‘’ብርግጽ ኣብዚ መገዲ ተጻባእቲ ኣሎዉ። ክንስዕሮም ኢና። ሕሱማት፡ ዘየናሕስዩ ጸላእቲ’ዮም፡ ከውድቑና ይዳፍኡ፡ ክሕንኩሉ ይፍትኑ፡ ሰንከልከል ንብል እምበር ኣይንወድቕን። እንተወደቕና እውን፡ ተሲእና ንጎዪ። ከሰምብዱና ከፈራርሁና ከጀጅዉና ይመጣጠሩ፡ ይፍክሩ፡ ይሕንሕኑ። ይደኽሙ’ምበር ንሕናስ ድምብርጽ ኣይብለናን፡ ናብቲ ሸቶና ንሸብብ። ንጌጋ ፈሪሕና ኣእዳውና ኣይነጣምርን፡ ዝያዳ እኳ ንጽዕት። ነቶም ብጸልማት ዝመላለሱ ኣብ ብርሃን ብሓቂ ንምክቶም፡ ንስዕር።’’
እዚ ሕጡበ-ጽሑፍ እዚ፡ ኣኽሊል ሃይሉ ኣብ ኣሜሪካ ንዝተመስረተ #ባይቶ ይኣክል ኣመልኪቱ ካብ ዝጸሓፎ ኣርቲክል ዝተወስደ ኮይኑ፡ እዚ ኣቓልቦይ ዝሰሓበሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ ጠንቂ ኩሉ ሽግራት ኤርትራ ዝዀነ ዘይግሉጽ ኣሰራርሓ ዝመለለይኡ መሕብእን መህደሚ ካብ ቀንዲ ዛዕባን ዝዀነ ቃና ሒዙ ስለዘሎ እዩ።
ዝዀነ ካብ ፈለማ ናጽነት ኤርትራ ኣትሒዙ ንዘረባ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝተኸታተለን፡ ነታ ንሱ ከምዝጸሓፋ ዝንገረላ መጽሓፍ ‘’ንሕናን ዕላማናን’’ ዘንበበን ክዝክሮ እሞ ከስተውዕሎ ከምዝኽእል፡ ኢሰያስን እታ መጽሓፍን ዝደጋግምወን ሓረጋት፣ ሰላምና ዘይደልዩ ወገናት፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝዀኑ ሓይልታት፡ ካብ ጉዕዞና ከዕንቅፉና ወይ ድማ ክመልኩና ዝመጣጠሩ ኣካላት’’ ዝብላ ኮይነን፣ ብድሕሪኡ ኣንጻር እዞም ወገናት ዶ ኣካላት ዝበሃሉ ዘለዉ ክንሰርሕ ኣይንርብርብን ኢና ዝብል እዩ ዝመጽእ። ኣብዚ ዝለዓል ቀንዲ ሕቶ፣ ዋላ እኳ ቀዋሚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን ካልእ ህዝቢ ዝብሃል ኣምር ፈጺሙ ዘይሰርሕ ምዃኑ ርዱእ እንተዀነ፡ ዋላ እንተዝህሉ እውን መንነቱ ዘይግለጽ ጸላእን ተጻባእን እሞ ድማ ካብቲ ይጸልኣካ እዩ፡ ይጻባኣካ እዩ እትብሎ ዘለኻ ህዝቢ ከዊልካ ምስ መን ኮይንካ ኢኻ ክትቃለሶ ዝብል እዩ። እዚ ኢሰያስ ነዚ ሎሚ ኮይንናዮ ዘለና ሃለዋት ክፈጥር ዝተጠቕመሉ ሜላ ቋንቋ፡ ኣብኡ ሰሪሑ ከይኣክል ናባና ሰጊሩ ንሕና እውን ንጥቀመሉ ምህላውና እምበኣር እዩ ቀንዲ ዘተሓሳስብ።
ናብ ኣርእስተይ ንምምላስ፣ ባይቶ ይኣክል ሰሜን ኣሜሪካ፡ ሓሳባዊ እምበር ኣብ ባይታ ኤርትራ ዝምስረት ዘሎ ባይቶ ዘይክንሱ እንታይ ሃገራዊ ድሕነት ዝትንክፍ ኣርእስታት ይኹን ምስጢራት ከየውጽእ እዩ ብሽፍንፍንን ክንዲ’ዚ ተኣፋፍነትን ክተሓዝ ዝድለ፧ እዞም እዛ ጽሕፍቲ ትፍክረሎምን ትሕንሕነሎምን ዘላ ኣካላት ከ ኣየናይ ሃገራዊ ኣጀንዳ ወይ ሃገራዊ ትካል ስለዝደፈሩ እዩ ወይ ከይደፍሩ እዩ ክንድዚ ኣጽዋር ዝነጻጸረሎም፧ ናይ ሓሳባት ፍልልይ ክህሉ ባህርያዊ ኮይኑ፡ ምስ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዘለካ ኣካል ድማ ትካታዕ፡ ትሟጐት፡ ትዛተ እምበር ኣይትፈኻኸርን ወይ ኣይትተሓባባእን ኢኻ። ዋላ እውን እቲ ክንቃለሶ ኢና ዝብሃል ዘሎ ህግደፍ እውን እንተዀነ ትገጥሞ እምበር ኣይተጓንዮን ኢኻ። ካብ መን ድዩ ክምንጠል እቲ ሃገራዊ ዕማማት፧ መን ድዩ ክእለ ዝድለ ዘሎ፧ ኩሉ ተሪፉ ግና፡ እዞም ተጻባእቲን ዓንቀፍትን ዝብሃሉ ዘለዉ ሰባት፡ ወናገናት፡ ኣካላት ወይስ ደቂ ሕድርትና መን እዮም፧ መንነቶም ክግለጽ ዘይከኣል እንተዀይኑ ብመሰረቱ ንምንታይ ይለዓሉ፧
ኣብዚ ምኽርን ማዕዳን ዘይኰንኩ ክህብ፡ እዚ ዓይነት ቋንቋን ቁንቁኛን ኢሰያስ መሕብእን መታለልን ዝተጠቕመሉ እምበር፡ ሓደ ሰላማውን ዴሞክራስያውን ህይወት ኣብ ሃገረይ ንኽሰፍን እየ ዝቃለስ ወይ ዝጽዕር ዘለኹ ዝብል ኣካል ዝጥቀመሉ ኣይኮነን። ክበርህ ዘለዎ ክበርህ፡ ዝተሓተተ ሕቶ ሓታቲኡ ብዝየገድስ ክምለስ፡ ዝቐረበ ርእይቶ ኣስተብህሎ ክግበረሉ፡ ጻውዒት እንተሎ ድማ ግቡእ ኣቓልቦ ተዋሂብዎ ንዕኡ ዝምጥን ግብራዊ ምላሽ ክረክብ እዩ ናይ ቅንዕና ኣካይዳ። እምበር ሓታትን ሕብሪ ዓይንን እናረኣኻ ዝግበር ኣካይዳ ኣይንሃገራዊ ኣርእስትን። ሃገር ኢልካ ክዝረብ እንከለሎ፡ ብዛዕባ ኣቦ፡ ኣደ፡ ሓው፡ ሓውቲን ባዕለ ገዛእ ርእስን ናይቲ ዝሓትት፡ ርእይቶ ዝህብ፡ ዝጽውዕን ድምጸይ ይሰማዕ ዝብል ዘሎን ዜጋ ይዝረብ ከምዘሎ ክዝከር ይግባእ። ክዛረብ ዜጋዊ መሰሉ መልሲ ክረክብ ድማ ተመሳሳሊ ምዃኑ ኣብ ክትዕ ዝመጽእ ኣርእስቲ ኣይኮነን።
ብተመሳሳሊ፣ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ ኣቢሉ (4 ግንቦት) ብመደበር ሳተላይት ኤሪሳት ዝተዘርግሐ ኣርእስቲ ዘይብሉ ሓደ ሓተታ ክጠቅስ፡፡ እዚ ልዕሊ 700 ቃላት ዝሓዘ ሓተታ፡ ብኸምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኢሰያሳዊ ሓረጋት ኣቢሉ፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራን ዓንቀፍቲ ንቓልሲ ምንዳይ ፍትሕን ዝዀኑ ኣካላት፡ ንኤሪሳት ብምጽላም ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከጐናድብዎ ይጽዕሩ ምህላዎም ይትንትን እሞ፡ ኣብ መዛዘሚ ‘’ንእግረ መገድና ንኹሎም ኣንጻር ጥቕሚ ህዝቢ ዝተዓጥቁ ወገናት ስራሕ ኤሪሳት ንዕኦም ዝምልከት ከምዘይኰነ እናኣዘኻኸርና፡ እዚ ኸምዚ ዓይነት ትምኒቶም ክቐንዖም ከምዘይኰነ ኣቐዲምና ኸነፍልጦም ከለና ኣዝዩ ደስ ይብለና።’’ ብምባል ይዓጹ።
ኮለል ዘይብሉ ሕቶ ካብዛ ሕጡበ ጽሕፍቲ ጥራይ ንምንቃል፡ እንተዳኣ ጉዳዮም ዘይኰነ ደኣ ንምንታይ 700 ቃላት ዝሓዘ ሓተታ ክጸሓፈሎም ተደልዩ፧ እዞም ጉዳይ ኤሪሳት ንዓኹም ኣይምልከትን ዝብሃሉ ዘለዉ ሰባት ኤርትራውያን ዜጋታት ዶ ኣይኮኑን፧ ኤሪሳት ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን (ብዛዕባ ኣቦይን ኣደይን ገዛናን) ዶ ኣይኮነን ኣርእስታ፧ ከመይ ኢሉ ደኣ እዩ እዞም ሰባት ጉዳዮም ዘይኮነ ጉዳይ ዓዶምን ዓውዶምን ጉዳይ ኣቦኦምን ኣዲኦምን፧ ስለምንታይ ከ እዩ፡ ወገናት፡ ኣካላትን ካልእን ዝብል ኣሽማት ምጥማቕ ተደልዩ፧ እገለን እገለን ክብሃል ኣይከኣልን ድዩ፧ ወይ እንተድኣ ዘይስመዩ ኮይኖም ብመሰረቱ ንምንታይ ብዛዕባኦም ምልዓል ኣድለየ፧
ኣብዚ ክልተ ነጥቢታት ከርእዮ ዝፍትን ዘለኹ፡ ተኣማኒ ምዃን ብተግባር ድዩ ወይ ብቓላት ዝንጸባረቕ ንምባል እየ። ተባዕ ለባምን ምዃን ከ ኣብ ሓረጋትን ዕንክሊሎምን ብምሕባእ ድዩ ወይ እትገብሮ ኣብ ጸሓይ ቀትርን ኣብ ቅድሚ ኩሉ ዝምልከቶን ብዘይ ተጒላባነት ምትግባሩ፧ ዝብል እዩ።
ፍቕረይ የማን