ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ኣዕሪፍና፣ ዕላል ምስ ገጣሚ ሰዓዲ ዮሱፍ

 ብ Joy E. Stocke

ትርጒም ፍቕረይ የማን

stocke-saadiyoussef-1
ሰዓዲ ዮሱፍ
እቲ ኣነን ሓደ ካብ ዓበይቲ ገጠምቲ ዓለም ዝዀነ ሰዓዲ ዮስፍን ኮፍ ኢልናሉ ዝነበርና ክፍሊ፣ ካብቲ ልዑል ድምጽን ምንቅስቓስን ዘለዎ ጐደና ለክሲግተን ኒውዮርክ ኣዝዩ ርሑቕ ዘሎ ይመስል። ምስቲ ረጒድ መንደቑ፡ ጥንታዊ ቅዲ ዘለዎ ስርሓት ጽርበት ዕንጸይቲ ዝዀነ ንብረቱ፡ ልዑል ናሕሱን ስርሓት ሓጺን ዝዀነ ዓራቱን፣ እዚ ክፍሊ'ዚ፣ ኣብ በይሩት፡ ደማስቆ፡ ካይሮ፡ ኣሌክሳንድርያ፡ ኣልጀርስ፡ ፓሪስ፡ ሎንዶን፡ ወይ ድማ ካልእ ዝዀነ ከተማን ቦታን ቅድሚ ሕጂ ሰዓዲ ዮሱፍ፡ ብ1978 ካብ መበቆል ዓዱ ዒራቕ ድሕሪ ምውጻኡ ዝተቐመጠሉ ክህሉ ዝኽእሉ ክፍሊ'ዩ።
ብዙሓት ከምዝሰማምዕሉ፡ ሰዓዲ ዩሱፍ ብህይወት ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ገጠምቲ ዓረብ ሓደ ኮይኑ፡ ነፍሲ ወከፍ ዘውጽኣ ቃል ናይ ምሉእ ህይወቱ ክብደት ጸይራ ከምዘላ ክትመስል ተጠንቂቑን ቀስ ኢሉን እዩ ዝዛረብ። ኣብ ክሳዱ ድማ ስርሓት ወርቂ ዝዀነት ካርታ ዒራቕ ተንጠልጢላ ትርአ።

"ኣብ ስቶኮሆሎም ስዊድን እንከለኹ" በለ፡ ነታ ቅርጺ ዒራቕ ዘለዋ ተንጠልጣሊት እናተናኸፈ፣ "ሓደ ሰብኣይ ጸዊዑ፡ 'ንስኻ ሰዓዲ ዮሱፍ ዲኻ፧' ኢሉ ድሕሪ ምሕታት ምስኡ ቡን ክሰቲ ዓዲሙ ናብቲ እንዳ ወርቁ ወሲዱኒ። ኣብ ስዊድን ሲ እንዳ ወርቂ ዝውንን ዒራቓዊ ኢለ ድማ ሓሲበ። ግዳ ሓቂ'ዩ። ነይሩ። ብድሕሪኡ ኣሕዋት ኮይንና። እዛ ተንጠልጣሊ ዘይብላ ወርቂ ሰንሰለት ጥራይ ኣሲረ ምስ ረኣየኒ እዛ ብቅርጺ ካርታ ዒራቕ ዝተሰርሐ ተንጠልጣሊት 'እዚኣ ንዓኻ'ያ' ኢሉ ሂቡኒ።" ይብል።

ሰዓዲ ዮሱፍ፡ ኣቡልኻሲብ ኣብ እትብሃል ዓዲ፣ ኣብ ደቡባዊ ባስራ ደቡብ ዒራቕን ዶብ ኢራንን፣ ኣብቲ ፍርያም መሬት፣ ብተምርን ንኣሻሓት ዓመታት ኣብ ካናለታት ብጀላቡ ዝካየድ ምግፋፍ ዓሳን ፍሉጥ ዝዀነ ቦታ እዩ ተወሊዱ። እዚ ዞባ'ዚ ብነዳዲ እውን ሃብታም ዞባ'ዩ።

ኣብ ሓደ ሰዓዲ ዮሱፍ ኣብ ፐን ኣሜሪካ ዘካፈሎ ጽሑፍ ከምዚ ዝብል ይንበብ፣ " እቲ ዝኸፍአ ቃንዛ ስደት፣ እቲ ካብ ማእከል ሓደ ስፍራ በርቊቑ ኣብ ካልእ ማእከል ስፍራ ከፍልሰካ ዝፍትኖ'ሞ እቲ ስፍራ ድማ ፈጺሙ ዘይሰማማዕ፣ ዘርኢ ኣቦኻ የብሉ ዘርኢ ኣቦሓጎኻ፣ ገዛይ ትብሎ ዘይብልካ፣ ፍጹም ዝኽርታትካን ጦብላሕታኻን ዝኽሪ ቁልዕነትካ ዘይትረኽበሉ ምዃኑ እዩ። ከምዚ እንተኾይኑ ካልእ እንታይ ይተርፈካ ወይ እንታይስ ይህልወካ፧"

ሕቶ፣ ብዛዕባ ንእስነትካ እስከ ንገረና።

ኣብቲ ዝተወለድኩሉ ዓዲ ስድራቤታት ወነንቲ መሬት እዮም ነይሮም። ኣብኡ፣ ተምሪ፡ ወይኒ፡ ስርናይን ካልኦት ኣዝርእትን ንዘርእን ነፍርን ነርይና። መባእታ ትምህርቲ ኣብኡ ተማሂረ፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ንባስራ ኣውቶቡስ ንወስድ ነይርና። ዳርጋ ሰሰዓት'ዩ ዝወስድ ክንከይድን ክንመጽእን። ድሮ ኣብቲ ቀዳሞት ዓመታት ትምህርቲ ዓረባዊ ስነ-ጽሑፍ ተማሂርና፣ ሓደ ኣዝዩ ስሩዕ፡ ደስ ዘብል።

ዝኽርታት ንእስነተይ ኣለኒ፣ ወርቃዊ ንእስነት እየ ዝብሎ፣ ምኽንያቱ ንሱ ስለዝዀነ እቲ ቀንዲ ናይ ሓደ ስነ-ጥበበኛ ምንጭን ዘርእን። ዝዀነ ስነ-ጥበበኛ፣ ካልእ ኩሉ እንተሰኣነ እዞም ዝኽርታት ንእስነቱ ክስእል ይኽእል'ዩ።

ሕቶ፣ ሕጂ ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ ትዝክር ኣለኻ፧

 

ዋእ! ሩባታት፡ ዕንቊርዖባት። እቲ ብጊሓቱ ዝግበር ምግፋፍ ዓሳ ከኣ እዝክሮ። ከምኡ ድማ ተምርን ወይንን ክንእክብ ነቲ ፈለግ ብታንኳ ክንሰግሮ እንከለና። መቸም እዚታትን ካልእን።

ኣስላማይ ኮይንካ ዲኻ ዓቢኻ፧

ኣነ፧ ኣይፋለይን። ዋላ እኳ ኣደይን ብስሩዕ ትሰግድ እንተነበረት፣ ሓወይ፡ ሓፍተይን ኣነን ግን ኣይንሰግድን ኢና ነይርና። ከመይ ገይርካ ከምቲ ስሩዕ ኣገባብ ከምዝስገድ ከማን ፈጺመ ኣይተመሃርኩን።

ገጣማይ ክትከውን ከምዘለካ መዓስ ፈሊጥካ፧

 

ኣዝየ ንእሽቶ እንከለኹ። በቃ ሃንደበት’ዩ። እቲ ኣሸጋሪ ዝነበረ ኣሰራርዓ (ኣገባብ) ዓረባዊ ስነ-ግጥሚ ክመሃር ጀሚረ። ንዕኡ ካብ ፈለማ እንተዘይተማሂርካ፣ ደሓር ግጥምታት ዓረብ ብሜተር ክትሰርዖም ትሽገር ኢኻ።

ብዛዕባ ቋንቋ ዓረብ ዶ ክትነግረና ትኽእል፧

 

ቅድም ቀዳድም፣ ብዘይካ ብዓረብ ብኻልእ ቋንቋ ግጥሚ ክጽሕፍ ኣይክእል’የ። ብፍጹም። ብዓረብ ጥራይ እየ ክጽሕፍ ዘለኒ፣ ምኽንያቱ ዝዀነ ቋንቋ ናቱ ታሪኽ ኣለዎ፣ ዓረብ ከኣ ታሪኸይ እዩ። ዓረብ ካብቶም ዝጸበቑ ቋንቋታት ገይረ እውን እየ ዝወስዶ።

 

ብኸመይ፧

ማለት ኣዝዩ ሰፊሕን ነጻን ቋንቋ’ዩ። ኣበሃህላይ ሓደ ጸሓፊ ሓደ ሓድሽ ቃል ባዕሉ ክፈጥር ዕድል ዝህብ እዩ። ስለዚ ክፉት ቋንቋ እዩ ክትብሎ ትኽእል። ንሓደ ገጣማይ ወትሩ ዘሕድሶ ቋንቋ። እንተድኣ ብክላሲካዊ ኣቃውማ ቋንቋ ዓረብ ትፈልጥ ኮይንካ፣ ከም ጸሓፊ ኣዚኻ ነጻ ኢኻ ትኸውን ምኽንያቱ እቲ ቋንቋ ብዙሕ ነገራት ስለዘርእየካ። ኣብቲ ቋንቋ ተዓጻጺፍካ ሓድሽ ቃል ክትፈጥር ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓድሽ ቃል ከኣ ብዝኾነ ሰብ ርዱእ ይኸውን። ንዝዀነ ሰብ ኣይሕድሶን።

ንኣብነት፣ ደወል ናይ ቤተክርስትያን ክድወል ምስ እትሰምዕ’ሞ፣ ሕሉፍ ግሲ ተጠቒምካ፣ ነቲ ምድዋል ደወል ንምግላጽ፣ “ደወል ተደዊሉ” ትብል። ኣብ ክንድኡ ግን ነቲ ደወል ከምቲ ዝተደወሎ ስምዒት ንምፍጣር፣ “ተደዊሉ” ኣብ ክንዲ ምባል፣ ድምጺ እቲ ደወል ካብቲ እታ ደወል ዘላቶ ኣብ ህዋ ከመይ ኢሉ ከምዝተዘርግሐን ኣብ ኣእዛን ሰማዒ በጺሑን ስምዒት ዝፈጥር ቃል ክምህዝ ይኽእል እየ። እቲ ዝፈጥርኩዎ ቃል ድማ ብዝዀነ ነባቢ ቋንቋ ዓረብ ብዘይጸገም ርዱእ ክኸውን ይኽእል። ነባቢ ቁንቋ ዓረብ እውን ዝጽበዮ እዩ።

ብዛዕባ ሜተርን ናዕታን ዓረብ ክትዛረብ እንከለኻ፣ እቲ ቋንቋ ከምዚ ተመጣጢ ይመስል። ከመይ እዩ ንሓደ ተዛራቢ ካልእ ቋንቋ፣ ቋንቋ ዓረብ ክመሃር፧

ክመሃር ይኽእል’ዩ። 28 ፊደላት እንደኣሎም። ብሓቂ እብለኪ ኣለኹ ዓረብ ከምዚ ናይ ቻይና ብዝሒ ፊደላት የብሉን። (ሰሓቕ)

 

ድሕሪ ዓረብ ናይ መጀመርታ ዝተመርሃርካዮ ቋንቋ እንታይ እዩ፧

 

እንግሊዘኛ ኣብ መባእታ ተማሂረ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ድማ ቋንቋ ፈረንሳ ክመሃር ጀሚረ፣ ደሓር ኣብ ኣልጀርያ ንኸባቢ ሾብዓተ ዓመት ስለዝተቐመጥኩ ፈረሳይ ድማ ኣብኡ ብስሩዕ ዝዝረብ ቋንቋ ስለዝዀነ ኣብኡ ኣማዕቢለዮ። ጸኒሐ ንፈንሳ ከይደ፣ ንሰለስተ ዓመት ምስ ተቐመጥኩ ኣጸቢቐ ቋንቋ ፈረንሳ ኣጽርየ።

ግጥምታት ብዓረብ ምስ ጸሓፍካዮም ናብ እንግሊዘኛ ትትርጒሞም ዶ፧

ንገሊኦም እወ። ዝበዝሑ ግን፣ ንኣብነት እኩብ ግጥምታት Without an Alphabet, Without A Face (Graywolf Press), እትብል መጽሓፈይ፣ ምስ ሓደ ኻልድ ማታዋ ዝብሃል ተርጓሚ ንጸሓሓፍ ስለዝነበርና ንዕኡ እናሓተተኩ እየ ገይረዮ። እቲ ዜማ ናይ ቋንቋ ዓረብ ናብ እንግሊዘኛ ክትርጒሞ ኣሸጋሪ እዩ። ኻልድ ግን ንኽልቲኦም ቋንቋታት ጽቡቕ ስለዝመልኮም ሓጊዙኒ። ይዂን እምበር፣ ከምኡ ገይርና እውን እንተዀነ ሜላታት ናይቲ ቋንቋ በበይኑ ብምዃኑ ኣብ እንግሊዘና ናብ ዓረብ ዝቐረበ ህርመት ክትረክብ ኣሸጋሪ’ዩ። ሓንቲ ግጥሚ ምስ ተተርጐመት እቲ ቃና ናይ ክልተ ዝተፈላለዩ ግጥምታት እዩ ዝመስል። ክልተ በበይኖም ግጥምታት ተንብብ ዘለኻ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓካ።

ብዛዕባ ዓድኻ ክትጽሕፍ እንከኻ ልክዕ ኣብኡ ከምዘለኻ ኮይንካ ኢኻ ትጽሕፍ።

 

ትፈልጢ ዲኺ፣ እዚ ጒዕዞ ናይ ስደት ጀሚረዮስ ተመሊሰ፣ ሽዑ ሞስኮ እየ በጺሐ ነይረ። ከም ኩሎም ናይ ሽዑ ህንጡያት መንእሰያት በቲ ጸጋማዊ ስነ ሓሳብ ተጸልየ ነይረ። ጸኒሐ ግን ተመሊሰ። ኣብ 1958 ዒራቕ ሪፓብሊካዊት ምስ ኮነት እየ ተመሊሰ። ደሓር እቲ ዕልዋ ናይ በዓዝ ኣብ 1963 ኮይኑ፣ ኣነ ድማ ንገለ ዓመትን ፈረቓን ዝኸውን ተኣሲረ። ብድሕሪ’ዚ ኣብ 1964 ንኣልጀርያ ከይደ፣ ኣብኡ ኣልጀርያ ካብ መግዛእቲ ፈረንሳ ናጻ ንኽትወጽእ ሰሪሐ። ጸኒሑ ኣብ 1972 እቲ ኣብ ዒራቕ ዝነበረ ስርዓት ምስ ተቐየረ፣ ንኽምለስ ተዓዲመ ኣብ ሚኒስትሪ ባህሊ ሰሪሐ።

ኣብ 1978፣ ሳዳም ኣብ ስልጣን ምስ መጸ ግን ዓዲ ክገድፍ ነይሩኒ። ነጻ ክኸውን እኽእል ኣይነበርኩን ምኽንያቱ ኣባል ሰፊል በዓዝ ክኸውን ስለዝደለዩኒ። ስለዚ ከምዚ ዝብለኪ ንነብሰይ ካብ ዒራቕ ክንጽላ ኣይክእልን እየ።

ናበይ ከይድካ ሽዑ፧

ፈለማ፣ ንሶርያ ከይደ፣ ደሓር ንሊባኖስ ካብኡ ድማ ንቆጵሮስ።

ክትምለስ ትደሊ ዝነበርካ ኮይኑ እስመዓኒ ኣሎ።

 

ኣብ 1982, ክምለስ ደልየ ነይረ። ትፈልጢ፣ ኣብ ዒራቕ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ፣ “ቀዳመይቲ ሰበይትኻ መዓር’ያ፣ ካልአይቲ ሽኮር፣ ሳልሰይቲ ግን መቓብርካ’ያ ክትኲዕተልካ። (ሰሓቕ)

ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ እስከ ቊሩብ ነዕልል። ኣብ ባህላዊ ስነ-ግጥሚ ዓረብ፣ Sufi poetry, Persian poetry፣ ዝብሃሉ ንኣካላት ደቂ ኣንስትዮ ዘንጸባርቑ ኣለዉ። መብዛትኦም ሽፉናት እዮም።

 

እቲ ቅድሚ ምስልምና ምምጽኡ ዝነበረ ስነ-ግጥሚ’ዩ ብወገነይ እቲ ኣገዳሲ መድረኽ ኣብ ስነ-ግጥሚ ዓረብ ኢለ ዝጽውዖ፣ ምኽንያቱ ንሱ እዩ እቲ ምስ ተፈጥሮን ወድሰብን ዝያዳ ዝቐረበን ነቲ ሓቀኛ ህይወት ዘንጸባርቕን።

እቲ ደሓር ካብ 5ይ ክፍለ-ዘመን ክሳብ መበል 20 ክፍለ-ዘመን ዝነበረ፣ ብሓቂ በቲ እስላማዊ መገዲ’ዩ ከይዱ። ገጣማይ ዳርጋ ግዳይ ናይ ሰንሱር እዩ ነይሩ። ማለት፣ እቲ ገጣሚ ንኽብርታት ምስልምና ከኽብርን ክከላኸልን ነይርዎ፣ ኣብ ከምዚ ህሞት ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ፣ ነቢትን ዓሌታዊ ግርጭትን ክዛረብ ኣይክእልን እዩ። ከምዚ እዩ ነይሩ። ስለዚ ዝዀነ ኣርተፊሻል እዩ ነይሩ ክሳዕ መበል 20 ክፍለ-ዘመን እንበጽሕ።

ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ግን ኣብ ስነ-ግጥሚ ዓረብ ሰውራ ነይሩ። ነጻ ጽሑፍ ክንጽሕፍ ጀሚርና። ነጻ ጽሑፍ፣ ብቐጥታ ምስ ህይወት ምትሕሓዝ ዘለዎ፣ ካብ ጸቕጥን ጽልዋን ሃይማኖት ነጻ ዝዀነ።

ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንደሓር፣ ማእከላይ ምብራቕ ሕምብርቲ ኣጀንዳ ዝተፈላለዩ ሰባት እዩ ኮይኑ። ምዕራባውያን ናብቲ ዞባ እንታይ እዮም ኣምጺኦም ኢልካ ትሓስብ፧

ማለት፣ ከምቲ ትፈልጥዮ፣ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ሰማይ ዝዓረገ ትጽቢታት እዩ ነይሩ ዓለም ንምቕያር። ዓለም ንኽትነብረላ ውሕስትን ምችእትን ንምግባር። ናይ ብሓቂ ተስፋ ንሓርነት ነይሩ። ምዕራባዊ ኣተሓሳባታት ንምሉእ ዓረባዊ ዓለም እዩ ጸልይዎ ነይሩ። እቲ ጽልዋ ምዕራብ ኣብ ዒራቕ እዩ ምዕንባብ ጀሚሩ።

እቲ ናይ ሓርነት ኲነታት ግን ኣብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ እናዘሓለ መጺኡ። ገለ ነገራት ተቐያይሩ፣ እቲ ሕብረት ሰብ ነንበበይኑ ነገራት ኣብ ምክልኻልን ምክንኻንን ኣድሂቡ (ዓቃባውነት ኣማዕቢሉ) ። ብልክዕ እንታይ ከምዝጸለዎ ንህዝቢ እቲ ዞባ ኣይፈልጥን፣ ግን ዝያዳ ኣብ ክብርታትን ሃይማኖትን ከምዘድህብ ኮይኑ። እዚ ድማ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ፣ ስነ-ግጥምን ትያትርን ብሕማቕ ሃስይዎ።

ኣብ ግብጺ ሓደ ናይ ስነ-ጽሑፍ ገምጋም ኣርታዒ (editor) ሽግር ዘጋጠሞ ዓርከይ ነይሩኒ። ስነ-ጽሑፋዊ ገምጋም (review) ዝሓዘ ዓንቀጽ ምሕታም ከቋርጽ ተገዲዱ፣ ምኽንያቱ እቶም ወነንቲ ቤት ማሕተም ከምኡ ዓይነት ዓንቀጽ ምሕታም ኣብዮም። ከምኡ ዓይነት ጽሑፋት ምስ ክብርታት ቊርኣን ኣይዛመድን እዩ ኢሎም ስለዝኣመኑ።

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ወርሒ ኣቢሉ፣ እንደገና ከምዚ ናይዚ ዓርከይ ካልእ ጒዳይ ኣጋጣሚ። እቲ ምኽንያት ኣብ ሓንቲ ግጥሚ ንምስልምና ዝጻረር ዛዕባ ተረኺቡ ኢሎም። ከምዚ እናበለ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ማዕቢሉ።

እቲ ፈለማ ኣሜሪካ ንዒራቕ ክትወራ እያ ምስ ሰማዕካ እንታይ ተሰሚዑካ  

 

ማለት፣ ድሕሪ እቲ ወራር፣ ናይ ፈለማ ትጽቢተይ ኣብ ዒራቕ ዝሓሸ ኲነታት ክፍጠር’ዩ ዝብል እዩ። ፈለማ፣ ኣሜሪካ ነቲ ኣብ ቅዋም ናይ ሃገራ ሰፊሩ ዘሎ ዴሞክራስያዊ ክብርታት ሓላፍነት ይስምዓ እዩ ኢለ ሓሲበ። ብድሕሪ እዚ፣ ቀስብቐስ ተስፋ እናቖረጽኩ መጺኤ። ሕጂ ግን ዝዀነ ከምዝረኣዮን ዝፈለጦን እቲ ወራር ጌጋ ምንባሩን ጠንቂ ምፍልላይን ሃስያን ህዝቢ ዒራቕ ከምዝዀነን ንዝዀነ ሰብ ንጹርን ርዱእን እዩ። እቲ ልክዕ ቁጽሪ እኳ ክንጠቅስ እንተዘይከኣልና፣ ልዕሊ 700,000 ሲቪል ዒራቓውያን ግን ተቐቲሎም ኣለዉ። ልዕሊ 100 ሽሕ ዝዀኑ እሱራት ድማ ኣለዉ። ከም ብሓድሽ ንስደት ተቓሊዕና። ሚልዮናት ተመዛቢሎም። ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ ዕንወት እዩ።

ንመጻኢ እንታይ ይረኣየካ፧

 

ልዕሊ ሓደ ወይ ክልተ ዕቊድ ክወስድ እዩ ኢለ እሓስብ፣ ይዂን እምበር እዚ ኲነታት ንህዝቢ ዒራቕ ክርድኦን መፍትሒ ከናድየሉን እዩ ኢለ ድማ እኣምን። ህዝቢ ዒራቕ ናይ ብሓቂ ዴሚክራስያዊ ሕብረተ-ሰብ ዝደሊ ህዝቢ እዩ፣ ይዂን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ክኸውን ኣይኮነን። ስለዝዀነ፣ ንነብሰይ እሓታ፣ “ከመይ ኢሉ ክንዲ ኣሜሪካ ትኸውን ተሓላቒት ናይ ዴሞክራሲ ዝዀነት ሃገር፣ ንኻልእ ሃገር ወሪራስ ሕሉፋት ሃይማኖታውያን (ኣኽረርቲ) ኣብ ፓርላማ ወናብር ክሕዙ ተፍቅድ፧” ማለተይ ኣለዉኺ ከም ናይ ሺዓ ፓርቲ፡ ሱኒ ፓርቲ ዝኣመሰሉ። እዚ ናይ ብሓቂ ስግንጢር እዩ።

ኣብ ሓደ ድርሰት ኣብ PEN American Center’s website: ዝወጸ፣ ከምዚ ኢልካ ጽሒፍካ ኣለኻ፣ “እቲ ዝኸፍአ ቃንዛ ስደት፣ እቲ ካብ ማእከል ሓደ ስፍራ በርቊቑ ኣብ ካልእ ማእከል ስፍራ ከፍልሰካ ዝፍትኖ’ሞ እቲ ስፍራ ድማ ፈጺሙ ዘይሰማማዕ፣ ዘርኢ ኣቦኻ የብሉ ዘርኢ ኣቦሓጎኻ፣ ገዛይ ትብሎ ዘይብልካ፣ ፍጹም ዝኽርታትካን ጦብላሕታኻን ዝኽሪ ቁልዕነትካ ዘይትረኽበሉ ምዃኑ እዩ። ከምዚ እንተኾይኑ ካልእ እንታይ ይተርፈካ ወይ ይህልወካ፧”

ሕጂ እንታይ ተሪፉ፧

ማለት ንዓይ…፣ ክልተ ኣማራጺታት ኣለዉኒ። እቲ ሓደ ሓድሽ ሱር ብምትካል ምስቲ ህሉው ህይወት ኣብዚ ቦታ እዚ ይዂን ኣብ ካልእ ዝያዳ ምትእስሳር ምፍጣር፣ እዚ ማለት ምስቲ ተፈጥሮኣዊ ኣቃውማ፡ ባህልን ሰባትን ወዘተ። እቲ ካልኣይ ድማ ስደተኛ ኮይንካ ምንባር።

እንተዀነ፣ ነቲ ቀዳማይ ኣማራጺ ንምውሳድ ኲሉግዜ ምስ ተቓለስኩ እየ – ኣብ ሓድሽ ቦታ ሓድሽ ሱር ተኺለ ክፈልስ። ንሱ እዩ ዘዋጽኣኒ፣ ብሓቂ፣ ንኻልኦት ህዝብታትን ባህሎምን ምኽባር ርጉእ ክኽውን ይሕግዘኒ እዩ። ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ርጒእ ኲነት ኣእምሮ እንተዘይመጺእካ ድማ፣ ንንጥፈታትካ እውን ክትቆጻጸር ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ከተፍርየሉ እትኽእል ዕድላትን ናይ ምፍጣር ብቕዓትን እውን ከተጥፍኦ ትኽእል ኢኻ። በቃ እዚ እዩ።

ኣብቲ ጽሑፍካ፣ “ድሙ ኣላትኒ ድሕሪ ብዙሕ፣ ዛንታ ህይወተይ ክትነግረኒ ዝጀመረት” ኢልካ ኣለኻ። እንታይ ማለትካ’ዩ፧

 

ዎው! እወ! እታ ድሙ። (ሰሓቕ) ትፈልጢ፣ እታ ድሙ፣ ከምኡ እውን እቲ ልስሉስ ኣጽፋራ፣ ከመይ ዝበሉ ለዋህ ስምዒት ከምዝዀኑ። እዚ ኣብ ህይወትን ስነ-ጥበብን እውን ኣገዳሲ እዩ። ንህዱእ ኣሳጒማ ኣብ ህይወት። ንባዕሉ እውን ጥበብ እዩ። እቲ ስነ-ጥበበኛ፣ ከምቲ ኣጽፋር ናይታ ድሙ ቦቕቧቚ ክኸውን ኣለዎ፣ ንህይወት ብለውሃትን ብቚቧቘን ክሕዛ እንተዀይኑ …

ኣቐዲምካ ተንኪፍካዮ ኣለኻ ናይ ምጽሓፍ መስርሕካ ከመይ ተካይዶ፧ ብዛዕባ ቋንቋ ዓረብ ተዛሪብካ – ብዛዕባ ክፉትነቱ ንሓድሽ ምህዞን ዘደንቕ ምዃኑን።

 saadi_youssef

ኣበርቲዕካ ክትሰርሓሉ ዘለካ እዩ ግጥምታትካ ዘደንቑ ንኽዀኑ። ማለተይ ግጥሚ ስቕ ኢሉ ብሓንሳብ ኣደናቒ ኣይከውንን እዩ። ኣብ ኣእምሮ ንነዊሕ እዋን ዝተበላልዐን ዝበሰለን ክኸውን ኣለዎ። ይዂን እምበር በቲ ናይ ብሓቂ ስምዒት ድማ ክጅምር ኣለዎ። ብወገነይ ኣብቲ ቀጥታዊ ርክብ፣ ምስማዕ፡ ምርኣይ፡ ምትንካፍ፡ ይምርኰስ። ድሕሪ እዚ ሓደ ነዊሕ መስርሕ ናይ ምጽፋፍ ኣሎ፣ ነቲ ስምዒት ናብቲ ናብቲ መሰረታዊ ኣገዳሲ ሸነኽ ሕቶ ወዲ-ሰብን ኲነታቱን ናይ ምርኻቡ ወይ ምትእሳሩ መስርሕ። እቲ ዓቢ ሕቶ ኣብ ህይወት ንምምላሱ ግዜ ዝወስድ እዩ። ደሓር፣ ኣጋጣሚ፣ ብዛዕባ እዚ ህሞት’ዚ ግጥሚ ክትጽሕፍ ከምዘለካ ይፍለጠካ ወይ ስይመዓካ።

 

ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ገልጠምጠምን ዕግርግርን ነይሩካ እዩ። ካብ ምጽሓፍ ዘቋረጽካሉ እዋን ነይሩ ዶ፧

ኣብ ኣእምሮይ ኲሉግዜ ምስ ጸሓፍኩ እየ፣ ስለዚ ግጥሚ ክጽሕፍ እንከለኹ፣ ብኣዝዩ ቀሊል ዝዀነ መገዲ እየ ዝጽሕፍ። ሓድሽ ግጥሚ ምጽሓፍ ኣይጅምርን እየ ክሳዕ እቲ ግጥሚ ኣብ ኣእምሮይ በሲሉ ውዱእ ቅርጹ ዘይሓዘ። እዚ መስርሕ እዚ ከኣ ገለ እዋን ክሳዕ ወርሒ ክወስድ ዝኽእል እዩ። ብዙሕ ቅድሓት እውን ኣይጽሕፍን እየ። ሓንሳብ ዝጸሓፍኲዎ እየ ዝዕቅብ። ውዱእ ግጥሚ እዩ። ገለ እዋን እውን ኣብቲ ዝተጻሕፈሉ መዓልቲ ዘሕትሞ ኣሎ። ክቐያይር ኣይደልን።

ንብሉጽ (ጽቡቕ) ግጥሚ ከመይ ትገልጾ፧

ገለ-ገለ እዋን ሓደ መጽሓፍ ናይ ግጥሚ እወስድ። ከንብቦ ደልየ’የ። ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ዝዀኑ መስመራት ምስ ነበብኩ ምንባበይ ክቕጽል ኣለኒ ዶ ወይስ እቲ መጽሓፍ ኣብ ዝነበሮ ክመልሶ እውስን።  እዚ፡ ሕልኽላኽ ናይ ደረጃታት ኢለ እጽውዖ ኣነ። ናይ ሰነ-ጽባቐ ክብርታት(ደረጃታት) እዩ ንሓደ ሰብ እዚ ጽቡቕ እዩ ወይ እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን ክብል መሰል ዝህቦ። ኣዝዩ ዝተሓላለኸ’ዩ። ምስ መረዳእታ ናይ ቋንቋ ተተሓሒዙ ዝመጽእ ድማ እዩ። ምስ ቋንቋ ክብል እንከለኹ፣ ብሓቂ እዚ ግጥማዊ ቋንቋ ድዩ፧ ብዛዕባ ሰብኣውነት ድዩ ኸ ዝዛረብ ዘሎ፧

ኣብ ግጥምታት፣ ነቲ ብእንግሊዘኛ “concrete” (ብኢድ ዚርምሰስ፣ ትሑዝ) ኢሎም ዝጽውዕዎ እዩ ክእመን ዘለዎ። ከምዚ ምስ ኰነ እየ እቲ ግጥሚ ክግለጸለይ ዝጽበ።

እንተፈተኹሞ ምክፋል ኣይትረስዑ

እቲ መበቆላዊ ጽሑፍ ኣብዚ መላግቦ ምንባብ ይከኣል https://www.wildriverreview.com/columns/pen-world-voices/tonight-we-rest-here-an-interview-with-saadi-youssef/

One thought on “ሎሚ ለይቲ ኣብዚ ኣዕሪፍና፣ ዕላል ምስ ገጣሚ ሰዓዲ ዮሱፍ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s