ነቓዓት ውሽጠይ
ቃለ-ጠቢባን ከምዚብሎ
ንብድሆታት ህይወት መመሰሊ ዝገብሮ፡
‘ዳይሞንድ’ እቲ ክቡር እምኒ
መንቅቡ’ዩ ጽባቔኡ፡ ዝገብሮ ደማቒ
ነቓዓት ውሽጡ’ዮም ዝገብርዎ
ምሒር መብለጭለጪ
ምብልጭላጩ ድማ’ዩ ሓይሉ
ዝውስኾ’ውን ክብሪ፡፡
ነዚ ኣሚነ
ህይወተይ ንምድማቕ
ሓይሊ ወሲኸ ብድሆታት ንምግጣም
ባዕለይ ንባዕለይ ኣብ ዘተ ጸሚደ
በሰላታት ውሽጠይ ክጽብጽብ ጀሚረ፡፡
እዋን ነይሩ ሓይለይ ዝደኽመኒ
ነዛ ጸሓይ’ኳ ዘይኣምና ተስፋ ዝጠልመኒ
እዋን ነይሩ ሞራል ዝሃድመኒ
ኣብ ዓዘቕቲ ነውሪ ሻላ ዝድርብየኒ
እዋን ነይሩ ልበይ ትነብዓሉ
ፍቕሪ ኣፍሊሳ ኰስኳስ ትስእነሉ
እዋን ነይሩ ኩሉ ዙርያይ ፍርሒ
ሓንሳእ ደበና ሞት ካልእ ሻዕ ስቅያት
እናተበራረዩ ዝፈጥሩለይ ቀዝሒ፡
እዋን ነይሩ እዋን ሸታሕትሖ
ወጻእኩ ክብል ጥርዚ ንታሕቲ ዝጸድፎ፡
ድምር’ዚ ዂሉ
ጭንድሓትን ነቓዓትን ውሽጠይ
ድሙቓትን ብዙሓትን እዮም።
ክንዲ’ቲ ድምቀቶም
ክንዲ’ቲ ዕምቈቶም
ክንዲ’ቲ ብዝሖም
ክንድ’ቲ ስፍሖም፡
ግና ኣይሓገዙንን
ሱረይ ኣብዘይብሉ ሱር ኣየትከሉንን
‘ንበይነይ’ ካብ ምዃን ዋሕስ ኣይኮኑንን
ንህይወት ናይ ስደት ክገጥሞ ኣይከኣልኩን
ብዝሓለፍኩዎ አቕባሕብሕ ኣለኹ
ዝዀኖ ኣይፈልጥን።