ንዓኺ’የ

ርቀት ብርሃን ዘይድህሰስ ጽባቐ
ክብደት ጸላም ዘይድፈር ውቃበ፡
ትርኢትኪ’ዩ ኣብ ‘ዒንተይ ዘሎ።

ኣዒንቲኺ መኽመስመስቲ
ከም ማግኔት ካብ ርሑቕ ሰሓብቲ
ምስ ቀረበካዮም ተዋጋእቲ!

ከናፍርኪ ፍንጥሕ! ኢሎም
ከም ፍዮሪ ተፈንሺሮም
ዘመንዩ ክትዓልበሎም
ንህቢ ኰይንካ ክትመጽዮም!
ሴፍ ዝዓተረ ቃል ግና
ከይድፈሩ ሓላዊኦም!

ኣፍልብኺ ሰፊሕ ናሕሲ
ዝሓዘለ ክልተ ጥፍሒ
እንተጠመትካዮ
ዝነጽገልካ ተዝዝታዊ ሕንዚ!
ዋርድያኡ ዕትበት ገጽኪ
በየን ሓሊፍካ ክርከብ እቲ ቐንዲ!

ቅምጥ ኢልኪ ከምኣ
ከምታ እኳ ዝብልዋ “ጓል ጂፕሲ”።
ቆላሕታኣ ረቂቕ ምስጢራዊ
ካብ ርሕቀት ዝስሕብ ማግኔታዊ፡
ወዛም! ኰሻም! ተፈታዊት
ረዛን! ሓያል! ዘይሰዳዒት
ከምኣ ኢኺ፡ ፈተውቲ ተዕስሊ
ዘይትዓልቢ ግና ዘይተውዕሊ
ባህግኺ ንምርካብ፡ ትዛውኒ ትዂብልሊ።

እሞ ዝብለኪ!
ይዂን ሕራይ ልብኽስ ስምዕዮ
ብዘይ ከመይ፡ ስለምታይ ግርም እመንዮ
ናብ ዝኣዘዘኪ ተመርሒ ስዓብዮ።

ግና ዘክሪ!
ጸሓይ ትዓርብ’ያ ይውዳእ’ዩ ቀትሪ
ሙቘት መዓልቲ ኣብቂዑ
ይስዕብ’ዩ ቁሪ፡
ቆፎ ክዀነልክስ ኲንለይ ንግስቲ
መዓር ፍቕሪ ንጽገ
ንቕለቦ ኣብ ዕምሪ
ምሳና ዝበሊ!

ፍቕረይ የማን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s