ንቡር እኮ’ዩ

ዕጹፍ መጽሓፍ ከይተገንጸለ
ዕጹው ማዕጾ ከይተራሕወ
ኣሎ ድዩ ተኽእሎ ክነብብ ‘ዝደሊ
ኣብ ውሽጢ ንዘሎ ይከኣል ድዩ ክትለሊ?

እቲ መጽሓፍ ኣብ ኢድካ ሒዝካዮ
መሸጐር ውሽጥኻ እምቢ ረጊጥካዮ
ምሳኻ ንዘሎስ ካብ ካልእ ትደልዮ
ውሽጥኻ ሰፈሩስ ማዕዶ ትደሃዮ!

ንቡር እኮ’ዩ!
ንቡር እኮ እዩ ንድሕሪት ምምላስ
ናብ መንቀሊኻ ምርኣይ ምጥማት
ምቕባል ስዕረት ሕሉፍ ምፍታሽ
ተረጋጊእካ ዳግማይ ንምብጋስ
ምንጻህ እኮ’ዩ ሱባኤ ምእታው።

ነውሪ እኮ ኣይኮነን ምባል ወዲቐ
ርእሰይ ደኺሙ ሚዛን ኣጥፊኤ
ካልእ ዘይብሉ ምኽኒት ተዓንቂፈ
ይብሃል እኮ’ዩ መሲሉኒ ጎየ።

ሕፍረት ዘይብሉ ብዂርዓት
ትዕቢት ዘይብሉ ጭውነት
ትብዓት እኮ’ዩ ጌጋኻ ምእማን
ሓይሊ ለውጢ’ዩ ግዳም ገዲፍካ
ውሽጢ ምጥማት
ብሽብጢ ሓቂ ግዛዕካ ምጽራይ።

                         ንቡር እኮ’ዩ።

ፍቕረይ የማን
ሕዳር 2018

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s