ነውጺ ጠፈር ዝፈጠሮ ወጥሪ
ዝናብ ኮይኑ ይፈስስ ንምድሪ
ምድሪ ኣይጸሮን፣ ተኣኪቡ
ዕቚባ ደልዩ ንባሕሪ ውሒዙ።
ኣይነቐለን ካብ ነብሱ
ኣይነበረን ንነብሱ
ተኸሊሱ ተሓፊሱ
ንኻልእ’ዩ ኣንጊሱ።
ስደተኛ! ምስኪናይ!
ነውጺ ዓዱ ዝፈጠሮ ወጥሪ
ተነቒሉ ይፈልስ ንባዕዲ
ኣብ ዓዲ ፈሊሑስ
ይግንፍል ንወጻኢ
ናብ ውሽጢ ኣህዛብ
ጽኑሓት ሰብ ርስቲ።
የዕርቕዎ የዕቊርዎ
ይዘርእዎ የፋይርዎ
ዘርኢ ብርኲ ውሉዳቱ
ግብሪ የኽፍልዎ፣
ኣይንዓዱ ኣይንዓውዱ
ኣይንኽብሩ መንነቱ
ሕብሩ ተበሊሉ
‘ነበረ’ ይብልሉ።
ፍቕረይ የማን
What a poet!!!
LikeLike