ደልየኪ
ብዓይኒ ህጻን ኣብ ከብዲ ሰሌዳ
ብወኒ ንእስነት ኣብ ጐደና ኣብ ሜዳ
ኣብ ከርሲ መጻሕፍቲ ብፍልጠታዊ ሜላ፣
ደልየኪ
ኣብ ግንባር ብዓረር
ደም ከፊለ ደም ኣኽፊለ
‘መስዋእቲ’ ብምድራር፣
ደልየኪ
ኣብ ‘ደራሻት ባይቶ
ብልዝብ፣
ብምጒት ብሕቶ፣
ደልየኪ
ብብርዒ ኣብ ወረቐት
ምቚሕ ዘኽፈለኒ ዘእተወኒ ጸልማት፣
ደልየኪ
ኣብ መዓስከራት ስደት
ብናይ ትኳቦ ዕንጋለት፣
ደልየኪ
ኣብ ሰሃራ ኑባ
ምስ ጓሶት ራሻይዳ
ብሴፍ ብጠበንጃ፣
ደልየኪ
ኣብ ሰሃራ ዓረብ
ብዂርማጅ ብስሕለት፣
ደልየኪ
ኣብ መዓሙቚ ባሕሪ
ብዘይ ኣውያት ብዘይ ቀብሪ
ደልየኪ
ኣብ ሻውላት ደቡብ
ኣብ ጐደናታት ሰሜን
ኣብ ግምብታት ምብራቕ
ኣብ ርሻናት ምዕራብ።
ደልየኪ!
ከም ስርኤል ምስልኺ ዘይልለ
ከም ነፋሒቶ ሕብርኺ ‘ናተቐያየረ፣
ባህጊ ህጻንነተይ ንብላሽ
ተስፋ ንእስነተይ ብዘይትንፋስ
ምስሊ ስብእነተይ ህዱም መልኣኽ
ኮይኑ።
ንገርኒ እባ
ኣዳልያ ድየ ተጋግየ
ወይስ ኣብ ምልላይኪ እየ ዘንጊዐ፧
ፍቕረይ የማን
ለካቲት 2017
ኣዳልያ ኣይተጋገካን ምልላይ ኣይሰኣንካያን
ጎፍ ኣይበለትካን እሞ ምናልባት ሰፊራ ከይትከዉን ናብ ላዕላይ ሰማይ
LikeLike
ሰላም ንዓኩም ኣዳለውቲ ዓምዲ ድምጺ ብርዒ።
ብእትገብርዎ ስራሓትኩም ዕግበተይ እንዳ
ገለጽኩ ኣብዛ መባእታዊ ኣጸሓሕፋ ልብ ወለድ
ትብል ዓንደ ርእሲ ስፍሕ ዝበለ መብርሂ እንተ
ትህቡና ክንደይ ምመቀረ ነይሩ።
LikeLike