ፈጣሪ ተቐሚጡ ኣብ ላዕሊ
ንወዱ ሰዲዱ ሕሰም ምድሪ
ክኣሊ።
ወዱ፣ ኣይከኣለን
ኣይኮነን ንምድሪ፣
ንወዲ ሰብ ካብ ባዕሉ፣
ንነብሱ ኣየድሓነን።
ተገሪፉ፣ ተሰቒሉ
ተገኒዙ፣ ተቐቢሩ፣
ዝርኣዮ’ኳ የልቦን
ይብሃል ግና ተንሲኡስ
ዓሪጉ።
ቅድሚ ምትሓዙ፣ ምእሳሩ
እቲ ንሱ ዘይከኣሎ ሰብ ቆጺሩሉ፣
‘ሃዋርያት’ ሸይሙ፣
‘ኪዱ ንምድሪ ዙሩ
ቃለይ ኣበስሩ
ብሽመይ ምሒልኲም
ሓቅነት ኣእምኑ’
ኢሉና ይብሉ።
ንሳቶም ‘ውን ነገርቲ ቆጺሮም
ኣስካላ ድዩ ቁጽርጻር ገመዳት ኣናዊሖም።
እንሆ ወዲ ሰብ ንእምነት ከእምን
ንሓድሕዱ ይማወት።
እቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ
ፈጣሪ ዝስመ
ባዕሉ ዘይምበሮ
እቲ ክኸውን ዝድለ፧
ንሰባት ካብ ዘጻልእ
እዚ በሉ እዚ ግበሩ እናበለ!
ነገር ዓድና
እቲ መራሒ
ኣብ ቤተ መንግስቲ
ላ … ዕ…ሊ…ሊ…ሊሊሊ…
እዩ ዘሎ ላዕሊ፣
ደቂ ህዝቢ
ሰብ ሽጉጥ
ሰብ ብረት
ሰብ ታንኪ
ሰብ መድፍዕ
ተሓየርቲ ባዕሎም
ሓለውቲ ማሕዩ ካብኦም
እንተተደልዩ ከኣ
ዝቐትሉ ተኲሶም፣
ኣይንጓናን ንሓዎም
ነያኦም ነቦኦም
ንሓውቶም ንነኦም፣