ደርፊ ዓድና

 

ነፋሪት ዘብርር ሰማይ ኣብዘይብሉ

ባቡር ትሓልፈሉ ሓዲድ ኣብዘይብሉ

ኣንፈቱ ኣብዘይፍለጥ ጸሓይ ትበርቀሉ

ወቕቲ ኣልቦ ህይወት፣ ዘይፍለጥ ምስሉ፣

 

ዝተኣከባ ኣንስቲ፣ ‘ዒንተን ዝቖርቆረ

ማዳ ዝተነጸፎ ገጸን ዝሓሽከረ

እህህታኡ ዝስማዕ ልበን ዝሰንበረ

ልኻይ ኣልቦ ጸጒረን ብነድሪ ዝፈንተረ

 

ባይታ እናጠብጠባ

እናተደጋገፋ

ኣብ ባይታ ከይዓልባ

ሳዕሲዒት ዝመስል

ብቓንዛ እናዂደዳ

ይደርፋ ኣለዋ ኣብ ዓዲ

ንብዓት እናተሓልባ።

 

“ላዕሊ ላዕሊ ትበሪ ነፋሪት

ኣብጽሕለይ ልባዊ ናፍቖት

የወየየ

ባቡር ምድሪ ተሓምባቢትየ

ተማልእለይ ‘ዛ ሰታሪትየ

የወየየ

ኣንቲ ጽባቕ እትበርቂ ጸሓይ

ሓደራኺ ኣምጽእለይ ደሃይ

የወየየ።”

 

ድምጸን መስቆርቆሪ

ድምጺ ናፍቖት

ድምጺ ፍቕሪ፣

ጽን ኢልካ እንክስማዕ

እንክኮማሳዕ፣

ተስፋ ከምዘይብለን

ብጋህዲ’ዩ ዝነግር።

ሓቀን ከኣ።!

 

ካብ መን ክትስፈዋ

እንታይ ክትስፈዋ

ተስፋ እንተዝህልዎ ዶ

ምገደፈን፣

ብዘይጽላል ብዘይሓለዋ!

 

ይሕዘና ደኣ ይለለዋ

ይቓዝና ይጸምዋ

እምበር ካብኡስ

እንታይ ክጽበያ!

 

ፍቕረይ የማን
2017

 

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s