ንእስነተይ ዝረኣየ

 

 

ኣብ ግራት ሃንቀውታ ሕልሚ ዝዘርኣሉ

ኣብ ቃጸሎ ሕልሚ ኣትየ ዝበስለለኡ

ጽራይ ህንጡይ ዕድመይ ፍቕሪ ዝረውየሉ

                           ንእስነተይ ዝረኣየ፧!

ንእስነት ዝፈልጥ ሕልሙ ዘይተጨውየ፧

 

 

ካብ ሰማያት ዓደይ ኮኾብ ዘውርደሉ

ንውርሒ ኣብ ድምቀታየለኽንዝብለሉ

መላጒም ኣፍልበይ ልጓም ዝበትከሉ

ሓለፈዝቀናጠዋለይ

ዳዕሮ ብኽንድኡ ዝመስለኒ ጸጒረይ፣

 

 

                        ንእስነተይ ዝረኣየ፧!

                         ዝኽሪ ዝመልሰለይ

                       ‘ኣያይምበልኲዎ

                         ኣሰርካ ምርጋጸይ።

 

 

ካህን ብመስቀሉ ከይገዘተ

ድምጺደይ ብገለ ከይመጸ

ኣብ ክልተ ውቃዕ እናተቐደ

ዘይሓድጎ ከበሮ በብእብረ፣

 

 

በጃኻዝበሎ ነዚ ዝረኣየ

ንእስነቱ ዘይተሓድገ

ንእስነት ዝፈልጥ ኣብ ስደት ዘይበለየ፣

ኣያይምበልኲዎ ኣሰርካ ምርጋጸይ

ጽባሕ ምርኲስካ  ሎሚ ዂን ጽላለይ።

 

****************

ንሱስ ደሓን ይትረፈኒ

እቲ ጭውያ ኣብ ዙርያ ማእቶት

መሰል ዘይህብ ግቡእ ከርተት

ዛንታትሮይድምጺ ክተት

ነጋሪ ኣይደልየሉን ኣነንድየ ባዕለይ።

 

 

ፍቕረይ የማን
ግንቦት 2017
 

One thought on “ንእስነተይ ዝረኣየ

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s