ዕርቃን

ዘይተምውቕ ጸሓይ፣ እንተበረቐት እንተደመቐት
እሞ ምስ ተወቕሰት፣
ደበና ኣመኽንያ ‘ኣይኣነን’ እንተበለት፣
ብርሃና ኣበይ ከደ፧ እቲ ብደበና ዘይዕገት።
(ድምጺ እንጽርጽሮተይ እዩ

 በጨቕታ ዓቕሊ ጽበተይ)

ምስ ረኣዂዂም ቅንአይ ዘንቀሎ

ከይደ ንዓደይ ናብራዂም ክነብሮ።

(ኣይብተግባርን ብሓሳብ ደኣ)

በብውልቂ በብጽምዲ ሰሊምኲሞ ‘ቲ መንገዲ

ምኻድኲም ብዘብዘብ ምምላስኲም ዘገምታ

ትማሊ ኣብ ዝባንኲም ሎሚ ተሰቒልኲም

ርግጽ ወሲድኲሞ ንጽባሕ ምብጻሕኲም፣

ኣብ ጽላል ናጽነት ንመሰል ኣሚንኲም።

እዛ ናጽነተይ ህያብ ናይ ልደተይ
ብድዂዒ ስጋ ኣብ ዝሰብሐ
ብሓጹር ኣዕጽምቲ ኣብ ዝተዓቀበ
ሓመድ እምነት ናይ ዓዲ ግርህነት፣
ደም ሰትያ ፈሊሳ
ንብዓት እናሰተየት
እንሀት ቅርጺ ኣንዊሓ።

ቆጽሊ ዘይብላ ዘጽልል

ፍረ ዘይብላ ዘዐንግል

‘ንታይ ቀመሙ ኮን’ዩ

ተዘርዩ ኣብ ሓመዳ

ዘገርድድ ዘምክን፧!

ሕቶ ነብሰይ፣ ናፍቖት ዘንቀሎ

ሃተፍተፍ ዝወልድ መልሲ ኣልቦ

ንሱ’ዩ ጸሓይ ዘራግመኒ

ህላዌኣ ዘኽሕድ ባዶ ዘትርፈኒ።

ፍቕረይ የማን
ግንቦት 2017

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s