ጥበባዊ ኣቀራርባ ልቢ ወለድ

ሓደ ደራሲ፡ ልቢ ወለድ ክጽሕፍ ምስ ዝደሊ ዝተፈላለየ ኣገባባትን ብፍሉይ ኵርናዕ ብምፍጣርን ጥበባዊ ዕዮ ከፍሪ ይግደድ። በዚ መሰረት ድማ እንተውሓደ ነዞም ሰለስተ ተክኒካዊ ኣቀራርባ ልቢ ወለድ (Technics of Novels) ብምግንዛብ ከንብሮም እድለ።

ሀ. መነጽረ ዛንታ (Point of View)

ለ. ቅዲ( (Style)

ሐ. ውከላውነት (Symbolism) ምጥቃስ እኹል ኢዩ።

ሀ. መነጽረ ዛንታ፡

መነጽረ ዛንታ እንታይ ኢዩ? ዛንታ ኸ ብኸመይ ይዝንቶ? ብመን ይዝንቶ? ብንጹር ክሰፍር ግድን ኢዩ። መብዛሕትኦም ደረስቲ ወይ እውን ናይዚ ዓውዲ ምሁራን ንመጽረ ዛንታ ኣብ ክልተ ከፊሎም ይሪእዎ። መነጽረ ዛንታ ቀዳማይ ኣካልን ሳልሳይ ኣካልን ብምባል ይጽውዕዎ። ድሒሮም ድማ ነቲ ሳልሳይ ኣካል ኣብ ሰለስተ ብምምቃር ብምኽፋል ክፍትልዎ ይርኣዩ።

  1. መነጽረ ዛንታ 1ይ ኣካል (1st person point of view)

ቀዳማይ ኣካል መነጽረ ዛንታ፡ ብ “ኣነ” ዝዝንቶ ብምኳኑ፡ እቲ ቀንዲ ጠባይ ኣዘንታዊ ምስ ኣንባቢ ብቐጥታ’ዩ ዝራኸብ። እዚ ጠባይ ብዓሉ ኣዘንታዊ ብምኳኑ ምሉእ ናይ ምባል ናጽነት ኣለዎ። ብናጻ ሓሳቡ፡ ስምዒቱ፡ ዊንታኡ፡ ድሌቱ ኪብል ይኽእል። ደራሲ እውን ምስ’ዚ ጠባይ ፊት ንፊት ስለ ዝራኸብ፡ ናቱ ባህግን ድሌቱን ኣብ ምትእትታው ዝዓበየ ተራ ኪህልዎ እኽእል ኢዩ ከኣ ይበሃል። ኣብዚ መነጸረ ዛንታ ቀዳማይ ኣካል ከም ጸገም ወትሩ ዝጥቀስ ከኣ ‘ብኣነነት!’ ስለ ዝዕብለል ንነብሱ ክንእድ፡ ክውድስ፡ ከጸብቕ ህርድግ ምስ በለ ኢዩ። ከምቲ ወደሳኡ ንገዛእ ርእሱ – ንነብሱ ክግስጻ፥ ክእርማ ብዘይ ምኽኣሉ ከም ድኻም ይቝጸር።

  1. መነጽረ ዛንታ ሳልሳይ ኣካል ( 3rd person point of view)

መነጽረ ዛንታ ሳልሳይ ኣካል፡ ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘለኹ፡ ኣብ ሰለስተ ብምኽፋል ክርአ ይከኣል ኢዩ።

ሀ. ሳልሳይ ኣካል ፈሊጠ ኵሉ፡

ሳልሳይ ኣካል ፈሊጠ ኵሉ (Third Person Omniscient)፡ መነጽረ ዛንታኡ – ደራሲ ኵሉ ነገር ከም ዝፈልጥ ኰይኑ ዚዝንቶ ኢዩ። ‘ንሳ፡ ንሱ፡ ንሳተን፡ ንሳቶም’ እናበለ ‘ኢላ፡ ኢሉ፡ ኢለን፡ ኢሎም’ እናተባህለ ኢዩ ዚዝንቶ። ኣብዚ ዓይነት ኣዛናትዋ ከም ድኹም ጎድኒ ዝርአ፡ ብዓብላልነት ደራሲ ስለ ዚዝንቶ ኣንባቢ ምስ ጠባያት ብቐጥታ ኣይራኸብን ኢዩ። በዚ መሰረት ድማ ኣንባቢ ንጠባያትን ደራስን ኣብ ምፍልላዮም ይጽገም። በዚ መዳይ ክትጽሕፍ ምስ እትደሊ ረቂቕ ክእለት የድሊ።

ለ. ሳልሳይ ኣካል ውሱን ዝፈልጥ፡

ሳልሳይ ኣካል ውሱን ዝፈልጥ (Third Person Limited)፡ ደራሲ ብመሪሕነት ቀንዲ ጠባይ ዝደለዮ እናመሓላለፈ፡ ንጠባያት ኣብ ምልላይን ኣብ ምግላጽን ግን፡ ናይ ደራሲ ተራ ኢዩ። ጠባያት ከኣ፡ ብዓሎም ክዛረቡ፡ ክነግሩ፡ ክገብሩ ክገድፎም ዘገድድ መነጽረ ዛንታ ኣካል ኢዩ። ኩሉ ብደራሲ ስለ ዘይምእኸል ከኣ ትምኒቶም ይኹን ድሌቶም ከምኡ እውን ባህጎምን ራኢይኦምን ክነግሩ ዘኽእል መድረኽ ኣለዎም።

ሐ. ሳልሳይ ኣካል ዝርርብ፡

ሳልሳይ ኣካል ዝርርብ (Third person Dramatic) እዚ ዓይነት ኣዘናትዋ ምሉእ ብምሉእ ብጠባያት ተባሒቱ ዝዝንቶ ኢዩ። እዚ ኣገባብ ዝርርብ ምስ ተዋስኦ ወይ ፊልም ኣዝዩ ዝተቐራረበ ኣዘናትዋ ኣለዎ። ኣብዚ ከም ሓያል ጎድኒ ኢሎም ዝገልጽዎ ድማ ኣንበብቲ ብቐጥታ ምስ ጠባያት ክራኸቡ ስለ ዘኽእሎም ኢዩ። ብዙሓት ምሁራን ናይዚ ዓውዲ ከም ‘ዘመናዊ ኣገባብ ኣዘናትዋ’ ኢሎም፡ ክጠቕስዎ ይስምዑ ኢዮም።

ለ. ቅዲ

ቅዲ( Style): ፈጠራዊ ይዅን ዘይፈጠራዊ ጽሑፍ ብዘየገድስ ብቕዱ ልሉይ ኪኸውን ጽቡቕ ኢዩ። ቅዳዊ ኣጸሓሕፋ ኣብ ፈጠራዊ ስነ ጽሑፍ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን። ኣብ ሓደ ቅማረ ከም ማተማቲክስ ወይ ከም ሳይንስ ዝቘመ እውን ኣይዀነን። ኵሉ ግዜ ኣብ ፈጠራ ደራሲ ኢዩ ዝምርኮስ። ዘይተርኣየ ዘይተበርበረ ብምግንዛብን ብምዕዛብን ዝፈጥሮ ደራሲ ኢዩ።

20161030_1542461

ውቃበ ዘለዎ ጽሑፍ፡ ምልኣት ኣስተቲካዊ ጽባቐ ዘለዎ ጥበብ – ኣብ ኣሰኳዅዓ ቃላትን ኣመሰራርታ ሙሉእ ሓሳባትን ውህደት ሕጥበ ጽሑፍን (ስውያ ንግግር) ብምንጻር፡ ቅዲ ኣጸሓሕፋኡ ንምልላይ ኣየጸግምን ኢዩ።

ብዙሓት ዓይነት ቅዲ ኣጻሓሕፋ እኳ እንተለዉ፡ እቶም ፍሉጣትን ልሉያትን ግን፡ ኣብ ሰለስተ ዓይነት ኢዮም

ዝምደቡ።

* ቀሊል (Simple Style)

* ማእከላይ (middle Style)

* ዝተሓላለኸ (Complex Style

ኣብ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ቅዲ ልቢ ወለድ ይኹን ካልኦት ፈጠራዊ ጽሑፋት፡ ዕላማን ሽቶን ጽሑፍ ብምንጻር፡ ግሉጽነት ናይ ምህላው ጠባያትን ንናይ ነጻነት ምጽሓፍ ዘብርህን ብምዃኑ፡ ክብርታት ምሕላው ድማ ብኸፊሉ ምስ ቅዲታት ኣጸሓሕፋ ክረአ ይከኣል ኢዩ።

ሱይ ያንግ ኣብታ ኣብ 2002 ዘሕተመታ “writing with style by scholarstic Guides” እትብል መጽሓፋ ኣብ ገጽ 22 ንቕዲ ኣጸሓሕፋ ንምግላጽ ከምዚ ዝስዕብ ቢላ ኣንቢራቶ ኣላ።
“ኣገባብ ኣጸሓሕፋ፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ጀማሪ ሙዚቀኛ ቅድሚ ኮንሰርት ምጽዋቱ ፡ ሙዚቃ ኖታ ኪፈልጥ ኣለዎ። ደራሲ እውን ቅድሚ ፈጠራዊ ዕዮ ምጅማሩ፡ ሓሳባቱ፡ ጽሕፈቱ፡ ተነበብቲን ተስዓብቲን ኪኾኑ እንተድኣ ዀይኖም ኣብ ምልከት ቋንቋን ኣብ ስርዓተ ነጥቢ ምልከትን ከርኢ ምስ ዝኽእል ኢዩ፡ ኣብቲ ቴክኒካዊ ኣጸሓሕፋ ከድምዕ ዝኽእል።” ብምባል ኣስፊራቶ ትርከብ።

ሐ. ውከላውነት( Symbolism)

ውከላውነት ኣብ ፈጠራዊ ጽሑፍ፡ ሓደ ካብቲ መሰተታዊ ነገር ሰንደቕነት ናይቲ ደራሲ ኢዩ። ደራሲ ኣብ ዕዮኡ፡ ነቲ ክውክሎ ዝደለዮ ነገር ብስዉር መገዲ ብምውካል የንብር። እቲ ውክልና ድማ ብስም ክኸውን ይኽእል፡ ተፈጥራኣዊ ከባቢ ክኸውን ይኽእል፡ ሓይማኖታውን ባህላውን ዘጣመረ ውክልና ክኸውን እኽእል ወይ እውን ሕልማዊ ፋንታዝያ ክኸውን ይኽእል።
ሲምቦሊዝም ኣብ ፈጠራዊ ስነ ጽሑፍ፡ ሓደ ኮፍ ዝበለ ሓሳብ ኢዩ። ደራሲ ነዚ ውከላውነት ሓሳብ ክትንትኖ ክፍትሎ ወይ ክንውግር ኣይደልን። ኣንባቢ ግን ብዓሉ ‘ደራሲ እንታይ እዩ ክብል ደልዪ?’ ምስቲ ዛንታ ብምንጽጻርን ብምዝማድን ክርእይዎ እፍትኑ። ድሕረ ባይታ ጽሓፊ ብምርኣይ እውን ሓሰስ ክብሉ ህርድግ ክብሉ ግድን ኢዩ።


ተስፊት ኣብርሃም

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s