ኣብዚ ቅንያት እዚ ብዝዝከር ዘሎ (ካብ ዝኽሪ ሓሊፍካ ካልእ ክግበር ዘይምኽኣል ዘሕዝን እዩ)፡ ምዕጻው እተን ዓይንን ድምጽን ዝዀና ነጻ ጋዜጣታትን ምእሳር እቶም ምዑታት ኣባላተን ዝዀነ ሓደ ታሪኻዊ ፍጻመ ህይወት ኤርትራውያን ምኽንያት ብምግባር፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ርእሰይ ዕንክሊል ዝብል ኣርእስቲ ከልዕል መሪጸ። ተራ ነጻ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝተፈላለየ ጒዳያት ሃገርን ሕብረተሰብን ኣብ ዝብል ኣምር፡ ተራ ናይ ኣብ ስደት ዘለዋ ኣብ ህይወት ኤርትራውያን ዝነጥፋ መራኸቢ ብዙሓን ከመይ ኣሎ፧ ኢለ ብምሕታት ትዕዝብተይ ከካፍል ደልየ።
ተራ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ኩለንትናዊ ህይወት ሓደ ሕብረተሰብ ዝህልዎ ኣወንታዊ ኣበርክቶ ብዙሕ ሻዕን ንዘመናትን ዝተባህለን ዝተደጋገመን ዝተተግበረን ስለዝዀነ ኣብኡ ኰለል ከይበልኩ፡ ኣብ ህይወት ኤርትራውያን ክህልዎ ዝኽእል ዝነበረ ተራ ግን ቁሩብ ክጠቅስ።
ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ቀውሲ ኩሉ ዝፈልጦን ዝርድኦን ኰይኑ፡ ጠንቁ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ሃልዩ ዝብግኦ ተራ ክጻወት ስለዘይከኣለ እዩ። እምበር ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ሃልዩ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ኰይኑ ክሰርሕ ዕድል እንተዝረክብ፡ ህዝቢ ከመይ መሰሉ ይሓትትን መሰሉ የውሕስን ምፈለጠ እሞ፡ ኣደዳ ስደትን ከርተትን ኣይምዀነን፥ ነቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ከኣ ከይገበለ እንከሎ ከመይ ከምዝምክቶ ምፈለጠን ምመከቶን። ዝዀነ ዲክታተር ንስራሕን ኣበርክቶን መራኸቢ ብዙሓን ስለዝፈልጥን ስለዘየዋጽኦን ግና ቅድም ዝገብሮ ነጻ መራኸቢ ብዙሓን ምዕጻው ወይ ናቱ ኣገልገልቲ ከምዝዀና ምግባር እዩ። ናይ ኤርትራ ዲክታተር ዝወሰዶ ስጒምቲ ድማ ምዕጻው እዩ።
ኣብ ማሕበራዊ ህይወት ምስ እንምልከት፡ ከም ፍቕሪ፡ ሓዳር፡ ዕርክነት፡ ስራሕን ካልኦት ዝተፈላለዩ ብሓሳብ ክቕየሱን ክምዕብሉን ዝግብኦም፥ ኣካላት ናይ ናብራ፥ ብሓሰብቲ፡ ምሁራንን ስነ-ጥበባውያንን ተቐይሶም ግርማ ዘለዎ ቅርጺ ሒዞም ምቐረብሉ እሞ ኣብ ህይወቱ ከመይ ይጥቀመሎምን ይጠቕምዎን ርእዩ ኣብ ግብሪ ምስ ኣውዓሎም፥ ሓደ ዝርአ መለለዪ ዘለዎ ምዕቡል ሕብረተ ሰብ ምዀነ። ከምዚ ተደጋጊሙ ዝርአ ናቱን ዘይናቱን ዘይፈልጥን ዘየለልን፥ ናይ ምብራቕን ምዕራብን ኣምራት ህይወት ይሰማምዕዎን ኣይሰማምዕዎን ከይመመየ፥ ከተግብሮም ህርድግ ክብል ምኽኣሎም ስኢኑ ክሓዋውሶምን ኣይምተራእየን።
ካልእ ርእሲ ኩሎም ዝዀነን ቀንዲ መሓውር ሕብረተሰብ ተባሂሉ ዝፍለጥን ስነ-ጥበብ ኰይኑ፥ ኣብ ህሉው እዋንን ዝሓለፈ ነዊሕ እዋንን ስነ-ጥበብ ኤርትራ ብሰንኪ ስእነት ርትዓዊ መራኸቢ ብዙሓን ወሪድዎ ዘሎ ዕንወት ከምዚ እዩ ኢልካ ክግለጽ ዝከኣል ኣይኰነን። ኣዝዩ ሰፊሕ ኣርእስትን ንበይኑ ሒዝካ ጠንቅን ሳዕቤንን እናዘርዘርካ ክዝረበሉ ዝከኣልን ኰይኑ፥ ምስዚ ኣርእስቲ ብምትሕሓዝ ግና፥ ሎሚ ስነጥበባዊ ስራሕ ኢልካ ክጽዋዕ ዝከኣል ፍርያት ከተለሊ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኰይኑ፡ ጠንቁ ከኣ ርትዓዊ መራኸቢ ብዙሓን ነቲ ዝፈሪ ፍርያት ዕድል ሂቡ ስለዘየአንግዶን ዘየቃልሖን ከምኡ እውን ነቲ ፍርያት ኣወንታውን ኣሉታውን ጐድንታቱ ኣልዒሉ ነቲ ኣወንታ ኣኽብሮትን ምትብባዕን ብምሃብ፥ ነቲ ድዂም ድማ ሕመቑ ኣለልዩ ኣሉታዊ ነቐፌታ ዘለዎ ገምጋም ብምቕራብ ከምዝዓብን ዝዕረን ክኸውን ዘኽእል መደባት ዘይምህላዉ እዩ።
ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሒደት ግን ከኣ ዓበይቲ ነጥብታት ብምሓዝ፥ እዘን ኣብ ስደት ዘለዋ ኣብ ዙርያ ኤርትራውያን ዝነጥፋ መራኸቢ ብዙሓን እንታይ ይገብራ ኣለዋ ዝብል ሕቶ ይመጽእ። ልዕሊ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ብምህላዉ ዝርግሐአን ኣዝዩ ዓቢ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ እውን ብልዑል መጠን ዝከታተለን መራኸቢ ብዙሓን ብምዃነን ተራአን ኣብ ሕብረተ ሰብ ኣቃሊልካ ዝርአ ዘይምዃኑ ርዱእ እዩ። እዚ ክንሱ ግና ተራአን ይጻወታ ኣለዋ ዶ ኣይጻወታን እንተይልና፡ ብወገነይ ኣብቲ ቀንዲ ኣነ ዝነጥፈሉ ብስነ-ጥበብ ዝምእከል ዓውዲ ተራአን ኣይጻወታን ኣለዋ ጥራይ ዘይኰነስ ስነ-ጥበብ ኣብ ሕብረተሰብ ተራኡ እንታይ እዩን ከመይ ገይርካ እዩ ኸ ዝቐርብን እውን ዝፈልጣ ኰይነን ኣይስመዓንን።
ኣርእስተይ ንጹር ንምግባር ካብዘን ዝዛረበለን ዘለኹ መራኸቢ ብዙሓን ሬድዮታት ኣልዒልና ምስ እንወስድ፡ ኣብ ዙርያ ኤርትራውያን ዝነጥፋ ልዕሊ ሽዱሽተ መደበራት ሬድዮን ኣብዚ ቅንያት’ዚ ዝተጸንበረተን BCC ትርግኛ ሓዊስካ ፖሊስታት ናይ ዝመስረትአን ሃገራት ተኸቲለን ዝሰርሓ ሰለስተ ሬድዮታትን ብድምር ልዕሊ ትሽዓተ ሬድዮታት ንህይወት ኤርትራውያን ማእከል ገይረን ዝሰርሓ ንረክብ።
ካብዚኤን ኣብ ኤርትራ ይዂን ኣብ ኣብ ደገ ልዑል ዝርግሐ ዘለዋን ብመሰረቱ እውን ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምቅላሕ ዝቖመትን ረድዮ ኤረና ምስ እንምልከት፥ ማለት ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምቅላሕ ዝቖመት ክብል እንከለኹ እተን ካልኦት ረድዮታት ነናይ ዝመስረትወን ኣካላትን መንግስታትን ፖለቲካዊ ድዩ ካልእ ኣጀንዳታትን ፖሊሲታትን ኣብ ድሕሬአን ክህሉን ንዕኡ ክሰርሓን ከምዝኽእላ ኣብ ግምት ብምእታው እየ። ረድዮ ኤረና ግን ካብዜአን ብዝተፈልየ ነጻ ረድዮ ኰይና ድምጺ ህዝቢ ብናይ መራኸቢ ብዙሓን ኣገባባት እተአንድግን እተቃልሕን ረድዮ እያ። ካብዚ ብምንቃል ክሪኦ እንከለኹ፥ ረድዮ ኤረና ብዘይካ እቲ ደድሕሪ ኣብ ሶሽያል ሜድያ ቀዲምዋ ዝቐረበ ዜናታትን ሓደ ክልተ ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ቃለ-መጠየቓት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ነበርን እንተዘይኰይኑ፥ ድምጺ ህዝቢ ዘይኰነ ድምጺ እቶም ኣባላታ ዝዀኑ ውልቀሰባት ከተሕልፍ ዝቖመት ረድዮ እያ ትመስል። ነተን ኣብዛ ረድዮ ዝቐርባ መደባት ብምክትታል ዘቕርብኦ መደባት፥ ናይ ባዕሎም ናይቶም ኣዳልወተን ጽሑፍ ወይ ሓሳብ፡ ወይ ድማ ሰፊሐን እንተተባሂለን እቶም ኣዳለውተን ካብ ኣዕሩኽቶምን ፈለጥቶምን ዝወሰድዎ ጽሑፍ ከእንግዳ እየን ዝረኣያ። ናይዚ ጠንቂ ከኣ፡ እታ ረድዮን ኣባላታን (ከምቲ ኣብ ድሕረ ገጻ እውን ተጻሒፉ ዘሎ)፡ ካብ ህዝቢ ርእይቶን ምትብባዕን ዝቕበልሉ ኣገባብ መውሃቢ ርእይቶ እምበር፥ ሓሳብ ይዂን ጽሑፍ ሃልዩ ኣብ ረድዮ ኤረና ንኽእንገድ ዝቕበልሉ መንገዲ የብሎምን ማለት እዩ።
ኣብዚ ክልተ ሕቶ ይለዓል፡ እቲ መደበር ረድዮ ድዩ ካብ ህዝቢ ዝመጾ (ብዘይካ ርእይቶን ምትብባዕን) ጽሑፍ ይዂን ሓሳብ ዘየእንግድ ወይስ መቐበሊ ኣገባብ እዩ ዘይብሉ፧ ወይ ድማ ብውልቂ ንኣባላቱ ብምርካብን ምስኦም ዘለካ ዝምድና ብዝፈጠረልካ ዕድልን ጥራይ እዩ ጽሑፍካ ወይ ሓሳብካ ዝእንገድ፧ ንምዃኑ ረድዮ ኤረና ኣብ ትሕቲ እንታይ ዝብል ፖሊስን ብኸመይ ኣገባብን እዩ ነጻ ረድዮ ኰይኑ ድምጺ ህዝቢ ዘአንግድን ዘቃልሕን፧ ንኣብነት ናይ ካልኦት ሃገራት ረድዮታት ይዂና ጋዜጣታት ምስ እንምልከት፡ ኣብ ድሕረ-ገጻተን፥ ክቐርበልካ ትደልዮ ትሕዝቶ ሃልዩካ ብኸመይ ክትልእከለን ትኽእል ዝሕብር ብንጹር ተቐሚጡ ይርከብ።
እተን ካልኦት ረድዮታት ድማ፥ ዋላ እኳ ነናይ መስረትተን ኣጀንዳ እንተለወን ኣብዚ ዝዛረበሉ ዘለኹ ኣርእስቲ (ስነጥበብ) ምስ እንመጽእ ግና፡ ክህልወን ዘለዎ ተራ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ክፈልጣ ወይ ክዝክራ ይግብአን እዩ። ምኽንያቱ ዝሃለወ ኣጀንዳ ይሃልወን ክቖማን ቆይመን ክኸዳን ዝኸኣላ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘሎ እየን። እቲ ህዝቢ እንተዘይህሉ እቶም መስረትተን እውን ኣይምመስረትወንን እቶም ኣብኡ ዝሰርሑ ዘለዉ ሰባት ከኣ ነቲ ናይ ስራሕ ዕድል ኣይምተጠቕምሉን። ስለዚ እምበኣር፡ ግዴታኦም ካብ ምልዓል ክዝንግዑ ኣይግባእን። ኣብ ክንዲ ነቲ መደበራት ራድዮ ከም ናይ ገዝኦም ትሕዝቶ ተጠቒሞም፡ ትሕዝቶታት ፈለጥቶምን ቤተሰቦምን ጥራይ ከአንድሉ ዝነብሩ፡ ዕብየቶም ዝንጸባረቕ ኣብ ጒዳይ ሓፋሽ ብማዕረ ብምስታፍ ምዃኑ ተረዲኦም፡ ድምጺህዝቢ ዝቕበልሉ ፖሊሲን ኣገባብን ክህልዎምን ተቐቢሎም ከአንግድዎን ከቃልሕዎን ከምዝግባእ፥ ብሽም እዚ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ ዝዀነ ዕለተ-ምዕፋን ድምጺ ክዝክርዎን ንምትግባሩ መብጽዓ ክኣትዉን ይግባእ።
እንተዘይኰይኑስ፡ በዚ ዝኸድዎ ዘለዉ መንገዲ ልክዕ ከምቲ ድምጺ ካልኦት ዓፊኑ፥ ብዝደለዮ መንገዲ ድምጹ ዘቃልሕ ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ካብ ምዃን ዝፈልዮም ኣይክህሉን እዩ።
ፍቕረይ የማን