ይኣክል፡ ብዓይኒ ንስሪ እንክርአ

ብግዱሳት ሃገራውያን ኤርትራውያን ዝጀመረ፡ «ይኣክል» ዝተሰምየ ጐስጓስ ሕድሕድን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐንዐ ጻውዒት ብድሆን ኤርትራውያን፡ ዝርጋሐኡ እናሰፍሐን ዘልዕሎም ኣርእስታትን እናዓበዩን እናሰፍሑን ይቕጽል ኣሎ። እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ንጥፈታት፣ ብዝተወሰኑ ኣዕሩኽን መፍልጥትን ጀሚሩ ብዘደንቕ ስንሰለታዊ መርበብ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ምሉእ ዓለም ናብ ዘለዉ ኤርትራውያን ተባጺሑ ክላባዕ ምኽኣሉ፣ ዘመናዊ ቴክኖለጂ ብዝፈጠሮ ዕድል ማሕበራዊ መራኸቢ ይዅን እምበር፣ እቲ ቀንድስ ኣብ ኤርትራውያ ብዘሎ ተገዳስነት ኣብ ጕዳይ ሃገርን ሃገራዊ ፍቕርን ኣዝዩ ዓቢ ብምዃኑ እዩ።

«ግምቢ ያሪኮ ብዕልልታ እዩ ፈሪሱ» ይብል ገጣሚ ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ) ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሙ ንኣገዳስነት እዚ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ እንከብርህ። ብኣበሃህላኡን ኣብ 2011 ኣብ ግብጺ ንዝተኻደ ጎንጺ-ኣልቦ ግን ድማ ንፕረዚደንት ሙባረክ ካብ ስልጣን ዝኣለየ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ብምንጽጻር እንከርትዖን፡ ህዝባዊ ድምጺ ብሓባርን ብዓውታን እንተ ኣቃሊሑ ውዒሉ ሓዲሩ ውጽኢታውን ተሰማዕን ምዃኑ እዩ። ብዘይካ እቶም ብምትእትታው ካልኦት ሓይልታትን ሕቡእ ኣጀንደታት ናይ ኣማእዘንቶምን ዝፈሸሉ፡ ድምጺ ህዝቢ ዝመንቀሊኦም ህዝባውያን ምንቅስቕሳት ናይ ካልኦት ሃገራት እንተተመልከትና እውን ነዚ ጸጋይ ዝበሎ እዮም ዘራጉዱ እዮም። ካብቲ ንሃጸይ ቄሳር ዝፈተነ ናይ ሮማውያን ምንቅስቓስ፣ ነቲ ንዓለም ካብ ናይ ነግስታት ምልኪ ኣውጺኡ ናብ ዴሞክራስያዊ ኣንፈት ከተምርሕ ድርኺት ዝፈጠረ ሰውራ ፈረንሳ፣ ክሳዕ እዚ ሕጂ ኣብ ቬነዝዋላ ዝካየድ ዘሎ ምቕያር መንግስቲ ዝተኻየዱ ምንቅስቓስ እንተራኣና መንቀሊኦም፣ ድርኺቶምን ሓይሎምን ዓው ዝበለ እሞ ብሓባር ዝወጸ ድምጺ ህዝቢ እዩ። ኣብ ጎረቤት ሃገርና ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ለውጢ እውን ቅድሚ 27 ዓመታት ሓደ-ክልተ ነቲ ኣካይዳ ዘስተብሃሉ ዜጋታት ከስምዕዎ ዝጀመሩ ድምጺ እዩ ድሕሪ 27 ዓመታት ናብ ዝበዝሐ ህዝቢ ኢትዮጵያ በጺሑስ ብሓባር ከድምጽ ኣኽኢልዎ፡ ድምጹ ድማ ውጽኢት ኣምጺኡ።

ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ከም ሓደ መለኮታዊ ሓይሊ ገይርካ እንተዘይተራእዩ፣ ድምጺ ህዝቢ ከምዘይሰምዕን ከምዘይግድሶን ገይርካ ምርኣይ፣ ከምቲ እቲ ስርዓት ዝደልዮ ምዃን እዩ። እዚ ድማ ስዕረት ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ስርዓት ድሌቱ ከተማልኣሉ ፍቓደኛ ምዃንን ነቲ ዝገብሮ ዘሎ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ክቕጽሎ ምትብባዕን እውን እዩ ዝሕሰብ። ምኽንያቱ እቲ ስርዓት ዝደልዮ፣ ህዝቢ ተስፋ ክቖርጽን ክምእዘዞን ጥራይ ዘይኰነ፣ ህዝቢ ንዝወረዶ በደላት ከምዘይበደል ክርእን ክለምዶን ምግባር እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ህዝቢ ንዝወረዶ ጸገም «እዚ ጸገም እዚ ይግብኣኒ እዩ፡ መንግስቲ ዝብደለኒ ዘሎ ስለዝግብኣኒ እዩ» ኢሉ ከምዝሓስብን ከምዝኣምንን ምግባር እዩ። እዚ ተግባር እዚ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ካልኦት ስርዓታትን ሃገራትን ዘይተገብረ ኣይኮነን። ነዚ ድማ እዩ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደግሞ ዘሎ። ይዅን እምበር፡ ዘይከምቲ እቲ ስርዓት ዝምነዮን ክዀነሉ ዝደልዮን፡ ድምጺ ህዝቢ ካብ ዓዲ ዘሎ ይውጻእ ካብ ስደት ዘሎ ብዘየገድስ የፍርሖን የስግኦን እዩ። ምኽንያቱ ድምጺ ህዝቢ ብሓባር እንተተደሚጹን እንተተደጋጊሙን ክፈጥሮ ዝኽእል ማዕበል ኣዐርዩ ይፈልጦ እዩ። ማዕበል ድምጺ ህዝቢ ተጻዊሮም ክቕጽሉ ዝኽእሉ ስርዓታት ድማ ኣብ ዓለም ኣይተራእዩን። እዚ ኣብ ስደት ብእንነብር ኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ሓባራውን ዝተወደበን ድምጺ፡ ብኸምዚ ዘለዎ ቀጺሉ ጽፈትን ውዳበን እንተተሓዊስዎን እምበኣር፡ ነቲ ስርዓት ስግኣት ጥራይ ዘይኰነ ደጊሙ ክሓስብ ክግድዶ ዝኽእል ኣጽዋር እውን እዩ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ድምጺ እዚ ነቲ ስርዓት ጥራይ ዘይኰነ፡ ነቶም ብፍላጥን መሲልዎምን ኣብ ግጕይ መገዲ ብምዃን ነቲ ስርዓት ዝድግፍዎን ዝሕብሕብዎን ዘለዉ ኣሕዋት ኤርትራውያን እውን ዓቢ መልእኽቲ ኣለዎ። ዝተበደለ ህዝቢ፡ ኣብ ቃንዛ ዘሎ ህዝቢ ፈጺሙ ስቕ ከምዘይብልን ውዒሉ ሓዲሩ ንበዳሊኡ ክብድህ ከምዝዀነን ከዘኻኽሮም እዩ። ነዚ ተረዲኦምን በቲ ከየዕርፈ ዝጽውዕ ዘሎ ድምጺ ኣሕዋቶም ተደሪኾምን ድማ ናብቲ ልክዕ መኣዝን ክመጹን ነቲ ስርዓት በደሉ ክነግርዎን ክገብሮም እዩ። እዚ ድማ ብሓደ ምውንጫፍ ክልተ ኣዕዋፍ ምህራም ከም ማለት እዩ። እቲ ስርዓት ድማ ነዚ ዘይፈልጦ ማለት ኣይኮነን፡ ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ። ስለዝፈልጦ ድማ እዩ ሓደ ክልተ ክዕሸውሉ ዝኽእሉ ዜጋታት መሪጹ፣ ብብዙሕ ኣካውንት ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ከምዝጥቀሙ ብምግባር፡ ብዙሓት ይዛረቡ ከምዘለዉ ከምስሎምን ዓውዓው ክፈጥርን ዝጽዕር። ነዚ ድማ ሰብ ክነቕሓሉ ዘለዎ ሜላ እዩ።
ኣብ ዝቕጽል ኣብቶም ኣብዚ ምንቅስቓስ እዚ ዚለዓሉ ዘለዉ፡ ኣርእስታት፡ ኣገባባቶምን ዘስምዕዎ ቃናን ዝተኰረ ትዕዝብቲ ከቕርብ ምዃነይ እናሓበርኩ፣ እዚ ዝካየድ ዘሎ ድምጺ ሰንሰለቱ ከይተበትከ ንኽቕጽልን ክሰፍሕን ዝዀነ ኤርትራዊ፣ በቲ ዝኽእሎ ሜላን ቋንቋን ስምዒቱ ከይሓብአን ከይተሰከፈን ክሳተፎን ሃገራዊ ዜጋዊ ጻውዒቱ ከበርክተሉን ብምዝኽኻር ክዛዝም።

ፍቕረይ የማን

Share ብምግባር ነዚ ሓሳብ ዘለና ደገፍ ክነንጸባርቕ ደስ እብለኒ።

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s