እምነት ዶ ዕሽነት፧

ፈጣሪ ተቐሚጡ ኣብ ላዕሊ

ንወዱ ሰዲዱ ሕሰም ምድሪ

                        ክኣሊ።

 

ወዱ፣ ኣይከኣለን

ኣይኮነን ንምድሪ፣

ንወዲ ሰብ ካብ ባዕሉ፣

ንነብሱ ኣየድሓነን።

 

ተገሪፉ፣ ተሰቒሉ

ተገኒዙ፣ ተቐቢሩ፣

ዝርኣዮ’ኳ የልቦን

ይብሃል ግና ተንሲኡስ

                        ዓሪጉ።

 

ቅድሚ ምትሓዙ፣ ምእሳሩ

እቲ ንሱ ዘይከኣሎ ሰብ ቆጺሩሉ፣

‘ሃዋርያት’ ሸይሙ፣

‘ኪዱ ንምድሪ ዙሩ

ቃለይ ኣበስሩ

ብሽመይ ምሒልኲም

ሓቅነት ኣእምኑ’

ኢሉና ይብሉ።

 

ንሳቶም ‘ውን ነገርቲ ቆጺሮም

ኣስካላ ድዩ ቁጽርጻር ገመዳት ኣናዊሖም።

እንሆ ወዲ ሰብ ንእምነት ከእምን

ንሓድሕዱ ይማወት።

 

እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ

            ፈጣሪ ዝስመ

ባዕሉ ዘይምበሮ

            እቲ ክኸውን ዝድለ፧

ንሰባት ካብ ዘጻልእ

እዚ በሉ እዚ ግበሩ እናበለ!

 

ነገር ዓድና

እቲ መራሒ

ኣብ ቤተ መንግስቲ

ላ … ዕ…ሊ…ሊ…ሊሊሊ…

እዩ ዘሎ ላዕሊ፣

 

ደቂ ህዝቢ

ሰብ ሽጉጥ

ሰብ ብረት

ሰብ ታንኪ

ሰብ መድፍዕ

ተሓየርቲ ባዕሎም

ሓለውቲ ማሕዩ ካብኦም

እንተተደልዩ ከኣ

ዝቐትሉ ተኲሶም፣

ኣይንጓናን ንሓዎም

ነያኦም ነቦኦም

ንሓውቶም ንነኦም፣

 

ኣይክዱናትን ከኣ ብዕሩቓቶም

ኣይጽጒባትን ብጥሙያቶም፣

እንታይ ኮን ይኸውን

እቲ ዝዕሽሮም

ዓይነ-ልቦናኦም

መንፈሶም ዘዕውሮም፧

ባዕልኻ ደኣ ዘይምበልዎ

ነቲ ዝእዝዞም፧

ፍቕረይ የማን
2017

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s