ንዓኺ’የ (2)

ሓንቲ መዓልቲ!
ኣነ ንጒስ ንስኺ ንግስቲ
ይዂን ከኣ ደሓን
ኣብ ልዕሌኺ ኣነ፡ ንስኺ ብታሕቲ፡

ሓንቲ መዓልቲ!
ኣብ ኣደራሽ ሳዕሲዒት
ሕቑፈይ ተነጺፍኪ
ብወንን ባህታን ክትቆጻጸዪ፡

ሓደ መዓልቲ!
ኰይንና ከዋኽብቲ
ኣብ ሰማያት ፍቕሪ
ብድምቀት ክንዝምቢ

ሓንቲ መዓልቲ!
ንስኺ መርከብ ኣነ ዘዋሪ
ከነንሳፍፍ ኣብ ውቅያኖስ ፍቕሪ

ሓንቲ መዓልቲ!
ኣብ ጽሙው ደሴት
ኣብ ትሕቲ ጽላል በዓቲ
ኣብ ፍሱህ ዕረፍቲ
ደረተይ ምንጻፍኪ፡

ሓንቲ መዓልቲ!
ኣብ ልቡጥ ባሕሪ
ብሜላ ሕልኮ
ኰይንና ሓደ ምስሊ፡

እንተትረኽባያ’ሞ ነብስኺ፡
መጠዓሰኪ’ዶ ‘ዚ ናይ ሕጂ?
‘ህይወት’ ምብኻንኪ
ብትዕቢት ሰኺርኪ!

ፍቕረይ የማን (ካብ ዞባ ዓርቢ ምሸት)

 

FB_IMG_1508579487260

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s