ድምጺ ልቢ፣ ምስሊ ኤርትራዊ መንእሰይ

“ሰነድ፣ ናይቲ ግዳይ ዲክታተርያዊ ስርዓትን፣ ብሰንኩ ዝሰዓበ ስደትን ስነ ኣእምሮኣዊ ቀውስን ዝኾነ መንእሰይ”

 

ድምጺ ልቢ መጽሓፍ እኲብ ግጥምታት ብርሃነ ገብረህይወት ኮይና፣ ኣብ 2016 ንሕትመት በቒዓ፣ ኣብ ስደት ንዕዳጋ ዝተዘርግሐት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ 115 ግጥምታት ኣብ 187 ገጻት ተሓቚፎም ይርከቡ።

ኣብዛ መጽሓፍ ሰፊሮም ዘለዉ ግጥምታት ኣብ ጒዕዞ 17 ዓመት ዝተጻሕፉ ምዃኖም በቲ ኣብ እግሮም ሰፊሩ ዘሎ ዓመት ምህረት ልደቶም ምርዳእ ይከኣል። ኣብ ውሽጢ 17 ዓመት እዚ ገጣሚ፣ ኣብ ግጥሚ እንታይ እዩ ገይሩ፧ ኢለ ሓሲበ። ኣብቶም ግጥምታት ዝረኸብኲዎ መልሲ ግን እቲ ገጣሚ እንታይ ገይሩ ዘይኮነ፣ ጒዕዞ ህይወት 17 ዓመት እቲ ኣካሉ ውን ዝኾንኩ ኤርትራዊ መንእሰይ እዩ። እዚ መንእሰይ፣ ካብቲ ናብ ዕድመ ዓቕሚ ኣዳም ዝሰገረሉ ክሳዕ ኣብ ምውዳእ መንእሰያዊ ዕድመ ዝሓለፎ ተመኲሮ ብምስሊ ኣብዞም ግጥምታት ይርከብ።

 

መንእሰያዊ ህንጡይነቱ፣ ተስፋኡ፣ ሕልሙ ኣብቶም ቀዳማይ መቓን ግዜ ኢለ ዝሰምዮ እዋን ዝተጻሕፉ ግጥምታት ክንጸባረቕ እንከሎ፣ ትዕዝብቱ፣ በቲ ትዕዝብቲ እቲ ዝተወልደ ኣስተንትኖን ድሕሪ ኣስተንትኖ ዝመጽእ ውሳኔታትን ተበግሶን ድማ ኣብቶም ካልኣይ መቓን ኢለ ዝሰመዂዎ ግዜ ዝተጻሕፉ ግጥምታት ደሚቑ ይርአ። ዝሕንሕን ዝሕርን፣ ጸኒሑ ዘስተማስል፣ ዝጠዓስ፣ ዝጭነቕን ዝገብሮ ዝሓርበቶን ምስሊ ድማ ኣብቲ ሳልሳይ መቓን ይረኣየኒ።

 

ዘገምታዊ ዕብየት ናይ ሓደ ካብ ኲትትናኡ ክሳዕ ደረጃ ምውዳእ ዕድመ ንእስነቱ ዘሎ መንእሰይ፣ ኣብቶም ግጥምታት ብዝንጸባረቕ ኣተሓሳስባታትን ዕምቆቶምን ስፍሓቶምን፣ ዝዓብይሉን ዝልወጥሉን መልክዓት ክግለጽ እንከ፣ ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ ኣብዞም ነዚ ኣተሓሳስባታት ሒዞም ዘለዉ ግጥምታት ብዝተፈላለየ መልክዓት ስምዒቱ ይርአ።

ድሕሪ ምዕራፍ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፣ ብዘይካ እቲ ገለ ኣዝዩ ፍሉይ መንቋሕቋሕታ ናይ ፖለቲካ ዝነበሮ መንእሰይ፣ ዝበዝሐ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፈ ይዂን ኣብ ምውዳእ ትምህርቲ ዝነበረ መንእሰይ፣ ብሩህ መጻኢ ዕብየት ሃገር ምስኡ ተኣሳሲሩ ድማ ዕብየት ነብሱ እዩ ዝረኣዮ ዝነበረ። ሕልምታት ኣዕዂኹ ተስፋኡ ዓብዩ ንተግባራውነቶም ኣብ ምጽባይ ድማ እዩ ዝነብረ። ብባህርያዊ ዓይንን ኣብ ንቡር ኲነታትን ድማ፣ ሓደ ካብ ዕድመ ቁልዕነት ናብ ጒብዝና ዝሰጋገር መንእሰይ እዞም ቀዲሞም ዝተጠቕሱ ስምዒታት የንጸባርቕ።ኣብ 2001 ዓ/ም ዝተጻሕፈት “ኣዕጥቐኒ” እትብል ግጥሚ ንኣብነት፣ ሓደ ገና ንእሽቶ እየ ዘለኹ እሞ ክኣክልን ክበስልን ግዜ የድልየኒ እዩ ዝብል መንእሰይ ምስ ልቡ ዝገብሮ ልዝብ ይርአ። እዚ መንእሰይ፣ ልቡ ናብ ፍቕሪ ጎርዞ ክጥምት ምስ ጀመረ እዩ ንጽናሕ ደኣ ዝብሎ ዘሎ። ክዓጥቕ ምዃኑ ግና ይኣምን። ድሕሪ ምዕጣቑ ኩሉ እቲ ልቡ ዘድልዮ ዘበለ ብምልኣት ከቕርበሉ ምዃኑ ውን ይትስፎ። ልክዕ ከምቲ “እዛ ዶብ ትተሓንጸጽ እምበር፣ ተጣይሰ እዝን እትን ክገብር እየ” ዝብል ዝነበረ መንእሰይ። ልክዕ ከምቲ ፍቕርቱ ደብዳቤ ናፍቖት ኣዲኡ ውን ከምኡ ደብዳቤ ናፍቖትን “ኣበባኻ ክንርእን” ምስ ጸሓፋሉ፣ ተኣማሚኑ፣ ሕጅስ ቀሪብና ኢና ምስ መጻእኩ ክንውድእ ኢና ብምባል ተስፋ ሰኒቑ ብተኣማንነት ዝምልስ ዝነበረ መንእሰይ፣ ከምኡ ውን ከምዝኾነ ባህርያዊን ንቡር ናብራን ዝነብር መንእሰይ።

ኣዕጥቐኒ

ኣብ ጥራሕ ኢደይ

ብዘይ ጒራደ ካብ ዝድብል

ሰብ ገበሮ ክገብር

ይብልዎ ኢለ ካብ ዝዘልል

ተጸመም ኣዕጥቐኒ

ግዜ ተመገብ ኣድልወኒ።

ንኣኻ ‘ውን መኣስ ክሓስመካ ኢሉ

ክድብሰካ ‘ንድዩ ኩሉ ጠቓሊሉ

ደሓር ከኣ …

ካብ ብጎጐቡ ምስ በሰለ

ካብ ብውዕዩ ምስ ዘሓለ

… እዩ ዝምረጽ

ህድእ በል ኣወግድ ተርባጽ።

ብትኸል ንቐል ሃታ-ሃታ

ቤት እንተ ተሃንጸ ዝጐብኦ ኢንታ

ጓሂ’ዩ መኽሰቡ ንኣኻ ዘሳጽይ

ናይ ዘልኣለም ስቓይ ንደምካ ዝመጽይ።

በጃኻ ኣዕጥቐኒ

ክቐድወካ ክቐድወኒ

ወይዘራዝር ኣይተቋምት

ኣብ ጥራሕ ኢደይ

ፍቕሪ ኣይትመስርት

ኣዕጥቐኒ ልበይ።

ኣብዛ ግጥሚ፣ እቲ ባዕሉ ውን ንእሽቶ ምዃኑ ዝተኣመነ መንእሰይ፣ ነቲ ባህርያውን ብድሌቱ እምበር ብድሌት ሰብ ዘይጓዓዝን ፍቕሪ፣ ግዜኡ ኣይኣኸለን ኢሉ ምምጓቱ፣ ዘይብስለቱን ንእስነቱን ብተግባር ይንጸባረቕ።

20170313_195053

ከምዛ ኣብ እግራ ተመልኪቱ ዘሎ እዛ ግጥሚ፣ ድሕሪ ምዕራፍ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ፣ ሽግ ተስፋ ብሩህ መጻኢ ኣብ ዝበዝሕ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ ተወሊዕሉ ዝንበረ እዋን ዝተጻሕፈት ግጥሚ እያ። ኣብቲ ኲናት መሪር ተመኲሮ ዘሕለፈ መንእሰይ ሎሚ ዶ ጽባሕ ንጣየስ ኢሉ ኣብ ልዑል ትጽቢት ኮይኑ፣ ድሕሪ ምጥያሱ ዝሕንብሶ ባሕሪ ሂወት ኣብ ምቊማት እዩ ዝነበረ። እቲ በቲ ኲናት ተጸልዩ ኣብ ሰንፈላል ዝነበረ ንኡስ ተመሃራይ ውን እንተኾነ፣ እዚ ወቕቲ እዚ ተስፋኡ ዝዓበየሉ ወቕቲ እዩ ዝነበረ። እዛ ግጥሚ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ምጽሓፋ ተስፋ ተቐኒቱ ኣብ ባህሪ ሂወት ክሕምብስ ኣብ ምንቃል ዝነበረ መንእሰይ ክትውክል ትኽእል። ልክዕ ከምቲ ናይ እዋን ልደታ ዝነበረ ኤርትራዊ መንእሰይ።

ምንዮታት ልቢ

ዘሰነፎ ቀልቢ

ኣብ ሰጣሕ ጐላጒል

ከም ዝጋልብ ሰጋር፣

ፍጥነቱ እናዛየደ

ርሕቀቱ እናወሰኸ

ሒዙኒ ምስ ከደ፣

እናበለት እትውሕዝ ግጥሚ “ሽግ ተስፋ” ኣብ 2006 ዝተጻሕፈት ግጥሚ እያ። ነቲ ዘይውዳእ ትጽቢትን ዓመት መጸ ዝወሃብ ዝነበረ ተስፋታት ንኤርትራዊ መንእሰይን ኣብዛ ግጥሚ ኣቐሚጥካ ምርኣይ፣ ሰንሰለት እቲ ዛንታ እንታይ ይመስል ነይሩ ምርዳእ ይከኣል። ብኻልእ ሸነኽ ውን ከምቲ ልዕሊ ዝበልኲዎ ሓደ ኣብ ንቡር ሂወት ዝነብር መንእሰይ፣ ዝህልዎ ሰንሰለታዊ ዕብየት ኣብዛ ግጥሚ ተንጸባቑ ኣሎ።

ካልኦት ኣብዚ ወቕቲ እዚ ዝተጻሕፋ ግጥምታት ‘ውን፣ ነቲ ዝነበረ ተስፋን ትጽቢትን ናይቲ መንእሰይ ብዝተፈላለያ መንጽረ ኲርናዕ ከንጸባርቓ ዝኽእላ እየን።

ተስፋታት ንፋስ ኮይኖም እናሃፈፉ፣ ትጽቢት ማይ ሓቚንካ ምትራፍ ምዃኑ ብሩህ እናዀነ ምስ መጸ፣ ልቢ ዘለዎ “እህህ” ዝብል ቃንዛ ከስምዕ ጀሚሩ። ተዓዛብን ተጸባይን ናበይ ገጽና ዲና ደኣ ክብል ተሰሚዑ። እቲ ገጣሚ ኣብዛ ንኺድ ናብ ትማሊ እትብል ግጥሚ ነቲ እዋን ብኸመይ የንጸባርቖ!

20170313_194456

ነዛ ግጥሚ ምስታ “ከምዚ ዘለኻዮ” እትብል ኣብ 2003 ዝተጻሕፈት ግጥሚ እናነጻጸርካ ምርኣይ፣ ናብ ኣየናይ ትማሊ ክኸይድ ይደሊ ምህላዉ ብንጹር ምግንዛብ ይከኣል። ናብ ትማሊ ናብቲ እዋን ብሩህ ተስፋን ንቕሎን … …

ብሓፈሻ ኣብቶም ካብ 2006 ክሳዕ 2011 ዘሎ እዋን ዝተጻሕፉ ግጥምታት ምስ እንምልከት፣ እቲ ትስፉው ተጸባዪ ዝነበረ መንእሰይ፣ ናብ ዝገረሞ ተዓዛብን ናበይ ገጽና ኢና ኢሉ ክሓትትን ኢና ንሪኦ። ዳርጋ ኣብ ኩሎም እቶም ኣብቲ መቓን ግዜ ዝተጻሕፉ ግጥምታት።

እቲ ትስፉው ጥራይ ዘይኰነ ተዓዛቢ ‘ውን ዝነበረ መንእሰይ፣ እንታይ ናበይን ከመይን እናበለ ይኸይድ ኣሎ ብትዂረት ይዕዘብ ነይሩ። እቶም ወሃብቲ ተስፋ፣ ነቲ ተተስፋዊ መንእሰይ ዝህብዎ ዝነበሩ ተስፋታት፣ ክትግብርዎ ዘይኮነስ ንምትላሉ ክጥዕሞም ይብልዎ ምንባሮም፣ ምስ ምዕባይ ዕድሜኡን ምስፋሕ ኣእምሮኡን ብዙሕ ከገናዝብ ክኢሉስ እዩ በጺሕዎ እዩ። ኩሉ ተስፋኡ ምስ ማህመነ እንታይ በለ?

20170314_191054

ስደትን ከርተትን ንሱ ዘስዓቦ ስነ-ኣእምሮኣዊ ነውጽን፣ ጽምኢ ሓርነትን በብዝጥዕሞ ንምንድያ ዝገበሮ ፈተነን ንሱ ዝወለዶ ቅልውላውን ኣንፈት ምጥፋእን፣ ቅድሚ 12 ዓመታት ውጻእ መዓት ኲናት ዝነበረ መንእሰይን ንዕኡ ዝተኸተለ ንኡስ ወለዶን ግርም ገይሮም ካብ ዝደሃዂዎ ባእታታት ሂወት እዮም። ዝኸፍአ ጸገም ናይዞም ባእታታት እዚኦም፣ ተስፋኡ ጸንቂቖም ኣጸልሚቶሞ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሓድሕዱ ከምዘይሰማማዕን ከምዝበዳደልን እዮም ገይሮሞ።

ካብ 2011 ክሳዕ ዓመተ-ሕትመታ ዝተጻሕፉ ግጥምታት እዛ መጽሓፍ ነዚ ሂወት እዚ ብዝተፈላልየ ሸነኻቱ ኣንጸባሪቖሞ ኣለዉ።

“ስስዐ” ኢሉ ዝጀመረ ተርታ ናይዞም ዝጥቀሱ ዘለዉ ግጥምታት፣ ንጠንቂ እቲ ስደትን ከርተትን እናርኣየ ንሳዕቤናቱን በቲ ሳዕቤናት ኣብ ሂወት ኤርትራዊ መንእሰይ ዝተራእየ ዝተፈላለየ ዓይነት ቅልውላውን፣ ብዝተፈላለዩ ገጸ ባህርያትን ዛንታታቶምን ይርአ።

“ልቢ ዝጐሃየ” “ፈጢሩ ኣይጸይቕ” “ነፍሰ ቅትለት” “ደቂ ደቀይ” “መስቀል ብራቕ” “ኲነታት ኣየር” “ሸዊት ዕፉን” ወዘተ ዝኣመሰላ ግጥምታት ስእላዊ ምስሊ ናይዚ ዝጥቀስ ዘሎ እዋን ዘርእያ ኮይነን፣ ከም እኒ፣ “ነገር ስጋ” “እንተበልኲኻ ኸ” “ከመይ ውዒልኪ ወርሒ” “ከይደ ኣለኹ” ወዘተ ዝኣመሰሉ ግጥምታት ድማ፣ እቲ እዋን ዝፈጠሮም ገጸ ባህርያት ነቲ ቅልውላው ሂወት ኤርትራዊ ክውክሉ ንዕዘቦም።

ፍሉይ ጽባቐን ብልጫን ናይዛ መጽሓፍ እምበኣር፣ ብክልተ ሸነኽ፣ ማለት ብኣድማሳዊ ዓይኒ፣ ዘገምታዊ ዕብየትን ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጽእ ኣእምሮኣዊ ለውጥታትን ከተንጸባርቕ እንከላ፣ ንሂወት ኣብ ሓደ ወለዶ ኤርትራዊ መንእሰይ ብስሩዕ ቅድም ተኸተል ዘጋጠመ ክስተትን ውጽኢቱን ድማ በቲ ካልእ እተጒልሕ ታሪኽ ዝሰነደት መጽሓፍ እያ።

ገጣሚ፣ ኣብ ዝበዝሑ እቶም ግጥምታት ዝተጠቕመሉ መረጻ ኲርናዕ ንርእየት ዛንታታትን ንዕኡ ንምግላጽ ዝተጠቕመሎም ቃላትን ድማ፣ ኣብ ኣዝዩ መዓልታዊ ሂወት ተዛራቢ ቋንቋ ትግርኛ ዝዝውተር ግና ከኣ ብልዑል ጥበብ ዝተሰርሐን ዝተመስርሐን ኣብ ዝኾነ ደረጃ ዕደመን ኣተሓሳስባን ዘሎ ዘሎ ሰብ ብቐሊል ክርድኦ ዝኽእል ሜላ ኣጸሓሕፋ እዩ።

20170402_183353[1]

ሓደ ብቐሊል ዘይጥመት ተወሳኺ ብልጫ ውን ኣብዛ መጽሓፍ ተንጸባሪቑ ኣሎ፣ ነቲ ሰፊሕ ክፋል ማሕበራዊ ሂወት ህዝቢ ኤርትራ ዝሽፍን ገጠራዊ ናብራ፣ ሒደት ግን ኣዝየን ስእላውያን ዝኾና ግጥምታት ኣብዛ መጽሓፍ ሰኒደንኦ ኣለዋ። ንኸቢድ ናብራ ገጠራዊት ኣደ፣ ኣብታ “ድራማ ገዛና” እትብል ግጥሚ፣ ሂወት ብዘለዎ ምንቅስቓስ ከተንጸባርቖ እንከላ፣ ነቲ ኣብ ዝናብ ክረምቲ ጥራይ ዝምርኮስ ሂወት ሕርሻን ብድሆታቱን ከርእያ ዝኽእላ ግጥምታት ውን ወዝ ናይዛ መጽሓፍ ኮይነን፣ ንዝኾነ ኣካልን ኣብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ምስሊ ሂወት ናይቲ ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ናብራ ዝነብር ኤርትራዊ ገባር ዝምስክራ እየን።

ኣብ እግሪ ነፍሲ ወከፍ ግጥሚ ዝተጻሕፈሉ እዋን ምህላዉ፣ ነዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ኣርእስቲ ብዝግባእ ክንጸባረቕ ኣዝዩ ሓጋዚ ኮይኑ ብዝግባእ ኣብዛ መጽሓፍ ክርአ ዘኽእል እዩ። ብቕድም ተኸተል ናይቲ ዝተጻሕፍሉ እዋን ወይ ብዘልዕልዎ ቴማ ድዩ ዛንታ ዘይምቕማጦም ግን ነዛ መጽሓፍ ጽፈት ዘጒድለላ ተርእዮ ይመስል። ነዚ ብዝምልከት ንገጣሚ ብርሃነ ገብረህይወት ተወኪሰዮ ነይረ። ብዘይካ እቶም ኣብ ፈለማን መወዳእታን ተቐሚጦም ዘለዉ ክልተ ግጥምታት ካልእ ብሃውሪ ዝዀነ ምዃኑ መሊሱ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ዝተጻሕፉ ግጥምታት ነናቶም ታሪኽ ሃልይዎም፣ ነቲ እዋን ዝነበረ ኲነተ ኣእምሮ ውን ዝውክሉ ክኾኑ ስለዝኽእሉ (ብርግጽ ውን ግጥምታት ናይዛ መጽሓፍ ከምኡ እዮም።) ብቕድም ተኸተል እንተዝቕመጡ፣ ሓደ ንጹር ታሪኻዊ ስእሊ ከተሕዙ ምኸኣሉ።

ከምዚ ዓይነት ጸገም፣ ኣብ ናይ ሓጸርቲ ዛንታታት መጻሕፍቲ ትግርኛ ውን ተዘውቲሩ ዝርአ እዩ። ከም ትዕዝብተይ ከኣ፣ እዚ ጸገም እዚ፣ ሞያውያን ኣርታዕቲ ነዞም መጻሕፍቲ ስለዘየርትዕዎም ኮይኑ እስምዓኒ።

ንምጥቕላል፣ ኣብ መጽሓፍ ድምጺ ልቢ እዚ ዝተቐስኲዎ ኲርናዕን ዛንታን ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ኣምራት ውን ከምዘሎ ክምስከር ዝከኣል እዩ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብዕምቆት ክርእየሉ ዝኽእል ዕድል እናተመነዂ ንሎሚ በዚ ክውድእ።

ፍቕረይ የማን

7 thoughts on “ድምጺ ልቢ፣ ምስሊ ኤርትራዊ መንእሰይ

  1. ብጣዕሚ እየ ዘመስግነካ ።ሎሚ ኣብ ገጻት ፌስቡክ ረኺበካ ብእኡ ኣቢለ ድማ እየ ናብዚ ወብሳይት ኣትየ። ኣብ ቀጻሊ ካባኻ ብዙሕ ክመሃር ይደሊ እየ። ሓውኻ ካብ ዓዲ እንግሊዝ

    Liked by 1 person

  2. ሰላም ኣማኑኤል፡
    ስለዚ ክብረት ዝመልኦ ኣተባባዒ ቃላትካ ብዙሕ አመስግነካ፡፡
    ጸሓፊ ከማኻ ዝኣመሰሉ ግዱሳት ነበብቲ ክረክብ እንከሎ እዩ ሞራሉ ዝዓቢ እሞ፡ ነዚ ሞራል ዘዕቢ ተግባርካ ደጊመ አመስግነካ፡፡

    Like

  3. ሰላምታ እግዚኣብሄር ብምቕዳም ኣብ ስራሕካ ዘለኒ ኣድናቖት ከመስግን ፍቐደለይ። ኣብዚ ጎግል “ስነ-ጽሑፍ እንታይ’ዩ፥” ኢለ ዘወን ኣብ ዝበልኩሉ፡ ልብኻ ዘረስርስ ካብ ትጽቢተይ ወጻኢ ዘዕግብ መልሲ ዝረኸብኩሉ ኣጋጣሚ ጎኒፉኒ። ካብኡ ሓሊፈ ጽሑፋትካ ኣብ ጸሓፍቲ ቋንቋ-ትግርኛ ዝነበረኒ ተስፋ ዳግማይ ኣሓዲሱለይ፡ ብፍላይ ኣብ ማሕበራዊ-መራኸቢታት። ከማኻ ይሰስኑ! ጽሑፋትካ ውሕሉላት ኣብ ርእሲ ሙዃኖም ትምህርቲ ዘቕስሙ ኮይኖም ረኺበዮም። ኣብ ቀጻሊ ካባኻ ብዙሕ ክመሃር ትጽቢት ኣለኒ። ነዚ ብሉጽ ጽሑፍካ ብነጻ ምርካበይ ውሽጠይ ይሓቕየኒ’ሎ። ይኹን ደኣ እምበር ምስጋናን ምትብባዕን ክበቀልካ ኣይመረጽኩን።
    ኢሳያስ
    ካብ ሽወደን

    Like

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s