“ዘይቀበረት: ዘይቀበጸት ነብሲ
ኣይትድቕስ ኣይተማሲ
ምህሙን ተስፋ’ያ ‘ተቋሲ”
ተደጋጊሙ ከምዝግለጽን ዝርአን፣ ሓደ ካብ ዕማማት ግጥሚን ገጠምትን ንሂወት ሕብረተ ሰባትን ኣጋጣሚታቱን ዝድህስስ፣ ካብ ዳህሳሱ ነቒሉ ብዝተፈላለየ መልክዓትን መንጽራትን ጠሚቱ፣ ትዕዝብቱ፣ ተምሳጡ፣ መግናሕቱ፣ እህህታኡ፣ ሓጎሱ፣ መጠንቀቕታኡ ብቕኔ ዘቕርብ እዩ።
ንምስሊ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም ብዝተፈላለየ መልክዓቱ ከንጸባርቑ ዝተጻሕፉ ግጥምታት ናይ ዝተፈላለዩ ናይ እዋኑ ገጠምቲ፣ ንሂወት ኣብ ትሕቲ ዲክታተርያዊ ስርዓታት ብብዙሕ ሸነኹ ዘርእዩ፣ ግጥምታት ሶርያዊ ኒዛር ቓባኒ፣ ፍልስጤማዊ ማሕሙድ ደርዊሽ፣ ዒራቓዊ ኣሕመድ መጣር፣ ብርክት ዝበሉ ኢራናውያን ቱኒዝያውያን ገጠምቲ ወዘተ፣ ካብቶም ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ከራጒዱለይ ዝኽእሉ ግጥምታቶም ዝነበብኲሎም እዮም።
ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ መሪር ሂወት ዘሕልፈሉ ዘሎ እዋን ገጠምቲ ትግርኛ ይዂኑ ካልኦት ኤርትራውያን ገጠምቲ ኸ ብኸመይ የንጸባርቕዎ ኣለዉ፧ ኣዝዮም ብዙሓት መንእሰያትን ሒደት ዓበይትን ገጠምቲ ትግርኛ ግጥማታቶም ዝነበብኲሎም ኮይኖም፣ ንሎሚ ሒደት ካብቶም ብዙሓት እዋናዊ ኲነታት ኤርትራውያን ብውሕልነት ዝቐነዩን ዝሰነዱን ግጥምታት ክፍትሽ ክፍትን እየ።
ነቲ ብሰንኪ ኲናትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝሰዓበ፣ ምምዝባላት፣ ስደትን ቅልውላውን ኤርትራውያን ስድራቤታት ንምንጽብራቕ፣ ብሓደ ኣካል ናይቲ ፍጻመ ዝዀነ ቀዳማይ ኣካል ኣዘንታዊ እናተመርሐት፣ ኣስተንትኖኣን እህህታን እተርኢ ግጥሚ ተስፊት ኣብርሃም “ኣብ ዳግማይ ስደት” እንተተመልከትና፣ ኣብ ቀዳማይ ማይቤታ ከምዚ ዝብል ንረክብ።
“ዓደይ
ዓደ’ቦይ
ዓደ’ደይ
ኵናት ኔሩ ቀደም
ህይወት ዝፈቱ: ሰታዪ ደም።
ቆልዓ ኔረ ሽዑ
ግን ከኣ: ቆልዓ እረሩ
እረሩ… እረሩ…
ናብራ ገዛና
ኣብ እንግድዓ ኣደይ ብምንባሩ
ኣቦ ኣይነበረን ገድሊ ወጺኡ
(ኣይተመልሰን ከማን ንሞት ሓርዩ)”
እዚ ኣዘንታዊ ኣብ ህጻንነቱ ዘጓነፈ ኲናት፣ ምስሊ ስድራቤቶም እዩ ዝገልጽ ፈለማ። ኣብ ዝሰዓበ ማይቤት ብሰንኪ እቲ ዂናት ዓዶም ፋሕፋሕ ከምዝኣተዋን፣ ንሱን ስድራኡን ውን ፋሕፋሕ ኢሎም ኣዲኡ ናብ ሓደ ሸነኽ ንሱ ናብ ካልእ ሸነኽ ከም ዝኸዱ ይነግረና። በብዝኸድዎ ከይተራኸቡ ኣብ ሂወት ስደቶም ዓመታት ከምዝሓለፈን ክምልሱን ክራኸቡን ተስፋ እናገበሩ፣ ካልእ ዳግማይ ስደት ከምዝተወልደን ካብቲ ዝነበርዎ ውን ኣርሒቖም ምስዳዶምን ይዛረብ። ግዜ ፍታሕ ኣምጺኡ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ሰብ ብቐሊል ደሃይ ዝገባበረሉ እዋን ምብጽሑን፣ ንዕኡ ተጠቒሞም “ዝረኣየ ዓይኑ ይብራህ” ዝብል ምልክታ ዘርጊሖም ዳግማይ ምስ ኣዲኡ ከምዝተራኸቡን፣ ድሕሪ ምርኻቦም ዝነበረ ናይ ናፍቖት ዕላላትን እናነገረ ከኣ ይዛዝም።
እዛ ግጥሚ ኣብ ዝዀነ ዶብ ናይ ኤርትራ ኣብ ዝተደኰና ዓድታት ዝርከቡ ስድራቤታት ክትውክል ትኽእል ኮይና፣ ነቲ ኣብ እዋን ንናጽነት ኣብ ዝነበረ ኲናትን ምምዝባላትን በታ ቀዳማይቲ ማይ ቤት ኣቢላ ገሊጻቶ ትርከብ። ድሕሪ ናጽነት ውን ቀልጢፎም ዘይምርኻቦምን፣ እቲ ጠንቂ ከኣ ካልእ ኲናትን ምምዝባልን ዝፈጠሮ ዳግማይ ስደት ምዃኑን ገሊጻ፣ “ስደት ስደት ወሊዱ/ሕሰም ዳግም ነጊዱ” ብምባል ከካብቲ ዝነበርዎ ውን ናብ ዝረሓቐ ስደት ምኻዶም የውክእ። ካብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሱዳን፣ ስዑዲ ዓረብ ወዘተ ካብተን ንኤርትራ ቀረባ ዝዀናን ኣብ እዋን እቲ ናይ ቅድም ስደት ብዙሕ ብብዝሒ ኤርትራዊ ዝተሰደደለንን ሃገራት ግና ክትስእል ይከኣል። ናብዚ ሎሚ ብብዝሒ ኤርትራዊ ተሰዲድዎ ዘሎ ሃገራት ምዕራብ ምኻዶም ምግማት ውን ኣየጽግምን ብመሰረት እዛ ግጥሚ።
እዚ ሎሚ፣ ኣብ ፈይስቡክን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያን ስእልታት እናዘርጋሕካ ዝግበር ዘሎ፣ ተፍትሽ ናይ ዝተጣፍኡ ስድራቤታት ከምዘራኸቦም ከኣ፣ “ዝረኣየ ዓይኑ ‘ብራህ”/ቀሊል ምዝርጋሑ/ኣብ ኲሉ ኲርናዕ ምብጽሑ:/(ድሓን ይእቶ: ርኽበታዊ ምህዞ ኣራኺቡና)” ኢሉ ከመይ ከምዝተራኸቡ የርእየና።
ብሰንኪ ሕድሕድ ሃለዋት ዘይምህላው ዝሓለፍዎ መሪር ናፍቖትን ሻቕሎትን ዝመልአ እዋን፣
” “ዘይቀበረት: ዘይቀበጸት ነብሲ
ኣይትድቕስ ኣይተማሲ
ምህሙን ተስፋ’ያ ‘ተቋሲ
ልዕሊ ክልተ ዕቊድ
ዘይርጡብ ድሃይ ክዓጽድ
ኣሕሊፈዮ!” “
ኣብ እትብል ማይቤት ብድምጺ ኣዲኡ ኣቢሉ ክነግረና እንከሎ፣ ዝፍጠር ኣቐንዛዊ ስምዒት፣ እዞም ሕጂ ውን ሃለዋቶም ጠፊኡ ዘሎ ኤርትራውያን ስድራቤታቶም ዘሕልፍዎ ዘለዉ፣ “ምህሙን ተስፋ” ዝሓዘለ ድቃስ ዘይብሉ ሂወትን ቃንዝኡን የርእየና።
ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ዘለወን ምስሊ ከኣ ኣብዘን ዝስዕባ መስመራት፣ ኣብ ውሽጢ ኣዲኡ ዘሎ ስንብራት እንታይ ከምዝመስል ይነግረና።
“ዝዕበጥ እምበር ዘይበሊ፡
ዛንታ ኲናትን ስደትን ዝፈጠሮ
ሕብረ-ብዙሕ ምስሊ።”
እዛ ብሓደ መሪሕ ጠባይ እትስነ ኣዘንታዊት ግጥሚ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነ ሂወት ዝለብሱ ገጸባህርያት ውን ሓቚፋ ዘላ፣ ኣብዚ ዝሓለፈን ገና ዝቕጽል ዘሎን ልዕሊ 40 ዓመታት ኣብ ኤርትራውያን ስድራቤታት ዘጋጥም ኲነታት ዘሎ እተርኢ፣ ብመንገዲ ዛንታ ሓንቲ ስድራ ንብዙሓት ስድራቤታት ሰነዶም እትኸውን ግጥሚ እያ።
ንዝያዳ ምስትምቓር እንሀት እዛ ግጥሚ
ኣብ ዳግማይ ስደት
ዓደይ
ዓደ’ቦይ
ዓደ’ደይ
ኵናት ኔሩ ቀደም
ህይወት ዝፈቱ: ሰታዪ ደም።
ቆልዓ ኔረ ሽዑ
ግን ከኣ: ቆልዓ እረሩ
እረሩ… እረሩ…
ናብራ ገዛና
ኣብ እንግድዓ ኣደይ ብምንባሩ
ኣቦ ኣይነበረን ገድሊ ወጺኡ
(ኣይተመልሰን ከማን ንሞት ሓርዩ)
ኣብቲ ግዜ ሽዑ
ኣብ ዓድና: ኵናት ተኣጒዱ፡
ሰብ ሃዲሙ
ዓዲ ባዲሙ
ኣነ ንቕድመይ ብዝመርሓኒ እግረይ
ኣደይ ንቕድሚኣ ምስ ሓወይ ምስ ሓፍተይ
ፋሕ-ፋሕ…! ኢልና ተጣፊእና
ርብዒ ዘመን ሓሊፉ ተፈላሊና
ከይተራኸብና
ኣነ ዘኽቲመ: ተሸኲለ ዓቢየ
ኣደይ ተሳቕያ ሳዕሪ ሳጽያ
ኣሕሊፍናዮ…!
ስደት፡ ስደት ወሊዱ
ሕሰም ዳግም ነጊዱ
ግዜ ግዳ: ፍታሕ ለጊሱ
“ዝረኣየ ዓይኑ ‘ብራህ”
ቀሊል ምዝርጋሑ
ኣብ ኲሉ ኲርናዕ ምብጽሑ:
(ድሓን ይእቶ: ርኽበታዊ ምህዞ ኣራኺቡና)
ኣብቲ ናይ ምርኻብና ህሞት
ርሱዕ ናፍቖት: ብፍቕራዊ ዕምቆት
ዝፈጠሮ ስምዒት
እንድዒ…!
ብምንታይ ክልክዖ ብኸመይ ክቕምሮ
ሓጎስ ውሽጠይ: ደረት ኣልቦ
ኪንዮ ጽንፊ ‘ናቃልሖ
ተሓጒሰ ተፈሲሀ…
ይርኢ ኣለኹ: ድምጺ ኣደይ እሰምዕ
ስሓቕን ንብዓትን የጉስዕ
ናይ ናፍቖት ስሓቕ
ናይ ሓጎስ ንብዓት: ‘ናቐደመ
የበስረኒ’ሎ ኣብ ዉሽጠይ ‘ናዘየመ።
(ዝኽሪ ሕሱም፡ ደበስ ጥዑም)
ድሕሪ’ቲ ህሞት
ድሕሪ’ቲ ስዕመት
ነቲ ዘሕለፈቶ ደብዛዝ ህይወት
ተካል ሃለዋት
የዕሊላትኒ ንብዓት እናዛረየት
ሓጎስ እናካፈየት:
“ዘይቀበረት: ዘይቀበጸት ነብሲ
ኣይትድቕስ ኣይተማሲ
ምህሙን ተስፋ’ያ ‘ተቋሲ
ልዕሊ ክልተ ዕቊድ
ዘይርጡብ ድሃይ ክዓጽድ
ኣሕሊፈዮ!”
እናበለት ጸውያትኒ ‘ዛ ኣደይ…
ኣነ ድማ: ሓሓሲበ ከስተንትኖ
ሓይሊ ፍቕሪ ወላዲ: ወሊድካ ፈትኖ
ኣብቲ ምፍልላይ ከብዲ ትሕቖኖ
ሕቖ ትስበሮ
ኣብ ቦታኣ ኣትየ ብሂገ ክሰፍሮ።
(ኣይተኽኣለን እምበር:)
ኣብ ውሽጣ’ሎ ዝኽሪ ዝህርህራ
ንዓመታት ዝደወነ ሕብራ፡
ኣብ ውሽጠይ ኣሎ ሕሱም ዝኽሪ
ዝዕበጥ እምበር ዘይበሊ፡
ዛንታ ኲናትን ስደትን ዝፈጠሮ
ሕብረ-ብዙሕ ምስሊ።
***
ተስፊት ኣብርሃም
መጋቢት 2016
ፍቕረይ የማን