ተልእኾይ ናብ ኣቢሲንያ፡ ብእንግሊዛዊ ዲፕሎማት ጀራልድ ሀርበርት ፖርታል፡ ኣብ 1891 ተጻሒፉ፡ ኣብ 2017 ብነጋሽ ኣስፋሃ ዝተተርጐመ መዘክር እዩ። ጀራልድ ሀርበርት ፖርታል ኣብ መወዳእታ 18 ክፍለ-ዘመን ኣብ ኣፍሪቃ ዘገልገለ ዲፕሎማት ኮይኑ፡ ኣብ 1887 ካብ ንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ናብ ንጒስ ኣቢሲንያ ሃጸይ ዮውሃንስ ክበጽሕ ዝተደልየ መልእኽቲ ከብጽሕ ብልዑል ሓላፍነት ዝተመዘዘ ሰብ እዩ።
ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ፡ እቲ ካብ ካይሮ ግብጺ፡ ብስዋኪን ሱዳን ኣቢሉ ምጽዋዕ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ካብ ምጽዋዕ ናብ ቦታ ንጉስ ከተማ ሓሸንጊ ዝተገብረ ጒዕዞ ብኣጋርን ኣባቕልን ዘዘንቱ ኮይኑ፡ ኣብዚ ጒዕዞ እዚ ዝተጓነፎም መሰናኽላት፡ ዝረኸብዎም ዓሌታት ህዝብን ባህርያቶምን ብዘደንቕ ስእላዊ መግለጺ የቕርቦ።
ቀንዲ ትሕዝቶ እዚ መጽሓፍ፡ ድሕሪ ካብቲ ኣብ እምኵሉ ዝነበረ ድፋዓት ኢጣልያ ተፋንዮም ምኻዶም ኣብ ኣስመራ ዝረኸብዎ ራእሲ ኣሉላን ገራጭ ባህርያቱን ብሰፊሕ ተንቲኑ፡ ኣብ ከተማ ሓሸንጊ ምስ ዮውሃንስ ዝገበርዎ ዝርርብን ልውውጥ መልእኽታት ንግስቲ ቪክቶርያን ንጒስ ዮውሃንስን እዩ ዝጸዊ። ኣብዚ ምሕዝነታዊ ዝተሰምየ መልእኽታት እዞም ክልተ ነገስታት ከም እንምልከቶ፡ ንግስቲ ቪክቶርያ ንንጒስ ዮውሃንስ ዘለዋ ልዑል ኣኽብሮት እኳ እንተገለጸት ግናኸ ኣብ ትሕዝቶ መልእኽታ፡ ንጒስ ዮውሃንስ እቲ ምሕዝነታዊ ዝተሰምየ ለበዋታት እንተዘይ’ተግቢርዎ ከቢድ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ስዉር መጠንቀቕታ ይንበብ እዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ለበዋታት ድማ፡ እቲ ብኤውሮጳውያን ኣረሜናዊ ግፍዒ ዝተሰምየ መቕዘፍቲ ወተሃደራት ኢጣልያ ኣብ ዶጎሊ፡ ኣዝዩ ከምዘሕዘና ገሊጻ፡ ድሕሪ ደጊም ከምኡ ዝኣመሰለ ኣረሜንነት ከይድገምን ምስ ኢጣልያውያን ስምምዕ ሰላም ክግበርን ዝጽውዕ ይርከቦ። ዘየላቡን ተሪርን መልሲ ንጒስ ዮውሃንስ ትሕትናኡን ኣኽብሮቱን ንንግስቲ ቪክቶርያ ከይነፈገ እውን ካልእ ድንቂ ትርኢት እዚ መዘክር እዩ።
እቶም ኣብቲ እዋን እቲ ኣዕራብ እናተባህሉ ዝጽውዑ ዝነበሩ ህዝቢ ሳሆን ዘይተንበርካኽነቶም ነቲ ኩሉ ዝፈርሖ ዝተባህለሉ ራእሲ ኣሉላን፡ ስልጣኔ ህዝቢ ትግርኛ ካበይ ክሳዕ ኣበይ እንታይ ይመስልን እውን ንተገዳሲ ልዑል ተምሳጥ ኣሕዲሮም ትምህርቲ ዝህቡ እዮም።
ብሓፈሻ፡ ኣዝያ ንእሽቶን ኣብ ውልቃዊ መዘክር ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብን ኣመልኪታ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ምንባብ፡ ነቲ ሕውስዋስን ደቀ-ባት በብዝጥዕሞም ንዝጸሓፍዎ ታሪኽን መመሳኸርን መመዛዘንን ክትከውን ልዑል ተኽእሎ ኣለዋ። ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይግባእ ኣዝዩ ውሕሉል ትርጒም ድማ ንተነባብነታ ተፈታዊ ዝገብሮ እዩ።
ፍቕረይ የማን