ስእሊ ‘ደይ፧!

ስእሊ ‘ደይ፧!

ኣየናይ ስእላ …፧!

ስእሊ ዛንታኣ ዶ ስእሊ ምስላ

ስእሊ ጸሎታ ዶ ስእሊ ዝኽራ

 

 ስእሊ ‘ደይ፧!

ኣየናይ ስእላ …እ፧!

ስእሊ ማህጸና ዶ ስእሊ ምስላ

ስእሊ ኣዒንታ ዶ ስእሊ ልባ

እቲ ደርዘን ፈርያ ትነብሮ ኣብ ጽምዋ

ንብዓት እናኻፈየት ትንበሮ ሃለዋት፣

 

ስእሊ ‘ደይ …

… … …

ህ …!

ስእሊ ‘ደይ የብለይን።

ብምንታይ ‘ተሳእለቶ፧!

 

ምስሊ ‘ደይ ገጂፍ! እዩ ካሜራ ዘይውሕጦ

ኣብ ሰማይ ተኻሲሱ ዘይውዳእ ትሕዝቶ

ባሕሪ ቀለም ኮይኑ ዘይኣክል ከቕብኦ።

ስእሊ ‘ደይ ዛንታ’ዩ

ዛንታ ምድሪ ሓበሻ

ብደምን ንብዓትን ዝደመቐ ካርታ!

 

ፍቕረይ የማን
ግንቦት 2017

One thought on “ስእሊ ‘ደይ፧!

  1. “ስእሊ ‘ደይ …
    … … …
    ህ …!
    ስእሊ ‘ደይ የብለይን።
    ብምንታይ ‘ተሳእለቶ፧!”
    ስቅ ኢሉ ዘቀናዝወካ ግፈት ቦታ’ዩ! ባዕለይ ክምልኦ ይብል’ሞ ዓቅሚ ይውሕደኒ! ስእሊ’ደይ ኣብቲ ዓቢ ቦታ’ውን እንተተተመነ ኣይሕዞን’ዩ።
    ፍቅረይ! ኣዚያ ፍቅሪ ወላዲት ብዘይዕቀን መንገዲ ክትገልጾ ክኢልካ ኢኻ’ሞ ዓወት ይሃብካ። ፍቅሪ’ደ ፍቅሪ’ዩ!

    Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s