ኣብ ነብስኻ
ኣብታ ናትካ
ከም ድሌትካ
መን ይኸልኣካ!
ዶብ ምስ ሰገርካ
ርሑቕ ምስ ከድካ
ሓቲትካ ተዓቚብካ
ለሚንካ ተተዂቡልካ።
ሓበን ዘይብሉ
ቃሕታኻ ዘይመልእ ዘየማልእ
ናጽነት ኣለካ።
ይህቡኻ ይወስዱልካ
እንተደለዩ ይግልገሉልካ
ከይፈለጥካ ብገርህኻ።
ናቶም እምበር ናትካ ዶ ኮይንካ
ሳልኦም እምበር ባዕልኻ ዶ ኮይንካ
‘ንስኻስ’ ኣብ ዓድኻ ኢኻ
‘ኣነ’ ትብል፣ ‘ንስኻ’ ዝብሉኻ።