ዝቕጽል ስጒምቲ ኣብ መስርሕ ለውጢ እንታይ እዩ ክኸውን?

ፈለማ ንገብሮ ጠፊኡና ነዕወንውን ነይርና። ደሓር ነብስና ክንከላኸልን ሓቀኛታት ምዃንና ከነርእን ፈቲንና። ከምዚ እንከሎ ንሳቶም ከጥቅዑና ዝከኣሎም ገይሮም። ተኸላኺልና። ጸኒሕና ክንማጎት ጀሚርና፡ ዝምልሰልና እኳ እንተዘይረኸብና ግን ቀጺልናዮ። ልምምድና ንለውጢ ብውልቅን ብእኵብን ቀጻሊ ነይሩ። ሃንደበት ዘይኰነ ኣብ ነዊሕ መስርሕ፣ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዝወሰደ መስርሕ ለውጢ ክመጽእ ጀሚሩ። ንሕና ከነጥቅዕ ንሳቶም ክከላኸሉ ጀሚሮም። እዚ መስርሕ እዚ ብናይ ጸሓይ መስርሕ እንተመሲልናዮ፣ መስርሕ ለውጢ ኣብ ተፈጥሮ እውን እንተዀነ ዘገምታዊ ግና ዘይተርፍ ምዃኑ ንርዳእ። ጸሓይ፡ እታ ብርህትን ድምቕትን ዝወዓለት ኣብ ኣጋግዘ ዝጀመረ ምንቊልቋላ ኣጋምሸት እናጸልመተት፡ ኣብ ለይቲ ግብ ዝበለ ጸላም ይኸውን’ሞ፡ እቲ ዝበርህ ዘይመስል ጸላም ግና ቀስ እናበለ ድሕሪ ከብዲ-ኣድጊ ምዃን ቀደድ ክብል ምስ ጀመረ፣ ወጋሕታ ምቕራቡን ዋላ ጸሓይ ከይወጸት ብርሃን ምምጽኡ ንብሰር። ኣቦ ሃገረ ህንዲ ዝዀነ ማሃትማ ጋንዲ ነዚ ከይዲ እዚ ዚሰማማዕ ግርም ብህሎ ኣለዎ፣ ‘’ፈለማ ንዒቖም ዕሽሽ ይብሉኻ፡ ጸኒሖም የሽካዕልሉልካ፡ ደሓር ይቃለሱኻ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ንስኻ ትዕወት’’ ብምባል ንቓልሲ ኣንጻር ዓማጽን ዘይተርፍን ዓወት ውጽዑን ይገልጾ።

እዚ ልዒሉ ዝተባህለ ኣብ ዙርያ ኤርትራውያን ኣብዚ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት ዝተራእየ መስርሕ ለውጢ እዩ። እዚ መስርሕ ወይ ኣካይዳ እዚ ዘመልክቶ እንተሎ፡ ነዊሕ ኣብዘይኰነ ግዜ ኣብ ህላወ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ኣብቂዑ ህዝቢ ኤርትራ ካልእ መስርሕ ኣነባብራን ምምሕዳራዊ ስርዓትን ዝኣትወሉ ግዜ ርሑቕ ዘይምዃኑ እዩ። እዚ ክሳዕ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ለውጢ ኣተሓሳስባን መረዳእታን ከመይ ኢሉ መጺኡ ምባልን ኣብ ውርጹጽ ፖለቲካዊ መስርሕ ዝህልዎ ተራን ምግምጋም እምበኣር ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ዝሓለፈ ምፍላጥን ምርዳእን ነቲ ዝመጽእ ከቐልጥፎን ከጽፍፎን ስለዝሕግዝ።
እቲ ምስ ምምጻእ ናጽነት ኤርትራ ዝጀመረ ምንቅስቓስ ንምምስራት ዴሞክራስያዊት ኤርትራ ብብዙሕ ምኽንያታት እኳ እንተተጎናደበ፡ ሓደ ቀንድን ጠማሪ ኩሎም እቶም ምኽንያታትን ግና፡ እቲ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ንዴሞክራስያዊ ህይወት ኤርትራ ስለዘይደልዮ እዩ። ከምኡ ስለዝዀነ ድማ እዩ፡ ነቶም ካብ ፈለማ ናጽነት ኣትሒዞም ዴሞክራስያዊ መንግስቲ ክምስረት ዝሓቱን ንህዝቢ ከንቅሑን ዝፍትኑ ዝነብሩ ምሁራን ኤርትራውያን ዝኣስሮምን ዘጥፍኦምን ነይሩ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝነበሮ ላዕለዋይ ኢድ፡ ዓብላልነትን እምነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊኡን ተጠቒሙ፡ ንሳቶም ከድዓትን ልኡኻት ጸላእን ምዃኖም ከእምን ከይተሓለለ ሰሪሑስ ንነዊሕ እዋን ድማ ዘረባ እቲ ስርዓት ሓቂ እናመሰለ ጸኒሑ። ድሕሪ ምእሳር ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን (ሚስተራትን ካልኦትን ጉጅለ 15) ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕትን ምእሳርን ጋዜጠኛታትን ግና፡ እቲ ዝተኸወለ ጒድ እናተጋህደን ምጥርጣር ሓፋሽ እናዓበየን መጺኡስ ካልኦት ብዙሓት ምሁራንን ተራ ዜጋታትን እውን ካብቲ ዝቐደመ ብዝሓየለ መልክዕ ድምጾም ንጻውዒት ፍትሓዊ ኣካይዳ መንግስቲ ከስምዑ ጀሚሮም።

እቲ ብውድባትን ማሕበራትን ዝካየድ ዝነበረ ቃልስን ምንቅስቓስን ንለውጢ እናተኻየደ እንከሎ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብውልቅን ብጒጅለን ሃገሮም ገዲፎም ነናብ ዝመሰሎም ኣንፈት ብፍኑው ክውሕዙ ተራእዮም። እዚ ዋሕዚ መንእሰያት ናብ ስደት ጠንቁ ብምምርማር እንተተራእዩ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ተቓውሞ ነቲ መላኺ ስርዓትን ምንቅስቓስ ንሰላማዊ ህይወትን ገይርካ ክውሰድ ይከኣል። እዚ ብቐንዱ ካብ ሕሱም ጸቕጢ ንምምላጥ በብዝወፈሮ ካብ ኤርትራ ንግዳም ዝተኻዕወ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ዝነበሮ ኣማራጺ ንግዳም ምኽዓውን በብዝወጾ ኣርሒቑ ምጋሽን እኳ እንተዘይነበረ ምርጫኡ፡ ኣኣብ ዝወጾ ዘጋጥሞ ዝነበረ ትንፋስ ዘይህብ ዝተዋደደን ግዜ ዘምጽኦን ሽግራት ግና፡ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ሽግሩ ዝዀነ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ዓመጻ ንምጽራግ ክነቅል ኣየኽኣሎን። ይዂን እምበር ኣብ ዝኸደ ከይዱ ወጽዓ እቶም ብድሕሪኡ ዝገደፎም ኣሕዋቱን ኣሓቱን ብሓፈሻ መላእ ሕብረተ-ሰቡ በቲ ዓማጺ ስርዓት እናሕመሞ እፎይ ኢሉ ክነብር ስለዘይከኣለ፣ ካብዚ ዓመጻ እዚ ዝገላገልሉን፣ ኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረን መስተርሆትን ዝነብረላ ሰላማዊትን ዴሞክራስያዊትን ኤርትራ ከም ትምኒትን ሓደራን ሰማእተታት ኤርትራ ኮይና እትዕምብበሉን መገድታት ካብ ምንዳይ ዓዲ ኣይወዓለን። ሓደ ካብ መገድታቱ ድማ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ በብቲ ዝኽእሎ ሜላ ኣንጻር እቲ ዓማጺ ስርዓት ምቅላስ እዩ። እቲ ዓማጺ ስርዓት ኣብ ብዲፕሎማስያዊ መገድታት ምስ ወጻኢ ሃገራት፡ መንግስታትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዝህልዎ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ዝገበረ ዝምድናታት ከምዝልሕልሕን ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ርእሱ ከምዘድንንን ድማ ገይሩ እዩ። እዚ ዓወት እዚ እዅል ስለዘይኰነን ነቲ ኣብ ትሕቲ ዓመጻኡ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝህቦ ረብሓ ውሑድ ስለዝዀነን ግና፡ ቃልሱ ብምሕያል ንኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ዝተኸወሎ ጒድ ናይቲ ስርዓትን ካልእ ሓበሬታታትን እናቕረበ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ብገዛእ ጅግንነቱ ነቲ ዓማጺ ስርዓት ዝኣልየሉን እታ ዝብህጋ ዴሞክራስያዊት ሃገር በቲ ልማዱ ዝዀነ ሕድሕድ ምክብባር ዝመለለይኡ ስልጡን ባህሊ ኣቢሉ ዝመሓደረላ ንኽገብራን ይጽውዕን የተባብዕን ኣሎ። ከም ውጽኢት እዚ ድማ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ እቲ ስርዓት ዓብዒብዎ ክኸይድ ንዝጸንሐ ኣካይዳኡ ዳግመ-ግምት ክገብረሉን ብላዕለዎት ሓለፍቱ ኣቢሉ ምስ ህዝቢ ክዛረበሉን ጀሚሩ ኣሎ። እዚ ህዝቢ ኤርትራ ቀስበን ብዝበሎ ጻውዒት ዝመጸ ሰሚናራት ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምስ ህዝቢ፡ ዋላ እኳ ከም ባህሪ እቲ ስርዓት ብትዕቢትን ኣፈ-ጨለነትን ዝተመልአ እንተዀነ፡ ንነድርን ምውዳእ ትዕግስትን ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ዝተረድአ ፈራሕን ጎራሕን ሰሚናራት ምዃኑ ግና በቶም ዘልዓሎም ገለ ኣፍኣምቲ ገለ ድማ ጠበርቲ ዝዀኑ ኣርእስታት ምግንዛቡ ይከኣል እዩ። ሓደን ቀንድን ካብቶም ኣፍኣምቲን ንህዝቢ ኤርትራ መልሲ ዘይምሃብ ከቢድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ዘረድእን መብርሂታት ንኣብነት፣ ነቲ ብሽፉን ኣካይዳ ምስ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ስምምዓት ዝምልከት ዝተዋህበ መብርሂ እዩ። እቲ መብርሂ ንጹር ሕቶታት ህዝቢ ዘይመለሰ ይዅን እምበር፡ “ኤርትራ፡ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ እትገብሮ ዝምድናታት ይኹን ስምምዓት፡ ንልኡላውነታን መሬታዊ ሓድነታን፡ ከምኡ’ውን ባሕራውን ኣየራውን ግዝኣታ፡ ዘኽብርን ኣብ ንጹር ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ኣገባባትን እተመርኮሰ እዩ” ምባሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንሃገራዊ ክብረቱን ግዝኣታዊ ሓድነቱን ንዝደፈረ ንሕስያ ከምዘይብሉ ኣዐርዮም ስለዝፈልጡ እዮም ነዚ ቀንድን እምነ-ኵርናዕን ዝዀነ ዛዕባ ከነጽርዎ ተገዲዶም። እዚ ዘረባ እዚ ብቓልሱ ዝመጸ ምዃኑ ብምርዳእ ድማ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ኤርትራዊ ክሕበንን ነቲ ዘይተርፍ ዴሞክራስያዊ ብልጹግ ህይወት ኤርትራ ንኽቀላጠፍ ቃልሱ ከሐይልን የድሊ።

ካልእ ውጽኢት ቃልሲ ናይ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዘሎ ኤርትራዊ ዝዀነ ተርእዮ እቲ ሰሚናራት ድማ፡ ህዝቢ ሓበሬታ ህሉውን ቀጻልን ኩነታት ሃገሩ ክረክብ ሰብኣውን ሃገራውን መሰሉ ምዃኑ ብምዝካር፡ ኣብቲ ሰሚናራት ዘልዓሎም ምጽንቃቕ ትዕግስቱን ንቕሎኡ ንግብራዊ ስጒምቲ ዘተንብሁ ገሰጥትቲ ሕቶታት እዮም። ሓደ ቀንድን ዓንዲ-ሕቖን ዝዀነ ሕቶ ንኣብነት ንምጥቃስ፣ ‘’ንህዝቢ እዋናዊ ሓበሬታን ሰሚናራትን ኣብ ግዚኡ ክወሃብ’’ ዝብል እዩ። እዚ ሓረግ እዚ ብግቡእ እንተተነቢቡ፡ ምሕጽንታ ዘይኰነስ መጠንቀቕታትን ሓበሬታ ‘ኣብ ግዚኡ’ ዘይምቕራቡ ዘስዓቦ ቊጥዐን ተግሳጽን ነቲ ስርዓት እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ፈሊጡ ዝዕገስ እምበር ፈሪሑ ወይ ተደናጊሩ ዘስቅጥ ዘይምዃኑ ዘብርህ እውን እዩ።

ከምቲ ኣብ መእተዊ እቲ ጽሑፍ ዝተገልጸ እምበኣር፡ እቲ ብትዕግስቲን ልቦናን ህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክጸንሕ ዝኸኣለ ስርዓት፡ ነቲ ልቦና ዝመልኦ ሕቶ ኤርትራውያን ንምምስራት ዴሞክራስያዊ መንግስቲ፡ ፈለማ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ደሓር ብኽድዓትን ዕሱብነትን ጠቂኑ ኣሽካዕሊልሉ፡ ሕጂ ግና ብሜላ ክቃልሶ ይፍትን ኣሎ። ሓደ ካብ ሜላታቱ ድማ ምትላል እዩ’ሞ ህዝቢ ኤርትራ ብግዝያዊ መጠበርን መብጽዓን ከይተታለለ ነታ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ብደም ጀጋኑ ደቁ ዘምጽኣ ናጽነት ከም ባህጊ እቶም ዝሓለፉላ ደቁ ዴሞክራስያዊት፡ ከምቲ ንዘመናት ዘንበሮ ድማ ሰብ ተኸቢሩን ብሰላምን ዝነብረላ ክትኰነሉ ብቐንዱ፡ ነቶም ፍታሕ ዝግብኦም ፍታሕ፡ መልስን መብርህን ዘድልዮም ድማ መልስን መብርህን ክሳዕ ዝረኽበሎምን ድማ ብተወሳኺ፡ እቲ ዓማጺ ስርዓት ዓመጹ ተኣሚኑ ኢዱ ዝህብ ነቲ በብዝጥዕሞ ዝጀምሮ ቃልሲ ብዝተወሃሃደ፡ ብዝነቕሐን ዝሓየለን መዳዩ ክደፍኣሉ እዋን ዝጠልቦ እዩ። እቲ ኣውራ ተቓላስን ኣብ መወዳኣኣታ ድማ ተዓዋትን ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ጸቕጥን ዓፈናን እቲ ስርዓት ዘሎ ምዃኑ ብምዝካር ድማ፡ ንሱ ባዕሉ ሞራሉ ኣሐይሉን ንቕሓቱ ኣበሪኹን ክሰርሕ፡ እቲ ኣብ ግዳም ዘሎ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዘድልዮ ቀንድን ቀዳምነትን እንታይ ምዃኑ ተረዲኡ ተወሃሂዱን ካብ ዝቐደመ ብዝሓየለን ኣበርክቶኡ ከዕዝዝ የድሊ። ብኸምዚ ዓይነት ንቕሓትን ውህደትን ዝካየድ ቃልሲ ድማ’ዩ ነቲ ብኢሰያስ ዝምራሕ ጒጅለ ውሑዳን መታለልትን ዓመጽትን ዕምሮ ከሕጽሮን ንመጻኢ ኤርትራ ናብቲ ንሳቶም ዝሃንደስዎ መገዲ ካብ ምኻድ ከድሕንን ዝኽእል። ዝቕጽል ሕቶን ተበግሶን እምበኣር፡ እዚ ተበጺሑ ዘለውጢ ብዘይሕለል ቃልሲ ከምዝመጸ ብምዝካር፡ ዝቕጽል ስጒምቲ ነቲ ዘይተርፍ ለውጢ እንታይ እዩ ክኸውን ብምባል ምሕሳብን ብኣድማዒ ሸነኹ ክትግበር ምጽዓርን የድሊ፡፡

ፍቕረይ የማን
መጋቢት 2019

Share

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s