ርቀትካ ዕጣን፡ ኣብ መንጸፍ ሓቦ፡ ተስፋን ትዕግስትን ዝተሃናዘዩላ መጽሓፍ

መእተዊ

ርቀትካ ዕጣን፡ ጋዜጠኛን ገጣምን ግርማይ ኣብርሃም ዝተገጥሙ ግጥሚታት ሒዛ፡ ብኣሕተምቲ ሕድሪ ዝተሓትመት መጽሓፍ እኵብ ግጥምታት እያ። እዛ 87 ግጥሚታት ሓቚፋ ኣብ 2018 ዝተሓትመት መጽሓፍ፡ ሓቚፋቶም ዘላ ግጥሚታት ኣብ መቓን ነዊሕ ግዜ ዝተጻሕፉ ምዃኖም ካብቲ ኣብ መእተዊ ብገጣሚ ተጻሒፉ ዘሎ “ንመዓስ ከይበልኩ ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት በብሓደ ኽጽሕፎም ዝጀመርኩ ግጥሚታተይ እነሀዉ ባይቶ ኣቚሞም፡፡” ዝብል ምሉእ ሓሳብ ምርዳእ ዝከኣል ኮይኑ፡ ኣብ ግጥሚ ትግርኛ ነዊሕ ግዳሰ ዝጸንሖ ነባቢ እውን ንገለ ካብ ግጥሚታት እዛ መጽሓፍ ከባቢ ዕስራ ዓመታት ዕድመ ዘለዎም ምዃኖም ከስተብህል ይኽእል እዩ።

ገምጋምን ምስትምቓርን

87 ነናቶም ሰፊሕን ብዙሕን ትንታኔ፡ ገምጋምን ምስትምቓርን ክግበረሎም ዝኽእል ግጥሚታት እኳ እንተዀኑ፡ ጥርንፍ ጽሙቚ ኣቢልካ ብምስትምቓር፡ ኣብዞም 87 ግጥምታት እንረኽቦ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ተፈጥሮን፡ ነጽብራቕ ኤርትራዊ ፖለቲካ፡ ጾታዊ ፍቕርን ዕርክነትን፡ ሃገራዊ ፍቕርን መንነትን፡ ኣደነትን ፍቕራን፡ ኣብ ዝብሉ ሓሙሽተ ኣምራት ምምዳቦም ይከኣል፡፡ ይዅን እምበር፡ ኣብ ሓሙሽተ ምድባት ደኣ ይቀመጡ እምበር፡ ኣብ ኩሎም ክስማዕ ወይ ክርአ ዝኽእል ንኹሎም ማእከል ኮይኑ ዝሓቚፎም ቃና ግና ኣለዎም፡፡ እሱ ድማ ሓቦ  ዝተነጸፈ ቃና ትዕግስቲ፡ ተስፋን ፍቕርን እዩ።

ቅዲ ኣጸሓሕፋን ኣጠቓቕማ ቋንቋ

ዳርጋ ኩሎም እቶም ግጥምታት፡ እቲ ባህላዊ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዘምሕረሉ ዓይነት ስነ-ግጥሚ ዝመለለይኦም፡ ማለት፡ ስሩዕ ናዕታን ረምታን ዘለዎም ብማይቤታት ዝተኸፋፈሉን ነዚ ተመርኲሱ ዝፍጠር ዋሕዝን ዜማን ዘለዎም እዮም። እዚ ዓይነት ስነ-ግጥሚ፡ ክንበብ ምቹእ ኮይኑ ተነቢቡ ብዝፈጥሮ ጣዕሚ ድማ ተዘካርን ጦብላሕታ ፈጣርን እዩ።

“ስፍሓት፡ ዕምቆትን ጽባቐን ቋንቋ ንኣተሓሳስባ የማእዝኖ፡ ዘይምዕሩይ ዘይጽቡቕ ቋንቋ ዘይጽቡቕ ኣተሓሳስባ እዩ ዝፈጥር፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ምዕቡልን ጽቡቕን ቋንቋን ኣጠቓቕማኡን ምዕቡልን ጽቡቕን ኣተሓሳስባ ዝፈጥርን ዘማእዝንን” ይብሎ፡ ተሸላሚ ሽልማት ኖበል ዝዀነ ኖርዌጃዊ ገጣሚ፡ ጸሓፍን ሃገራዊ መዝሙር ኖርወይ ዝደረሰን ብዮርንስችያርነ ብዮርንሶን (Bjørnstjerne Bjørnsen) ፡ ንተማሃራዩ ዝዀነ መንእሰይ።

“እቲ ቋንቋ ንኽብደትን ስፍሓትን እቲ እቲ ዘመናዊ ስነ-ሓሳብ ከሕልፎ ዝድለ መልእኽቲ፡ ክስከም ከምዝኽእል ገቢሩ ይምስርሖን ይሰርሖን ነይሩ፡፡” ይብል ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ንዝኽሪ ተጋዳላይ ስነ-ጥበበኛ ተስፋማርያም ወልደማርያም ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ።

እዚ ክልተ ብህሎታት ናይዞም ሊቃውንቲ ዘርእየና እንተሃለወ፡ ክሓልፍ ዝድለ ዘሎ መልእኽቲ ጥራይ ዘይኰነ ብቕዓት፡ ሓይልን ጽፈትን  ንዕኡ ተሰኪሙ ከሕልፍ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕል ዘሎ ቋንቋን ክንዲ ምንታይ ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ። ኣብ ግጥሚ ምስ መጻእና ድማ ዝያዳ ኣገዳሲ ይኸውን ምኽንያቱ ሒደት ቃላት ብምጥቃም ዓብዪን ሰፊሕን መልእኽቲ ምሕላፍ ስለዝኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ ልዕሊ ኩሉ ኣገደስቲ ዝዀኑ፡ መረጻ ቃላት፡ ግሳውነቶምን ስፍሓቱን ውህደት ሕድሕዶምን ምስቲ ዛዕባን እዩ። ልክዕን ስእላዊ ትርኢት ዝፈጥር፡ እመኑኒ ከይበለ ኣርእዩ ዘእምን ቅጽላዊ ቋንቋ እውን ኣካል እዚ እዩ።

በዚ መንጽር እዚ ብምርኣይ፡ ግጥምታት ርቀትካ ዕጣን ኣብ ኣጠቓቕማ ቋንቋ፡ ማለት፡ መረጻ ቃላትን ውህደቱ ምስ ክሓልፍ ዝድለ መልእኽትን ጽፈትን ጽባቐን ዝተራእየሎም፡ ስእለ ኣእምሮ ዝፈጥሩን ብዝተፈላለየ መልክዓቱ ስምዒት ዝነኽኡን ኣበሃህላታት ዘለዎም ግጥምታት ዝሓቖፈት መጽሓፍ እያ። ነቲ ገጣማይ የርኢ እምበር ኣይነግርን ዝብል ጽኑሕ ኣበሃህላ ኣብ ተግባር ከምዘውዓሎ ድማ፣ ኣብቶም ዝንበቡ ግጥምታት ክረኣዩ ዝኽእሉ ገጸ-ባህርያትን ብእኦም ዝፍጠር ስምዒትን ምስክር እዩ።  ቃላት ክጸሓፍሉ ዘለዎም ቅርጺ (ንኣብነት ግጥሚታት ዶ ግጥምታት) ግና፡ ገና ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ኣካታዒ ዘሎ ኣርእስቲ ዘሎ ስለዝዀነ ከይተተንከፈ ክሕለፍ ይምረጽ።

ድርኺት

ብዙሓት ግጥምታት ርቀትካ ዕጣን፡ ዝዓበየ ድርኺቶም ፍጻሜታት ዝመንቀሊኡ ዓሚቚ ስምዒት ምዃኑ ካብቲ ዘዘንትውዎ ዛንታን ቃናኡን ምርኣይን ምርዳእን ይከኣል። እዚ ይበሃል እምበር፡ ኣብ ረቂቕ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ተመርኲሶም ዝተጻሕፉ ግጥምታት እውን መማቕርቲ እዛ መጽሓፍን፡ ነቲ ብዝበዝሑ ስምዒት ዝነኽኡ ግጥምታት ተተንኪፉ ዝጸንሐ ኣእምሮ ካብ ስምዒት ኣውጺኦም ዘሕስቡን ግጥሚታት ኣለዉ እዮም። ከም፡ ሴፍ ሓቂ ኣብ ሰገባ ስጋ፡ ምርኻብን ዘይምርኻብን፡ ካብ ቻነል ናብ ቻነል፡ እቲ ድኻ ደራሲ፡ ንውሉድ ሓቂ   ዝኣመሰሉ ግጥምታት ኣግራሞት ፈጢሮም ዘሕስቡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ከም፡ ኣውደኣመት ከልቢ፡ ዕድልን ምርጫን፡ ትልሂት ናጽነት ዝኣመሰሉ ድማ መልክዕ ባህርያዊ ተፈጥሮን ተማላላእነቱ ምስ ህይወት ወዲ-ሰብን ዘርኢ ፍልስፍናዊ ሓሳብን ዘመንጭዉ እዮም። ካብዞም ክልተ ምድባት ኣብነታት ምስ እንርኢ፡ ብዙሓት ግጥምታት ርቀትካ ዕጣን፡ ዝዓበየ ድርኺቶም ፍጻሜታት ዝመንቀሊኡ ዓሚቚ ስምዒት ምዃኑ ካብቲ ዘዘንትውዎ ዛንታን ቃናኡን ምርኣይን ምርዳእን ይከኣል። እዚ ይበሃል እምበር፡ ኣብ ረቂቕ ፍልስፍናዊ ሓሳብ ተመርኲሶም ዝተጻሕፉ ግጥምታት እውን መማቕርቲ እዛ መጽሓፍን፡ ነቲ ብዝበዝሑ ስምዒት ዝነኽኡ ግጥምታት ተተንኪፉ ዝጸንሐ ኣእምሮ ካብ ስምዒት ኣውጺኦም ዘሕስቡን ግጥሚታት ኣለዉ እዮም።

ኣምርን መልእኽትን

ነባቢ፡ ነዞም ግጥምታት ኣብ ዝነበሉ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ግጥሚ ዝርከቡ ዓበይቲ ስምዒታት ህይወት፡ ከም ተስፋ፡ ሓልዮትን ፍቕርን እዮም። በዚ መንጽር እዚ እንክርአ፡ ብዙሓት ካብዞም ግጥምታት፡ ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ግርጭታት (ሕድሕድን ምስ ገዛእ ርእስን) ፡ ውረድ-ደይብ፡ ሃብትን ድኽነትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝስዕብ ሓላፍ ዘላፍን ዝሪእሉ ዓይንን ዝፈጥርሉ ገጽን፡ ከምኡ ድማ ዝሕዝሉ ሜላን ዘቕርብሉ መፍትሕን ኣብቶም ልዒሎም ዝተገልጹ ኣምራት፡ ተስፋ፡ ሓልዮትን ፍቕርን ዝተመርኰሰ እዩ፡፡ እዚ ይዅን እምበር፣ በቲ ስነ-ጥበብ ሕብረተ-ሰብ ምስሉ ዝርእየሉ መስትያትን፣ እዚ መስትያት እዚ ተጠቒሙ ክጸሪ ዘለዎ ገጻት ህይወቱ ዘጽርየሉ መሳርሕን’ዩ ዝብል ዝጸንሐ ኣምር ኣቢልና ምስ እንርኢ ምስሊ ህይወት ኤርትራውያን ኣብዛ መጽሓፍ ክንረኽቦ ኣይንጽገምን። ጻውዒት እዞም ግጥምታት ወይ እዚ ኣብዛ መጽሓፍ እንርእዮ ምስሊ፡ ከምቲ ናይ 18 ክፍለ-ዘመን ህቡብ ደንማርካዊ ጸሓፊ ጆርጅ ብራንደስ ዝበሎ፣ «ዕዮ ስነ-ጽሑፍ ሽግራት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ክትዕ (ዘተ) ከምዝቐርቡ ምግባር እዩ» ንሽግራትና ክንካትዓሎምን ወይ ክንዛተየሎም እውን ዝዕድም እዩ።

ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ፡ ዝበዝሑ ግጥምታት እዛ መጽሓፍ ዘንጸባረቕዎም ዛዕባታት ኣብ ሓሙሽተ ብቐሊል ዝልለዩ ነጥብታት ከፊልካ ንምርኣዮም፡ በቲ ነጽብራቕ ኤርትራዊ ፖለቲካ ዝብል ነጥቢ ምጅማር ይከኣል። ኣብ ቃና ሓያለ ግጥምታት እዛ መጽሓፍ ዝርከብ ቃዛኒ ግን ከኣ ዓቃል ድምጺ፡ ሃለዋት እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ከቢድ እዋን ዘንጸባርቑ እዮም።

‘’ንጻወት ግዳ’’ እትብል ግጥሚ እንተተመልከትና፣ ‘’ንጻወት’ሞ ንተተሃጓጐስ’የ/ ዘመን ክምለስ’የ’’ ዝብል ድምጺ ንሰምዕ እሞ፡ ዘበን ሲ ኣይመለስ፡ እቲ ሕሱም እዋን ዘበነ መግዛእቲ እንታይ ዘምልስ ኣለዎ፧ ዘስምዕ ትሕዝቶ ምስ ነበብና፡ ‘’ንጻወት ግዳ፡/ንጻወት’ሞ ንተሓጓጐስ’የ/ዘምን ክሓይሽ’የ’’ ብዝብል ቃዛኒ ድምጺ ክጽውዕ ንሰምዖ። ኣብዛ ግጥሚ ህዝቢ ኤርትራ ክምለስ ዝጽበዮ ጥዑም እዋን ከምዘይረኣየ ጥራይ ዘይኰንና እንምልከት፡ እቲ ዘለዎ እዋን ሕማቕ ብምዃኑ እውን ክሕሸሉ ይጽውዕ ምህላዉ ንርኢ። (ገጽ 77)

ኣብ ከምዚ ዚኣመሰለ ክሓይሽ ዝጽዋዕ ዘሎ ዘመን እንታይ ዝካየድ ዘሎ፧ ንእስነት ንብላሽ ይባኽን ምህላዉ፡ ‘’ንእስነተይ’ባ’’ እትብል ግጥሚ ተርእየና። ‘’ክሹን ንእስነት/ርጉጥ ኣብ ክሽነ/ኣነ ኣብ ድርኩኺት/ትጽቢት ተጐምጒመ።’’ ብዝብል ማይ-ቤት እትፍልም ግጥሚ፡ ኩሉ ዓይነት ስምዒት ዝረኣየሉ ዕድመ ንእስነት ክእቶ ከምዘይተኻእለ ግና ፈቓቓት በሲዑ ባዕሉ እናወጸ ይቕስቅሶ ምህላዉ ዘዘንቱ ገጸ-ባህሪ ኢና ንምልከት። ‘’መፍትሐይ ሃቡኒ/ ክቋደስ ክኣቱ/ጓና ኣይትግበሩኒ/ ጋሻ ንእስነቱ’’ ኢላ ብምዝዛም ድማ እዚኣ እውን ኤርትራዊ መንእሰይ ዝሓልፎ ዘሎ ዘመን እንታይ ይመስል ተርእየና። (ገጽ 9)

ጽምዋ ኣብ እትብል ግጥሚ እንምልከቶ ገጸ-ባህሪ፡ ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዝርአ ኮይኑ፡ ኣብኡ ኮይኑ ብስእለ-ኣእምሮ ስድራኡ መኣዲ ተቐሪቦም እናተራእይዎ ዝሓስቦን ዝስምዖን እተንጸባርቕ ግጥሚ እያ። ‘’ደበና ሓሳባት ኣብ ሰማይ ኣእምሮ/ደረት ዘይፈልጥ ወትሩ ኣብ ጕዕዞ/ክብል ክብል ኽዝንቢ ኽዝንቢ/ስድራይ ኣምጺኡለይ ከቢቦም መኣዲ።’’ ዝብል ቀዳማይ ማይቤት ኣለዋ። ንሳቶም ከቢቦም እናተመገቡ፡ ኣብ መንጎኦም ግን ሓንቲ ሰብ ዘይብላ ዅርሲ ኣላ። እዛ ኣብ መንጐኦም ዘላ ዅርሲ ደፊሮም እውን ክጥምትዋ ዘይከኣሉ ብጐቦ ዓይኖም ዝጥምትዋ እያ። ደፊሮም ክጥምትዋ ዘይምኽኣሎም ዝፈጥሮ ድማ ዝዀነ እትፈጥሮ ዘይጽቡቕ ስምዒት ብምህላዉ እዩ። ድሮ ኮፍ በሃሊኣ መዋቲ ዘይምዃኑ በቲ ቀዳማይ ማይቤት ፈሊጥና ብምህላውና እምበኣር፣ እዚ ብሓሳብ ስድራኡ ዝሰኣልዎ ዘለዉ ደኣ ኣበይ ድዩ ዘሎ ኢልና ክንሓስብ ንግደድ። ‘’ኣይበላዕ! ተፍቅሮ ዘይብሉ፡’’/ ይብል ‘ቲ ስቕታኦም ባዕሉ ‘ዛረብ ነይሩ።’’ ዝብል መስመራት ዝሓዘ ካልእ ማይቤት ድማ እዩ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ኣሕዛኒ ስምዒት ሰማይ ዘዕርጎ። ኣብ መወዳእታ ማይቤት ዝርከብ ንሳቶም ሲ ካብ ሰለስተ ንላዕሊ እዮም ‘’ይምሓርካ’’ እኳ ይብልዎ ሓደ እንተሃንጢሱ ዘስምዕ መስመራት ግና እቲ ቀንዲ ኩነታት እዚ ኣዘንታዊ ዘርኢ እዩ። ሓደ ኣብ ሸላ ዝተዳጐነ እሞ በጻሕቲ ድማ ዘይብሉ ወይ ዘይፍቀደሉ እሱር እምበር፡ ካልእ ፍጡር ሰብ ኣብ ኩነታት እዛ ግጥሚ ዘሎ ኣዘንታዊ ክህሉ ኣይክእል እዩ። እዛ ግጥሚ ንሃለዋት እቶም ኣብዘይ ሕጋዊ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ዘለዉ ኤርትራውያን እሱራት ብንመፈስ ክንሪኦ እንትገብር ግጥሚ እያ። (ገጽ 14)

ከተተንፍሰሉ ዘይትኽእልን ኣሽካዕላል ዝበዝሖን ፖለቲካዊ ኩነታት ዓድኻ፡ ኣብ ዓቕሊ-ጽበት ወሲዱ ነብስኻ ክትቀትል ከምዘገድድ፣ ፕሮፌሰር ግርማይ ነጋሽ ኣብ መጽሓፍ ‘’ናይ ደረስቲ ናጽነት’’ እትብል፣ ንሓደ ህቡብ ላቲን ኣሜሪካዊ ደራስን ድራማቲካዊ ነብሰ-ቅትለታዊ ኣማውታኡን ጠቒሱ የርእየና። ብተወሳኺ፡ ነቲ “ብርቱካናዊ ሰውራ” ብዝብል ቅጽል ዝፍለጥን ክሳዕ ሕጂ ዝቕጽል ዘሎን ኣብ ሓያለይ ሃገራት ዓረብ ዝተወልዐ ዘመናዊ ህዝባዊ ሰውራ ቀዳመይቲ ጠንቂ ዝዀነት እውን፡ በቲ ዝነበረ ጨቋኒ ስርዓት ቱኒዝያ ዝተበሳጨወ መንእሰይ ኣብ ኣደባባይ ወጺኡ ነብሱ ብምቅጻል ነብሰ-ቅትለት ምስ ፈጸመ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ዝንጸባረቕ ከምዚ ዚኣመሰለ ሓሳብን ስምዒትን ድማ ኣብ ርቀትካ ዕጣን፣ ኣብታ ‘’ታ ደይ ከ ‘ሞ’’ እትብል ግጥሚ ንምልከቶ። ኣብዛ ግጥሚ ዘሎ ተዛራቢ፡ ንሓሳቡን ስምዒቱን ‘’… ኣብዚ እነሀልካ እያድ ዝነደደ/ኣብቲ እናሃልካ ገመድ እተፋሕሰ/በዚ እንሀልካ ኽልተ – ብልሑ ኻራ/ በቲ እንሃልካ ዝዓሞቐ ዒላ’’ እናበለ ከምዝደፋፍኦ ይነግር እሞ፡ እዝስ ምገበርኩዎ ኣደይ እሞ ብሓዘንን ጓህን ክትማስን እንድያ ብዘስምዕ ማይ-ቤት፡ እቲ ትዕግስቲ ዘግብሮን ሓጺርን ተስፋ-ዝቖረጸን ሓሳብ ገዲፉ ኣስፊሑ ክሓስብ ዝገብሮን ምኽንያት የርኢ።

ኣብዘን ሰለስተ ግጥምታት ክንምልከቶ ከምዝኸኣልና፡ ዋላ እኳ ምንባርካ ዘጽልእን ተስፋ ዘቚርጽን ኩነታት እንተሃለወ፡ ብትዕግስትን ተስፋን ግና ይከኣልን ይንበርን ምህላዉ እዩ፡፡ ካልኦት ኣብዚ ምድብ እዚ ክምደባ ዝኽእላ፡ ከም ኮፍ፡ ጨብጨባ፡ ሓቂ፡ ቦታ ምረጺ፡ መን ከልቢ መን ገመል፡ ኤዲሰን፡ ሴፍ ሓቂ ኣብ ሰገባ ስጋ፡ ርጋጽን ረጋጽን … ወዘተ እውን ዛንታን ኣዘናትዋን ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብዘን ሰለስተ ግጥምታት ዝተራእየ ዓይነት ነጽብራቕ እየን ዘንጸባርቓ።

ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ መልክዕ ዘለዎ ኩነት ዝፍጠር ወይ ዘሎ ማሕበራዊ ህይወት ድማ ነጸብራቕ ማሕበራዊ ምስሊ ተባሂሎም ክጽውዑ ይከኣል። ቃንዛ፡ ሰቖቛ፡ እህህታትን እናስምዑ፡ ግና ትዕግስቲ ገይሮም ብተስፋ ዝጽበዩን ዝነብሩን ገጸ-ባህርያት፡ ኣብ ግጥምታት፡ እናሓዘንካ ምሕዛን፡ ጸሎትካን ካልስኻን፡ ኣጆኻ ፒኮሎ፡ ወርቂ መጽሓር ሓዊ፡እንታይ ተረኽበ ኣይትበላ፡ ኣሳሳዪ … ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምሕደራ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝሰኣኑ ጥራይ ዘይኮኑስ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ሕብረተ-ሰብ እውን ቆላሕታ ክገብረሎም ዝግብኦ ግን ዘይገብሮም ተርእዮታት ዝጸውዩ ግጥምታት እዮም። እዞም ግጥምታትን መሰልቶምን ከም ማሕበራዊ ሕብረተ-ሰባዊ ነቐፌታ እውን ክውሰዱ ዝኽእሉ እዮም። ኣብዚ ምድብ እዚ ክምደቡ ዘጸብቐሎም “ኩሉ ኣብ ውሽጢ ገይርና ፍሽኽ ንብል ጽንዓት’ዩ ግርማና” ዝብል ናይ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ሓረግ ዘዘኻኽሩ ግጥምታት፡ ከም እኒ፡ ርግኣት በዓልቲ ወርቂ ስኒ፡ ተስፋን ዘይተስፋን፡ እነኹ፡ ዕድልን ምርጫን፡ ንውሉድ ሓቂ፡ ለከ ‘ለዉ፡ ከይሓልፈካ ዘመን፡  … ወዘተ ዝኣመሰሉ ኮይኖም፡ ምንባቦም ዘሕድሮ ተስፋን ሰፊሕ ጠመተ ህይወትን፡ ለከ ጽባቐን መገድታትን ህይወት ሲ ትዕግስቲ ገይርካን ተስፋ ሰኒቕካን ምርኣይ እዩ ዘድልዮ ዘብሉ እዮም።

ትርጒም ዕርክነት፡ መቐረትን ጽባቐን ጾታዊ ፍቕሪ፡ ዘርእዩን ንምስትምቓሩ ዝዕድሙን፡ ንፍቑር ዓርከይ፡ ብኻ ጨካን ነይርካ፡ ትሕሾ ትሕሾ፡ መቐረት እምቢታ፡ ቤት መቕደስ ጐደቦና፡ ሓንቲ ዓይኑ ልቢ፡ ክምንጥላ ዶ ኸኣ፡ ከመይ ዘይዝክረኪ፡ ኣይትጥፋእ … ወዘተ ዝብሉ ብምቁር፡ ኣሕሳቢ፡ ኣገራሚ ብህሎታት ዝተሃንጹ ዛንታታት ዕርክነትን ፍቕርን ዘርእዩ ግጥምታት እዮም። ብተመሳሳሊ ከምቲ ቀንዲ ቴማ እዛ መጽሓፍ ዝዀነ፡ ተስፋን ትዕግስትን ኣብዞም ግጥምታት እውን ፍቕሪ ዝተሸለመ ድሙቕ ትርኢት እዩ ዘለዎ።

ሃገራውነት፡ ዝሓቶ ዋጋን ኣድላይነቱን ፍቕሪ እምበር ግዴታ ከምዘይኰነ፡ ክልተ ዀይንካ ሓደ ምዃን፡ ኣነስ አፍቅረኪ’የ፡ ድምጺ ጓል ስዉእ … ወዘተ ንፕሮፖጋንዳ ዘይኰነስ፡ ንሓቀኛ መንፈስ ብዘርኢ ዛንታ ተሃኒጾም ዝጽወዩን ዝጸውዩን ግጥምታት እዮም።

ኣብ ብዙሓት እቶም ካልኦት ግጥምታት እውን እኳ ተማእኪሉ እንተሎ፡ ኣደነትን ፍቕራን ዘንጸባርቑ፡ ፍቕሪ’ደ ፡ ናብራ፡ ወርቂ መጽሓር ሓዊ፡ እና ሓዘንካ ምሕዛን ዝብሉ ግጥምታት ህይወት ማለት ኣደ ማለት ምዃኑ ከርእዩ ዝተኸሸኑ ግጥምታት ርቀትካ ዕጣን እዮም።

ነዚ ክጥቐለል ዘይከኣል ጽውያ ግጥምታት ርቀትካ ዕጣን እምበኣር ከተዕርፈሉ እምበር ክትድምድሞ ዝከኣል ኣይኮነን እሞ ንሕጂ እዚ ዝስዕብ ብምባል ከዐርፍ፡ ርቀትካ ዕጣን ንቐጻሊ ምርምር ከም ሰነድን ምስክርን ናይዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ከቢድ እዋን ጥራይ ዘይኮነት ሲ ከም ነጸብራቕ ናይ ኣብ ከምዚ ዚበለ እዋን ኣድላዪ ዝኸውን ትዕግስትን ተስፋን እውን እያ። ብስነ-ግጥሚ መልክዕ ድማ፡ መምሃርን መወከስን ግጥሚ ትግርኛ ክትከውን እትኽእል ድንቂ ጥበብ ዝተንጸባረቐላ መጽሓፍ እያ።

ፍቕረይ የማን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s