መስለኒ፡
ሕሰም ጽምዋኻ ዝፈጠሮ ፍርሒ
ዝሓደረ ጭንቀት ዝዘርኣልካ ቀዝሒ
ምጻሩ ስኢንካስ ብሂግካ መጸግዒ፡
ከም እኖኣ ዝሰኣነት ዕየት
ብባህጊ ዕንጋሎን ሕቚፍን እተሕገብግብ፡
ከተምሰውስው ከተማስው ተሸጒጥካ ንኽትመውቕ
ካብ ማእከል ሞሊቕካ ናብ ‘ማእከል’ ክትድቕደቕ፡
ቀው! ኢለ ርእየካስ፡
ከብደይ በሊዕካኒ ወሪሩኒ ድንጋጽ።
ከም ነቢ ድሕነት ኣብ ዝኸበርካሉ
ከም ሸዊት ሓጋይ ኣብ ዝተብሃግካሉ
ከም ቆልዓ መብጽዓ ኣብ ዝተረረኻሉ
ቃልካ ከም ቃል ሰማይ ኣብ ዝተኣምነሉ፡
ተኻዒብካ ክትነዓቕ
ተመኒኻ ክትጓሓፍ
ተረጊምካ ክትሳጎግ፡
ኤህ! ክትብል ስኢንካ ሰማዒ፡
ክልተ ሻብ ርእየካስ ከብደይ በሊዕካኒ።
ዘቚሰልካኒ ‘ቲ ዘይሓዊ ቁስሊ
ቃንዛኡ ጸይረ ከም ዝሃበኒ፡
ንቓንዛኻ ምኽኣል ስኢነዮ
እጽልየልካ ኣለኹ ከተዕርፍ
ደጊም ሲ ክትፋኖ፡፡
ፍቕረይ የማን
11/2018