ስነ ጽሑፍ እንታይ ኢዩ?

 

ትጽሕፍ ዲኻ?… እንታይ ትጽሕፍ?… እባ… ትደርስ ዲኻ? እንታይ ትደርስ? ክሲ ወይስ ቈይቊ. . . ‘ሓንጢጡኒ ጓጠዩኒ’ ዝዓይነቱ! ወይስ ማሃርኩ መኸርኩ ዝብል ምዕዶ ኣቦሓጎይ? እስከ ንገረኒ እንታይ ኢኻ ትጽሕፍ?

ንትርጉምን እንታይነትን ስነ ጽሑፍ ካብቲ ሰፊሕ መዳዩ ብጽብብ ዝበለ መዳይ ንምርኣዩ ዘገድስ እመስል። መዚ መሰረት ድማ ‘ስነ ጽሑፍ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ?’ ክንብል ግድን ኢዩ።

“ስነ ጽሑፍ. . . ነጸብራቕ ናይ ማሕበራዊ ህልውና ወይ ሓቂ ኮይኑ መሃዚ ንጥፈት ናይ ወዲ ሰብ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሎ ኣገባብ ብምዃኑ፡ ካብ ስነ ጥበብ ተፈልዩ ዝረአ ኣይኮነን። ሓደ ጽሑፍ ስነ ጽሑፋዊ ክብሪ ወይ ኣገዳስነት ኣለዎ ንኽበሃል ግን ነቲ ዘንጸባርቖ ዘሎ ባህርያዊ ወይ ማሕበራዊ ሓቂ ብመካኒካዊ መንገዲ ከቕርቦ የብሉን። ልክዕ ከምቲ ሓደ ስኣላይ ወይ ቀብኣይ ሕብርታት ብምትሕውዋስ በቲ ዘማዕብሎ ናይ ምሕንጻጽን ምቕባእን ምልካይን ምትንኻፍን ክእለቱ ሓደ ኣደናቒ ስነ ጥበባዊ ስራሕ ዘበርክት፡ ሓደ ጸሓፋይ እውን ብኣሰዃኹዓ ናይ ቃላትን ሰዋሱዋዊ ጽፈትን ደቂቕን ዓሚቝ ትዕዝብትን ንእንታይነት ውዱዕ ወይ ተርታ ናይ ሓደ ፍጻሜ ህይወት ክህቦ ይኽእል።” እዛ ሕጥበ ጽሑፍ ካብታ፡ “ስነ ጽሑፍ ኣመዓባብልኡን ተራኡን ኣብ ሰውራ” (1982) ብኣለምሰገድ ተስፋይ ዝተዳለወት መጽናዕታዊት ጽሑፍ ዝወሰድኩዋ ኢያ።

ስነ ጽሑፍ ነጸብራቕ ናይ ሕብረተሰባት ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ህሉው መንብሮ ሓፋሽ ብምልላይን፡ ነቲ ጭቖናን ምዝመዛን ገዛእቲ ብምርኣይን ንሓፋሽ ከንቅሕ ከበራብር ኣብ ርእሲ ምግባሩ፡ በቲ ካልእ መዳይ እውን ንኹሉ ከየጉልሐ ንመሳርሒ እምባ- ገነናዊ ስርዓታት ማዓላ ክውዕል እውን ይኽእል ኢዩ። በዚ ክልተ መድረኻትን ካልእ ዘይተጠቕሱ ኣገባባት ስነ ጽሑፍ ብምግንዛብ ክንሪኦ እንከለና፡ ኣብቲ መዳይ ናይ ምድሓንን ናይ ምጥፋእን መድረኻት ግን በቲ ይኹን በዚ ክልቲኡ በቲ ናይቲ ሕብረተሰባት ነጸብራቕ ከም ዝብገስ ምፍላጡ ኣገዳሲ ኢዩ። ስነ ሓሳብ ስርዓታት ንስነ ጥበብ ከም ቀንዲ መሳርሒ ፕሮፖጋንዳዊ መዓላ ብምውዓል፡ ንድኹም ጐድንታት ሕብረተሰብ ብምምዝማዝ ንስነ ጽሑፍ ንዘመናት ክረማስሱ ተራእዮም ኢዮም። ካብቲ ሕሱር ፕሮፖጋንዳዊ መዓላ ወጻኢ ነቲ ተገዛኢ ሕብረተሰብ ኣእምርኡ ብምኹሕዃሕ ከተበራብሮ እንተ ፈቲንካ ከኣ፡ ኣሰር ውሩያት ጽሓፍቲ ዓለምና ዝረኸበቶም ዕጫ ትረኽባ። እሞ ምምዓድ ምምካር፡ ሓተታ ጽሑፍ ምዝውታር ዶ እሓይሽ፥ ውይስ ሓንቲ መገዲ ሓርነት ሓፋሽ ዝኾነት ድርሰት ዘርጊሕኻ ቤት መሓዩር ምንባር? እቲ መልሲ ንሓማሚኡ ይኹን።

“ስነ ጽሑፍ፡ ኣብ ነገራትን ፍጻሜታትን ዘለና ርድኢት ስለ ዘማዕብለልናን ዘዕቢየልናን፡ ኣብ ከባቢናን ዓለምናን ንዚረኣዩ ኵነታት ክንፈልጦምን ከነለልዮምን ከምኡ እውን ክንግንዘቦምን ዘኽእለና ሓይሊ ብምኳኑ፡ ምስ ውሽጠዊ ስምዒታትና ብምውህሃድ ንህንጡይነት፡ ጭንቀት፡ ጣዕሳ፡ ፍርሓት፡ ሓጎስ፡ ተስፋ፡ ሞራልን ካልእን ብምእማት ንትርጉም ህይወት ርኢና ከነስተማቕሮን ክንገጥሞን ዝገብር ኪነ ጥበባዊ ስርሓት ኢዩ።” ኤድጋር። ኣስዒቡ ድማ፡ “ስነ ጽሑፍ፡ ኪንዮ ቀረባ – ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንዝፍጸሙ ወይ ንዝረኣዩ ፍጻሜታት ሕብረተሰብ ብምርኣይ ንቃልሱን ሕልሙን ኣመታት ብምሃብ፡ ሕብረተ ሰባት ኣተሓሳስብኦም ይኹን ኣረዳድእኦም ኪዓቢ ዝዓበየ ተራ ይጻወት።” Edgar v Roberts ኣብታ “Literature: An Introduction to Reading And Writing, (2001) እትብል መጽሓፉ ኣስፊርዎ እርከብ።

ስለዚ ብመሰረት ኣበሃህላ ኤድጋር፡ ስነ ጽሑፍ ኣድማሳውነት  ስነ ዝዀነ፡ ሓደ ጽሓፊ ኪንዮ ከባቢኡ ንዘሎ ኵርናዓት ዓለም ብምርኣይ፡ ንራእይን ጠመተን ከምኡ እውን መጻኢ ናይቲ ሕብረተሰብ ዝእምት ብምዃኑ ኢዩ፡ ዘረጋግጸልና። ንዅሉ መዳያት ህይወት ከም ዝትንክፍ ከኣ የብርሃልና እባ!

 ብተወሳኺ፣ ኣበህህላ እዚ ዘርእየና እንተሎ፣ ንቕሓት ሕብረተ ሰቦም ዘገድሶም ሓይልታት፣ ንስነ ጽሑፍ ብምዕባይ፣ ሕብረተ ሰባቶም፣ ሰፊሕ ኣረኣእያ ዘለዎምን ኣድማሳውነት እንታይ እዩ ክርድኡ ዘይጽገሙን ንኽኾኑ ክጽዕሩ እንከ`ለዉ፣ ብኣንጻሩ፣ ገበትትን ዓመጽትን ሓይልታት፣ ስነ ጽሑፍ ብምዕፋን፣ ሕብረተ ሰብ ከይነቅሕን ሰፊሕ ኣድማሳዊ ኣጠምምታ ከይህልዎን ምስ ካልእ ኲርናዕ ዓለም ከይላለን ይገብሩ። ኣብዚ ክንዝክሮ ዝግባእ ግን እዞም ሓይልታት እዚኦም፣ ንስነ ጽሑፍ ናብ ጸቢብ ፕሮፖጋንዳዊ ረብሓኦም ንምውዓል ከምዘጽብብዎ ውን እዩ።

“ኣብ. . . ናይ ስነ ጽሑፍ መልእኽቲ ናይቲ ደራሲ ብዝበለጸ ክንርድኦን ክንቕበሎን እንኽእል እቲ ደራሲ ካብቲ ባዕሉ ዚፈጠሮ ታሪኽ ወጺኡ (ደታችድ) ሓሳባቱ፣ ስሚዒቱ፣ ዓላማኡ፣ እምነቱ በቶም ባዕሉ ዚፈጥሮም ገጸ ባህርያት ጌሩ ምስ ዚግለጽ ጥራይ እዩ። ከምዚ ምስ ዚኸውን ጥራይ ከኣ ኢዩ ብዝበለጸ ኪማርኸና ዚኽእል።” ( ካብ k. zerom “literary assessment; on musa aron’s writing” (pp 219)) ብስነ ጽሑፍ ክትምዕድ ክትግስጽ ቢልካ ምሕሳብ ግን ብላሽ ኢዩ።

ስርሓት ስነ ጽሑፍ፡ ውርጹጻትን ውሑሉላትን ምስ ዝኾኑ፡ ዘላእለማዊ ተዘካርነት ይህልዎም። ኣብ ምዕባለ ሰውራ ስነ ጽሑፍ ዓለም ድማ፡ ከም ድልድል መላግቦ ምልክታት (blueprint) ኮይኖምስ፡ ካብ ጥንታዊ ምዕባለታት ግብጺን ቻይናን ናብ ግሪኻዊ ፍልስፍናን ስነ ግጥሚን ከም ቀዳማይ መላግቦ መድረኽ ስነ ጽሑፍ ክግለጽ እንከሎ፡ ካብ ናይ ሆመር ዝናዊ (Epics) ጽሑፋት ናብ ስርሓት ሸክስፒር መድረኽ ፍጹም ተኽእሎታት ድማ ከም ካልኣይ፡ ዝቐጸለ መላግቦ ካብ ጆን ኣውስተንን ቻርሎት ብሮንተንን ናብ ማያ ኣንጀሎ ናይ ስነ ጽሑፍ ስርሓት ዝቐጸለ ኢዩ። እዚ ዓቢ ስውጠት ንወለዶታት ማሕበረ ሰብ ዓለም ተዘካሪ ዕዮታት ብምግዳፍ ዘላእለማዊ መወከሲ ስነ ጽሑፍ ኮይኖም ንረኽቦም። (እዚ ብገዚፉ ከም መወከሲ ደኣ እምበር በቲ ደቂቕ መላግቦ መድረኽ ስነ ጽሑፍ ዝተወስደ ኣይኮነን።)

እዚ ብስፍሓት ክርአ እንከሎ፡ ካብ ከባቢ ዓለምና ናብ ኤርትራዊ ስነ ጽሑፍ ምስ እንምለስ፡ ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዎ ዝርጋሐን ኣመጻጽእኡን ምስ እንምልከት፡ ኣቕሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ዋላ’ኳ ምስ ዓረባዊ ስነ ጽሑፍ (Arabian knight) ወይ እውን ግሪኻዊ ፍልስፍና እንተ ዘይተዳረገ፡ እንብሎ ደኣ ይውሕድ እምበር፡ ምስ ምምሃዝ ፊደላት ግዕዝ ኣብ ኣድባራት ገዳማት ዝተጽሓፉ ጽሑፋት ክፋል ስነ ጽሑፋት ምኳኖም ምግንዛብ የድሊ። ዋላ ኳ እቶም ጽሑፋት ኣብ ምስጋናኣውን ልመናን ሞጎስን ዝተሰረቱ እንተኾኑ፡ ኣብቲ ኣሰኳኹዓ ቃላትን ሰዋስዋዊ ኣሰኳዅዖኦምን ግን እቶም ውሑዳት እኩላት ኢዮም። (ካብቲ መሃርና ምዓድና ዝብል የዋህ ሕጋጋት ግን ሓራ ኢዮም ኔሮም ምባል ኣይከኣልን። እዚ ግን ዘገርም ኣይነበረን። ዘገርምስ ሎሚ ዝተደግመ ደኣ. . . !)

ኣብ ዝተፈላለየ መጽናዕታዊ ስነ ጽሑፋት ሃገርና ከም ጀማሪ ድርሰት ስነ ጽሑፍ ብደረጃ ቅርጺ መጽሓፍ ግን ደብተራ ፍሳሓጊዮርግስ ዘየሓ ኢዮም። ኣርእስቲ እታ መጽሓፍ ድማ፡ “ብዛዕባ፣ እንካብ፣ ኢጦብያ፣ መንገድ፣ ኢጣልያናን፣ ንዙ፣ ሃገር፣ እዙይ፣ ብምርኣይ፣ ኣብ ሰብነቱ፥ ጦብላሕ፡ ዝበሎ፡ ጦብላሕታን ብትግርኛ፥” ( ሕትመት፡ 1895) ትብል ኢያ። ገለ ካብቲ ጽሑፍ ንምጥቃስ፡ “ቋንቋ፣ ትግርኛ፣ ኪፈልጡ፣ ኬፍልጡ፣ ዚፈትዉ፣ ዓበይቲ፣ ንቑሓት፣ ሰባት፣ ኣለዉ፣ እሞ፣ ብናያቶም፣ ኣመት፣ ሓገራ፣ እዙ፣ ነገር፣ እዙይ፣ ኣተወና። እቱ፣ ዝኣመትዎ፣ ኣመት፣ እውን፣ ብዛዕባ፣ እንካብ፣ ኢጦብያ፣ መንገድ፣ ኢጣልያናን፣ ንዙ፣ ሃገር፣ እዙይ፣ ብምርኣይ፣ እቱ፣ ኣብ፣ ሰብነትና፣ ዘኣተወና፣ ጦብላሕታን፣ ክንጽሕፍ፣ እዩ፣ እሞ፣ ከምኡ፣ እንከይ፣ ኣንዋሕና፣ ብሓጺሩ፣ ጸሓፍና፣ ኣውራ፣ መነቃቐሊ፣ እንከ፣ ፕሮፌሰር፣ ፍራንቸስኮ፣ ጋሊና፣ እዮም፣ ነኣኦም፣ እውን፣ ነበርክቶ፣ ኣለና።” ዝብል ድማ ይንበብ። ብመልክዕ ልቢ ወለድ ፈላሚት መጽሓፍ ስነ ጽሑፍ ትግርኛ (ኤርትራ) “ሓደ ዛንታ” (ሕትመት፥ 1927) እትብል ብገብረየሱስ ሃይሉ ዝተደርሰት ኢያ።

ስነ ጽሑፍ ትግርኛ ይኹን ካልኦት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዕምቆቶምን ርቀቶምን እናማዕበሉ ከይዶም ኢዮም። ንኣንባቢ ወይ እውን ንሓፋሽ ዝኹሕኹሕ ዘነቃቕሕ ከምኡ እውን ኣብ ፍሥፍናዊ መዳይ ከም ዝሕንብስን ከም ዝኣቱን ብምግባር ስነ ጽሑፋዊ ኪነ ጥበብ ኣብ ምምዕባል ተራ ሕብረተ ሰባት ዝዓበየ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። (ኣብቲ ጸወታ ግን ስነ ሓሳብ ገበትቲ ንዝኸሽሑ ደረስቲ ከም ገጸ በረከት መንበሪ ቤት ‘ቤትማሓዪር’ ከም ዝተበርከተሎም ኣበየ ከባቢ ኩርናዕ ዓለም ሕጂ እውን ንምልከት ኣለና።) ምሃርኩ፡ ገሰጽኩ፡ ቢልካ እንተጽሒፍካ ከኣ ንስነ ጽሑፍ ኣዕናዊ እምበር ጽባቐ ከም ዘይገድፍ ድማ ሓያለ ጽሓፍቲ ዝሰማምዕሉ ሓቂ ኢዩ።

“…ጸሓፍቲ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ክንምህር ክንግስጽ ክንመርሕ ዝብል ሕያዋይ መንፈስ ስለዘሕድሩስ ብዙሕ ካብ ናይ ጽሩይ ጽባቐ ከይረሓቑ ኣይክተርፉን እዮም፣ ከመይ ማለት መማህራን ካልኦት ናይ ልብ ወለድ ጸሓፍቲ ከኣ ካልኦት ከይኰኑ!… ልብወለድ ታሪኽ ናይ ርእሱ መልክዕ ዝሓዘ ኣደ ካብ ናይ ኣርትስ ቅርንጫፍ እዩ፤ ስለዚ ናይ ኣርት ስራሕ ክኸውን ቀዳምነቱ እዩ፣ ምናልባት ንትምህርቲ ዝጠቅም እንተዀነ ብድንገት ጥራሕ ምዃን ኣለዎ፣ ብዛዕባ ናቱ ጥቕሚ ክንዛረብ እንከሎና ድማ ብዛዕባ ‘ኤስተቲክ’ ጥቅሚ ደኣምበር። ኤኮኖሚያዊ ምዃን ኣለዎ ቢለ ኣይኣምንን ኢየ።” እዛ ጽሕፍቲ ኣብ መቅድም መጽሓፍ ” ዓቢዱዶ ትብልዎ፧” በየነ ሃይለ ዝወሰድኩዋ ኢያ።

 

ተስፊት ኣብርሃም (Tesfit Abraham)

Advertisements

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google+ photo

You are commenting using your Google+ account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s