ድርብ ዝኽሪ

 

ኣጋግዜ፣ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ

ስቕታ ኣቚጽልቲ፣ ዝግታ ባሕሪ

ህድኣት ተዓጂባ፣

ፈጢራትለይ ተምሳጥ

ባህ ኢሉኒ፣

ኣብ ደንደስ ባሕሪ

ኣስተርሕየ ክቕመጥ።

 

ሻሕ ዝበለ ጻሕ ዝበለ

ብሕብሪ ዕራርቦ ዝተዃሕለ

ንዘይፈልጦስ ሓቂ መስሎ

ስቕታኡ፣ ጸጥ! ዝበለ።

 

ኣዒንተይ ንግርማኡ

ኣፍንጫይ ንሽታኡ

ተመሊኾም፣ ተማሪኾም

ሸሚሞሙኒ ኣብ ዝኽሪ ትማል!

 

ምስኣ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ

ኣብ ገማግሙ ተሓቛቚፍና

ኣብ ሕቚፊ ማዩ ተሓናጊርና

ፍቕሪ ንእስነት እናኻፈና

ኣይበጻሕናዮን እምበር

ዘሕጒሰና፣ ተስፋ ዝመልኦ

መጻኢ ሓሊምና።

እንድዒ ኣብ ዘላቶ

እንድዒ ዘላቶ፣

በብዘይድላይና

ኣብኡ ኣብቲ ዓዲ ተፈላሊና።

 

ምስኡ፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ

ኣብ ገማግሙ ተደጋጊፍና

ኣብ ከርሲ ማዩ –

ኣብ ሕቚፊ ሒላብ ተጸቓቒጥና

ፍርሒ ሞት ዘንቀሎ

ህርፋን ምንባር እናኻፈና፣

ተስፋኡ ዝማህመነ

መጻኢ ሓሊምና።

ኮይኑ ከኣ፣

ሓዴና ምስ ፈራሕ ፍርሒ

ሓዴና ምስ ሰባር ቀልቢ

ነናብ’ቲ ዕድል ዝሃበና

ኣብኡ ኣብቲ ባሕሪ፣ ተፈላሊና።

 

እነኹ ሕጂ፣ ኣብ ድርብ ዝኽሪ

ተቐርቂረ! ሓርቢቱኒ!

ንመኖም ሓዲገ ንመኖም ክሓሪ!

 

ፍቕረይ የማን
        2017

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s