ኣብ The Lovers and the Despot እትብል ደኲመንታሪ ፊልም ዝርከቡ ክልተ ደቡብ ኮርያውያን ኣዘንተውቲ፡ ኣብ 1978 ብኣባላት ጸጥታ ሰሜን ኮርያ ተጨውዮም ናብ ሰሜን ኮርያ ዝተወስዱ ኰይኖም፣ ኣብኡ ንኸባቢ 8 ዓመታት ብኣስገዳድ ፊልምታት ከፍርዩን ክሰርሑን ዝተቐሰቡ እዮም። እዞም ኣብ እዋኖም ኣብ ደቡብ ኮርያ ከዋኽብቲ ኢንዱስትሪ ፊልም ዝነበሩ፡ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣስተይትን፣ ግዳያት መጭወይቲ ዝዀንሉ በደል ስለዝነበሮም ዘይኰነ ኣዝዮም ንፉዓት ስለዝነበሩ፣ መንፍዓቶም ኣብ ሰሜን ኮርያ ክሰርሕሉ ተባሂሉ እዩ።
ነቲ መጭወይቲ ዝኣዘዘ ኣብቲ እዋን እቲ መንእሰይ ዝነበረን ፕረሲደንት ካብ ዝኸውን 6 ዓመታት ጥራይ ኣቚጺሩ ዝነበረ ኣብ ታሪኽ ሰሜን ኮርያ ካልኣይ ፕረሲደንት ዝዀነ Kim Il-Jong እዩ። ንሱ ኣብ ስልጣን መራሒ ሃገር ቅድሚ ምምጻኡ ኣትሒዙ፡ ንህዝቢ ሰሜን ኮርያ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ቁጽጽር ኣእትዩ ከምድላይሉ ገይሩ ክገዝኣሉ ዝኽእል ሜላታት እና’ጽንዐን መገዲ እናጣጥሐን ከምዝመጸ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ ፕረሲደንት ምዃኑ ካብ ዝሰርዖም ቀዳሞት መደባት ሓደ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ብብዝሒ ፊልምታትን ካልእ ስነ-ጥበባዊ ፍርያትን ከምዝዓቢ ምግባር እዩ። ይዂን እምበር፡ ኲሎም እቶም ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ብቐጥታን ብዘይቀጥታን ነቲ ናቱ ናይ ምግባትን ንህዝቢ ከምድሌቱ ገይሩ ናይ ምግዛእን መደባት ከምዝሕግዝዎ ክዀኑ ከኣ ልዑል ጥንቃቐ እዩ ዝግበረሎም።
እዞም ኣብቲ እዋን እቲ ካብቲ ዞባ፡ ማለት፣ ክልቲኤን ኮርያታት፡ ጃፓንን ቻይናን ሓሊፎም ብደረጃ ዓለም ዝፍለጡ ዝነበሩ ክልተ ከዋኽብቲ ፊልም እምበኣር ኣብቲ መዓላ እቲ ክውዕሉ እዮም ተጨውዮም። መራሒ ሰሜን ኮርያ ነዞም ሰባት ክጨዊ ዝደለየ ከኣ፡ ኣብ ሰሜን ኮርያ ፊልም ክሰርሑ ዝኽእሉ ንፉዓት ሰባት ስለዝተሳእኑ ዘይኰነ፡ ነዞም ድሮ ህቡባት ዝነበሩ ሰባት፣ ኣብ ህዝቢ ዘለዎም ተቐባልነትን ተፈታውነትን ተጠቒሙ ነቲ ንሱ ዝደልዮ ዕላማታት ከመሓላልፍ ስለዝደለየ እዩ።
እዞም ድሕሪ ከባቢ 8 ዓመታት ኣብ ሰሜን ኮርያ ፊልምታት ምፍራዮም፣ ናይ መገሻ ዕድል ምስ ረኸቡ ካብቲ መጭወይቲ ዘምለጡ ሰራሕቲ ፊልም፡ ኣብታ ደኲመንታሪ ፊልም ብቓላቶም ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት ምስማዕ ከምዝከኣል፣ ኣብ ሰሜን ኮርያ ክሰርሕዎ ዝሕተቱ ዝነበሩ ፊልምታት፡ ካብ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ነጻ ዝዀነን ኣብ ተራ ማሕበራዊ ህይወት ዘተኰረ ፊልምታት እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ መዓላ ክውዕሉ ተጨውዮም ክንሶም ካብ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳ ነጻ ዝዀነ ፊልምታት ክሰርሑ ምግባሮም ግር ዘብል እዩ። ይዂን እምበር፡ ኣብቲ ኣብ ተራ ማሕበራዊ ህይወት ተመርኲሶም ዝሰርሕዎ ፊልምታት እንታይ ቴማ ኣልዒሎም፡ ብኸመይ ዝበለ ሜላታት ሰሪሖም ኣብ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባታት የስርጹ ብልዑል ጥንቃቐ እዩ በቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ዝሕሰበሉ። ኣብ ህዝቢ ሞራል ዝፈጥር፡ ኣተሓሳስባታት ዘስፍሕ፡ ንቕሓት ዝፈጥርን ኣነቓቓሒ መልእኽቲ ዘለዉ ፊልምታት ክሰርሑ ፍጹም ኣይፍቀደሎምን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ተማእዛዝነት ዝምህር፡ ፍርሒ ዝፈጥር፡ ሸለልትነትን ኣይግድሸንን ዘተባብዕ ብሓፈሻ ድዂም ሞራልን ጸቢብ ኣተሓሳስባታትን ዘንጸባርቕ ግን ከኣ ክትዕዘቦ ባህ ዘብል ፊልምታት ክሰርሑ እዮም ዝግደዱ ነይሮም። እዚ ዓይነት ሜላ ሓደ ካብቲ ንህዝቢ ክብርታቱ ኣዕኒኻን ኣርሒቑን ኣስፊሑን ከምዘይሓስብ ገይርካን ኣብ ልዕሊኡ ከምድሌትካ ክትግብትን ከተሽካዕልልን ዘኽእል ዲክታተራት መራሕቲ ዝጥቀምሉ ሜላ እዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሜላ፣ ሓደ ካብቲ ብልዑል ኣብ ኤርትራ ዝተሰርሓሉን ገና ድማ ዝቕጽል ዘሎን ሜላ እዩ። ምልስ ብምባል ኣብ ዙርያ ፊልምታት፡ ድርማታትን ኮሜዲታትን ናይ ኤርትራ ምርኣይ ከም ዝከኣል፡ ብዘይካ እቶም ብመደብ ንፕሮፖጋንዳ ናይቲ ስርዓት ከዕብዩን ከድምቑን ዝተሰርሑ ልሉያት ገዲፍና፡ ኣዝዮም ብዙሓት ካብቶም ኣብ ተራ ማሕበራዊ ህይወት ተመርኲሶም ዝተሰርሑ፣ ፊልምታት፡ ድራማታትን ኮሜድታትን እንተተመልከትና እውን ብረቂቕ መገዲ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ዘዕንዉን ሞራል ዘይብሉ ሕብረተ-ሰብ ከምዝኸውን ዝገብሩን እዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ትሕዝቶ ዘለዎ ዝዀነ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ምስ ዝፈሪ ዘስተማቕሮ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ምኽንያቱ ከኣ እቶም ኣቐዲሞም ብብዝሕን ብዘይምቊራጽን ዝፈረዩ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ኣእምሮ ህዝቢ ዓፊኖም ጽቡቕን ሕማቕን ፍርያት ከምዘየለሊ ገይሮሞ ኣለዉ ጥራይ ዘይኰነ፣ ኣብ ስነ-ጥበባዊ እንታይ እዩ ጽቡቕን ሕማቕን ኢልካ ከምዝሕሰብን ከመይ ገይርካ ከምእትፈላልዮን እውን ከምዘይፈሊ እዮም ገይሮሞ።
ነዚ ኣብነት ክትከውን እትኽእል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዩቱብ ዝተዘርግሐትን ነዚ ጽሑፍ እዚ ክጸሓፍ ምኽንያት ዝዀነት ኮሜድያዊት ድራማ “ወዲ ሹቕ” ምርኣይ ይከኣል እዩ።
እዛ ብዮናስ ምሕረትኣብ (ማይናስ) ተደሪሳን ተኣልያን ባዕሉ እውን ከም ቀንዲ ተዋሳኢ ኰይኑ ዝዓየላ ኮሜድያዊት ድራማ፡ ዝጭበጥ ቴማ (ዛንታን መልእኽትን) ዘይብላ ኰይና፡ ንግዚኡ ኣዕሚቚካ ከይሓሰብካ፣ እንክትሰምዖ ከስሕቕ ብዝኽእል ዝርርባት’ያ ተዓዘብቲ ክትሕዝ እትፍትን። ተደማሚራ 32 ደቓይቕ እትውድእ ትዂን እምበር፡ ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ተመቓቒላ ብምቕራብ እያ ቀዳማይ፣ ንዕቀት ተዓዘብቲ ዝመንቀሊኡ ብድዐ ዝመልኦ ስርቂ ክብሃል ዝከኣል ዘይስነ-ጥበባዊ ተግባር እትፍጽም። ኣብ ኣርባዕተ ክፋላት ተመቓቒላ ምቕራባ፣ ነቲ ካብ ዩቱብ ብብዝሒ ረኣይቲ (Views) ዝርከብ ገንዘባዊ መኽሰብ ንምኽዕባት ተባሂሉ ዝተማህዘ ሜላ እዩ።
ኣብዚ ዘመነ ቢዝነስ ብዓይኒ ቢዝነስ ሓሲብካ መኽሰብ ክትረኸበሉ እትኽእል ሜላታት ምፍታሽን ንዕኡ ምጥቃምን ንቡር እኳ እንተዀነ፡ ቅድሚ ብዛዕባ ብስነ-ጥበባዊ ስርሓት ኣቢልካ መኽሰብ ክትረክብ ምሕሳብን ምጅማርን ግና፡ ንተዓዘብቲ እንታይ ዓይነት ስነ-ጥበባዊ ፍርያት እየ ዘቕርበሎም ዘለኹ፡ ካብዚ ስርሓተይ እንታይ እዮም ክኸስቡ፡ ስለምታይ ከ እየ ዘቕርበሎም ዘለኹ ወዘተ ኢልካ ምሕሳብ እዩ ክቕድም ዘለዎምን ሞያዊ ስነ-ምግባር ተባሂሉ ዝጽዋዕዋን። ግዜ፡ ገንዘብን ኣእምሮን ተዓዘብቲ ከይዓጀበካ ንመኽሰብካ ጥራይ ሓሲብካ ዝፈሪ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ግና፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ሕብረተ-ሰብ ተውርዶ ዘለኻ ዓቢ በደል፡ እቲ ስርሓት እውን ውዒሉ ሓዲሩ ሰራሒኡ ለኪሙ ከምዝዓኑ ምዝካር የድሊ።
ቀንዲ ጸገም ናይዛ ኮሜድያዊት ድራማ ግና፡ እዚ ኣዘረጋግሓኣ ኣይኰነን። እዛ ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብበደል ዲክታተርያዊ ስርዓት ዒቕ ኢልዎን ሳጽዩ ኣደዳ ስደትን ካልእ ከርተትን ኰይንሉ ዘሎ እዋን፡ ከምዚ ዓይነት ሞራል ዘይብሉ፡ ሸለልትነትን ፈጺምካ ዘይምግዳስን እተንጸባርቕ ኮሜድያዊት ድራማ እንታይ ንምፍዋስ ወይስ እንታይ ንምውሳኽ እያ ተሰሪሓን ተዘርጊሓን፧ ኢልካ ምሕታት፣ ናብዚ ኣብ መእተዊ ናይዚ ጽሑፍ ዝተጠቕሰን ዝተዘርዘረን ዛንታን ‘ቶም ደቂ ኮርያ ተመሊስካ ምርኣይን ምንጽጻርን የድሊ።
ደራሲኣ ዮናስ (ማይናስ) ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ኰይኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 10 ዓመታት ንቴለቭዥን ኤርትራን ካልእ ኣብ ዝተፈላለዩ ህዝባዊ በዓላት ዝቐርቡ ድራማታትን ብሒቱ፣ ይኽፋእ ይጸብቕ ኣዝዩ ብዙሕ ፍርያት ብምቕራብ ብህዝቢ ክፍለጥ ዕድል ዝረኸበ ሰብ እዩ። ወይ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ካልኦት ዘይረኸብዎ ወይ ድማ ንኽረኽብዎ ብዙሕ ውረድ ደይብ ዝብልሉ ዕድል ብሳላ ስርሑ ረኺብዎስ ከም ባህታኡ ክዕንድረሉ ዝኸኣለ እዩ። ከምዚ ዝኣምሰለ ሃገር ብዝሃበቶ ዕድል ሞያዊ ንጥፈታቱ ከሰላስል ዝኸኣለ ሰብ ኣብ ልዕሊ ተዓዘብቲ ወይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ልዑል ኣኽብሮት ክህልዎ ትጽቢት ዝግበር። መርኣያ ኣኽብሮቱ ከኣ፡ ሞራል ዘስንቑ፡ ኣተሓሳስባ ዘዕብዩን ዘስፍሑን፡ ፖለቲካዊ መረዳእታኡ ከስፍሑ ዝኽእሉ እውን ክሰርሕ እንተዘይደፈረ ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ህይወቱ ከዕቢ ዘተባብዑን ዘነቓቕሑን ስርሓት ከፍሪ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።
ብኣንጻር እዚ ግና ስርሓት ዮናስ፡ ሞራል ቀቲሎም፣ ሕብረተ-ሰብ ፈታሽን ተማራማርን ከይከውን ዘዕንዉን ኣብ ተራን ትርኪ ምርክን ኣድሂቡ ልሙስ ከምዝኸውን ዝገብሩን ስርሓት እዮም። ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ስርሓት ስነ-ጥበብባት ከኣ ዋንኦም ብኣፍልጦ ይግበሮም ብገርሁ ብዘየገድስ፣ ኣብ ልዕሊ ሕብረተ-ሰብ ዝግበሩ ካብቲ እቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ዝገብሮ ዘሎ በደላት ፈሊኻ ዘይርኣዩን፣ ህዝቢ ኣብ እዋን ጸገሙ ካብ ዝተፈጸሙ ብደላት ተባሂሎም ብታሪኽ ዝምዝገቡን እዮም።
ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ተራ ተዓዘብቲ ስለዝዀነ ግና፡ ኣብ ስደት ዝነብር ኤርትራዊ፡ ጠንቂ ስደቱ እቲ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዘሎ እዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተዀይኑ፣ ነቲ ስርዓት ከይነቕሓሉን ከይቃለሶን ዘታለልዎን ኣእምሮኡ ዝዓፈንዎን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስርሓት ስነጥበባት ምዃኖም ክዝርክርን ከገናዝብን ይግባእ። ነዚ እንተዘኪሩን እንተገናዚንቡን ድማ፡ ነዞም ገና ኣብ ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ንጥፈታት ዝነጥፉ ዘለዉ ስነ-ጥበበኛታት ንፍርያቶም ብምንጻግ ክእረሙ ከዘኻኽሮም፡ ነቶም ንፉዓት ከኣ ሞራል ብምሃብ ንሕብረተ-ሰብ ዝጠቅም ፍርያቶም ከዕብዩ ከተባብዖም ናቱ ተራ ይኸውን።
ኣብ መወዳእታ ክጠቕሶ ዝደሊ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 25 ዓመታት ከም “ወግዒ ልቢ” ዝኣመሰሉ ድራማታትን ፊልምታትን ይዕዘብ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ንህግደፍ ካብ ፈለማኡ ኣለልዩ ክብድሆ ምኸኣለ ነይሩ። ስለዚ ሕጂ እውን ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ድራማታትን ፊምልታት ክፈርዩ ክተባባዕ ናይ ተዓዛቢ ዓቢ ተራ ምዃኑ ምዝካር የድሊ። ንወግዒ ልቢ ኣብዚ ምጥዋቕ ይከኣል
MerebPoetry እዝጊ ኣዛረበካ፣ናይ ማይናስ ብፍላይ ከኣ ናይ ሓጎስ ሱዚኒኖ ዝገብሮም ሓጸርቲ ድራማታት ኣብ ምንእኣስ፣ምጽራፍ ምትርጃግ፣ምውርዛይ፣ምድሃል፣ምሽክዕላል፣ምዝላፍ ዝተመርኲሱ እዩ።ኣብ ላዕሊ ጽሑፍካ ውን ገሊጽካዮ ኢኻ፣።ከምዚ ዓይነት ኣብ መስሓቅ ዝተመርኮሰ ጎዳኢ ልምዲ ኣብቲ ሕብረተ–ሰብ ከም ፋሽን ተኣታትዩ’ሎ።ብ ኮሜዲ መልክዕ ጒዝጓዝ ጌሩ ስለዝስራሓሉ ከኣ ብቕልጡፍ’ዩ ኣብ የእምሮ ዝሰርጽ።ምስ ሓደ መቕርበይ ብዙሕ ግዜ’የ ዘልዕላ እዛ ዛዕባ፣ግን ንሱ በቲ መስሓቕ ኣንግሉ ስለዝርእዮ እንታይ ይብል ኣለኹ ቆብ ኣየብለንን’ዩ።ኮይኑ ግን እቲ ብ ማይናስ/ሱዙኒኖ ዝቐርብ ድራማታት፣ንገዛእ ነብስኻ ኮነ ንኻልኦት ዘይርጉእ ምስሊ(Insecure Self–Image)ከምዝህልወካ ይገብረካዩ ብዓቢኡ ኸኣ ኣብ ሕብረተ–ሰብ።
ዛንታ ናይቶም ከዋኽብቲ ተዋሳእቲ ደ.ኮርያውያን
ምስ’ዚ ናትና ህሉው ኲነታት ኣተሓሒዝካ ዘቕረብካያ ገለ–ዓይነት!ገላጺት! ።
LikeLiked by 1 person
ዘዕግብ ጽሑፍ
LikeLike