እዋን ኣሎ ድቃስ ይኣብየካ እሞ፡ ኣብ ማዕበል ሓሳባት ብዘይ ርጉጽ ኣንፈት ስቕ ኢልካ ተንሳፍፍ። ሓንሳብ ትሓልም፣ ብትምኒት፡ ካልእ ሻዕ ናብ ሕሉፍ ብምምላስ ብዝኽሪ ከከም ኲነታቱን ስምዒቱን ትደግሞ …. ወዘተ። ክንደይ ክብሃል።
ኣብ ድሮ ሳልሳይ ወራር ወያነ ለካቲት 2000 እመስለኒ፣ ኣብ ማይድማ ትሕቲ እቲ ሕክምና ዓይኒ ዘሎ ሩባ ሰፊርና ብሉኬቲ ንሰርሕ ነይርና። እቲ ብሉኬቲ ንገዛ ኣዛዚ ክፍለሰራዊት 28ን ኣብ ከባቢኡ ንዝሰርሑ ስታፋትን እዩ። ብሉኬቲ ተሰሪሑ፡ ከመይ ዝበለ ቪላታት ኣብ ኣብ ከባቢ ድፋዕን ከባቢ ደምበ-ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ክፍልታት እታ ኣሃዱን ከምዝተሰርሐ እውን ሰሚዐ ነይረ። ክንደይ መዓልታት ከምዝሰፈርዎ እንድዒ ኣብ 20 ግንቦት 2000 ሳልሳይ ወራር ተጀሚሩ ብምልኡ ዝነበርናዮ ቦታታት ምግዳፍና ግን እዝክር።
ዝኽረይ ግን እዚ ኣይኰነን። ኣብ ማይድማ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ እቶም 10 ኣባላት ሓንቲ ጓል ምሳና ነይራ። ጓል ዓሰብ ኮይና ሽማ ዓቂበዮ ኣለኹ። ደቂ ሓደ ዙርያ ኮይና ካብ ሳዋ ንማእቶት ንኸባቢ ቢንቢና ምስ መጻእና ኢና ንፋለጥ። ብኡ ኣቢልና ከኣ ኣብ ሓደ ኣሃዱ ተወዚዕናስ ክሳዕ ሽዑ ብሓደ ጸኒሕና። ብተዛማዲ ካብቶም 10 ሰባት ዝሓሸ ሌላ ነይሩና ጥራይ ዘይኮነ ብዕድመ እውን መሳቱ ኢና።
ኣብቲ ስራሕ ዘይነበረና ኣጋምሸታት ናብ ሹቕ ናይታ ሓውሲ ከተማ ብምኻድ ከኣ ኮካ ምስታይ ባህታ ክልቴና ነበረ። ኣብቲ ከተማ ዝማዕበለት ትካል፡ ብ “እንዳ ስንኩላን” እትፍለጥ ናብ ሸነኽ እቲ ሕክምና ዓይኒ እተብል ባር፡ ቤት ብልዕን ከምኡ እውን እንዳ ፎርኖ ዝነበረት እያ። ኣብቲ ኣፍደጊኣ ዝተዘርግሑ ሰድያታት ኣራጢጥና ኮካና ሒዝና ወጃዕ ንብል። እንታይ እናበልና ነዕልል ምንባርና ሎሚ ክዝክሮ እንተፈተንኩ ፍጺሙ ኣይመጸለይን። ምሉእ ምሸት ባህ ኢሉና ነምሲ ምንባርና ግን እዝክር። ምናልባት ብነጻ ስምዒት ክንድኡ ዝነውሕ ሰዓታትን ተደጋጋሚ መዓልታትን ምስ ጓል ኮፍ ዝበልኩዎ ኣብ ህይወተይ ምስኣ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ሓደ ምሸት “ሎሚ ቢራ ኢኻ ትሰቲ ዓርቢ እኳ እዩ” ኢላትኒ።
ትርጉም ዓርብን ቀዳምን ኣብቲ ዝነበርናዮ ህይወት ፍልልይ ኣይነበሮን ጥራይ ዘይኮነስ፣ ንባዕለይ እውን ዓርቢ ካብ መዓልቲ ምዃን ሓሊፉ እንታይ ፍሉይነት ኣለዎ እርደኣኒ ኣይነበረን። ምስ ቢራ እውን ክንድ’ቲ ዝብሃል ሌላ ኣይነበረንን’ሞ ከይመለስኩላ ስቕ በልኩ። ንሳ ከኣ መልሰይ ከይተጸበየት ነታ ክትእዘዘና ዝመጸት ሰበይቲ፣ “ሓንቲ ቢራን ሓንቲ ስፕራይት፡” በለታ። እታ ብኮካ ለሚዳትና ዝነበረት ሰበይቲ ፍሽኽሽኽ እናበለት ቢራን ስፕራይትን ምስ ክልተ ኒከሊ ኩባያታት ሒዛትልና መጸት።
መተዓልልተይ፣ ናብ ክልቲኡ ኩባያታት ቢራ ብምቕዳሕ ካብቲ ስፕራይት እውን ቆቊሩብ ወሰኻ ንስተ ዝዓይነቱ ኣመልከተትለይ። ክንደይ ከምዝጸናሕና ኣይዝክሮን ቢራ ይኹን ስፕራይት ከምዘይደገምና ግን እዝከረኒ። ከምቲ ልማድና ብዘይ ንኺድ፡ ንዓናይ-ንዕናይ ብድድ ኢልና፣ በቲ ግብ ዝበለ ጸላም ሩባ-ሩባ ናብ ቦታና ኣምራሕና።
ቅድሚኡ፡ ጎኒ ጎኒ ተፈናቲትና ኣእዳውና ኣብ ጁባና ብምእታው ኢና ንጒዓዝ ነይርና። ሽዑ ምሸት ግን ኣነ ኣእዳወይ ኣብ ጁባይ ኣእትየ ንሳ ብመዓንጣይ ሓቚፋትኒ ቀስ እናበልና ንሳለን ኣብ መንጎ ደው ኢልና ከኣ ንዛረብን እሞ፡ ደው ኣብ ዝበልናሉ ብቕድመይ መጺኣ ደው ብምባል መላጒም ጃኬተይ ትፈትሕን ትኣስርን፡ ኣፍልበይ ትጥብጥበንን ነበረት። እንደገና ንኸይድ። መንገድና ክዛዘም ገለ 7 ደቓይቕ ምስ ተረፎ፡ “ክሸይን ደልየ” ኢላ ደው ከም ንብል ገበረት’ ካባይ ከይርሓቐት ስሪኣ ፈቲሓ ኮፍ በለት። ጸላም ኮይኑ ፍሉይ ክሪኦ ዝኽእል ክፍሊ ኣካላታ እኳ እንተዘይነበረ፡ ልማድ ኮይኑኒ ግና ቁርብ ርሕቕ ኢለ ሕቖይ ሂበያ ደው በልኩ።
“ኣታ ኣይትርሓቕ እባ ከይፈርሕ፡ ንዓ’ስከ ኣብዚ ጥቓይ ኩን” ስለዝበለትኒ ግና፡ ተመሊሰ ኣብ ጥቓኣ ደው በልኩ። ደው ክብልን ብድድ ኢላ ብምምጻእ ኣብ ቅድመይ ደው ብምባል ስሪኣ ሓፍ ንምባል ክትፍትትን ከኣ ማዕረ ነበረ። ስሪኣ ምሉእ ብምሉእ ንምልባስን ቁልፊ ዓጢቓ ክንብገስን ካብቲ ዝተጎዓዝናዮ ዝነውሕ ግዜ ወሲዱላ ክኸውን ከምዝኽእል ሎሚ ኮይነ ክግምግሞ እንከለኹ እግምት።
ስሪኣ ድሕሪ ምዕጣቕ፡ ኣእዳዋ ኣብ ጁባ ጃኬታ ኣእቲያ ብዘይ ንኺድ ገዲፋትኒ ሰጎመት። “እንታይ ደኣ ጽናሕኒ ኢልክንስ ገዲፍክኒ ትነቕሊ” በልኩዋ’ሞ ከይመለሰትለይ ኣርኪበ ጎኒ ጎኒ ክንከይድ ጀመርና። ክዛረባ እኳ እንተፈተንኩ ኣሕጺራ ዕጽው ዕጽው ስለዘበለትኒ ብዘይ ተወሳኺ ዘረባ መደቂስና በጻሕና።
ንጽባሒቱ ንጒሆ ፈጺሙ ዘይንቡር ገጽ ኣርእያትኒ ጥራይ ዘይኮነ፡ ምሳይ ምዝራብ እውን ተሓሰመት። ደጋጊመ ክዛረባ እንተደለኹ ከኣ ገጽ ከልአትኒ። ‘ደሓን ናይ ምሸት ኣብቲ ከተማ ንዛረብ፡’ ብምባል ምዝራባ ገዲፈ፡ እንታይ ደኣ ገይረያ እየ፧ ክብል ምሉእ መዓልቲ ብኣኣ ክሓስብ ኣሕለፍኩዎ።
ሽዑ ኣጋምሸት ካብ ማይላም ንወደ-‘ርባዕተ ዝብሃል ናይ ክፍለ-ሰራዊት ኤምዳድ ሓላፊ ሒዛ ዝመጸት ላንድኲረዘር ዝዓይነታ መኪና ግን፡ ንዕኡ ጥራይ ሒዛ ኣይተመልሰትን። ንዓኣ እውን ምስኣ ተማሊኣታ ነቒላ። ታረኛ ኮይነ ድራር ኣብ ምስራሕ እየ ዝነበርኩ’ሞ፡ ክሳዕ እታ መኪና ዶሮና ሸፊናትኒ ትዕዘር ኣብ ናይ 10 ሜትሮ ርሕቀት ንሒደት ካልኢታት ዓይኒ ንዓይኒ ኣትኪልና ተጠማሚትና። እታ መኪና እንተዘይትነቅል እውን ምጥምማትና ምቐጸለ መስለኒ።
ብድሕሪ’ዚ ኣብ 2003፡ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምዃኑ እዩ፡ ኣብ ባጽዕ ንሳ ንርእሲ ምድሪ ኣነ ንጥዋለት ክንከይድ ኣብታ ቢንቶ ተራኺብና። ምስ መሓዛኣ እያ ነይራ። ብወገነይ ሰምቢደ፡ ንሳ እውን ኣብ ገጻን ኣዒንታን ዝረኣኹዎ ስምባደ እመስለኒ። ብናፍቖት ድሕሪ ምስዕዓምን ገለ ናይ ሰላምታ ቃላት ድሕሪ ምልውዋትን ግን ክንጠማመት እምበር ክንዛረብ ኣይከኣልናን። “እሞ ንራኸብ ኢና ኣብዚ እንተሊኻ ደኣ” ኢላትኒ ተበጊሳ። ኣብዚ ኣለኹ እኳ እንተዘይበልኩዋ ከምኡ ግን ኢላትኒ። ክትብገስ እንከላ፡ “ቢራ ከስትየኪ” ኢለያ። ካዕካዕ ኢላ ብምስሓቕ ነታ ምስኣ ዝነበረት ጓል ኣብ እዝና ቀሪባ ሕሹኽ በለታ እሞ፡ እንደገና ክልቲኤን ካዕካዕ ኢለን ሰሓቓ። ብዘይቻው ከኣ ንሰን እናሰሓቓ ኣነ እናሰሓቕኩ መመንገድና ኣምሪሓና።
ብድሕሪኡ ንኸባቢ ኣርባዕተ ዓመታታት እኳ ኣብ ባጽዕ እንተቐጸልኩ፡ ነታ ከተማ ውሽጣን ውሻጤኣን ገላቢጠያ ግን ክረኽባ ኣይከኣልኩን።
ጽቡቕ ትረኻ። ከምዝመስለኒ ግን ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ዝሒልካያ ወይ ኣይተረዳኣካን ኔሩ ይኸውን Sexual Communication ጣቁኡ።
LikeLiked by 1 person
ንጽሑፋተይ ተገዲስካ ብምንባብ ንዝሃብካዮ ርእይቶታት አመስግነካ ዮውሃንስ።
LikeLike