ጐደና ገዲፈ

 

 

ፍቕሪ ዝእምነተይ ኣነንታይ በሃሊ

ኣብ መትከል ዝነብር ንቓለይ ተግባሪ

ሒደት ዝዛረብ ዝኣምን ንግብሪ።

 

ክዛረብ! መዓትዩ፣ እንድዕሉ ኣብ ሓቂ

ብእዝና ልሒዂ ነቕኒቕዎ ፍቕሪ

ኣብ ልባ ኣፍሊሰ ዘብቆልኲዎ ተኽሊ፣

 

ዕንበባ ሓሪሩ እንተረገፈ ቆጽሊ

ቃርፋ ተቐሊጡ እንተተቐልዐ ጒንዲ

ሱር ክምሖ ኢሉ ብዘይ ሓያል ጻዕሪ

                                 ብዘየለ ፍቕሪ።

 

(ኣየፍቀራን መስለኒ
ኣይከኣለን ካብ ልባ ከውጽኣኒ)

 

ዓመት ሓሊፉ፣ ተደሚሩ መንፈቕ

ሰፍ! ዘይብል ክኢለ፣ ዝቕጽል ክዕዘብ፣

 

ኲዕንቲ ከቚጸልጽል ዝናብ ኣመኽንዩ

ቃንጥሻ ክበቊል ግዝያዊ ራሕሲ

ብፍልሖ ዝስራሕ ጒላ፣ እምባ ኣይከውንንዩ።

 

ህንጡይ እምነት ዝፈጠሮ ውርደት

ሞት ሞራላ ዝወለዶ ሕፍረት፣

ንዘይምርኣዩ ንዘይምስካፋ

ጐደና ገዲፈ፣ ንዓኣ ከሕልፋ።

እሕሸኒ ኸኣ።

 

ፍቕረይ የማን

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s