“ቋንቋ፡ ዓውደ-ውግእ እዩ።” ዕላል ምስ ንጉጒ ዋ ትያንጎ

ኣዳላዊ ሮሂት ኢናኒ

ትርጉም ፍቕረይ የማን

መጋቢት  9, 2018

 

 

1157649_655133187832236_976242676_n
ንጉጒ ዋትያንጎ

 

ዝሓለፈ ዓመት፡ ከንያዊ ጸሓፊ ንጉጒ ዋ ትየንጎ ናብቲ ብተዓዘብቲ ቅጽጽ ዝበለ ኣደራሽ ዩኒቨርስቲ ዊትዋተርስራንድ ናይ ጁሃንስበርግ ምስ ኣተወ፡ ኩሉ ሰብ ካብ ኮፍ ዝበሎ ብምትንሳእ እዩ ተቐቢልዎ። ተዓዘብቲ ብፊስካን ጭደራን ተሰንዮም ኣእዳዎም ኣብ ኣየር ብምዝርጋሕ “ንጉጒ! ንጉጒ! ንጉጒ!” እናበሉ ጨዲሮም።

ቅድሚ ልዕሊ 50 ዓመታት ኣቢሉ Weep Not, Child, እትብል መጽሓፍ ንፈለማ ብሓደ ምብራቕ ኣፍሪቃዊ፣ ብቛንቋ እንግሊዘኛ ዘሕተመን ወርትግ ህቡብ ሕጹይ ንሽልማት ኖቤል ዝዀነን ንጉጒ ዋ ትየንጎ፣ ኣብ 1938 እዩ ካብ ሓረስቶት ስድራ-ቤት ኣብ ሊሙሩ ከንያ ተወሊዱ። ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብ ከንያ ተማሂሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ማከረረ ዩጋንዳን ዩኒቨርስቲ ሊድስ ዓዲ እንግሊዝን ድማ ድማ ባችለር ዲግሪ ረኺቡ።

ናይ ፈለማ ድረስቱ weep not, child ንዝርዝራዊ ዕምቆት ምልዕዓል Mau Mau እተንጸባርቕ ኮይና፡ ውዕዉዕን ሰፊሕን ዝርግሐ ዝረኸበት እያ ነይራ። ንዓኣ ተኸታቲለን ድማ The River Between ኣብ 1965 ከምኡ ድማ A Grain of Wheat ኣብ 1967 ዝብላ ስዒበን።  ድሕሪ ናይ 10 ዓመታት መቓን፡ ኣብ 1977  Petals of Blood እትብል መጽሓፍ ዘሕተመ ንጉጒ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ነታ ህብብቲ ድራማ Ngaahika Ndeenda (ምስ ተበርሃኒ እምርዖ) ብቛንቋ ኣዲኡ ዝዀነ ቋንቋ ኪኩዩ ኣዳልይዋ፡፡ እታ ዘይምምዕርራይ ማሕበራዊ ህይወትን ዘይፍትሓውነትን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ከንያ እተንጸባርቕ ድራማ፡ ጠንቂ ምእሳር ንጉጒ ብመንግስቲ ከንያ እውን ኮይና እያ።  ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ድማ’ዩ ንእንግሊዘኛ ራሕሪሑ ብቛንቋ ኪኩዩ ክጽሕፍ ዝወሰነ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ዝጸሓፋ Caitani Mutharabaini (1981) ድማ ናብ እንግሊዘኛ Devil on the Cross(1982) ዝብል ኣርእስቲ ሒዛ ተተርጐመትሉ። እዛ መጽሓፍ፡ ኣብ ናይ ዓይኒ ምድሪ ወረቐት ከምዝጸሓፋ ድሒሩ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ይግለጽ እዩ።

ኣብ 1982 ካብ ከንያ ድሕሪ ምስዳዱ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዘምርሐ ንጉጒ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብኡ ከምዝመሃረን፡ ንምዕራባዊ ርእሰማልነት ብዘይንሕስያን ብግልጽን ካብ ምንቃፍ ዓዲ ውዒሉ ኣይፈልጥን እዩ።

ሎሚ ንጉጒ ኣብ 80ታት ዕድሚኡ ምዉቕ፣ ውዕዉዕን ደስ ዝብልን ባህሪ እዩ ዘለዎ። ኣብ ልዕሊ ክልተ ቦታታት፣ ኣብ ማእከል ከተማ ኒውደልሂ ተንቀሳቒስና ዘካየድናዮ ዕላል እዩ እምበኣር እዚ።  ሮሂት ኢናኒ

ሮሂት ኢናኒ:  ኣብ 1977Petals of Blood እትብል ብዛዕባ ምልዕዓል ገባራይ ኣብ ዘመናዊ መግዛእቲ (neocolonial) ሕብረተ-ሰብ ከንያ እተንጸባርቕ መጽሓፍ ኣሕቲምካ። ሽዑ ከይደንጐኻ እንደገና፣ Ngaahika Ndeenda (ምስ ተበርሃኒ እምርዖ) እትብል ኣካታዒት ድራማ ብመበቆል ቋንቋኻ ኪኩዩ ኣሕቲምካ። እታ ድራማ ብኪኩዩ ዝጸሓፍካሉ ምኽንያት Petals of Blood (ዕንበባታት ደም)፣ ነቲ ብዛዕብኡ እየ ዝጽሕፍ እትብሎ ህዝቢ መልእኽትኻ ከተብጽሓሉ ስለዘይከኣልካ ድዩ፧    

ንጉጒ ዋ ትየንጎ ልክዕ።ርኡይ ሓቂ እዩ 90 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብዝተፈላለየ ነናቱ ቋንቋ እዩ ዝዛረብ። ሕጂ እንተሓሲብካዮ፣ ከምዚ ኣነ ዝሓስቦ፣ ህዝቢ ናይ ለውጢ ሓይሊ እዩ። ስለዚ እምበኣር እቲ ሓበሬታ ዝለዋወጠሉ መስርሕ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ብእንግሊዘኛ መጽሓፍ ክትጽሕፍ እንከለኻ እምበኣር፣ ክንዲ ዝዀነ ፍሉይን ሱር-በተኻዊ ለውጢ ዘምጽእን ሓሳብ ይሃልካ፡ ገስጋሲ ኩን ብዘየገድስ፣ ጨቐቕ ኢሉ እዩ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ዝኽእል።

 

ሮሂት ኢናኒ: ድሕሪ ሕትመት እታ ድራማ፣ ህዝባዊ ምልዕዓል ክስዕብ እዩ ኢልካ ተተስፊኻ ዶ ነይርካ፧ 

 

ንጉጒ ዋ ትየንጎ:  ኣይፋለይን፣ ፈጺመ። ስነ-ጥበብ ናይ ጎስጓስ ኣይኰነን። ንዓይ፣ ስነ-ጥበብ ስእለ-ኣእምሮ፡ ሓሳብ ምፍጣር እዩ። ንዝዀነ እንገብሮ ነገራት ስእለ-ኣእምሮ እዩ ከምዝከኣል ዝገብሮ – ኣባና ኣብ ደቂ-ሰባት። ኣቐዲምና ሓሲብና ኣእምሮና ምስ ንዘሰላሰልናዮ ተኽእሎታት ኢና ኣብ ተግባር ክንፍትኖ እንውጥን።

ንስእለ-ኣእምሮ ወይ ጽንሰ ሓሳብ ዘፍልቖን ዝፈጥሮን እንታይ እዩ እንተይልና ድማ፡ ስነ-ጥበብ እዩ። ደርፍታትን ካልእ ባህላዊ ንጥፈታትን እዩ። እቶም ጸቐጥትን ጨቆንትን ስርዓታት እምበኣር ነዚ ስእለ-ኣእምሮ ወይ ጽንሰ-ሓሳብ ምምሳንን ምቕታል እዮም ዝፈትዉ። ክትሓስብን ሕልምታት ክህልወካን፣ መጻኢኻን ተኽእሎታቱን ክረኣየካን ኣይደልዩን እዮም። እቲ ዘለካዮ ህይወት ዝበለጸ ህይወትን ዓለምን ምዃኑ ክትኣምን እዮም ዝደልዩ። ከምቲ ኣብ ናይ ቮልቴር “Candide” ዘሎ ገጸ-ባህሪ፣ “ዋው! እዚ እቲ ዝበለጸ ህይወት ኣብዛ ዓለም እዩ” ክትብል ይደልዩኻ። ካልኦት ኣዳኸርቲ ድማ እቲ ዝበለጸ ዓለም ንሱ ምዃኑ ከእምኑ ይደልዩ።

ብእንግሊዘኛ ምጽሓፍ እምበኣር ወይ ድማ ስነ-ጽሑፍ ብእንግሊዘና ጥራይ ከምዝኸውን ምግባር፣ ነቲ ስእለ-ኣእምሮ ወይ ጽንሰ-ሓሳብ ናይ ሓፋሽ ከም ምምሳንን ምቕታልን እዩ ዝሕሰብ።

ሮሂት ኢናኒ:  ኣብ 1978፡ ኣብቲ ዝለዓለ ቤት-ማእሰርቲ ናይ ካሚቲ ተኣሲርካ እንከለኻ፣ ነታ ህብብቲ መጽሓፍካ Devil on the Cross ኣብ ናይ ዓይኒ-ምድሪ ወረቐት ጽሒፍካያ። ክንዲምንታይ ኣሸጋሪ ነይሩ ንምሉእ መጽሓፍ ኣብ ናይ ዓይኒ-ምድሪ ወረቐት ክትጽሕፍ፧

ንጉጒ ዋ ትየንጎ: ዝተኣሰርኩሉ ምኽንያት ንድራማ “ምስ ተበርሃኒ እምርዖ” ብቛንቋ ኪኩዩ ምጽሓፈይን ብገባሮ (ሓረስቶት) ምውሳኣን እዩ።  እዝከረኒ እታ ድራማ ኣብ ሕዳር 1977 ተኣጊዳ፣ ኣነ ድማ ኣብ 31 ታሕሳስ 1977 እየ ነብሰይ ኣብቲ ዝለዓለ ቤት-ማእሰርቲ ረኺበያ። ሽዑ፣ ኣብቲ ቤት-ማእሰርቲ ብዛዕባ እቲ ንቛንቋ ዝምልከት ጒዳይ ኣዕሚቖን ዓቲበን እየ ዝሓስበሉ ነይረ። ንታሪኽ መግዛእታዊ ስርዓታት ተመልኪተ ዝተረዳእኩዎን ዝተገንዘብኩዎን ነገር እንተነይሩ እምበኣር፣ እቶም ገዛእቲ ቋንቋኦም ጥራይ ኣይኮኑን ኣተኣታትዮም፣ እንታይ ደኣ ቋንቋ እቶም ተገዛእቲ እውን ኣናሽዮሞን ዓፊኖም ደቚሰሞን እዮም።

እንግሊዘኛ ምምሃር እምበኣር፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ንቛንቋና ናይ ምርሳዕ መስርሕ እዩ ነይሩ። ጸኒሑ ኣብቲ ድሕረ-መግዛእታዊ ህይወት እውን ከምዝቐጸለ ማለት እዩ።

ብሃገራዊ ቋንቋ ጽሒፈ፣ ብኣፍሪቃዊ ስርዓት ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ካብ ኣተኹ ኢለ እምበኣር እየ ነቲ ምጽሓፍ ክደፍኣሉ ዝወሰንኩ። ከም ሓደ ኣካል ናይ ተቓውሞይን እዩ ነይሩ።

ሮሂት ኢናኒ:  እቲ ኩነታት ምስ ሓቂ ዝገጠምካሉ እዩ ነይሩ ማለት እዩ፧

ንጉጒ ዋ፡ እወ። እቃወም ከምዘለኹ ምሕሳበይ ዕጥቂ ኮይኑኒ። ወረቐተይ ዘይብለይ ክንሰይ ምጽሓፈይ ድማ ኣዛናዩ እዩ ነይሩ። ናይ ዓይኒ-ምድሪ ወረቐት እዩ ነይሩኒ፣ ሳሕቲ ግን ካብ ሓለፍቲ እቲ ቤት-ማእሰርቲ ፒሮ እረክብ ነይረ። ከምዚ ናይ ጣዕሳ ወይ ቃለ-እምነት ዓይነት ክጽሕፍ ደልየ እናበልኩ ማለት እዩ – ዝተዓሰሉን ክእመነሉ ዘለኒ ጌጋን እኳ እንተዘይነበረኒ።

 

ሮሂት ኢናኒ:  ከመይ ደኣ እባ እቲ ጽሑፍ ካብ ዓይኒ እቶም ኣሰርትኻ ክትክውሎ ክኢልካ፧

ንጉጒ ዋትየንጎ: ኣብ ቃልዕ እየ ዝሓብኦ ነይረ። ከም ሓቂ ኣሻሓት ትርብዒታት ወረቓቕቲ እዩ ዝፍቀደልና ነይሩ ንዓይኒ ምድሪ። ብጽቡቕ ድማ እዩ ዝዕሸግ ዝነበረ። ተጸፍጺፉ ከኣ ላዕሊ እዩ ዝበጽሕ። ሓደ እዋን ንስክላ ኣጥፊኤዮ ነይረ – ኣብዛ ትቕጽል ዝኽርታተይ ዝሓዘት ጽሕፍቲ እኳ Wrestling with the Devi (ቅልስ ምስቲ ሰይጣን) ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ክሕተም እዩ።

ሮሂት ኢናኒ፡ ንቛንቋ “ናይ ኲናት ዞባ” ኢልካ ብምስማይ ንነብስኻ ድማ ከም “ናይ ቋንቋ ተዋጋኣይ” ገይርካ ትገልጻ። ብዛዕባ እዚ ዶ ገለ ምበልካ፧

ነቲ ናይ ኣየርላድ ኲነታት ምስ እንግሊዝ ዘሎ እሞ ተመልከት። ውርደት ናይቶም ደቀ-ባት ኣሜሪካውያን፣ ከመይ ቋንቋኦም ተዋሪዱን ተኸሻሚሹን። ኣብ ኣፍሪቃ ብዓቢኡ፣ ብቛንቋ ኣዴና ከይንዛረብ ተኸልኪልና ነይርና። ጃፓን ከመይ ኣቢላ ቋንቋኣ ናብ ኮርያውያን ኣተኣታትያቶ። ስለዚ እምበኣር፣ ኣብ ዝዀነ ንዘመናዊ መግዛእቲ ዝተመልከትካሉ ኣጋጣሚ፣ ምምሃር ነቲ ናይ ገዛእቲ ቋንቋ ማለት ምቕታል ነቲ መበቆላዊ ቋንቋ ናይ ተገዛእቲ እዩ ነይሩ።  ስለዚ ድማ እዩ ናይ ኲናት ዞባ ዝኸውን።ኣብ ናይ ህንዲ እንተመጻእና፣ እንግሊዛዊ ናይ ታሪኽ ተመራማሪን ፖለቲከኛን ቶማስ ባቢንቶን ዘየናሕሲ ባህጊ እዩ ነይርዎ፣ ብእንግሊዘኛ ዝሓስቡ ህንዳዊ ደርቢ ክፈጥር። እዚ ደርቢ’ዚ፣ እንግሊዝ ነቲ ዝበዝሐ ክፋል ሕብረተ-ሰብ ህንዲ ከመሓድር ደልያቶ ነይራ። ናይ ኣፍሪቃ ወይ ኣብ ዝዀነ መግዛእታዊ ስርዓታት ዝነበሮ እንተርኣና እውን እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። ኣፍሪቃውያን ቋንቋታት ኣንጻር ኣፍሪቃውያን እዮም ከም ኣጽዋር ኣገልጊሎም። እምበኣርከስ፣ ስፓኒሽ ንጸውዕ ፖርትጋለኛ ኣብ ሃገራት ላቲን ኣሜሪካ ወይ ፈረንሳየኛ ኣብ ኣፍሪቃን ቬትናምን እቲ ቋንቋ እዩ ቀንዲ መዋግኢ ኣጽዋር ነይሩ። እቲ ቀንድን ኣገዳስን ባእታ ነቲ ምውራር ይኹን ዋላ ንምትካል እቲ መግዛእታዊ ስርዓታት ቋንቋ እዩ ነይሩ።

28531_121320221213538_878927_n
ንጉጒ ዋ ትያንጎ

ሮሂት ኢናኒ:  ንሓደ ቋንቋ ምሉእ ብምሉእ ምስ መለኽካዮ፣ ልክዕ ከም ናትካ ገይርካ ክትጥቀመሉን ካብ ጭቆና ሓራ ክትወጸሉን ይከኣል ዶ ዋላ እውን በቲ ቋንቋ እቲ ተጨቊንካ እንተጸኒሕካ፧ ሓደ እዋን ቪ.ኤስ. ነይፓውል መንእሰይ ተማሃራይ ኣብ ኦክስፎርድ ዩኒቨርስቲ እንከሎ ናብ ኣቦኡ ከምዚ ዝብል ደብዳቤ ጽሒፉ ነይሩ፣ “ካብ መማህርተይ ዝበለጽኩ ክኸውን እየ ዝደሊ። ነዚ ቋንቋኦም ተማሂረ ብኡ ገይረ ክሃርሞም ከምዝኽእል ከርእዮም ኣለኒ።”

 

ንጉጒ ዋ: ነይፓውል?

ሮ. ኣ.: እወ።

ንጉጒ ዋ: እዚ ግን ሕልሚ እቶም ገዛእቲ እዩ። ኣራጢጦም “ዎው! ንቛንቋና ጽቡቕ ገይሮም ተቐቢሎምን ተወሃሂዶሞን ኣለዉ፣ እነዉ እኳ ምሳና ይወዳደሩሉ ኣለዉ” እዮም ዝብሉ። ልክዕ እዩ ነይፓውል ሊቅ ናይቲ ቋንቋ እዩ፣ ብውልቀይ እውን ከምኡ ምዃኑ ብሕማቕ ኣይርእዮን። ጽሑፋት ናይ ነይፓውል እውን ብጣዕሚ እየ ዝፈትዎም። ጌጋ ኮይኑ ዝስመዓኒ ግን ብገለስ ንባህሊ (culture) ናይቶም ጨቆንትና ቋንቋታት ኢና ነማዕብል ዘለና። ጽቡቕ ከኣ ኣይኮነን። ከምኡ ምግባር ማለት፣ ከምቲ ነይፓውል ዝገብሮ፡ ከምቲ ኣነ እውን ኣብ ዕንበባታት ደም (Petals Of Blood) ዝገበርኩዎ፣ ንዝርጋሐ ቋንቋ እንግሊዝ ምዕባይ ማለት እዩ።  

ማለት፣ ንእንግሊዘኛ ይዂን ፈረንስየኛ ናትና ምግባር ዝጽላእ ኣይኮነን። ዝዀነ ጸሓፊ ናቱ ቋንቋ ክገብሮ ይኽእል እዩ። እንተዀነ ግን ብእንግሊዘኛ እናጸሓፍካ ነቶም ብኻልእ ካልእ ዝቛንቋኦም ህዝቢ ይሕግዞም ኣለኹ ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ጆሴፍ ኮናርድ ብእንግሊዘኛ እናጸሓፈ ንተዛረብቲ ፖሊሽ (poland) ይሕግዝ ነይሩ ክትብለኒ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ሮ.ኣ.: ገዛእቲ ንቛንቋ ከም ኣጽዋር ከምዝጥቀምሉ ጠቒስካ። ብተመሳሳሊ እቲ ተገዛኢ ንእግሊዘኛ ከም ኣጽዋር ክጥቀመሉ ዝኽእል ዶ ይመስለካ፧ ከምቲ እኳ ቺንዋ ኣቸበ “መዋግኢ ኣንጻር መግዛእቲ” ዝብሎ፧ 

 

ንጉጒ ዋ: ኣብ መጽሓፍ Things Fall Apart ናይ ቺንዋ ኣቸበ፣ ሓደ ዓቢ ኣበርክቶ ንንቕሓት ኣንጻር ጭቆና ኢና ንረክብ።   ንዝዀነ ሰብ ብእንግሊዘኛ ወይ ፈረንሳየኛ ዝጽሕፍ፣ ጸሓፊ ይዂን ምሁር ናይ ሳልሳይ ዓለም ፈጺሙ ኣበርክቶ የብሉን ክትብል ኣይትኽእልን ኢኻ። ክስገር ዘይብሉ፣ ኣነ ድማ ዘይሰማምዓሉ ግን ቋንቋኻ ገዲፍካ ኢኻ እንግሊዘኛ ኣፍሪቃዊ ቋንቋ ክኸውን ትሰርሕ ዘለኻ። ኣፍሪቃ ናታ ቋንቋታት ኣለዉዋ። እዚ ጒዳይ እዚ ከኣ እቶም ምሁራን እዮምክሕለቕሉ ዝግብኦም። ምኽንያቱ ምሁራን እዮም ሓላፍነት ናይ ምምዕባል ቋንቋታት ዘለዎም። ምሁራን ነዚ ረሲዖም ብእግሊዘኛ ዝጽሕፉ እንተዀይኖም ግን እቲ ቋንቋ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ።   

ሮ.ኣ.: J.M. Coetzee እንግሊዘኛ እዩ ካብቲ ጸቢብ ኣጠማምታ ኣፍሪካን ቋንቋ ሓራ ገይሩኒ፣ ኢሉ ነይሩ። እንተዀነ ደሓር፣ ዝሓለፈ ወርሒ፣ ኣብ Hay Festival ኣብ ኮሎምብያ ኣብ ዘስምዖ ዘረባ፣ ልዑል ሓዘን እናተስምዖ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ “ዕብለላ ቋንቋ እንግሊዝ፣ ናይ ሎንዶን ይዂን ኒውዮርክ፣ ኣብ ዓለማዊ ስነ-ጽሑፍ ከብቅዕ ኣለዎ።” ቀጺሉ ድማ “እንግሊዘኛ ከምቲ ንሸክሲፔር ቋንቋኡ ዝነበረ ቋንቋይ ኣይኮነን” ኢሉ።  

ንጉጊ ዋ: እዋእ! ንሱ ከምኡ ኢሉ፧

ሮ.ኣ.: እወ።

ንጉጒ መቸም፣ እዚ ናይ ብሓቂ ዓቢ ለውጢ እዩ። ኣፍሪቃውያን ምሁራን ብቛንቋኦም ስርሓቶም ከማዕብሉ ንቡር እንተዝነብር፣ ገሊኦም ወይ ገለ ውሑዳት ብእግሊዘኛ ወይ ካልእ ቋንቋ እንተጸሓፉ እውን ጸገም ኣይምዀነን ኮናርድ ብእንግሊዘኛ ምጽሓፉ ነቶም ዝበዝሑ ምሁራን ደቂ ፖላንድ ብቛንቋኦም ዝጽሕፉ ኣይጸልዎምን ወይ ኣይትክኦምን እዩ። እንተዀነ ንሕና ንዛረብ ዘለናስ ብዛዕባ ሓደ-ክልተ ኣይኮናን። ብኣጣቓላሊ እቲ ናይ ምሁራን ማሕበረ-ሰብ እምበር፣ ኣብ ሕርሻ ይሃሉ ዋላ ኣብ መድሃኒት ዝሰርሕ ይዂን – ብእግሊዘኛ ወይ ፈረንሳየኛ ዝጽሕፍ ዘበለ ኣፍሪቃዊ። ኩሉ ዓይነት ሕጋዊ መስርሓት ብእንግሊዘኛ ወይ ፈረንሳየኛ እዩ ዝሰርሕ፣ እሞ ከኣ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ዝተፈላለየ ነናቱ ቋንቋታት ዘለዎ ክንሱ። ናይ ብሓቂ ዓቢ ጸገም እዩ።

ሮ.ኣ. ፡ ኣብታ ዝኽርታትካ ዝሓዘት፣ ማለት “ሕልምታት ኣብ እዋን ኲናት” ከምዚ ዝብል ኣሎ፡ “መብዛሕትኡ እዋን መን ይጽወዮ ብዘየገድስ፣ ጽውጽዋይ ክጽወ እንከሎ ኣብኡ ንዓስል ነይርና። እቶም ኣብኡ ናይ ብሓቂ ግዱሳት ዝነበሩ ድማ ደሓር ናይ ብሓቂ ጀጋኑ እዮም ኮይኖም።” ብዛዕባ ጽልዋ እቲ ባህላዊ ጽውጽዋያት ናይቲ ዚዓበኻሉ እዋን ዶ ከነዕልል፧

 

ንጉጒ ዋ ፡ ዝዀነ ሕብረተ-ሰብ ባህላዊ ጽውጽዋያት ኣለዎ። ኣብ ዛንታታት ማሃብሃራታ (ቅያ ናይ ሳንስክሪት ኣብ ጥንታዊት ህንዲ) ይኹን፣ ዋላ እቲ ፍልስፍናዊ መጐተታት ናይ ፕላቶ ወይ ሶቕራጠስ። ከምዝመስለኒ ወይ መብዛሕትኡ እዋን ከምዝሓስቦ፣ እቲ ዝበለጸ ጸዋዪ (ኣዘንታዊ) እቲ ፈለማ ኣየዕግቦምን እኸውን ወይ ተቐባልነት እስእን እኸውን ዝብል ፍርሒ ዝስምዖ እዩ። ነዚ ፍርሒ እዚ ምስ ሰዓሮ እዩ ዕዉት ዝኸውን። ኣነ ንፉዕን ግዱስን ሰማዒ እኳ እንተነበርኩ ንፉዕ ጸዋዪ (ኣዘንታዊ) ግን ኣይነበርኩን። ኩሉ-ግዜ ክሰምዕ እየ ዝደሊ ነይረ፣   

ሮ.ኣ. ፡ እታ መጽሓፍ ብተወሳኺ፣ ዘይክማህ ድሌትካ ንትምህትን ከምኡ’ውን ግደ ኣዴኻ ንሱ ክስወጠካ ኣብ ምግባርን ተዘንቱ እያ።

 

ንጉጒ ዋ: ኣደይ ከተንብብ እትኽል እውን ኣይነበረትን። ፈጺማ ንትምህርቲ ኣይከደትን። ምሉእ ህይወታ ኣብ ንጥፈታት ሕርሻ እያ ኣሕሊፋቶ። እንተዀነ ንሳ እያ ክመሃር ንቤት-ትምህርቲ ሰዲዳትኒ። ሓፍተይ ድማ ናይ ፈለማ ጫማ ገዚኣትለይ። ንቤት-ትምህርቲ ክኸደሉ ማለት እዩ። ንሳ እውን ዕዮ-ገዛ ትሰርሓለይ ዝነበረት። ከመይ ገይራ ትገብሮ ምንባራ እንድዒ። ፈጺመ ዘይርስዖ ግን፣ ካብ ቤት-ትምህርቲ መጺኤ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣምጺኤ ክብላ እንከለኹ “እቲ ዝበለጸ ማለት ድዩ፧” ክትብለኒ እንከላ እዩ። “እቲ ዝበለጸ” ዝብል ሓሳብ፣ መዛዘሚ ንኹሎም ሕቶታታ እዩ ከመይ ከምዝሰራሕኩ። ንሱ እዩ ነይሩ መለክዒ ዓወት ንዓኣ።

ሮ.ኢ. ከመይ እባ ዝኽሪ (memoir) ክትጽሕፍ ወሲንካ፧ ነብስኻ ምግላጽ ከቢድ ዶ ነይሩ፧

 

ንጉጒ ዋ፡ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባ ነብሰይ ክጽሕፍ ኣይከኣልኩን ነይረ። እቲ ምኽንያት ከኣ ኩሎም እቶም ዝጸሓፍኩዎም ዛንታታት ዳርጋ ኣብ ህወተይ ዝተመርኰርኩዎ ተመርኲሰ ዝጸሓፍኩዎም ስለዝዀኑ እዩ። ማለተይ Weep Not, Child ንኣብነት ዋላ እኳ ምሉእ ብምሉእ ናተይ ድሕረ-ባይታ እንተዘይኰነት ግን ኣባይን ኣብ ከባብየይን ዝዀነን ዝረኣኹዎን ፍጻመታት ተመርኲሰ እየ ሰሪሐያ። እንተዀነ ሕጂ፣ ኣቦ 10 ቆልዑ ኮይነ እየ፣ ብዓልቲ-ቤተይ ድማ፡ “ስማዕ፡ ናይ ብሓቂ ብዛዕባኻ ክትነግሮም የድልየካ እዩ፣ ምኽንያቱ ኩሉ-ግዜ እንታይ ከምዘጋጠመ ክትነግሮም ክትነብር ኣይኮንካን” ክትብለኒ ጀሚራ።

ካብዚ ንደሓር፣ ኣብታ ቀዳመይቲ ሕታም ብዛዕባ ቁልዕነተይ ክጽሕፍ ወሲነ። ክሳዕ ካልኣይ ደረጃ ትምህተይ ማለት’ዩ። ነዚ ኣብታ “ሕልምታት ኣብ እዋን ኲናት” ኣስፊረዮ፣ ምኽንያቱ ንትምህርቲ ኣብ ኸድኩሉ እዋን እቲ ልክዕ እዋን ኲናት ኮይኑ ኣነ እናዓበኹ መጺኤስ ካብቲ ኲናት ተኣልየ ንትምህርቲ ዝመረጽኩሉ እዩ ዝነበረ። ከምኡ ድማ ብዛዕባ ኣደይን ኣነን ኣብቲ እዋን ኲናት ከመይ ገይርና ሕልምታትና ንጸሮ ነይርና ኣብታ መጽሓፍ ኣሎ።

ሮ.ኢ.  እንግሊዛዊት ጋዜጠኛ ሚኪኤላ ሮንግ፣ ንመጽሓፍካ፡ ምውላድ ሕልሚ እቲ ኣላማይ (birth of a dream weaver) ኣመልኪታ ኣብ ጋዜጣ The New York Times ኣብ ዝጸሓፈቶ ገምጋም፣ “ዝቕጽል መጽሓፈ-ዝኽሪ (memoir) ንጉጒ ምርኣይ ኣዝዩ ዘህንጢ ክኸውን እዩ ምኽንያቱ፣ ንጉጒ ኣብ ድሕሪ ናጽነት ከንያ ዝተመስረተን ብልክዕ ትብዓትን ጽሒፍዎ እንተዀይኑ። መግዛእታዊ ስርዓታት፣ ንኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ከም ፈኰስቲ ዕላማታት እኳ ዝርእዮም እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋን እዚ እውን ምንቃፍ ንኣፍሪቅውያን ፖለቲከኛታትን ዘመናውያን ስርዓታትን ብልዑል ሓደጋ ዝተመልአ እዩ” ክትብል ጽሒፋ ኣላ። መግዛእቲ ንኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ኣፍኲሱ እዩ ዝሕዞም ነይሩ ኢልካ ዶ ትኣምን፧

 

ንጉጒ ዋ፡ ብቕንዕና ንምዝራብ፣ በዚ ኣቢላ እንታይ እያ ክትብል ደልያ ኣይፈለጥኩን። ግና፣ እንተድኣ፣ ናተይ ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ስርሓት እውን እንተተመልኪትካ፣ ሓያላት ነቐፍቲ እዮም ነይሮም። ንመግዛእታዊ ስርዓታት ጥራይ ዘይኰነስ ዋላ ነቶም ድሕረ-መግዛእቲ ዝሰዓቡ መለኽቲ ስርዓታት እንተዀኑ እውን። መግዛእቲ ድማ ሳዕቤን ሕሱም ድፍረት ናይ ገዛእቲ እዩ ነይሩ ቀሊል ወይ ፈኲስ ከኣ ኣይነበረን።

ጽሑፋተይ ድማ ኩሎም ነቲ መግዛእቲ ይኹን ድሕረ-መግዛእቲ ዝነበረ ኲነታት ብነቐፌታዊ ዓይኒ ዝርእዩ እዮም። ካብዚ ኣንፈት እዚ ዝቕይሮም ከኣ የልቦን። ነቲ ኣብ ህይወት ወዲ-ሰብ ዘሎ ጽልዋ እዩ ክትምልከት ዘለካ፣ ማለት እቲ ብጒዳይ ሃብቲ፡ ስልጣን፡ ዝተጸልወ ክብርታት ሕብረተ-ሰብ።

ሮ.ኢ. ኣብቲ ውጽኢት መግዛእቲ ዝዀነ ሕብረተ-ሰብ ዝህሉ ጸሓፊ፣ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ጸቕጥታትን ታሪኻዊ ዓመጻት መግዛእትን ክጽሕፍ ግዴታ ኣለዎ ኢልካ ዶ ትኣምን፧ ኣብቲ ምዕቡልን ነጻ ዓለምን ዝርከቡ ጸሓፍቲ ነዚ ይቃወምዎ እዮም። ስነ-ጥበብ ንስለ ጥበብ ጥራይ ክጸሓፍ ኣለዎ ኢሎም ክምጒቱ ይምስዑ እዮም። እዚ ተግባር እዚ ናይ ሳልሳይ ዓለም ጸሓፍቲ ጥራይ ዝስዕብዎ ድዩ፧

ንጉጒ ዋ፡ ጸሓፍቲ “ኣነ ብዛዕባ ፖለቲካ ኣይጽሕፍን እየ” ክብሉ እንከለዉ፣ ብሓቂ ኣይኣምነሉን እየ። ብልክዕ ከኣ ፖለቲካን ብዛዕባ ፖለቲካን ይጽሕፉ እዮም። ምኽንያቱ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ንኣጠማምታ ዓለምን ህይወትን የማእዝኑ እዮም። ጸሓፍቲ ክግንዘብዎ ዘለዎም ፈጺሞም ሻራ ዘይብሎም ከምዘይኮኑ እዩ። ውጽኢት ናይ ታሪኻዊ ተረኽቦታት እዮም። ካብ ታሪኻዊ ዓመጽ ወይ ጭቆና ዘለዎ ኲነታት እንተድኣ መጺእካ እሞ ከኣ ጸቕጥን ጭቆናን ከምዝነበረ ዘይትጽሕፍ እንተዀይንካ ብዛዕባ ተቓውሞን ዕብየትን ከኣ ክትጽሕፍ ኣይትኽእልን ኢኻ። ብሓፈሻ ግን ፍርሒ ታሪኽ ኣብ ዝዀነ ጸሓፊ ዘሎ እዩ።

ስእለ-ኣእምሮ እዩ ናብ ኩሉ ዓለምን ተኽእሎታትን ክትዝንቢ ዘኽእለካ፣ እንተዀነ ግን መብዛሕትኡ እዋን ኪኖ እቶም እትጽሕፈሎም ዘለኻ ኩነታት እውን ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ጸሓፍቲ ኣባላት ናይ ትንቢታዊ ባህሊ እዮም። ልክዕ ከምቶም ብዙሓት ትንቢታውያን ኪኖ ምድረ-በዳ ናብ ዘለዉ ሕብረተ-ሰባት ሰጊሮም ብዛዕባ እቲ ህሉው ጭቆናታትን ናይ መጻኢ ተኽእሎታትን ዝንበዩ ዓይነት ማለት እዩ። እንተርኢኻዮ እውን ጸሓፍቲ ካብዚ ባህሊ እዚ እዮም ዝፍጠሩ። ነብያት ኩሉ ግዜ ኣይኮኑን ካብ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ማሕበራዊ ጭቆና ዘጓነፎ ማሕበረ-ሰብ ዝፍጠሩ። ገሊኦም ብሓለፋታት ዝተመልኡን እቲ ሓለፋታቶ ኣብ ህይወትን እቲ ክውንነት ናይቲ ዝበዝሐ ህይወትን ክገራጮ ዝረኣዩ እዮም። ጸሓፍቲ ከኣ ኣካል ናይዚ ኮይኖም ብስእለ-ኣእምሮኦም ኪኖ ደረጃታቶምን ናይ ደርቢ ፍልልያቶምን ሰጊሮም ክሓስቡ ዝኸኣሉ እዮም።

ሮ.ኢ.፡  ጆሴፍ ኮናርድ (Joseph Conard) ካብ ፈለማ ንእስነትካ ኣትሒዙ ዝጸለወካ ጸሓፊ እዩ። ኣብ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዝጸሓፍካዮ እውን፣ድሕሪ እታ ብጽልዋ ናይ ኮናርድ መጽሓፍ Under Western Eyes ተደሪኽካ ኣብ 1967 ዘሕተምካያ A Grain of Wheat እትብል መጽሓፍካ ህቡብ ነባቢ ናይ ኮናርድ ምቕያርካ ጠቒስካ ኣለኻ። እንተዀነ፣ ነቐፌታ ናይ ቺንዋ ኣቸበ ንኮናርድ ከምዝተቐርበልካዮ እኳ ጽሒፍካ እንተለኻ፣ ነቲ ናይ ቺንዋ ኣቸበ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣብ ልዕሊ መጽሓፍ Heart of Darkness ናይ ኮናርድ ወይ ብኣጠቓላሊ ኣብ ልዕሊ ኮናርድ ግን ምሉእ ብምሉእ ሓንጎፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ኣይከኣልካን።

ንጉጒ ዋ ኮናርድ ዘደንቕ ጸሓፊ እዩ። ስነ-ጥበብ ካብቲ ጸሓፊ ሓሊኑ ዝገብሮ ንላዕሊ መስትያት ኮይኑ ከንጸባርቕ ከምዝኽእል ሓደ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል እዩ ንሱ። ልክዕ ከምዚ ንሓንቲ ካሜራ፣ ሓደ ዝተወሰነ ባእታ ክትቀድሓልካ ኢልካ ኣብ ጎደና ትተኽላ እሞ ካልእ ንስኻ ዘይሓሰብካዮም ነገራት እውን እትስእል እዩ ጽሑፋት ናይ ኮናርድ።

ኣቸበ ብዛዕባ ኮናርድ ዝጸሓፎ ንዓይ ብቐሊል ክወሓጠለይ ኣይከኣለን።  እንተድኣ Heart of Darkness ነቢብካያ ኮይንካ ንኣብነት፣ እቲ ብዛዕባ ኢምፐርያሊዚም (ርእሰ-ማልነት) ኢልዎ ዘሎ፣ ካብኡ ንላዕሊ እንታይ ክብል ይኽእል ነይሩ። ስርቅን  ቅትለትን ብዝለዓለ ደረጃኡ እዩ። ንሱ መርኣያ ንምንቕቓሕ ኣንጻር ኤውሮጳዊ መግዛእቲ እዩ ነይሩ። ናይ ብርሃን ባእታ እዩ። ናይ ብሓቂ ንምንቕቓሕ ዘቃልሐ ድምጺ እዩ። ከመይ ነይሩ መወዳእትኡ እንተሪኢናዮ፣ በቶም ዝፈጠሮም ብርሃናትን ምንቕቕሓትን ብፍርሒ ተኸቢቡ እዩ ኣሕሊፍዎ። እዛ ዝተጠቕሰት መጽሓፍ እንተሪእናያ ንባዕላ ንጹር ነቐፌታ ንርእሰማልነት እያ ሒዛ ዘላ። ብነቐፌትኡ ተሳሒለ እየ።

ኮናርድ ንዓይ ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። ውሱን ዕድል ናይ ጸሓፍቲ እንተዝነብረኒ ኩሉ እቲ ክገብሮ ዝኽእል፣ እቲ መእተዊ ናይ Nostromo ጥራይ መንበብኩ።  ኣሰራርሓን ኣሰራርዓን ምሉኣት ሓሳባቱ፡ ጸባቔኡ። ጽሑፈተይ ተመሊሰ ክሪኦም እንከለኹ ንኮናርድ እየ ኣብኡ ዝረኽቦ።   

ሮ.ኢ. ተራ ዩኒቨርስታት ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዓለም እንታይ ነይሩ ትብል፧ ምዕራባውያን ዩኒቨርስቲ ንናይ ሳልሳይ ዓለም ጸሓፍቲ ኣብ ስደት ብኣልማማ ዘዕቆብኦም ይመስላ።

 

ንጉጒ ዋ: ልክዕ እዩ እዘን ዩኒቨርስታት ብመጠኑ ከም ንሓደ ሙዚቀኛ ሓደ ቅዱስ ቦታ መዕቆቢ ዝዀኖ ነቶም ዝተጸጋዕናየን ኣዕቊበናና እየን። ሕጂ ግና ዩኒቨርስታት ኣለና። ስራሕ ክፈጥረልና ዝኽእል፣ ገለ ኣታዊ ዘዎ፣ ከምኡ እውን ምቹእ ናይ ምጽሓፍ ዕድል ከጣጥሕ ዝኽእል።

ሮ.ኢ.: ካብ ምዕራባውያንን ኣፍሪቃውያንን ጸሓፍቲ ወጻኢ ካልኦት ዝጸለዉኻ ጸሓፍቲ ኣለዉ ዶ፧

ንጉጒ ዋ:  Weep Not, Child ብድፍኢት ንባብ ናይ ጆርጅ ላሚንግ Castle of My Skin ተደሪኸ ዝጸሓፍኩዋ እያ ነይራ። ኣብታ መጽሓፍ ንሳ ዝገበሮን ትብዓት ናይቲ ኣብኣ ዘሎ ህጻንን ኣመና ደስ ኢሉኒ ነይሩ።   ከምቲ ንሱ ዝገበሮ እኳ ክገብር እንተዘይከኣልኩ ግን ዝኽእሎ ፈቲነ።ገለ ናይ ህንዳውያን ጸሓፍቲ እውን ነቢበ ኣለኹ። ንኣብነት Mulk Raj Anand, R.K. Narayan, and Raja Rao. ናይ ሓያለ ደቂ ላቲን ኣሜሪካ እኳ ኣይነበብኩን። ንጋብሬኢል ጋርስያ ግን ኣመና እፈትዎ። ሊዮ ቶልስተይ ከምኡ’ውን ኣንቶን ቾኮቭ እፈትዎም እየ። The mother እትብል ናይ ማክሲም ጎርኪ ድማ ኣዝያ እያ እትምስጠኒ።

ሮ.ኢ.: ንሓያለ ዓመታት ህቡብ ሕጹይ ናይ ኖበል ሽልማት ነይርካ። ብዛዕባኡ እንታይ ትብል፧

 

ንጉጒ ዋ:  እዚ ሕቶ እውን ንሓያለ ዓመታት ተሓቲተዮ ኣለኹ። ናይ ብሓቂ ባህ እብለኒ ብዙሓት ሰባት ጽሑፋተይ ንሽልማት ኖበል ዝበቅዕ እዩ ክብሉ እንከለዉ፣ እቲ ሽልማት እንተዝረኽቦ እውን ባህ ምበለንን ምተሓጎስኩን። እንተዀነ ንሽልማት ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ። ነቲ “ናይ ልቢ ኖበል” ዝብል ዝያዳ አኽብር ኣነ። ሰባት ብተደጋጋሚ “ጽሑፍካ ደስ ኢሉኒ፡ ድርኺት ፈጢሩለይ” ክብሉ እንከለዉ ኣብሊጸ እርእዮ።

ነቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ኣብዚ ሊንክ ብምጥዋቕ ምንባብ ይከኣል

https://www.thenation.com/article/language-is-a-war-zone-a-conversation-with-ngugi-wa-thiongo/

 

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s