1
ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይሳነ
ደጓሕን ልኡምን ከም ወርሕን ጸሓይን
ትነብረሉ ስፍራ ኣብ ኣንጻር ዝቖመ
ንፋሱ ዘይራኸብ ዝሑልን ውዑይን።
ልቕብቃብ ናይ ላኻ ምንጻፍካ ተንኮበት
ጨንገርን እሾኽን ምንባርካ ኣብ ኣግነት፡
ብጨዋም ትረዊ፡ ቅዳሕካ ማይ ባሕሪ
ኣብ ሽያኽ ናይ ሑጻ ባርካዊ ነባሪ፡
ማእከል ዘየብልካ እንትርፎ ፈጣሪ፡
2
ምስልኻ ዘቖመ ሕብርታት ዘይፍለ
ረቢሑ ተደሚሩ ውጽኢቱ ሓደ
ተኽልኻ ከም ሓረግ ዝተጠናነገ
ሱርካ ግን ዘይርከብ መኣዝኑ ሰለስተ፡፡
ብዒባን ሓሰርን ትሰርሖ ንንእዲ
ህድሞን ኣጒዶን ስፍራኻ ኣብ ዓዲ
ወትሩ ተተፋነን ዝፈልየካ እንድዒ።
3
ኣብ ሰሜን ሰፊርካ ንኹሎም ትዕዘብ
ማእከል ዝጒንድኻ፡ ሱርካ ምብራቕ ምዕራብ፡
ላህጃኻ ዝምጠጥ፡ ድምጽኻ ብህድኣት
ምስ ኩሎም ትዛመድ ሕላገትካ ሰላም፡
መርበብካ “ም ረኤካ” ሓባሪ መገዲ
ብጥበብ ዝእለም ዘእቱ ንዓዲ
ባዕልኻ ዝማእከል፡ ዶብ ወሰን ደራቲ።
4
ኤርትራ፡ ሽማ ዘይትፈልጦ
ንዓኣ ዘይመስል፡ ንውሉዳ ዘይገልጾ
ቁራዕ ንዂልና ዝፈቶን ዘይፈቶን፡፡
ሓድነት ትስመ ኣብ ዘይብሉ ሓደ
ጊርታ ንሰማዒ ንደቃ’ሞ ዝገደደ፡
ምፍሓር የድልያ’ሎ ዒላ ዘ-ውህደተ
ደላይ ዘዕርፈሉ መርወይ ዝጸምአ
ኣይብቓልን ተግባር ደኣ፡ ዝድህሰስ ዝርአ።
ፍቕረይ የማን
2018