እንቶሽ፡ ከም ጠስሚ ኣብ ልዕሊ ሽሮ ንቛንቋን ባህልን ትግርኛ

ገጣሚ፡ ዮናስ ወልደሩፋኤል

ኣሕታሚን ዘርጋሕን፡ ኣሕታሚ እምኵሉ

ዓመተ-ሕትመት፡ 2019

መጽሓፍ እንቶሽ ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ ብቐሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል ዝተጻሕፉ ግጥምታት ሒዛ ብኣሕታሚ እምኵሉ ዝተሓትመት መጽሓፍ እያ፡፡ ኣብ መእተዊ ንብዙሕ ምርምርን ተገንዝቦን ስነ-ጽሑፍ ካብኡ ናብኡ ድማ ስነ-ግጥሚ ዝዕድም ጽሑፍ ብገጣሚት ይርግኣለም ፍስሃ ዝተጻሕፈላ ድማ እያ፡፡

ኣብ መጽሓፍ እንቶሽ ዘለዉ ግጥምታት ንምስትምቓር ይዅን ንምርዳእ መራትዕን መደግፍታን ዘየድሊ እኳ እንተዀነ፡ ኣገዳስነት ስነ-ጽሑፋዊ ባእታታት ንሰፊሕ መረዳእታን ምስትምቓርን ሓጋዚ ብምዃኑ ነዚ ዝስዕብ ምጥቃስ ኣድላዪ ይገብሮ። ኣብታ ብምሁራዊ ምርምር ዝተጻሕፉ ዓንቀጻት ዝሓዘት መጽሓፍ “ናይ ደረስቲ ናጽነት” ናይ ዶር/ ግርማይ ነጋሽ፡ ስነ-ጽሑፋዊ ፍርያት ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ ናብ’ቲ ዝዛረብሉ ዘለዉ ሕብረተ-ሰብን ዘለዎም ቅርበትን ውህደትን ከመይ ክኸውን ኣለዎን ጥቕሙን ኣገዳስነቱን ዘአንፍት ሓደ ግሩም ዝዀነ ብኣብነት ዝቐረበ ኣበሃህላ ኣሎ፡፡ “ከም ኣብነት ናይ ቋንቋ ክንወስድ፡ ናይ’ቲ ዝወጽእ ናይ ቋንቋታት ካሪኩለም ፍልስፍናን “Mr. Bates plays cricket and loves rock ‘n’ roll” ንዝኣመሰሉ ምሉእ-ሓሳባት ናይ ዝፈጠረ ባህልን ስምዒትን (sensibility) መበገሲ ወሲዱ ነዚ ናብ ትግርኛ ወይ ትግረ ንክስትርጕም ዝሕልን ዘይኰነስ፡ ነቲ ንከም’ኒ “ብቕድሚ ገዛና / ሕለፍ ከም ደመና / እኖይ ክርእያኻ / ንጓለይ ክብላኻ” ወይ’ውን “ዙፋን ዕጥቃ ዓጢቓ፡ ናይ መድሃኒት ሳንጣኣ ሓዚላ፡ ካላሽና ኣብ መንኩባ ሰቐለታ” ዝኣመሰሉ ገለጻታት ዝፈጠረ ባህልን ክውንነትን ስምዒትን ከም መበገሲ ወሲዱ፡ እዚኣቶም፡ ትርጕሞም ከይተሸራረፈ ከም ነብሶም ዝኸኣሉ ስነ-ጥበባዊ ተመኩሮታትን ኣስተዋጽኦታትን ናብ’ቲ ናይ ዓለም ኣህጉራዊ ስነ-ጽሑፋዊ ውርሻ ንኽኣትዉ፡ መገዲ ዝኸፍት ክኸውን ኣለዎ፡፡” ልክዕ እዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ስነ-ግጥሚ ትግርኛ ኣምጺእና ምስ እንርእዮ፡ ዝዓበየ ሃጓፍ ንረክብ። ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ግና፡ ብሕርያ ቃላቶምን ውህደቱ ምስ ዝጸውይዎ ዛንታን፡ ነዚ ኣበሃህላ እዚ ብምልኣት ዝውህድዎ ኮይኖም ንረኽቦም፡፡

ልዕሊ ኩሉ ግና፡ ብዙሓት ካብዞም ግጥምታት ነቲ ባህሊ በርቢሮም፡ እቲ ባህሊ መንነቱ ዝገልጸሎም ኣበሃህላታት፡ ምሳሌታትን ላዛታቶምን ኣለልዮም፡ ነቲ ጥበብ ብኻልእ ግጥሚ ዝብሃል ጥበብ ከሺኖም ዳግማይ ህያውነት ዘልብሱ ብምዃኖም፡ ነቲ ዝገልጽዎ ባህሊ፡ ስምዒትን ክውንነትን ብድምቀት ዘንጸባርቑ እዮም። እዚ መለለዪ እዚ፡ ነዞም ግጥምታት ምኡዛት፡ ጸዋዕትን ኣለበምትን ይገብሮም ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዓሚቚ ነባቢ እውን ኪኖ እቶም ግጥምታት ብምኻድ፡ ነቶም ኣብቶም ግጥምታት ተሓዚሎም ዘለዉ ባህላውያን (ህዝባውያን) ኣበሃህላታትን ታሪኻውነቶም ክምርምርን ብኡ ኣቢሉ ሰረቱ ከሐድስ ዝመርሑን እዮም።

ነዚ ካብ ዘርእዩና ግጥምታት ሓንቲ፥ “ቁራዕ ሓምሊ”እቲ ዝጸንሐ ባህሊ እንድዩ እናበልና ንስዕቦን ንደግሞን፡ ይጠቕመና ምህላዉስ ንምርምር ዶ ወይስ ብዘይተገንዝቦ ኢና ስቕ ኢልና ንስዕቦን ንደግሞን? ዝብል ውሽጣዊ ሕቶ ከለዓዕል እትድርኽ ግጥሚ እያ። “በረረ ቁራዕ ሓምሊ፡ ለኪሙ ፍቕርና” ክብል እንከሎ ድማ፡ ብዘይምግንዛብ እንደግሞ ባህልን ልምድን መዕነዊና እውን ክኸውን ከምዝኽእል የመላኽተልናን የዘኻኽረናን፡፡
እዛ ግጥሚ፡ ካብቲ ኣብ እዋን ዓመታዊ በዓል መስቀል፡ ኣብ እዋን ዓዀዃይ ዝብሃል “ቁራዕ-ሓምሊ ውጻእ፡ ገዓት-ጠስሚ እቶ” ዝብል ባህላዊ ሰረተ-ሓሳብ ተመርኲሳ ዝተሰርሐት ብምዃና፡ ነቲ ባህሊ እቲ ብስእለ-ኣእምሮን ክንድህስሶን ከነስተማቕሮን እውን እትድርኽ እያ።
ኣብታ “ዝብእስ ክሳዕ ዝደልዎ ይሕንክስ” እትብል ምሳሌ ምርኲስ ብምግባር ዝተሰርሐት “በርሀ ዓርከይ” እትብል ግጥሚ ድማ፡ ዘይምስትውዓልን ሳዕቤናቱን ብዘደንቕ ጥበብ ተሃኒጹ ንረኽቦ፡፡

“ሽም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ” ዝብል ምሳሌ ትግርኛ፡ እንታይ ቁንቁኛኡ?  ግጥሚ “ዘኢተከስተ” ምንባብ፡ ፈለማ ፍሽኽ ደሓር ግና ድንጽው ዝብል ሓሳብ፡ ብኡ ኣቢልካ ናብ ህልም ዝበለ ምርምር ምሳሌታትን ትርጉማቶምን ክወስድ ይኽእል።

“ዘይርኣየ ዓይኑ ይብራህ” እትብል ግጥሚ፡ ኣብቲ ‘ዝረኣናዮ ኣይተዛርበና በለት ጕብጥሽ’ ዝብል ምሳሌ ትግርኛ መሰረት ገይራ ዝተገጥመት ትዅን እምበር፡ ከምቲ እታ ግጥሚ ባዕላ እውን እተተንብሆ፡ “ነቲ ናትና ነገር ብግልብጥሽ/ዘኪረ እንድኣለ/ዘረባ ጕብጥሽ” ዝብል ቃዛኒ ድምጺ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጐዳጕዲ፡ “ተገዲዱ፡ ኣሻሕ ግዜ ኣሻሕ ዝተጸቕጠ/ተገዲዱ፡ ኣሻሕ ግዜ ኣሻሕ/ተደፊሩ ዘስቀጠ/ዘይረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ምሒር ዝሓሰሞ ኤርትራዊ እሱርን ጭቁንን እትደጒዕ ግጥሚ እያ። እቲ ንጽጽር ምስታ ምሳሌ እምበኣር፡ ኣብቲ ፈትዩ ኣብ ጕብጥሽ ዝዕጠን እሞ፡ ጸርዩን ነጺሁን ዝወጽእ ኣካልን “ምሒር ዝሓሰሞ/ነዛ ማይ እኳ ዝሓረሞ” እሱርን እዩ ኣቢሉ እዩ ዘደንቕ ምንጽጻር ዘርእየና።

ነዚ ነዚ ስቓይን ምግደራን እዚ ዝረኣየ እሞ ርእዩ ከምዘይረኣየ፡ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ “ስለ ስቓይ ህዝቡ ዕጭ ዝሓንገደ” ድማ፡ ኣብታ “ዝጸመመን ዘይጸመመን” እትብል ‘ዘበን ውበ ዝጸመመስ ውበ ክብል ነበረ’ እትብል ምሳሌ ምርኵስ ገይራ ዝተሃንጸት ግጥሚ ኢና ንረኽቦ፡፡ እዚ፡ “እናሸሓሓጠ/እግሪ ገዛኢ ስዒሙ/ሰሚዑ ዘስቀጠ” ከምዞም ሎሚ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኤርትራ ኮይኖም ነቲ ስርዓት ብግዴታ ዘይኮነስ ብፍታውን ባህታን ዘሳስዩ ዓይነት ሰባት ኮይኑ፡ ኣብ ዝዀነ ዘመንን ምስ ዝዀነ ጨቋንን ሕሱምን ስርዓት ክርከብ ዝከኣል እዩ።

እዘን ክልተ ግጥምታት፡ ኣብ ሕድሕድ ዝሰዓዓም ገጻት (86-87) ቅድምን ድሕርን ተሰሪዐን ምህላወን ኣጋጣሚ ይዅን እምበር፡ በቲ ዝነግርኦ ዛንታን ዘርእየኦ ስእልን ክልቲኤን ሓቢረን ካልእ ሳልሳይ ግጥሚ ፈጢረን ዘብል ውህደት እዩ ዘለወን፡፡

ብዙሓት እዘን ኣብ ባህላዊ ኣበሃህላታትን ምሳሌታትን ትግርኛ ምርኩስ ገይረን ዝተሰርሓ ግጥምታት፡ ከምቲ ብሓደ ዳርባ (ምውጫፍ) እምኒ ክልተ ዑፍ ዝብሃል፡ ብዘይካ ምስትምቓር ነቲ ግሩም ግጥምታት፡ እቲ ኣበሃህላታትን ምሳሌታትን ክዝከር፡ ክዕቀብን ዳግማይ

ክስተማቐርን እውን ዕድል ዝፈጥራ እየን፡፡ በዚ ምሳሌን ብህሎታትን ትግርኛ ዝሃብተሙ ግጥምታት እዛ መጽሓፍ ዝሰፍሐ ክፍላ እዛ መጽሓፍ ሸፊኖም ዘለዉ እዮም። ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል እዛ መጽሓፍ እቶም ቀንዲ ምሳሌታትን ብሂላትን ከም መወከሲ ተጠቒሶም ምህላዎም ድማ ካልእ ብስለት ኣሕታምን ገጣምን ዘድምቕ ተርእዮን፣ ነዛ መጽሓፍ ንትምህርታዊ መዓላ’ውን ከውዕላ ዘኽእል ብልጫ ዘውህባን እዩ።

ካልእ ዓብዪ ክፋል ዝተማስሑ ድሙቕ ትሕዝቶ ግጥምታት እዛ መጽሓፍ፡ ብልቦናን ትዅረትን ክምርመር፡ ተመርሚሩ ኣብ መዓላ ሕብረተ-ሰብ ክውዕል ክግበር ዘለዎ፡ ምስ እምነት ክርስትና ብፍላይ ድማ ኦርቶዶክስ ተዋህዶን መጽሓፍ ቅዱስን ዝራኸብ ወይ ዝዛመድ ዛንታን ቃናን ዘለዎም እዮም ግጥምታት’ዮም። ፍሉይነት እዞም ኣብዚ ምድብ’ዚ ዝምደቡ ግጥምታት፡ ጽባቐኦም ወይ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገጣሚኦም ቀሺ ተዋህዶ ምዃኑ እውን፡ ብስምዒት ወይ ከም ብዙሓት ጭዋታት (ዓለም) ገጠምቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ወይ ካልእ ሃይማኖታዊ ልምድታትን ብሂላትን ጠቒሶም ዝጽሕፍዎ ኣስተብህሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍልጠትን ኣስተንትኖን ዝብሃል ዘሎ ምዃኑ ክስትብሃለሉ ዝከኣል እዩ።

እዚ ክስተት እዚ፡ ምስቲ ጀርመናዊ ናይ ስነ-ጽሑፍ ሰብ ዝዀነ ቀሺ ማርቲን ሉተር፡ ባህልን እምነትን (ባህልን ሃይማኖትን) ተፈላልዩ ንኽተሓዝን ንዝኽርአን፡ ኣብ 15 ክፍለ-ዘመን ዝተጻወቶ ዝለዓለ ተራ ዝጋጠም ዝመስል ክስተት ኮይኑ፡ ገጣሚ ቀሺ ዮናስ እውን፡ ከምቲ ኣብ ኣፍ-ቤት ናይቲ ፈይስቡክ ናይ ዝጽሕፈሉ ገጽ ‘’መገዲ-ህይወት፡ the path of life’’ ዘሎ ‘’መሰረተ እምነት ደኣ ንልምድን ባህልን ሕብረተሰብ ይቕይር እምበር፡ ልምድን ባህልን ንመሰረተ እምነት ክቕይሮ ከምዘይግባእ ትጣበቕ።’’ ዝብል መግለጺ፣ ነቲ ብልምድን ባህልን ትግርኛን ኦሪትን ተደብዩ ተባሂሉ ብብዙሓት ሊቃውንቲ ዝውቀስ ኣካይዳ እምነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ተዋህዶ ክምርመር፡ ምእመናኑን መራሕቱን ባዕላቶም ክቃለስዎ ዝብድህ ዘሎ ይመስል።  እቲ ዛንታ ዝፍትልተል ዝቀላላዕ ኮይኑ፣ ደው ኢሉ ዝሟጐት፡ ደጊምካ ክትሓስብን ክትመሓሰብን ዝገብር ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ቃና ቅንየትን ተግሳጽ፡ ባጫ፡ ጻውዒትን ማዕዳን ይስማዕ። ‘’ነገረ-ሰሎሞን፡ እንታይ ነገዱ፧፡ ወጥሪ፡ ወርቂ፡ መስቀል፡ ሶዶመ-ጎመራ’’ ካልኦት መሰልቶምን፡ ንዓለማዊ ነባቢ ተምሳጥ ፈጢሮም ዘሕስቡ ግጥምታት እንክኾኑ ንሊቃውንቲ ሃይማኖትን ግዱሳቱን ድማ ንምርምር ዝጽውዑን ግጥምታት እዮም ክበሃሉ ይከኣል። ካብዚ ምድብ እዚ ከይወጻእና፡ ‘’ጸሎት ኣቦይ ባሻይ፡ ኣምጽኡለይ ወይኒ፡ ስጋ ኣቦይ ቀሺ፡ መን ፈሳዊ’’ ካልኦትን ድማ፡ ኣብ እምነት ክርስትና (ብፍላይ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ) ንዝረኣዩ ናይ ኣገልገልቲ ድኽመታት እናኣርኣያ ዝገንሓን መኣረምታ ዘድልዮ ክእረም ዝጽውዓን ዓይነት ግጥምታት እየን።

ኣብዚ ልዒሉ ዝጥቀስ ዘሎ ሃይማኖታዊ ኣርእስቲ ብሰፊሕ ንምዝራብ ዓሚቚ ኣፍልጦን ብሱል መረዳእታን የድሊ እዩ። ስለዝዀነ ነባቢ ነዞም ከምዚ ዓይነት ግጥምታት ክነቦም ካብ ምዕዳም ዝሓልፍ ዝብሃል ኣብዚ ኣይህሉን እዩ። ይኹን እምበር፡ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝፈሪ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት፡ ኣብ ምዕባለን ሰላምን ሕብረተ-ሰብ ዝህልዎ ተራን ውጽኢትን ዘየከራኽር ምዃኑ፣ ዶር/ ግርማይ ነጋሽ ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ‘’መገዲ ዓድና’’ ንኡስ ኣርእስቲ ‘’ካህናት ተዛሪቦም፡ ምቕልቃል ሓርነታዊ ሓርነታዊ ቲዮሎጂ ኣብ ኤርትራ ዶ ኾን ይኸውን’’ ብሰፊሕ ተንቲንዎን ብስነ-ሞጎታዊ መገዲ ኣንጸባሪቕዎን ንረኽቦ።

ኣብቲ ከም ሳልሳይ ክፋል ክምደብ ዝኽእል ዳሕረዋይ ክፋል ዝምደቡ ግጥምታት፡ ከምቲ እቲ ገጣማይ እውን ባዕሉ ዝብሎ፡ (ብወገነይ ነቲ ኣበሃህላ ኣይድግፎን) “ብቓላት ዝግበር ጸወታ” እዩ። ኣብዚ ናይ ቃላት ምውርጻጽን እቲ ውርጻጸ ዝፈጥሮ ዝተፈላለየ ትርጒምን ጽባቐን፡ ተባሂሉ ክትንተን ዝሓይሽ ሜላ ግጥሚ፡ ንፉዕ ወይ ፈታው ግጥሚ እውን ዘይኮነ ሰብ፡ በቲ ዘንበቦ ግጥሚ፡ ክግረም፡ ክስሕቕ፡ ክሓስብ ኮታስ ኣብ ሃንደበታዊ ስምዒት ክኣቱ ዘኽእል ረቂቕ ጥበብ እዩ ዘሎ። እዚ ሒደት ወሓለታት ወይ ብዕምቆት ቋንቋን ኣጠቓቕማኡን ዝሃብተሙ ተቐነይቲ ዝኽሽንዎ ግጥሚ፡ ዋዛ ኣምሲልካ ዓቢ መልእኽቲ፡ ጸወታ ኣምሲልካ ክሓልፍ ዝድለ ቅዉም-ነገር፡ ድፍር ኢልካን ዓው ኢልካን ዘይተልዕሎ ዛዕባ (ዘረባ) ከተሕልፈሉ ዝከኣል ድንቂ ጥበብ እዩ።

ኣብ መጽሓፍ እንቶሽ እምበኣር ከምዚ ዝኣመሰሉ ግጥምታት ከም ቅጫ ዓተር ንውራይ መማቕርቲ ሓሓሊፎም ኣብ መንጎ ሕንባሻን ጎጎን ተቐሪቦም ኣለዉ። ኣብዚ ዘለዉ ግጥምታት፡ ፈለማ ፍዅስ ኢሎም ዘስሕቑ ኮይኖም፡ ቀልጢፎም ካብ ኣእምሮ ነባቢ ዘይእለዩ ኮይኖም ስለዝተሃንጹ ግና፡ ጸጸኒሕካ ክትሓስበሎም ዝገብሩን ቀስ እናበሉ ናብ ዓሚቚ ሕቶ ዘንቅል ሓሳብን ኣስተንትኖን ዝወስዱን እዮም።

ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይከኣልን ነዛ መጽሓፍ ታሪኻዊት መወከሲት ክገብራ ዝኽእል ሓደ ፍሉይ መለለዪ ኣብዛ መጽሓፍ ኣሎ። ንሱ ድማ ተሰማዒ ቃና ናይ ዝበዝሑ ግጥምታት እዩ። ዝበዝሑ ግጥምታት እዛ መጽሓፍ፡ ዘልዓሉ ኣርእስቲ የልዕሉ ዝጸወየ ዛንታ ይጽወ፡ ሓደ ዝቓዝንን እህምም ዝብል ድምጽን እዩ ዝስምዖ። እዚ ቃና እዚ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ከቢድ እዋን ምስክር ኮይኑ ንታሪኽ ክስንድ ዝኽእል እዩ። ምኽንያቱ ሓደ እዋን ኣብ ታሪኽ ኣብዚ እዋን እዚ ዝፈሪ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት መወከሲ ክኸውን እዩ። ከም መጽሓፍ ድማ እዛ መጽሓፍ ንታሪኽ መወከስን ኣብ ቤት ትምህርቲ መምሃርን ክትከውን ዘኽእላ መለለዪ ቃና ኣለዋ።

 ሰበ’ስመራ ብኣስተንትኖ ናይ ሓደ ሕሰመ-ትርኢት ተደሪኻ ከምዝተጻሕፈት ብቓንኣ እትልለ ግጥሚ፣ ነቲ ንምምስራት ከተማ ኣስመራ ኣመልኪቱ ዝንገር ታሪኽ ብምዝካር፡ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎን ናብ ዝኸፍአ ዕንወት ህዝብን ሃገርን ከየምርሕ ዝፍራሕን ፖለቲካዊ ሃዋህው፣ ከምተን ንሓድሕዶም ተተፋኒኖም ክጣፍኡ ዝደለዩ ዓድታት ዝነበሩ እሞ ንኣስመራ ክትምስረት ምኽንያት ዝዀኑ ‘’ትዕኑናት ማሪኸን’’ ናብ መኣዲ ዘተ ካብኡ ድማ መኣዲ ስምረትን ሓድነትን ዘምጽኣኦም ኣንስቲ፡ የድልያ ምህላወን እተማላኽትን ንኽኸውን እትጽውዕን ግጥሚ እያ። ኣብዛ ግጥሚ ብዘይካ እቲ ዓቢ ታሪኻዊ ዝንታወ ምምስራት ከተማ ኣስመራን መልክዑን፡ ተራ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምስካን ዝረሰነ ኩነት እውን ዝተንጸባረቐላ ግጥሚ እያ። እቲ ቀንዲ ግና፡ ‘’ኣበይ ተሰወራ፧’’ ብዝብል ኣስተንክራዊ ሕቶ፡ ክብደት እቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ጥፍኣትን ግድነታዊ ኣድላይነት ናይ ሓደ ክኣልዮ ወይ ከዕርፎ ዝጽዋዕ ዘሎ ኣካልን እያ እተመላኽት። (ገጽ 27)

‘’እንታይ’ዩ ምንባር’’ ዝብል ቀሊል ዝመስል ፍልስፍናዊ ሕቶ ብምልዓል ነፍሲ-ወከፍ ገዛእ ርእሱ ምስ ዝሓትት ንነብሱ ቀባሕባሕ ክትብል ከምዘረኽባ እተርኢ ግጥሚ ‘’እንታይ’ዩ ምንባር’’ መልሲ እዚ ሕቶ ዝሰኣነ እሞ፣ ‘’ዓቢደ ዶ’ንታ፧’’ ኢሉ ተመሊሱ ዝሓትት ገጸ-ባህሪ፡ ‘’ኣብ እለሻ ትርጒም’’ የቕለውልው ምህላዉ ዝነገረና ግጥሚ እያ። ትርጒም ህይወት ብመጽሓፍ-ቅዱስ ዶ ብመጽሓፍ ፍልስፍናን ፈላስፋታትን፡ ብሃብቲ ወይስ ብቐሊል ናብራን ፍቕርን፡ ብውልቃዊ ዓወት ዶ ብተማላላእነት ወዘተ ማእለያ ዘይብሎም ሕቶታት እንታይነት ትርጒም ህይወት ናብ ገዛእ ነፍሲ-ወከፍ እትስንዝር እሞ ንፍልስፍና እትዕድምን ምንቕቓሕ እትፈጥር ግጥሚ እያ። (ገጽ 58)

ቅድሚ ነዚ ጭልፋ ካብ ባሕሪ እኳ ዘይኣክል ዘልዓለ ጽሑፍ ቅድሚ ምድምዳመይ፡ ሓደ-ክልተ “እንተዝኾኑስ” ዝብሎም ነገራት ክጠቅስ፡፡ ኣብ ሓደ ሸነኽ ናይ ታሪኽ፡ “ሊቃውንቲ ታሪኽ ከም ቀንዲ መወከሲ (መራትዒ) ዝጥቀምሉ፡ ኣብቲ ዘጽንዕዎ ወይ ዝመራመርሉ ዘለዉ ዘመን ዝፈረየ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ብፍላይ ድማ ስነ-ግጥሚ እዩ።” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ እዚ ርቱዕ ወይ ቅቡል ዝገብሮ ድማ ግጥሚ ኣብ ሓቀኛ ስምዒትን ዓሚቚ ትዕዝብትን ተመርኲሱ ዝጸሓፍ ብምዃኑ መመሳኸሪ ሓቅነት ወይ ርትዓውነት ክኸውን የኽእሎ ማለት እዩ፡፡

ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ግጥሚ ዝተጻሕፈሉ ወቕቲ (ወርሕን ዓመትን) ከምኡ ውን ቦታ፡ ኣብ ትሕቲኡ ምስናድ ኣገዳሲ ይኸውን፡፡ ከምቲ ኣብ ሓደ-ክልተ ግጥምታት ዝተራእየ፡ ኣብ ኩሎም እቶም ግጥምታት እንተዝትግበር እምበኣር፡ ንታሪኽ ጥራይ ዘይኮነ ንነባቢ ግጥሚ እውን ነቲ እዋንን ቦታን እናዛመደ ከስተማቕር ዝሕግዝ ምዀነ። ኣብዚ ኣበሃህላ ንዘይምስምማዕ፡ “ቦታን ወቕትን ሓደ ግጥሚ ዝተጻሕፈሉ ምስናድ፡ ንስፍሓት ኣድማሳውነትን ዘልኣለማውነትን ዝዓግት እዩ’’ ዝብል ዝንቡዕ ኣበሃህላ ገለ ገጠምቲ እኳ እንተሎ፡ እዚ ኣበሃህላ እዚ ግና ምትላል ንነባብን ምኽሓድ ነቲ ድርኺት እቲ ምጽሓፍ ግጥሚ ዝዀነ ፍጻመን እዩ፡፡

ንምጥቕላል፡ ግጥምታት ቀሺ ዮናስ ከም ለባምን ምኡዝን ኣዕላሊ ደጋጊምካ ክትሰምዖ ዝብሃግ፡ ደጋጊምካ ነቢብካዮም ዘይምነዉ ጥራሕ ዘይኰኑ፡ ደጋጊምካ ክትነቦም ዝዕድሙ እውን እዮም፡፡ ይርግኣለም ፍስሃ ኣብ መቕድም እዛ መጽሓፍ ካብ ዝበለቶ ንምልቃሕ “ጸሓፊ ንቛንቋ ትግርኛ ጽቡቕ ከምዝፈልጦ ዝምስክሩ፡ ክብልዎ ንዝደልዩ ንምባል ዘይሓፍሩን ኣብ ቅድሚ ነባቢኦም ቀሪቦም ዘየዕገሽግሹን” ዝጽፈቶም ግጥምታቶም እዮም።

ነዛ መጽሓፍ ካብ ኣሕታሚ እምኵሉ ብዝቐለለ መገዲ ምዕዳጋ ዝከኣል ምዃኑ ክሕብር ባህ እብለኒ፣ ምኽንያቱ ብዝቐለለን ዝቐልጠፈን መስርሕ ካብኡ ስለዝዓደግኩዋ። 
https://www.emkulu.com/…/%E1%8A%A5%E1%8A%95%E1%89%B6%E1%88%…

ፍቕረይ የማን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s