ኣብ ግራት ሃንቀውታ ሕልሚ ዝዘርኣሉ
ኣብ ቃጸሎ ሕልሚ ኣትየ ዝበስለለኡ
ጽራይ ህንጡይ ዕድመይ ፍቕሪ ዝረውየሉ
ንእስነተይ ዝረኣየ፧!
ንእስነት ዝፈልጥ ሕልሙ ዘይተጨውየ፧
ካብ ሰማያት ዓደይ ኮኾብ ዘውርደሉ
ንውርሒ ኣብ ድምቀታ ‘የለኽን‘ ዝብለሉ
መላጒም ኣፍልበይ ልጓም ዝበትከሉ
‘ሓለፈ‘ ዝቀናጠዋለይ
ዳዕሮ ብኽንድኡ ዝመስለኒ ጸጒረይ፣
ንእስነተይ ዝረኣየ፧!
ዝኽሪ ዝመልሰለይ
‘ኣያይ‘ ምበልኲዎ
ኣሰርካ ምርጋጸይ።
ካህን ብመስቀሉ ከይገዘተ
ድምጺ ‘ደይ ብገለ ከይመጸ
ኣብ ክልተ ውቃዕ እናተቐደ
ዘይሓድጎ ከበሮ በብእብረ፣
‘በጃኻ‘ ዝበሎ ነዚ ዝረኣየ
ንእስነቱ ዘይተሓድገ
ንእስነት ዝፈልጥ ኣብ ስደት ዘይበለየ፣
‘ኣያይ‘ ምበልኲዎ ኣሰርካ ምርጋጸይ
ጽባሕ ምርኲስካ’የ ሎሚ ዂን ጽላለይ።
****************
ንሱስ ደሓን ይትረፈኒ
እቲ ጭውያ ኣብ ዙርያ ማእቶት
መሰል ዘይህብ ግቡእ ከርተት
ዛንታ ‘ትሮይ‘ ድምጺ ክተት
ነጋሪ ኣይደልየሉን ኣነ ‘ንድየ ባዕለይ።
One thought on “ንእስነተይ ዝረኣየ”