ፍቕሪ ዝእምነተይ ኣነ ‘ንታይ በሃሊ
ኣብ መትከል ዝነብር ንቓለይ ተግባሪ
ሒደት‘የ ዝዛረብ ዝኣምን ንግብሪ።
ክዛረብ! መዓት‘ዩ፣ እንድዕሉ ኣብ ሓቂ
ብእዝና ልሒዂ ነቕኒቕዎ ፍቕሪ
‘ቲ ኣብ ልባ ኣፍሊሰ ዘብቆልኲዎ ተኽሊ፣
ዕንበባ ሓሪሩ እንተረገፈ ቆጽሊ
ቃርፋ ተቐሊጡ እንተተቐልዐ ጒንዲ
ሱር ዶ ክምሖ ኢሉ ብዘይ ሓያል ጻዕሪ
ብዘየለ ፍቕሪ።
(ኣየፍቀራን መስለኒ
ኣይከኣለን ካብ ልባ ከውጽኣኒ)
ዓመት ሓሊፉ፣ ተደሚሩ መንፈቕ
ሰፍ! ዘይብል ክኢለ፣ ዝቕጽል ክዕዘብ፣
ኲዕንቲ ከቚጸልጽል ዝናብ ኣመኽንዩ
ቃንጥሻ ክበቊል ግዝያዊ ራሕሲ‘ዩ
ብፍልሖ ዝስራሕ ጒላ፣ እምባ ኣይከውንን‘ዩ።
ህንጡይ እምነት ዝፈጠሮ ውርደት
ሞት ሞራላ ዝወለዶ ሕፍረት፣
ንዘይምርኣዩ ንዘይምስካፋ
ጐደና ገዲፈ፣ ንዓኣ ከሕልፋ።
እሕሸኒ ኸኣ።