ክሕሸካ ምእንቲ

መን’ኳ ከይነግሮ መዓስ ምስ ተጻሕፈ
ግና፡ ታሪኸይ ዘዘንቱ ጽሑፍ ‘ተተረኽበ
ቀዳማይ ምዕራፉ፡ ክኸውን’ዩ ከምዚ ዚንበበ’።

“ኣብ ዋልድቢ ዓፈን ዝተወልደ
ጸሓዩ ዝዓረበት ቀትሪ ዘይረኣየ
ክፈትዎን ክጸልኦን ንብርሃን ዘይፈልጦ
ነበረ ኣብ በዓቲ ጽላለቱ ዘፍርሖ።”

ወደይ! ኣንታ ናይ ጽባሕ መጻኢ
ብህንጡይነት ‘ትዓቢ ብዓል ራኢ
ሱርካ ንኽትፈልጥ ዝመጻእካሉ ምንጪ
ዘይትርፍ’ዩ ምፍታሽካ ሓዲሩካ ባህጊ፡

በጃኻ! ንባብካ ግደፎ፡፡
እመነኒ፡፡ ንቓላተይ ምስክር ውሰዶ
ይትረፍካ ምፍታሽ ኣየድልየካን’ዩ ክትፈልጦ
ውርደተይ፡ ሕፍረት’ዩ ንዓኻ ‘ቲ ትረኽቦ፡

ተጠቐመሉ እቲ ምሳሌ
ክጸንሓካ’ዩ ቅድሚ ዝዀነ
ብፍሩይ ዝንበብ “ክዱን ብኣፈ-ስላሴ”
ንዓይ መሕብኢ ንዓኻ ግንዛቤ።

ሕፈረት ዘየብሉ ዓለምካ ፍጠሮ
ኣሰረይ ዘይብሉ፡
ባህግኻ ብዝሕሸካ ክትነብሮ።

                  ፍቕረይ የማን 
                   11/2018

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s