብሉን፡ ብዘይካ ካልኦት ዘቕርብሉ።
ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ዘጓነፈ ፍጻሜታት እንተመርሚርናዮ እዚ ሓቂ እዚ እዩ ዘርእየና።
እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ በብሰዓቱን መዓልቱን ብዝኽሰቱን ዝሓልፉን ፍጻሜታት ምዝራብን ምስቁርቋርን፡ ነቲ መሰረታዊ ሽግር ክንፈልጦ ክንፍትን እቲ ዝሓይሽ እዩ። ንሓቂ ከምታ ዘላታ ከየጸባበቕና ምቕባል ግን እቲ ኣውራ ናብቲ ሕቶ እውን ክወስደና ዝኽእል መገዲ እዩ።
ንሓቂ ንድፈራ።
ምስዚ ሓሳብ ዝተሰማምዐ share እንተበሎ ዝበለጸ ዝርግሐ እዩ ዝረክብ።
ፍቕረይ የማን
11 የካቲት 2021
እቲ ካብ ጸወታ ቈልዑ ዘይኃይሽ ‘ቦለቲካ’ ደቂ ዓድና’ኳ እንተ ጸላእክዎ፡ ካብ’ቲ ብርሃን ሓቂ ምህዳም ግና ኣይከኣልን። እታ መፍትሕ እምበር፡ ኣብ “ስለምንታይ?” ዝብል ሕቶ’ያ ተሓዚላ ዘላ። ወትሩ ንዝኽሰቱ ነገራት፡ ስለምንታይ ቢልና ንባዕላትና እንተ ንሓትት፣ ፀሓይ ሓቂ ምተጸልና፡ ሓቀኛ መልሲ ኣሊሽና ምረኸብና። እንተኾነ ግና ምስሉይነት፡ ኃበሬታ ዘይምጽጻይ፡ እንታይ ገደሰኒ … ዝብሉ ቀተልቲ ሓቂ ክሳዕ ዘሎዉ፡ ወጮ ደኣ ይግልበጥ ይኸውን እምበር፡ እፎይ ዘብል መልሲ ኣይክንረክብ ኢና።
LikeLike
Joining you
Kind regards,Abeba Asfaha
LikeLike