ዓደይ!
ተወሊድኪ ጻንታ፡ ትህደኒ ብቓጻ
ትወልዲ መማንታ፡ ዝዀኑኺ ቃንዛ።
ዓደይ!
እቶም ዝቃጸዩ ዘየናሕስዩ
ክገብሩኺ ‘ነበረት’ ሐሕስሙ ይፍሕሱ፡
ቅዳሴ-ጸሎቶም ዝያሜታት ደርፎም
ሽምኪ ዘማእከለ’ዩ።
ደቂ ማህጸንኪ፡ ከም ክልተ ሹም ንህቢ
ሕድሕድ ዝናቖሩ ክብሕቱ ቆፎኺ፡
ሓዲኦም ጨካን ከርሱ
እቲ ካልእ ጸቢብ ርእሱ፡
ኣይንሓሰዩ ኣይተሓላለፉ፡
ክብርኺ ኣራኺሶም ኣካልኪ እናድመዩ
ብሽምኪ ንሽምኪ ይምሕሉ።
(ማሕላኦም ሓሶት
ሓጢኣቶም’ኳ ይርእይሉ ኣለዉ)
ዘየምዕር ንህቢ ኣብ ቆፎ
በላዕተኛ’ዩ ከም ንኸብዲ ኮሶ፡
ጠሊ ዘይብሉ ደመና
ኣይንዝናብን ንኣመሉ ደኣ።
ዓደይ!
ቅተልዮም! ‘ዞም ማንታ
ውለዲ ሓደ፡ ሓደ ንሓድነት
ከም እየሱስ ኣውራ ስብከት
ከም መሓመድ መምህር ስግደት
ዘዕስለና ማእከል ስሕበት
ጸዋር ማእዶ ዓንዲ ጥምረት፡
ውለድልና ‘ተስፋ ምሕረት’።
ፍቕረይ የማን
ሚያዝያ 2017