ነቓዓት ውሽጠይ

ነቓዓት ውሽጠይ

ቃለ-ጠቢባን ከምዚብሎ
ንብድሆታት ህይወት መመሰሊ ዝገብሮ፡
‘ዳይሞንድ’ እቲ ክቡር እምኒ
መንቅቡ’ዩ ጽባቔኡ፡ ዝገብሮ ደማቒ
ነቓዓት ውሽጡ’ዮም ዝገብርዎ
ምሒር መብለጭለጪ
ምብልጭላጩ ድማ’ዩ ሓይሉ
ዝውስኾ’ውን ክብሪ፡፡

ነዚ ኣሚነ
ህይወተይ ንምድማቕ
ሓይሊ ወሲኸ ብድሆታት ንምግጣም
ባዕለይ ንባዕለይ ኣብ ዘተ ጸሚደ
በሰላታት ውሽጠይ ክጽብጽብ ጀሚረ፡፡

እዋን ነይሩ ሓይለይ ዝደኽመኒ
ነዛ ጸሓይ’ኳ ዘይኣምና ተስፋ ዝጠልመኒ
እዋን ነይሩ ሞራል ዝሃድመኒ
ኣብ ዓዘቕቲ ነውሪ ሻላ ዝድርብየኒ
እዋን ነይሩ ልበይ ትነብዓሉ
ፍቕሪ ኣፍሊሳ ኰስኳስ ትስእነሉ
እዋን ነይሩ ኩሉ ዙርያይ ፍርሒ
ሓንሳእ ደበና ሞት ካልእ ሻዕ ስቅያት
እናተበራረዩ ዝፈጥሩለይ ቀዝሒ፡
እዋን ነይሩ እዋን ሸታሕትሖ
ወጻእኩ ክብል ጥርዚ ንታሕቲ ዝጸድፎ፡

ድምር’ዚ ዂሉ
ጭንድሓትን ነቓዓትን ውሽጠይ
ድሙቓትን ብዙሓትን እዮም።

ክንዲ’ቲ ድምቀቶም
ክንዲ’ቲ ዕምቈቶም
ክንዲ’ቲ ብዝሖም
ክንድ’ቲ ስፍሖም፡
ግና ኣይሓገዙንን
ሱረይ ኣብዘይብሉ ሱር ኣየትከሉንን
‘ንበይነይ’ ካብ ምዃን ዋሕስ ኣይኮኑንን
ንህይወት ናይ ስደት ክገጥሞ ኣይከኣልኩን
ብዝሓለፍኩዎ አቕባሕብሕ ኣለኹ
ዝዀኖ ኣይፈልጥን።

 

20170524_130615

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s