ስእሊ ‘ደይ፧!
ኣየናይ ስእላ …፧!
ስእሊ ዛንታኣ ዶ ስእሊ ምስላ
ስእሊ ጸሎታ ዶ ስእሊ ዝኽራ
ስእሊ ‘ደይ፧!
ኣየናይ ስእላ …እ፧!
ስእሊ ማህጸና ዶ ስእሊ ምስላ
ስእሊ ኣዒንታ ዶ ስእሊ ልባ
እቲ ደርዘን ፈርያ ትነብሮ ኣብ ጽምዋ
ንብዓት እናኻፈየት ትንበሮ ሃለዋት፣
ስእሊ ‘ደይ …
… … …
ህ …!
ስእሊ ‘ደይ የብለይን።
ብምንታይ ‘ተሳእለቶ፧!
ምስሊ ‘ደይ ገጂፍ! እዩ ካሜራ ዘይውሕጦ
ኣብ ሰማይ ተኻሲሱ ዘይውዳእ ትሕዝቶ
ባሕሪ ቀለም ኮይኑ ዘይኣክል ከቕብኦ።
ስእሊ ‘ደይ ዛንታ’ዩ
ዛንታ ምድሪ ሓበሻ
ብደምን ንብዓትን ዝደመቐ ካርታ!
“ስእሊ ‘ደይ …
… … …
ህ …!
ስእሊ ‘ደይ የብለይን።
ብምንታይ ‘ተሳእለቶ፧!”
ስቅ ኢሉ ዘቀናዝወካ ግፈት ቦታ’ዩ! ባዕለይ ክምልኦ ይብል’ሞ ዓቅሚ ይውሕደኒ! ስእሊ’ደይ ኣብቲ ዓቢ ቦታ’ውን እንተተተመነ ኣይሕዞን’ዩ።
ፍቅረይ! ኣዚያ ፍቅሪ ወላዲት ብዘይዕቀን መንገዲ ክትገልጾ ክኢልካ ኢኻ’ሞ ዓወት ይሃብካ። ፍቅሪ’ደ ፍቅሪ’ዩ!
LikeLike