ኣብቲ ዝናፍቖ ውሽጠይ ዝሕቆኖ
ዳጌፋ ዘድልየኒ ፍቕሪ ኣቦ ፍቕሪ እኖ
ኣብ ሓሳበይ ኣብቲ ባህገይ
ዘድልየኒ ሓመድ ዓደይ
ክኽይድ እሓስብ እነቅል እሞ
ኣብ ፋንታዝያ ዓለም ኣትየ ክፍትኖ፣
ክጸውየሎም‘ቲ ውዕለተይ
ጒዕዞ ስደት ‘ቲ መንገደይ
ዝጸንሓኒ ዘይከም ትጽቢተይ፣
ህይወት ስደት ‘ቲ ምስሉ
ወግዒ ኣልቦ እቲ ባህሉ
ወይ ዘይፈልጦ እንድዕሉ፣
ክንጻወ ከከም ከምኡ
ዘዘለና ብምልኡ
‘ታይ ምልኣቱ‘ኳ ከምቲ ሽዕኡ፣
መሕለፊ ስኢነ አቋርጾ።
ማዕጾ ንብዓት ማዕጾ ሕቶ
ብምንታይ ክኸፍቶ
ከመይ ከ ክሓልፎ፧
ኣብቲ መንገዲ ክሳዕ ገዛና
ኣብ ዓድና ኣብ ጐረቤትና
ርእየ ዘይክእሎም ገጻት
ምላሽ ዝደልዩ እልቢ ሕቶታት
ዝግታ ኣልቦ ወሓዚ ንብዓት
ደበስ ዝጽበ ናይ ሓዘን ዳሳት፣
ኣብ ቅድመይ መጺኡ፣
ይዘራርጎ ንናፍቖተይ
ይሓማትሎ ንሕልመይ ባህገይ
ይዓናቕፎ ንተበግሶይ።
ዓሕ!
ኣደይ ሲ ብድምጸይ
ተስፋ ተደሪራ
ናፍቖታ ጸይራ
ከምኡ ከምኡ እናበለት
ትነብሮ ኣላ፣