ርቀት ብርሃን ዘይድህሰስ ጽባቐ
ክብደት ጸላም ዘይድፈር ውቃበ፡
ትርኢትኪ’ዩ ኣብ ‘ዒንተይ ዘሎ።
ኣዒንቲኺ መኽመስመስቲ
ከም ማግኔት ካብ ርሑቕ ሰሓብቲ
ምስ ቀረበካዮም ተዋጋእቲ!
ከናፍርኪ ፍንጥሕ! ኢሎም
ከም ፍዮሪ ተፈንሺሮም
ዘመንዩ ክትዓልበሎም
ንህቢ ኰይንካ ክትመጽዮም!
ሴፍ ዝዓተረ ቃል ግና
ከይድፈሩ ሓላዊኦም!
ኣፍልብኺ ሰፊሕ ናሕሲ
ዝሓዘለ ክልተ ጥፍሒ
እንተጠመትካዮ
ዝነጽገልካ ተዝዝታዊ ሕንዚ!
ዋርድያኡ ዕትበት ገጽኪ
በየን ሓሊፍካ ክርከብ እቲ ቐንዲ!
ቅምጥ ኢልኪ ከምኣ
ከምታ እኳ ዝብልዋ “ጓል ጂፕሲ”።
ቆላሕታኣ ረቂቕ ምስጢራዊ
ካብ ርሕቀት ዝስሕብ ማግኔታዊ፡
ወዛም! ኰሻም! ተፈታዊት
ረዛን! ሓያል! ዘይሰዳዒት
ከምኣ ኢኺ፡ ፈተውቲ ተዕስሊ
ዘይትዓልቢ ግና ዘይተውዕሊ
ባህግኺ ንምርካብ፡ ትዛውኒ ትዂብልሊ።
እሞ ዝብለኪ!
ይዂን ሕራይ ልብኽስ ስምዕዮ
ብዘይ ከመይ፡ ስለምታይ ግርም እመንዮ
ናብ ዝኣዘዘኪ ተመርሒ ስዓብዮ።
ግና ዘክሪ!
ጸሓይ ትዓርብ’ያ ይውዳእ’ዩ ቀትሪ
ሙቘት መዓልቲ ኣብቂዑ
ይስዕብ’ዩ ቁሪ፡
ቆፎ ክዀነልክስ ኲንለይ ንግስቲ
መዓር ፍቕሪ ንጽገ
ንቕለቦ ኣብ ዕምሪ
ምሳና ዝበሊ!
ፍቕረይ የማን