መን’ኳ ከይነግሮ መዓስ ምስ ተጻሕፈ
ግና፡ ታሪኸይ ዘዘንቱ ጽሑፍ ‘ተተረኽበ
ቀዳማይ ምዕራፉ፡ ክኸውን’ዩ ከምዚ ዚንበበ’።
“ኣብ ዋልድቢ ዓፈን ዝተወልደ
ጸሓዩ ዝዓረበት ቀትሪ ዘይረኣየ
ክፈትዎን ክጸልኦን ንብርሃን ዘይፈልጦ
ነበረ ኣብ በዓቲ ጽላለቱ ዘፍርሖ።”
ወደይ! ኣንታ ናይ ጽባሕ መጻኢ
ብህንጡይነት ‘ትዓቢ ብዓል ራኢ
ሱርካ ንኽትፈልጥ ዝመጻእካሉ ምንጪ
ዘይትርፍ’ዩ ምፍታሽካ ሓዲሩካ ባህጊ፡
በጃኻ! ንባብካ ግደፎ፡፡
እመነኒ፡፡ ንቓላተይ ምስክር ውሰዶ
ይትረፍካ ምፍታሽ ኣየድልየካን’ዩ ክትፈልጦ
ውርደተይ፡ ሕፍረት’ዩ ንዓኻ ‘ቲ ትረኽቦ፡
ተጠቐመሉ እቲ ምሳሌ
ክጸንሓካ’ዩ ቅድሚ ዝዀነ
ብፍሩይ ዝንበብ “ክዱን ብኣፈ-ስላሴ”
ንዓይ መሕብኢ ንዓኻ ግንዛቤ።
ሕፈረት ዘየብሉ ዓለምካ ፍጠሮ
ኣሰረይ ዘይብሉ፡
ባህግኻ ብዝሕሸካ ክትነብሮ።
ፍቕረይ የማን
11/2018