ግጥሚ፣ ኣብ ምዕቃብን ምትሕልላፍን ያታ፣ ባህልን ታሪኽን

 

ትብዓት ሪኢኻሎም ገለ ፈይታ ነጥሪ
ባይታ ተለለወ ምስ ሓመዱ ክምጥምጡ ፍቕሪ፧

“ኣብ ጥንታዊ ሂወት በደይዊንን ሓፈሻዊ ዓረባውን ምብራቓውን ዓለምን፣ ቀንዲ ንጥፈታት ስነ ግጥምን ገጠምትን፣ ንባህላውን ያታውን ንጥፈታት እቲ ሕብረተ-ሰብ ምሕላውን ምዕቃብን ኮይኑ፣ ከምኡ ድማ ከም ባሬላ ኮይኑ ታሪኽ ብምስናድ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ምትህልላፍ እዩ ነይሩ። ምጽሓፍን ምንባብን ዝኽእል ዳርጋ ገጣሚ ጥራይ እዩ ነይሩ ውን ክብሃል ይከኣል። ኣብ ሂወት እዚ ሕብረተ-ሰብ እዚ ገጣሚ እቲ ኣዝዩ ልዑል ተራ ዝጻወት ኣገዳሲ ሰብ እዩ። ባህላውን ያትውን ክብርታት ምስናድን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ምትሕልላፍን ድማ ሓደ ካብ ቀንዲ ጸዋዕትኡ እዩ ነይሩ።” ይብል፣ ኣብ “poeten Hjerte (ልቢ እቲ ገጣማይ)” ዝብል ብቛንቋ ኖርወይ ዝተጻሕፈ መጽሓፍ፣ ብዛዕባ እዚ ዝጠቕሶ ዘሎ ዞባን ንጥፈታት ስነ ግጥምን ክዛረብ እንከሎ።

እዚ ኣበሃህላ እዚ ናብቲ ሂወት ከባቢና ካብኡ ናብኡ ከኣ ናብ ሂወት ሕብረተ-ሰብ ትግርኛ ኣምጺእና ምስ እንርእዮ፣ ኣዝዩ ዓሚቚ ዝዀነ ትርጉምን ሓቅነትን ንረኽበሉ። እቲ ንጥፈታቱ ብጽሑፍ ዘይስንድ ዝነበረ ህዝቢ፣ ብስነ ጥበባዊ ንጥፈታት ኣቢሉ፣ ኲለንትናዊ ንጥፈታት ሂወቱ ይገልጽን ይስንድን ምንባሩ ክንግንዘብ ንኽእል። ነዚ ኣርእስተይ ኮይኑ ዘሎ ግጥማዊ ንጥፈታት እንተሪእና ከም ኣብነት፣ ብመንገዲ ማሰ፣ መልቀስ፣ ደጒዓን ካልኦት ግጥማውያን መንገድታትን ኣቢሉ፣ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታቱ ይገልጽ ምንባሩ ንምልከት። ኣብዞም ንጥፈታት ተሓዚዙ ዘሎ ዛንታ ድማ፣ ታሪኽ ኮይኑ፣ ዘዝቐደመ ወለዶ እንታይ ይመስል ነይሩን ከመይ ዝበለ ንጥፈታት ከመይ ገይሩ ይትግብሮን የንጸባርቖን ነይሩን ምርዳእ ይከኣል። ከምዚ ስለዝኾነ ድማ እዩ፣ ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ፣ ምርምራቶም ኣብ ዘካይድሉ እዋን፣ ከም ቀንዲ መራትዒ ዝጥቀምሉ ባእታ፣ ኣብ እዋን እቲ ዘጽንዕዎ ዘለዉ ኲነታት፣ እንታይ ዓይነት ስነ ጥበባዊ ፍርያት ፈርዩ፧ ህዝቢ ብኸመይ መልክዕ ስነ ጥበባዊ ንጥፈታቱ የካይድ ነይሩ ዝፍትሹ። ግጥሚ ከኣ እቲ ኣውራ ተመራጺ ፍርያት እዩ።

እቶም ህቡባት ግጥምታት፣ ንንጒሰ ወዲ እልፉ፣ ዮውሃንስ ወዲ ዘሞ፣ ማመት ጓል ጸባኡ(ባዕላ ንነብሳ ዝገጠመቶ)፣ እንተተመልከትና፣ ንታሪኽ እቶም ሰባት ጥራይ ዘይኰነ፣ ኣብቲ እዋን እንታይ ዝመስል ማሕብራዊ ኣነባብራ ነይሩን፣ እንታይን ብኸመይን ተፈጺሙን ዝኣመሰሉ ስእላዊ ሓበሬታታት ክህልወና ዘኽእሉ እዮም። ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ ታሪኻውያን ግጥምታትን ደጒዓታትን፣ ኣብታ ብስነ ጥበባዊ ሰለሙን ጸሃየ ዝተዳለወት “ማሰን መልቀስን ቀዳሞት” ዝተሰምየት ዓባይ መጽናዓታዊት መጽሓፍ እንተተመልከትና ውን፣ ሕብረተ-ሰብ ትግርኛ ዝጥቀመሎም ዝነበረ ኣዝዮም ዓሞቕቲ ግጥማውያን መራኸቢታት ክንርዳእን እንታይ ዝመስል ሂወት ነይርዎ ክንፈልጥን ንኽእል።

ምስቲ ብዛዕባ ዓረባዊ ዓለምን ግጥማዊ ንጥፈታቱን ብምንጽጻር እምበኣር፣ ሕብረተ-ሰብ ትግርኛ ‘ውን ብግጥማዊ መንገዲ ኣቢሉ ታሪኽ ዝስንደሎም፣ ዘጸናንዓሎም፣ ዝምዕደሎም፣ ዘጠንቅቐሎም ወዘተ ዝኣምሰሉ ሰፋሕትን ዓመቚትን ግጥማዊ ሜላታት ነይሮሞ እዮም።

መንቀሊ ጽሑፈይ፣ ንዝኽርን ክብርን ህቡባት ሰባት፣ ታሪኻውያን ቦታታትን ኣጋጣሚታትን ኣመልኪቱ ዝጸሓፍ ግጥምታት ኣብ ሕብረተ ሰብ ዝህልዎ ተራን ጽልዋን፣ ኣብ ታሪኽ ዝህልዎ ግደን ካልእን ንምርኣይ ዝዓለመ እዩ። ኣብቲ ጥንታዊ እዋን፣ ንዝተፈላለዩ ሰባትን ታሪኻዊ ኣጋጣሚታትን ዝተባህለሎም ግጥሚ፣ ብመልክዕ ማሰ መልቀስ፣ ደጒዓን ካልእ ግጥማዊ ኣገባባትን፣ ኣብዛ ናይ ሰለሙን ጸሃየ መጽሓፍ ብኣዝዩ ሰፊሕ መንገዲ ኣብ ካልኦት ከም ናይ በዓል፣ ግርማይ ነጋሽ (ናይ ደረስቲ ናጽነት)ን ካልኦት ነዚ ኣመልኪቶም ዝተጻሕፉ መጽናዕታውያን መጻሕፍትን ክንረኽቦ ይከኣል እዩ።

12741892_10205724703017306_1077812697825854975_n

ኣብ ዘመናዊ ግጥሚ ካብ 1950ታት ኣቢሉ ዝጀመረ፣ ከም ዳርጋ ኲሎም ደርፍታት ኣቶብርሃን ሰጊድ፣ ግጥምታት መምህር ኣስረስ ተሰማን ካልኦት መሳትኦምን እንተተመልከትና ድማ፣ ነቲ ታሪኻዊ ኣገጣሚታት ብዝግባእ ዓሚቚ መንገዲ ኣብ ግጥምታቶም ኣንጸባሪቖሞ ንረኽቦ። ነዞም ግጥምታት ብምንባብ ኣብቲ እዋን እንታይ ነይሩ ንምርዳእ ዝቐለለ ይኸውን።

ኣዝዮም ብዙሓት ናይ ሜዳ ግጥምታት ዝነግርዎ ታሪኻዊ ፍጻሜታት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፣ ብወዲ ትዂል እትድረፍ ለሚን ለሚነይ ኣብ እትብል ደርፊ ዘለዉ፣ “ሳላ ዋዕላ ተኽሊ/ሳላ ጽኑዕ ማሕላ/ …….. ስመጃና ከይዱ ክንዲ ዝመኸረ/ደቡብ ርእሲ ዓዲ ሳላ ዝሓደረ” ዝብሉ መስመራት እንታይ ዓይነት ታሪኽ ክነግሩ ከምዝኽእሉ ነዚ ዘጽንዑ ሰባት ክበጽሕዎ ዝሕግዝ እዩ።

ንዝተፈላየ ታሪኻዊ ፍጻሜታት እቶም ሰብ ፍሉይ ቅያ ዝኾኑ ተጋደልቲ ውልቀ-ሰባት ዝነግርን ዝስንድን ግጥምታት ስለምንታይ ኣይተጻሕፈን ኢልካ ዘሕስብ ኮይኑ፣ ገና ሎሚ ከምኡ ኢሉ ዝቕጽል ዘሎ ንፈጸምቲ ታሪኽ ቦታ ዘይህብ ስነ ጥበባዊ ንጥፈታት ዓድና ዓቢ ሃጓፉ የርኢ።

ሒደት ገጠምቲ፣ ፍሉይ ሕላገት ንዘለዎም ውልቀሰባትን ታሪኻውያን ኣጋጣሚታትን ቦታታትን ብግጥምታቶም ከንጸባርቑን ክስንዱን ንረኽቦም። ሓደ ካብኦም ሃይለ ቢዘን ኮይኑ፣ ብዘይካ እቲ ኣቐዲሙ፣ ንታሪኻውያን ቦታታት፣ ናቕፋ፣ እምባ ደንደን፣ ዖና፣ ኦምሓጀር፣ ሃዘሞ፣ ኣቚርደት፣ ወኪ፣ ሽዕብ፣ ባጽዕ ኣመልኪቱ መምስ ታሪኻዊ ፍጻሜታቶም ዝጸሓፎ ቅኔ፣ ንስነ ጥበበኛታት ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል (ባርያ)፣ ካርቱኒስት ኣብርሃም ሳህለ፣ ገጣምን ደራስን ኣስረስ ተሰማ፣ ድምጻዊ ትኳቦ ወልደማርያም ንስነ ጥበባዊ ሂወቶምን ፍሉይነቶምን ኣመልኪቱ ቀንዩሎም እዩ።

… ትማሊ ሃንደበት

ድምጺ ትንፋሰይ ምስ ተዀልፈ

ቅኒት ሂወተይ ምስ ላሕተተ

መሽጐራጒር ሩሕታይ ከይተረፈ በታቢተ

ኣናድየ ናይ ኣውታረይ ብታኽ ጠረግታ

ስለ ዘይተጸበዂዎ ንብርሃን ዘጽድፍ ጎፍታ …

እናበለ፣ ንፍሉይነት የማነ ኣብ ሙዚቃ የንጸባርቕ እሞ፣ ዝተቓነየ ኣውታር ምብታኽ ኣብ ህርመት ዝፈጥሮ ዘርጊ ድማ፣ ሞት የማነ ክንድምታይ ንሙዚቃ ሃጓፍ ከምዝፍፈጥረሉ የስተንትን።

… ጐደናታት ምስ ተከዘ

ሽውሽውታ ንፋስ ምስ ላህመመ

ሕብሪ ብርሃን ምስ ጸለመ

ተረዲኤ ብርሃን ከምዝተበትከ …

(“ምረት እቲ ጫፍ” ንየማነ ባርያ ዝተጻሕፈት፣ ኣብ መጽሓፍ “ብድሕሪ ማዕጾ” ካብ ዘላ ግጥሚ ዝተወስዱ መስመራ)

የማነ ባርያ
ድምጻዊ የማነ ገብረሚካኤል

… ስይኡ ዝነበረ ጽላሉ

ጽባቐኡ ዝነበረ ስእሉ

ጐደና ዝኣክል ክንድኡ

ተጊዒዙ ቦታ ተቐይሩ

መሰንገሉ ጥበብ ተመንዚዑ

ቐዚዙ ‘ሎምኒ ጐደናና ነቢዑ።

ንካርቱኒስት ኣብርሃም ሳህለ ካብ ዝተጸሕፈት ግጥሚ “ጽንዓት ይሃብካ ጐደናና” እትብል ግጥሚ ምስ እንምልከት፣ ስነ ጥበበኛ ኣብርሃም ሳህለ፣ ክንድምታይ ዕምቆት ዝነበሮ ሰብ ምዃኑ ከነገናዝብ ንኽእል። “ጽባቐኡ ዝነበረ ስእሉ/ጐደና ዝኣክል ክንድኡ” እንታይ እዩ ዝውክል? ኣብ ቦታ ኣብርሃም ሳህለ ኢልና ክንሓስብን ክንምርምርን ውን ጽቡይ ይኸውን። እቲ ጐደና ባዕሉ ዝነብዕ ከ ከመይ ኣቢሉ እዩ፧ ኢልካ ምሕሳብ ውን ዘይተርፍ እዩ።

ኣብርሃም ሳህለ
ካብ ካርቱናት ኣብርሃም ሳህለ

ንደራስን ገጣምን ኣስረስ ተሰማ ኣመልኪቱ ኣብ ዝጸሓፋ ቅኔ፣ ዝሰገርዎ ዝተፈላለየ ከቢድ እዋናት ኣብ ትሕቲ ስሚ ስነ ጥበብ ዝኾኑ ሰለስተ ስርዓታትን መስገደላቱን፣ ጽንዓቶም፣ ልዑል ስነ ጥበባዊ ክእለቶም ምስዚ ኹሉ ግና ዘድንቕ ትሕትናኦም ኣብዛ ሓጻር ግን ዓሟቚ ቅኔ ሰፊሩ ንረኽቦ።

ጸሓይ ክድብል ከሎ

ከእቱ ሃለፍታ

ቀዝሒ ክልሀ ከሎ

ከሐቊፍ ክርደዳ  ኣብዞም መስመራት እቲ ሓደ መሪር እዋን፣ ብምረቱ ኣብ ሃለፍታ ዘእቱ ወይ ኣኸርድድ ኣቢሉ ዘቚርር ዘሸቚርር እዋን ኢና ንርኢ። ኣብ ሂወት መምህር ኣስረስ ተሰማ ኣምጺእና እንተርኢናዮ ከኣ፣ ነቲ መሰታኦም ሰነ ጥበበኛታት ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሴን ደርግን፣ ፈቐዶ ማእሰርትን ስደትን ዝዀንሉ እዋን ክንረክብ ንኽእል። ኣብዚ ዳሕረዋይ መዋእል ውን እንተዀነ ንስነ በበኛ ዝኸፍአ እምበር ዝሓሸ እዋን ኣይኮነን። ኣብዚ እዋን ኣብዚ ኩሉ እዋን ምስዚ ዂሉ ክእለቶም ከመይ ኣብዝን ኣብትን ከይበሉ ብትሕትና ከምዝሓለፍዎ ኣብዛ ቅኔ ንምልከት። እታ ካብ ርእሶም ዘይትፍለ ቆብዕ ፣ ኣብቲ መዘና ኣልቦ ስነ ጥበባዊ ብቕዓት ዝሓቖፈ ርእሲ ተሰቒላ፣ ግና ትሕትና ብዘርኢ ቅርጺ ኣቃውማ ትእምርቲ ትሕትናኦም ኮይና ንሪኣ።

… ዝባን’ቲ ዓቢ ህድሞ

ነጊሳ እንከላ

ትሰግድ ዝነበረት

ንኹሉ ተመቕሊላ

ጥበብ ብህየቱ

ብውሽጣ ኸዊላ።

(“ብድሕሪ ኸውሊ’ቲ ዓቢ ህድሞ” ንመምህር ኣስረስ ተሰማ፣)  ኣብዛ ግጥሚ፣ ኣየናይ እቲ ዓቢ ህድሞ፧ እቲ ተኸዊሉ ዘሎ ኸ፧ እናበልካ ምስትንታንን ንነፍሲ ወከፍ ነግሒ ዝሓቖፈቶ ትርጒም ምምርማርን፣ ናብ ሂወት መምህር ኣስረስ ተሰማ ጥራይ ዘይኮነ ናብቲ ኣብ ሂወት ዘመኖም ዝነበረ ኲነታት ውን ምእታውን ምግንዛብን ዝከኣል እዩ።

ኣስረስ ተሰማ
ደራስን ገጣምን ኣስረስ ተሰማ

ከምቲ ገጣምን መምህር ስነ ግጥምን ከምኡ ‘ውን ተሸላሚ ኖበል ዝዀነ ተወላዲ ደሴታት ካሪብያን (Saint Lucia) Werek Alton Walcott፣ “ንፉዕ ገጣማይ፣ ነፍሲ ወከፍ መስመር ናይ ግጥሙ እንታይ ሓቚፋ ኣላ ዝፈልጥን ነቶም ክብሎም ዝደለየ ኣበይ ኣበይ መስመርን ማይቤትን ከምዘቐምጦም ብጥንቃቐ ዘገናዝብን እዩ” ከምዝበሎ፣ ኣብዞም ግጥምታት ናይ ሃይለ ቢዘን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መስመርን ማይቤትን ዝተቐመጠ ዛንታን ትርጒምን ይርከብ እዩ።

ኣብዛ ንድምጻዊ ትካቦ ወልደማርያም ዝተጻሕፈት ግጥሚ እንተተመልከትና ንኣብነት፣ 10 መስመራትን ክልተ ማይቤትን ነፍሲ ወከፎም  ብውሕሉል ኣገባብ ዝተቐመጠ ዛንታን ምስሉን ሓቚፎም ንረኽቦም።

“ወዮ ዘባጢ ሓባጢ ሓቢኡ መጒሰጢ” ብምባል ንሓይሊ ፍቕሪ ክገልጽ እንከሎ፣ ኣብ ዝቐጸለት መስመር፣ ነቲ “ኣስማሪኖ በጽሒ” ገፍ ኣቢሉ ከላትሞ የርእየና። ሓያል ጥራይ እዩ ገፍ ኣቢሉ ዘላትም። እንታይ ደኣ እሞ ገበረ እቲ ኣስማሪኖ ኸ፧

ኣክንዲ ባይታ ዝልሎ ዝድርቀም ንምድሪ

ብዜማ ኡፍ’ሉ ሳሰዮ’ወ ጸንበሎ ንፍቕሪ። ብምባል፣ ነቲ ድምጻዊ ትካቦ ፍቕሪ ምስ ሓዞ እሞ ከይሰለጦ ምስ ተረፈ “ከም ኮኸብ ኣብ ሰማይ ተሰቒላ” ኢሉ ዝደረፎ ይነግረና።

ድሕሪኡ ኣስተንትኖ እቲ ቐናዪ እዩ ዝስዕብ፣ ድሕሪ ሞት ድምጻዊ ትካቦ ወልደማርያም፣ እቲ ቐናዪ የስተንትንን ይግረምን እሞ ሕቶ ይመጾ፣ እቲ ፍቕሪ ዝጸንበለ፣ ምስ ተገረ ሰማይ (በቲ ልሙድ ኣበሃህላ ሰብ ምስ ሞተ ትንፋሱ ንሰማይ ትኸይድ ዝበሃል)፣ ነቶም ኣቐዲሙ ብማዕዶ ዝደረፈሎም (ወዲ ሰብ ውን ከም መለክዒ ብልጸት) ዝጥቀመሎም ከዋኽብቲ፣ ከመይ ምዃኖም ይሓቶ።

… ትብዓት’ዶ ሪኢኻሎም ገለ ፈይታ ነጥሪ

ባይታ ተለለወ ምስ ሓመዱ ክምጥምጡ ፍቕሪ፧

ትካቦ
ድምጻዊ ትካቦ ወልደማርያም

ገጣሚ ሃይለ ቢዘን ኣብዞም ንታሪኻውያን ቦታታትን ፍጻሜታትን፣ ውልቀ ስነ ጥበበኛታትን ኣመልኪቱ ዝጸሓፎም ቅኔታት፣ ብዘይካ ዝኽርን ክብርን ታሪኻውነትን እዞም ቦታታትን ውልቀሰባትን፣ ምኡዝ ግጥማዊ ኣበሃህላታት ውን ኣብዞም ግጥምታት ፈጢሩ እዩ። እዚ ከኣ ነዞም ግጥምታት ብዛንትኦም ጥራይ ዘይኮነ ብጥበቦም ውን ፍሉያትን ዘልኣለማውያንን ይገብሮም። እቶም ሰባት ውን ብስርሖም እኳ ዘልኣለማውያን እንተኾኑ ኣብዞም ግጥምታት ውን ዘልኣለማውነት ይረኽቡ። እዞም ግጥምታት ናይ ሃይለ ቢዘን ነቲ ቀዳሞት ማሰኛታት ንሓድሕዶም፣ ሓደ ምስ ሓለፈ እቲ ዝጸንሐ ዝበሃሃልዎ ዝነበሩ፣ ኣፋዊ ግጥምታት ብዘመናዊ መንገዲ ዝትክእ ፈትሊ ኮይኑ ውን ንረኽቦ ኢና። (ኣብ መጽሓፍ ማሰን መልቀስን ተጠቒሱ ዘሎ ዛንታታት ምውካስ ይከኣል።)

“ሽውሽውታ ንፋስ ምስ ላህመመ

ሕብሪ ብርሃን ምስ ጸለመ” ዝብል ኣበሃህላ የሕስብ ጥራይ ዘይኮነ የስተንትን ውን እዩ። ኣብ “ምረት ጫፍ” ንየማነ ባርያ ዝተጻሕፈ ግጥሚ ንረኽቦም ነግሕታት እዮም።

“ብዛግየታ ይፈልጡ

             ብዘመነ ግርጒስ

በርቂ ክልተ’ሕዋት ቀቲሉ

          መቓብሮም ግና በበይኑ” ዝብል ነግሕታት ግጥሚ “ወኪ” ናብ ዓሚቚ ምርመራ ታሪኽ ዝወስድ ዛንታ ሓቚፉ ንረኽቦ ጥራይ ዘይኮነ፣ “በርቂ ክልተ’ሕዋት ቀቲሉ/መቓብሮም ግና በበይኑ” ኣብ ዝብሉ ነግሕታት ዘሎ ዕምቆት ጥበብ ፍሉይነት ዘለዎ ኮይኑ ንረኽቦ።

“ንምልከት እንሆ ዝብሃል ተሳኢኡ

ዓይኒ ብዘይመኸወሊ ተወንጪፉ”

ኣብ ሕሱም ህልቂት ዖና ንምርኣይ ዝተጻፈት ግጥሚ እንረኽቦም ቀዳሞት ነግሕታቶም እዮም። ብዘይካ እቲ ዝተረፈ ከምዘየለ ዝነግሩ ጥበባውያን ኣበሃህላታት ምዃኖም፣ “ዓይኒ ብዘይመኸወሊ ተወንጪፉ” ዝብል እጹብ ድንቂ መግለጺ ንቛንቋ ትግርኛ ክሀብትም ዝኽእል እዩ።

ንኡስ ኣርእስቲ ጽሑፈይ መሪጸዮ ዘለኹ ኣብ ግጥሚ፣ “ከም ኮኸብ ኣብ ሰማይ ተሰቒላ” ዝተወስደ ክልተ መስመራት ድማ፣ ከተፍቅርን ኣፍቂርካ ድማ ብዘይንሕስያ ከተንጸባርቖን ዝዕድሙ፣ ካብቲ ግጥሚ ወጺኦም ንበይኖም ውን ግጥሚ ዝኾኑ መስመራት እዮም።

… ትብዓት’ዶ ሪኢኻሎም ገለ ፈይታ ነጥሪ

ባይታ ተለለወ ምስ ሓመዱ ክምጥምጡ ፍቕሪ፧ ።

20160905_205747

እዞም ዝተጠቕሱ ግጥምታት እምበኣር፣ ነቲ ጥንታዊ ኣገባብ ግጥሚ ተኸቲሎም፣ ብመንገዲ ታሪኽ ውልቀ ሰባትን ታሪኻውያን ቦታታትን ፍጻሜታትን ኣቢሎም፣ ባህሊ ኣብ ምንጽብራቕ፣ ኣብ ምስናድ፣ ያታ ኣብ ምስናድን ምትሕላልፍን ታሪኽ ኣብ ምዕቃብን ምስግጋርን ልዑል ግደ ዘለዎም ክበሃሉ ዝኽእሉ እዮም። ነቲ ኣብ መጽሓፍ “ማሰን መልቀስን” ናይ ሰለሙን ጸሃየን ካልኦት ተመሳሰልቲ መጻሕፍትን ተሰኒዱ ዘሎ ያታዊ ቅኔታት ዝድርዑ ኮይኖም  ከኣ ንረኽቦም።

ፍቕረይ የማን
(ርእይቶ ይዂን ነቐፌታዊ ሓሳብ ኣብ ቦታ ኮሜንት ምግዳፍ ንጸሓፊኡን ንዕብየት ስነ ጽሑፍን ዝሕግዝ ኮይኑ፣ ብውልቂ ኣብ ፈይስቡ Fikrey Yeman ኢልካ ውን ምርካብ ይከኣል እዩ።)

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s