‘ኤርትራውነት’

                        1
ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይሳነ
ደጓሕን ልኡምን ከም ወርሕን ጸሓይን
ትነብረሉ ስፍራ ኣብ ኣንጻር ዝቖመ
ንፋሱ ዘይራኸብ ዝሑልን ውዑይን።
ልቕብቃብ ናይ ላኻ ምንጻፍካ ተንኮበት
ጨንገርን እሾኽን ምንባርካ ኣብ ኣግነት፡
ብጨዋም ትረዊ፡ ቅዳሕካ ማይ ባሕሪ
ኣብ ሽያኽ ናይ ሑጻ ባርካዊ ነባሪ፡
ማእከል ዘየብልካ እንትርፎ ፈጣሪ፡
                        2
ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይፍለ
ረቢሑ ተደሚሩ ውጽኢቱ ሓደ
ተኽልኻ ከም ሓረግ ዝተጠናነገ
ሱርካ ግን ዘይርከብ መኣዝኑ ሰለስተ፡፡

ብዒባን ሓሰርን ትሰርሖ ንንእዲ
ህድሞን ኣጒዶን ስፍራኻ ኣብ ዓዲ
ወትሩ ተተፋነን ዝፈልየካ እንድዒ።
                         3
ኣብ ሰሜን ሰፊርካ ንኹሎም ትዕዘብ
ማእከል ዝጒንድኻ፡ ሱርካ ምብራቕ ምዕራብ፡
ላህጃኻ ዝምጠጥ፡ ድምጽኻ ብህድኣት
ምስ ኩሎም ትዛመድ ሕላገትካ ሰላም፡
መርበብካ “ም ረኤካ” ሓባሪ መገዲ
ብጥበብ ዝእለም ዘእቱ ንዓዲ
ባዕልኻ ዝማእከል፡ ዶብ ወሰን ደራቲ።
                       4
ኤርትራ፡ ሽማ ዘይትፈልጦ
ንዓኣ ዘይመስል፡ ንውሉዳ ዘይገልጾ
ቁራዕ ንዂልና ዝፈቶን ዘይፈቶን፡፡
ሓድነት ትስመ ኣብ ዘይብሉ ሓደ
ጊርታ ንሰማዒ ንደቃ’ሞ ዝገደደ፡
ምፍሓር የድልያ’ሎ ዒላ ዘ-ውህደተ
ደላይ ዘዕርፈሉ መርወይ ዝጸምአ
ኣይብቓልን ተግባር ደኣ፡ ዝድህሰስ ዝርአ።

                     ፍቕረይ የማን
                                       
                         2018

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s