ኣብ ዝግታ ‘ቲ ባሕሪ
ህድኣት ማዕበላቱ
ዳሕረዋይ ጫፍ ዕምሪ፣
ጸሓይ ኣብ ምዕራባ
ዋግዋጎ ጽላሎት
‘ዒንትኺ ምስ ደብዘዛ፣
ኣበይ ትጸንሒ እንድዒ
ኣብ ዓራት ዶ ኣብ ኲርሲ
ምስ ሰብ ዶ በይንኺ
ኣብ ማእከል ዶ ኣብ ኣብ ጸግዒ
ግን ክትዝክርኒ ኢኺ።
ዝኽሪ ንእስነት ኣብ እርጋን ይደምቕ
ጣዕሳን ሓዘንን ሽዑ ይዓሙቚ
ፍቕሪ እንተነይሩ ከኣ እባ ሻቡ ዝያዳ ‘ምውቕ፣
ዕጽፍጻፋት ገጽኪ
ከም ብራናታት ጥንቲ
ግእዝ ፊደላቱ ዛንታ ናይ ባሕተውቲ
ማእከለ-ሚስጢራት ዝደሊ ተርጐምቲ
ነባቢ ክምነ’ዩ ካብ ሰኸም ዘዕርፈኪ
ዛንታኺ ከይድገም ዝሰምዕ ምኽርኺ።
ከምገለ ከይትዝንግዒ እሞ ከይትርስዒ
ምልኣት ከይስእን ምስሊ ‘ቲ ጽውያኺ
ኲሉ ዝነግረልኪ ስእለይ ምሳኺ ሓዚ