ብምንጽጻር!
ንፕረዚደንት በሽር ብድምጹ ኣምጺኡ ብድምጹ ድማ ዝኣልዮ ዘሎ ህዝቢ ሱዳን፡ ንትብዓቱ ዝበቅዕን ድሌታቱን ቀዳምነታቱን ኣለልዩ ዘተግብርን መንግስትን መርሒነትን የምጽኣሉ። ዝዀነ ደላይ ጽቡቕን ፈታው ህዝቢ ሱዳንን ዝዀነ ሰብ ክብሎ ዝኽእል እዚ ጥራይ እዩ። እቲ ካልእ ዕዮ ባዕሉ ህዝቢ ሱዳን ይፈልጦን ይኽእሎን እዩ። ምስ ምእላይ በሽር ተኣሳሲሩ ብብዙሓት ኤርትራውያን ዝስማዕ ዘሎ ዘረባታት ግን ሓቂ ዘይምፍላጥ ወይ እናፈለጥካ ክትርእዮን ክትቅበሎን ዘይምኽኣል ወይ ዘይምድላይ ይመስል።
እቲ ብዙሕ ዘረባታት ተኣኪቡ፡ “በሽር ተኣልዩ ከመይ ኢሰያስ በቲ ኣገባብ እቲ ክእለ ዘይክእል!” ኣብ ዝብል ረሳን ምጒት እዩ ዝጥቕለል። እቲ ኣበሃህላ ሓቂ እዩ፡ ይዅን እምበር እቶም ንዕኡ(ነቲ ኣበሃህላ) ዘሰንዩን ክዉን ዝገብሩን ባእታታት ኣብ ባይታ ኤርትራ ወይ ህዝቢ ኤርትራ የለዉን።
ህዝቢ ሱዳን ናጻ ህዝቢ እዩ።
ህዝቢ ሱዳን ካብ ፈለማኡ ናጻ ህዝቢ እዩ። ንፖለቲካዊ ጒዳይ ሃገሩ ዘለዎ ተገዳስነት ኣዝዩ ልዑል ይዅን እምበር፡ ሕቶ ሰላምን ብሰላም ምንባርን ኣርእስቲ ኮይንዎ ኣይፈልጥን እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ድማ ዝቀያየሩ መንግስታትን መራሕትን ኣብ ናብራ ለውጢ ከምጽኡ ዝጽበዮም እምበር፡ ካልእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ዝሓቶም ኣይኮኑን። ነቲ ቀንዲ ኣርእስቲ (ዛዕባ) ህዝቢ ሱዳን ዝዀነ፡ ምምሕያሽ ናብራ ድማ ኩሉ-ግዜ ምስ ተዛረበሉን ንጎደና ምስ ወጸሉን እዩ።
ህዝቢ ሱዳን፡ ቅድሚ በሽር ድሌታቱ ከማልኡ ትጽቢት ዝገበረሎም እሞ ትጽቢታቱ ዘየማልኡ ክልተ ውልቀ- መለኽቲ (1965 & 1985) ብተመሳሳሊ መገዲ ከምዝኣለየን በሽር እውን ብደገፍ ህዝቢ ሱዳን ከምዝመጸን፡ ብምኽንያት ፖለቲካ ፈጺሙ ናብ ደማዊ ጐንጺ ከምዘይኣተወን ብምስትብሃል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብፖለቲካዊ መረዳእታን ብስለትን ብቐዳምነት ካብ ዝጽውዑ ህዝብታት ምዃኑ ምዝካር የድሊ። እዚ ፖለቲካዊ መረዳእታን ብስለትን ኣብ ጕዳይ ሃገሩ ድማ፡ ብሰንኪ እቶም ኣብ መርሒነት ዝኣመኖም ሰባት ደኣ ናብ ምዕባለ ከምርሖ ኣይከኣለን እምበር፡ ብሰላምን ፍቕርን ተኸባቢሩ ክነብር ግን ኣኽኢልዎ እዩ። ብተወሳኺ እዚ መረዳእታን ብስለትን እዚ፡ ትጽቢተይ ተወዲኡ ኣብ ዝበለሉ ሰዓት ግብራዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ነቶም ትጽቢቱ ዘየማልኡ መራሕቲ ክኣሊ ኣኽኢልዎ እዩ። እቲ ቀንዲ፡ ነዚ መረዳእታን ብስለትን እዚ ዝፈጠረን ዋሕስ ዝዀኖን ግና፡ ንሃገሩ፡ መንነቱን ባህሉን ዘለዎ ፍቕርን ብኡ ዝስምዖ ሓበንን እዩ።
ህዝቢ ሱዳን ሕቡን ህዝቢ እዩ።
ህዝቢ ሱዳን መንነቱ ዝፈልጥን ብመንነቱ ዝሕበንን ህዝቢ እዩ፡፡ ከምኡ ስለዝዀነ ድማ እዩ፡ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኣኣብተን ዝገዝአን ሃገራት ኣፍሪቃን ኤስያን ፈጺሙ ክሃስስ ዘይክእል ባህላዊ ምትእትታው ብምግባር፡ ህዝብታተን ብባህሎምን መንነቶምን ዘይሕበኑ፡ ናፈቕቲ ባዕድን ባዕዳዊ ባህልታትን ክዀኑ ክገብር እንከሎ፡ ኣብ ህዝቢ ሱዳን ግን እዚ ክገብሮ ኣይከኣለን። ኣብ ሱዳን ሃሰስ ኢልካ ኣሰር መግዛእቲ ኣይርከብን እዩ።
ሓበን ህዝቢ ሱዳን ንመንነቱን ባህሉን ኣብ ጥራይ ጐልጐል ኣይኮነን። ምስ ኑቧዊ ስልጣኔን ዓረብን ተኣሳሲሩ ዝመጸ ነዊሕ ሱር ዘለዎ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ዘመናዊት (ድሕሪ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ) ኣፍሪቃ፡ ነቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝጸንሖም ባህላዊ ክብርታትን መለለዪ መንነትን ካብ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳን መጋበርያ ስርዓታትን ፈልዮም ዝዀስኰስዎን ኣብ መዓላ ህዝቢ ክውዕል ዝገበርዎን፡ ምሁራንን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውዲ ስነ-ጥበብ ዝነጥፉ ስነ-ጥበበኛታትን ልዑል ኣበርክቶኦም ገይረምሉ እዮም። እታ ኣርማ እዚ ንበሽር ዝዓለወ ሰውራ ዝዀነት መንእሰይ እትጭፍሮ ዝነበረት ግጥማዊ ጨፈራን ነቲ ጭፍራ ህዝቢ ብረምታ ክዝምር ክትገብሮ ዝኸኣለትን ድማ ሓደ ኣብነት ናይቲ እናተወራረሰ ዝመጸ ኣብ መንነት ዝተመርኰሰ ባህላዊ ቅዲ እዩ። ንሳ ተውህቦኣን ትብዓታን ተጠቒማ ከተንጸባርቖ ዝኸኣለት ድማ ብኡ ተዀሰኲሳ ስለዝዓበየትን ኣብ መንነታን ባህላን ኣፍልጦን ሓበንን ስለዘለዋን እዩ። እቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኤውሮጳዊ መግዛእትን ብቐጻሊ ናብ ሱዳን ብሜድያን ብኣካልን ዝግበር ካልእ ዓረባዊ ጽልዋታት ባህልን ኣብ ሱዳን ዝርአ ጽልዋ ዘይፈጥረሉ ምኽንያት እውን እዚ ኣብ ኣፍልጦን ሓበንን ዝተመርኰሰ ባህላውን መንነታውን መረዳእታ ምህላዉ እዩ።

ነዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ውሑዳት ግን ከኣ ኣብ ህላወ ሃገርን ሃገራውነትን ቀንድን ኣገደስትን ዝዀኑ ባእታታት፡ ናብታ ካብ ከባቢ 4.5 ሚልዮን ህዝባ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣብ ዕድመ መንእሰይ ዝርከቡ ዜጋታታ ስደተኛታት ዝዀኑ ኤርትራ ኣቕኒዕና ምስ እንርእዮ ዝህበና ስእልን ዝነግረና ሓቅን እንታይ እዩ? ነፍሲ-ወከፍ ብሃገረይን ህዝበይን እግደስ እየ ዝብል ዜጋ ባዕሉ ንባዕሉ ብምሕታት መልሲ ክረኽበሉ ወይ ክሓስበሉ ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶ ይኸውን። ብዘይካ እዚ ነቲ ብዙሕ ቅያ ዝተገብረሉ ሰውራን ውጽኢቱን ኣብ ሕብረተ-ሰብን ህይወቱን ኣእቲኻ ብምርኣይ ኣዘናትዋኡ ክኽለስን እቶም ኣወንታውያን እውን ዝዀኑ ዛንታታቱ ዘሕልፍዎ ኣሉታዊ መልእኽቲ ከይህሉን፡ ነፍሲ-ወከፍ ፈታዊ ሃገርን ደላይ ሰላማዊን ፍትሓውን ህይወት’የ ዝብል ሰብ ብጥንቃቐን ካብ ስምዒት ወጻኢ ዝዀነ ውድዓዊ ዓይንን ክርእዮም ይግባእ። ምስኡ ስዒቡ ድማ፡ ብድላይን ባህግን ህዝቢ እምበር፡ ብሓይሊ፡ ብሃብቲ፡ ብፍልጠት ወይ ካልእ ጸብለልታ ሃገር ከምዘይትቐውምን ከምዘይትመሓደርን ዝዀነ ሰብ ክግንዘብን ጕዳይ ሃገሩ ማዕረ ዝዀነ ኣብ ስልጣን ዘሎን ካልእን ከምዝብጽሖን ምዝካር የድሊ። እዚ ምስ ዝዝከር ድማ እዩ፡ ናብ ኢሂን ምሂን ክምጻእን ናይ ሓባር ዝኸውን ሃገራዊ መነባበሪ ክህነጽን ዝከኣል።
ኣብ መወዳእታ እዚ ጽሑፍ፡ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ጎረባብቱ ሃገራትን ዓለምን እንታይ ዝግበር ዘሎ ብኣንክሮን ብተምሳጥን ክዕዘቦ ይግባእ። ኣንክሮ ንምስትውዓል ክጠቅም እንከሎ፡ ተምሳጥ ድማ ነብስኻ ክትፍትሽ፡ ኣወንታኻን ኣሉታኻን ከተለሊ እሞ ነቲ ኣሉታ ብምውጋድ ነቲ ኣወንታ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉን ዝምዕብለሉን መገዲ ከተናድን ክትጥቀምን ስለዝሕግዝ።
ኤርትራውነት፡ ተበርቢሩ ዘይውዳእ ጸጋታት ህይወት ዘለዎ መንነት እዩ፡፡ ምብርባሩን ነዚ ጸጋታት እዚ ዋናኡ ምዃንን ግን ብዙሕ ጻዕሪ ዘድልዮ እዩ። ስደት ምንፋቕን ስደተኛ ምዃንን እኳ ዝተኻእለ፡ ከመይ ዋና ዓድኻን መንነትካን ምዃን ምኽኣሉ ይሰኣን?
ፍቕረይ የማን