ኣብ ዘመነ ገበል
‘ቲ እናሻዕ ኽትብደል፡
ኣፍንጫ ትውቅዖ
ዓይኒ ‘ያ ትነብዖ
ብምስቊርቋርካ ቃዚነ
ብእህህታኻ ሓዚነ፡
ክድህኲኻ ርእየ
ኣምሪረ ነቢዐ።
ንብዓት ውጹዕ፡ ውሕጅ
ተዋህሊሉ ግዲ ማዕበል ፈጢሩ
መርከብ ዓመጽ ዝግልብጥ፡
ግዜ ተፋራዲ
ግዜ ‘ወስድ ‘ምበር
ዘይተራፊ፡ ኮይኑ።
ኣብ ኢድካ በትሪ
ሓውኻ ኣብ እግሪ
ሂቡካ።
ውላድ ዓመጽ ምህሮኻ ረመጽ
ፍሬኻ ጐነጽ
ውጻእ መዓት ሕልምኻ ፍርሓት
ንቕሎኻ ክፍኣት፡፡
ኣቤት’ባ ክትምንን
ወስትታኻ ክጭክን
ክፉእ ኣርኢኻኒ
ልበይ ጎዲእካዮ
እምነት ኣሕዲግካኒ፡