ብሰንክኻ

ኣብ ዘመነ ገበል
‘ቲ እናሻዕ ኽትብደል፡

ኣፍንጫ ትውቅዖ
ዓይኒ ‘ያ ትነብዖ

 

ብምስቊርቋርካ ቃዚነ
ብእህህታኻ ሓዚነ፡
ክድህኲኻ ርእየ
ኣምሪረ ነቢዐ።

 

ንብዓት ውጹዕ፡ ውሕጅ
ተዋህሊሉ ግዲ ማዕበል ፈጢሩ
መርከብ ዓመጽ ዝግልብጥ፡

ግዜ ተፋራዲ
ግዜ ‘ወስድ ‘ምበር
ዘይተራፊ፡ ኮይኑ።

 

ኣብ ኢድካ በትሪ
ሓውኻ ኣብ እግሪ
ሂቡካ።

 

ውላድ ዓመጽ ምህሮኻ ረመጽ
ፍሬኻ ጐነጽ
ውጻእ መዓት ሕልምኻ ፍርሓት
ንቕሎኻ ክፍኣት፡፡

 

ኣቤት’ባ ክትምንን
ወስትታኻ ክጭክን
ክፉእ ኣርኢኻኒ
ልበይ ጎዲእካዮ
እምነት ኣሕዲግካኒ፡

 

ብጭካኔኻ ሓዚነ
ክትሕንሕን ርእየ ቃዚነ
ብንብዓቶም ነቢዐ
ብሰንክኻ ክልተ ሻዕ ጒህየ።

ፍቕረይ የማን
(ዝተራዕመ)

20170605_143653.jpg

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s